Start ቃል ሓዘን Condolence Opinions ነቲ ቅኑዕን ሓላፍነታውን ተግባሩ ኩሉ ክፈልጦ’ሞ ሞራላዊ ደገፍ መታን ክህቦ
ነቲ ቅኑዕን ሓላፍነታውን ተግባሩ ኩሉ ክፈልጦ’ሞ ሞራላዊ ደገፍ መታን ክህቦ PDF Print E-mail
Written by ድ.ሰ.ደ.ኤ.   
Wednesday, 28 October 2009 21:53

ሓው ስሌማን የሕያ በቲ ዝገብርካዮ ሃገራዊ ተገዳስነት ዝመልኦ ሰናይ ተግባር ኣመስግነካ። እዚ ቅዱስ ተግባር’ዚ ኣብ ኩሉ ኤርትራዊ ንኽሰፍን ድማ እላቦ።

ቀጺለ ናብ’ቲ ኣብ’ዚ ጉዳይ’ዚ ዘለኒ ትዕዝብትን ሓበሬታን ክወስደኩም። ሚኒስተር ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነት ዝነበረት ኣስካሉ መንቆርዮስ፡ ምስ ሰዓብታ ኣገልጋሊት ናይ ውልቀ  ምልኪ ብምዃን ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራውያን ዝፈጸመቶ እከይ ተግባራት ዘሕዝን ዘስደምም’ዩ።  ኣስካሉ  ንደቂ-ኣንስትዮትዮና  ከም እንስሳ ኣብ ዕዳጋ ሃገራት ዓረብ ኣውሪዳ ክሽየጣ ዝገበረት’ያ።

 

 ግን እተን ኣናብስ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራውያን  ነቲ ኣብ ዓለም ተገይሩ ዘይፈልጥ ግዕዙይ ተግባራት ኣፍሽለናኦ’የን። ጀጋኑ ደቂ-ኣንስትዮ  ከም’ቲ ንሃገረን ዘበርከታኦ  ዘኹርዕ ፍጻሜ ሕጂ’ውን ንመሰለንን ኽብረተንን ይምክታ ኣለዋ።  ከም ልሙድ ድማ ዕሱባት  መላኺ ኢሳያስ ዝገብርዎ ምስ ሰኣኑ፡  ኣብ ደቂ-ኣንስትዮ ዕዳጋ መሸጣ ኣትዮም። ንደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራውያን ብኹንትራት  ስራሕ እንዳበሉ ኣብ ምሉእ ሃገራት ዓረብ ንዕዳጋ ኣውሪደሞን’ዮም። ብሰንኩ ድማ ሰብኣዊ መሰል ናይ’ተን ደቂ-ኣንስትዮና ምድፋሩ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ህዝቢ ከም ህዝቢ ክንዋረድ ገይሩና’ዩ።

 

 እተን ግዳይ ዝኾና ኤርትራውያን ደሞዘን ኣብ ካዝና መንግስቲ ህግደፍ ንምእታው ዝተገብረ ጻዕሪ ንምፍሻል፡ ክብረተንን መሰለንን ንምሕላው ግቡኣን ኣማሊኣ ተቓሊሰንን ይቃለሳ ኣለዋን። ስለዚ ከኣ ሕልሚ ዓመጽቲ ፈሽሉ ኢዩ። ህግደፋውያን ገበርቲ ጉድ ከም’ዚ ተግባራት’ዚ ክገብሩ ናይ መጀመርታኦም ኣይኮነን።  ከም ታሪኽ ክጥቀስ ዝከኣል ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሃገረ ስዑዲ ዓረብ ብተመሳሳሊ ብኣባላቶም ደቂ-ኣንስትዮ ከም ዝሽየጣ ከም ዝገበረ ዝዝከር’ዩ።

