Start ርእይቶታት Opinions ደብዳቤታት Letters Poems መራሒ ህግድፍ ባጽዕ ሸፊቱ
መራሒ ህግድፍ ባጽዕ ሸፊቱ PDF Print E-mail
Wednesday, 28 October 2009 21:48

መራሒ ህግድፍ ባጽዕ ሸፊቱ

ንመቃልስቱ በበሓደ ኣጺኒቱ

 

ካብ ሕድሪ ስዋኣቱ ዘይጠለመ

በርሀ ዑቁባዝጊ ጀርመን

 

ተቃለስቲ ካብ ኮኑ ደለብቲ ሃብቲ

ህዝቢ ዝዕምጹ ኣብ ኮውታ ለይቲ

ኣብ ደገ ኣለዉ ቡዙሓት መጣቃዕቲ

እንዳ አፋራርሑ ዘክፍሉ ክልተ ካብ ሚእቲ

ህዝብና ኮይኑ ናይ ዲክታቶር ሕዛእቲ

ጀጋኑና መቃብሮም ዕንበባ ክቦቁሎ

 

ብገዛእቲ  ኤረትራዊ ከም ሕጂ አይተመዝመዘን ግልቦቱ

እዚ ክወርዶ አይተጸበየን ካብ አሕዋቱ

ብጃንዳ ህግደፍ ወደባት ጸኒቱ

ዓገብ እንተበለ ትሓልፍ ሂወቱ

 

ኣለዉ ሙኡዙዛት ናይ ህግድፍ ሽፍታ

ኒዲክታቶር ክዕንግሉ ዝብሉ ሃታሃታ

 

ኣለዋ አብ ክንዲ ህግደፍ ዓይነን ዘፍጥጣ

ኣለዋ ቱርጉም ደሞክራሲ ዘይፈልጣ

ሕደጋ ኒዲክታቶር ምድጋፍ ገበን ሙዃኑ ፍለጣ

ጀጋኑና መቃብሮም ዕንበባ ክቦቅሎ

 

 ወላዲት ጀጋኑ ከመይ ኣላ

ኣብ ዑና ተደርቢያ ኣላዪ ዘይብላ

ባዓል ሳንዳይ ማዓሮይ ኣብሻይ እንቢ ዘይትብላ

 

ንዪካኣሎ ብጹሩራ ኣታሊሉ

ንህዝባዊ ግንባር ፋሕፋሕ ኣቢሉ

ንሕልሚ ህዝቢ ኤረትራ ቁማር ኢሉ

ይኽደን ከም መንጉስቱ ከይሃድም ነፋሪት አሊዒሉ

 

ክጥዕማ እታ ኦቶ ዝብልዋ ጊዲኡ

ህዝቢ ኤረትራ ክረክብ ጻሙኡ

ወዲ ሃገር ክረክብ ዓስቡ

ዋዓል ሕደር ከይበልና ቅልጽምና ነስምሮ

ጀጋኑ ክንፈጥር ዝሓንቁ ጎሮሮ

ጀጋኑና መቃብሮም ዕንበባ ክቦቁሎ

 

ሃየ እባ ንቃለስ ከም ቀደምና

ስዋኣትና ሓሊፎም ዓዲ ኣረኪቦምና

                  እንዳበሉ ከይትጠልሙ ሓደራ ስድራና

   ሓደ ኣካል ኮይና ነተግብሮ ሕድሪ ዘሃቡና

 

እንታይ ኢና ክንብሎ ናጽነት ድዩ መግዛእቲ

ካብ ተሸቁሪሩ ሰባይ ምስ ሰበዪቲ                                 

 ኩሉ ኮይኑ ናይ ምልኪ ሕዛእቲ

ጠፊኡና ኣብ ናጽነት ዲና ዞሎና ኣብ መግዛእቲ

 

ኣትን ቆናጁ ናይ ትማሊ ሎሚ ኣደታት

ንህግደፍ እንቢ በለኦ ክኸውን ኣውያት ንኣውያት

ተጠርነፋ ንህዝብና ክነውጸኦ ካብ ጸልማት

ጀጋኑና መቃብርፕም ዕንበባ ክቦቁሎ

ንህግደፍ ካብ ሱሩ ንንቀሎ

 

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ስዋኣትና

ውድቀት ንጃንዳ ህግድፍን ዓንገልቱን

 

 

 

 

 
 

ሓተታ Survey

ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ሓድነት ደሞክራሲያውያን ኤርትርትራ ከረጋግጽ እዩ!
 

ኣብ መርበብ Online

We have 71 guests online