|
መግለጺ ደገፍ ንኣራሚ ስጉምቲ ዝወሰዱ ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቕስቃስ

መግለጺ ደገፍ ንኣራሚ ስጉምቲ ዝወሰዱ ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቕስቃስ
ንሕና ኣብ ጨንፈር ሰመን ኣመሪካ ዘለና ኣባላት ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንስቕስቃስ ነቲ ክከይድ ዝጸንሓን ዘሎን
ዘይሕጋዊ ኣሰራርሓ መስርሕ ሓድነት ናይ ሰለስተ ውድባት ክንከታተሎን ክንዕዘቦን ጸኒሕና ኢና። እንተኮነ ግን ደሓን ሕጂ ይእረም ይከውን ጽባሕ ይእረም ይከውን ብምባል ብዓቕሊ ክንጽበ ጸኒሕና። ሕዝብና ንሓድነት
ውድባት ብጣዕሚ ከምዝህንጠዮ እሞ ሓድነት ክብሃል ከሎ ሃንቐው ኢሉ ከምዝጽበ እኳ ንርድኦ እንተኮነ ዘይጭቡጥ ዓፍራ ዝኮነ በኒኑ ዝከይድ ዓይነት ሓድነት ከነበስሮ ግን ድልዋት ኣይኮናን። እዚ ማለት ዲሞክራስን
ግሉጽነትን ዘይብሉ እሞ ብዘውጻእካዮ ግዝኣተ ሕግን ውሽጣዊ ቕዋምን ከይተቐይድካ ብቀይደ በተክ ብኢደዋኒኑ ፈጻሚት ሽማግለ መስርሕ ናይ ምትሕንፋጽን ፍጹም ሓድነትን ብምሕንጻጽን ነቶም ዲሞክራስያውን ጉባኤ ዝመረጾም መራሕቲ ካብ'ቲ መስርሕ ሓድነትን ካብ ፍጹም ኣሰራርሓ እቲ ውድብ ብምእላይ ባዕሉ ብኢደ ዋኒኑ ሰባት ብምሻም መስርሕ ሓድነት ከካይድ ንርኢ ኣለናን ጸኒሕናን። እዚ ኣገባብ ኣሰራርሓ እዚ ዲሞክራስያዊ ሓድነት ዘይኮነ ከምጽእ እንታይ ደኣ ዝተጠንሰ ምልኪ ስለዝኮነ ስጡም ዝኮነ
ምልካዊ ስርዓት ከምጽእ ከምዝክእል ብምርኣይን፤ ነዚ ተጠጂኡ ዘሎ ምልካዊ ጥንሲ ክንሕብሕብን ከነዕብን ድልዋት ብዘይምኳንናን እንታይ ደኣ ነቶም ኣራሚ መንገዲ ዘተንብሁ ዘለዉ ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቕስቃስ ምሉእ ድጋፍና ንህብ። ገለ ኣባላት ኤህም ጨንፈር ሰሜን ኣመሪካ ኣብ'ቲ መስርሕ ሓድነት ኬድና ኣብ'ኡ ኮይንና ንቓለሶ ዝብል መርገጺ ሒዞም ከምዘለዉ ይርድኣና እዩ። እዚ ዓይነት መርገጽ እዚ እኳ መሰሎም እንተኮነ እቲ ድሮ ተዘሪኡ ዘሎ ምልካዊ ኣገባብ ስለዝኮነን ካልእ ዘርኢ ከምዘድልን ጥራሕ ኢና ከነተንብሃሎም ንደሊ። እዚ ከይተዓረየ ከሎ ሱቕ ኢልካ ምካድ ከኣ ሳዕቤኑ ከቢድ ጥራሕ ዘይኮነ ንህዝቢ ኤርትራ ናብ ካልኣይ ድቕድቕ ጸልማት ናይ ምእታው ተክእሎ ኣለዎ።
ስለ'ዚ ኣባላት ጨንፈር ሰሜን ኣመሪካ ኤህም ነቲ ኣባላት ላዕለዎት ሓላፍቲ ውድብና ዝኮኑ ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ውድብ ዘውጽእዎ መግለጺ ብምድጋፍን ውድብና ዳጊም ብምብርባርን ኣብ መርገጺናን ዕላማናን
ብምጽናዕ ኩሉ ኣገባብ ቓልሲ ምስ ዝጥቐሙ ኩሎም ዲሞክራስያውን ሓይልታት ኮይንና ቓልስና ክንቕጽል ምኳንና ንሕብር። ቐጻሊ መግለጺታት ከነውጽእ ኢና ተከታተሉ።
ዓወት ወይ ሞት!
ጥቕምቲ 26፤2009
ኣባላት ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቕስቓስ ጨንፈር ሰሜን ኣመሪካ
|