ከምኡ’ውን ኣብናይ ምንዝርናዊ ዕዳጋ ቅድሚ ምእታው ኣብ 2001 ኣቢሎ፡ ነቲ ብደም ጀጋኑ ዝመጸ ነጻነትና ተጠቒሙ ሃብቲ ኤርትራውያን ኣልሚሱ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዕዳጋ ኣውሪድዎ’ዩ። ስለዚ ንህግደፍ ንምክፋእ ዘይኮነ፡ እቲ ሓቂ እከይ ተግባራቶም ናብ ህዝቢ ኤርትራ ንምቅላዕ’ዩ። ነዚ ከዛርበኒ ዝኸኣለ እቲ እከይ ተግባራቶም ከም  ቁስሊ ኮይኑ ስለ ዘሳቕየኒ ዘሎ፡ ኩሉ ግዱስ ኤርትራዊ ነዚ ሕማቕ ተግባራቶም ብልክዕ ክትፈልጦን ፈሊጡ ከብርዕኖን ካብ ዝብል ሃገራዊ ሕልና ዝነቅል’ዮ። እቲ ኣብ ሃገር ኲዌት ብቆንስላን ኤምባሲ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ነዘን ክቡራት ኤርትራውያን ዝተገብረ ናይ መሸጣ ኣካል ኣምሳል ናይ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዝፈጸምዎ ዘለው ባርነታዊ-ዕዮ‘ዩ። ንኣብነት ኣቶ ግርማይ ዝበሎ ቃል ብቃሉ ከም’ዚ ይብል፡ ዝበሉኽን ኩሉ ከተማላእ ናይ ግድን’ዩ ነዚ እንተዘይኣማሊእክን ኣነ ከም ቆንስላ መጠን ክፈልጠንክን ኣይክእልን’የ። ግርማይ ቆንስል ህግደፍ ኣብ ኲወት’ዩ። ስለዚ ንሳተን’ውን ንዝበለን ተቐቢለን ኣብ ስራሕ ተዋፈራ። እቲ ዝተዋፈራኦ ስራሕ ከም’ቲ ዝተጸበያኦ ዘይኮነስ፡ ብኣንጻሩ መዓት  ግዕዘይ ፍጻሜታት ኣብ ልዕሊአን ክፍጸም ከኣለ። ነብሰን ንምድሓን ከኣ ከም’ቲ ጸድፊ ዓድኻ ካብ ፍርሕን የድሕነካ ካብ ሞት ግን ነየድሕነካ ከም ዝበሃል፡ ብዓቕሊ ጽበት ተመሊሰን ናብ ኤምባሲ ህግደፍ ክሃድማ ጀመራ። ከምኡ’ውን ናብ ማሕበረ ኮም ኤርትራውያን ተኸታታሊ ህድማ ፈጸማ። እንተኾነ ሕጂ’ውን  ብወገን ቆንስል ህግደፍ ኮነ ብማሕበረ ኮም ዝተዋህበክን ስራሕ ክትፍጽማ  ናይ ግድን’ዩ በልወን። ንሳተን ግን ናይ ነብሰን ድሕነት ንምክልኻል እምቢታ ኣስመዓ።

 

 ድሒሩ’ውን ቆንስል ህግደፍ ግርማይ ወርቐት ኣምጺኡ ኣብ’ዚ ፈርማ ኢሉ ኣገደደን። ንገሊአን ኤርትራውያን ኣይንፈልጠክንን ኢና በለን። ንሳተን ግን በቲ ዝወረደን ናይ መሸጣ ዕዳጋ  ደጊመን እምቢታ ኣስመዓ።  ከም’ዚ ክብላ’ውን መለሳሉ፡ ንሕና ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ኤርትራ ግቡእና ዘበርከትና ኢና። ንሳትኩም ሓገዝኩም ኣይሓገዝኩም  ንፈርሓሉ ምኽንያት የብልናን። ኣይንፈርሕን ኢና’ውን በላኦ።

 ድሕሪ’ዚ ድማ’ዩ ግድን ኮይኑ ምስ ክቡር ሓው ስሌማን የሕያ ናብ መደበር ፖሊስ ከቕርበን መንገዲ ዝፍጠራ። ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣብ’ቲ ዝኸዳኦ መደበር ፖሊስ’ውን ጋዜጠኛ ረኺበን። እቲ ጋዜጠኛ ኩነታትን ብዕምቆት ንምፍላጥ ሓደ ብሓደ ብምርካብ  ሓተተን።  ከም ጋዜጠኛ’ውን  ስእለን ኣብ ራይስ-ኣልዓም  ዝተባህለት ጋዜጣ ኲዌት ኣውጸአን። ስለዚ ድማ  ብምትሕብባር ሓው ስሌማን የሕያ ኣብ’ዚ ኩነታት’ዚ ክበጽሓ ክኢለን።

ሓው ስሌማን የሕያ ከም ተርጓማይ ብምዃን ነቲ ዝወረደን ጸገማት ከረደኣ ብምሉእ ተሓባበረን። ስለዚ   ሓው ስሌማን በዚ ዘርኣዮ  ዜግነታውን ሰብኣውነት ዝመልኦ ቅዱስ ተግባር፡  ብኤምባሲ ህግደፍ ዜግነቱ ክግፈፍ ክሳብ ኣብ መደበር ፖሊስ ተኸሲሱ’ዩ። ግን ፖሊስ ኲዌት ጭብጢ ስለ ዘይረኸበ፡ ክስ ኤምባሲ ህግደፍ ፈሽሉ ተሪፉ። ስለዚ ኩሉ ግዱስ ኤርትራዊ ነዚ ሰብ’ዚ ናይ ሞራል ደገፍ ንኽህቦ ለበዋይ የመሓላልፍ።

 

ካብ ስሙ ክዕቀበሉ ዝመረጸ ኤርትራዊ ተቐማጣይ ሃገር ኲዌት

 

ድ.ሰ.ደ.ኤ. ዕለት 28.10.2009

 
 

ሓተታ Survey

ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ሓድነት ደሞክራሲያውያን ኤርትርትራ ከረጋግጽ እዩ!
 

ኣብ መርበብ Online

We have 16 guests online