Start
ዞባታትን ጨንፋፍራትን ህደግኤ ንጀጋኑ ተጋድልትናን ጉጅለ ባህሊ ስኒት፡ ዘለዎም ደገፍ ይገልጹ ኣለው። Print E-mail
Written by ድ.ሰ.ደ.ኤ.   
Friday, 30 October 2009 12:16

ጀጋኑ ናይ ውደባን ፕሮፖጋንዳን ዕጡቓት ኣሃዱታትና፡ ህዝቢ ንምንቃሕን ንምውዳብን  ንዘካይድዎ

ስራሓት ንምዕንቃፍን መሊእካ ንምጭፍላቖምን፡ ብዕለት 15 ጥቅምቲ 2009 ኣብ ከባቢ ንኡስ ዞባ ጸሮና ተሃንዲዱ ንዝመጸ ጸራዊት ጸላኢ፡ ብቅጽበታዊ ናይ ጸረ-መጥቃዕቲ፡ ንዘውረድሉ ሰብኣውን ሞራላውን ክሳራ ዝተሰመዖም ሰውራዊ ፍናን ብምግላጽ፡ ሎሚ’ውን ከም ወትሩ ሰራዊትና ንምጥንኻር ካባና ዝጥለብ ዘበለ ኩሉ ከነማልእ ድልዋት ኢና ክብሉ፡ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ደገፍ መግለጺ ኣፍሊጦም።

እቲ ካብ ጨንፈር ስካንድንቢያን ዞባ ሕበራት መንግስታት ኣመሪካን ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ ዝወጸ መገለጺ፡ ውድብና፡ ሕቶ ህዝቢ ንምምላስ፡ ዕላማታት ህዝባዊ ደሞክራሲ ንምዕዋት፡ ሓሳብን ተግባርን ኣጠዓዒሙ፡ ህዝቢ ካብ ኣትይዎ ዘሎ ኩለ-መዳያዊ ቅልውላው ንምድሓን፡ ንመደባት ጸላኢ ኣብ ኩሉ መዳያት ንምብርዓንን፡ ብኡ ኣቢላካ ንምውጋዱን ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ጥምጥም፡  ብተጋደልትና ዝተመዝገበ ዓወት፡ ከም ዘድነቑ ገሊጾም።

 

 ብተመሳሳሊ፡  ብሓልዮ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ ህደግኤ እንዳተኣልየት፡ ኣብ ስነ-ጥበባዊ ስራሓት ትነጥፍ ዘላ ጉጅለ ባህል ስኒት፡ ኣብ ሓጺር ናይ ምስረታ ዕድሜኣ ህዝባዊ ሓርነታዊ ቃልስና ንምጉልባት፡ ናይ መንእሰያትና ናይ ቃልሲ ኒያት ንምብርባር፡ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸሐ ሕውነታዊ ዝምድና ናብ ንቡር ብምምላስ፡ ምክብባር ዝዓሰሎ ሰላምን ሰላማዊ ዝምድናን ንምጉልባት፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራን ዝተፈላለየ ከተማታት ትግራይን እንዳተዘዋወረት ንዘቕረበቶ ባህላዊ ምርኢት፡ ብሓው ህዝቢ ትግራይ ዝተገብረላ ድሙቕ ኣቀባብላን ንኢዶምን ኣሞጒሶምን።

 

ድ.ሰ.ደ.ኤ.  ዕለት 30.10.2009