|
እንዳ-ሓጂ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ከም ዝተቐትለት ተፈሊጡ |
|
|
|
|
Written by ድ.ሰ.ደ.ኤ
|
|
Wednesday, 28 October 2009 14:02 |
|
ሓንቲ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ፡ ኣብ ከባቢ ጸሮና እንዳ-ሓጂ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ከም ዝተቐትለት ተፈሊጡ።
ሓንቲ ንግዝይኡ ስማ ከነረጋግጽ ዘይከኣልና ኤርትራዊት ጓል-ኣንስተይቲ፡ ብዕለት 20 ሓምለ 2009 ካብ ኤርትራ ክትወጽኢ ሓሲብኪ ብዝብል ምኽንያት ኣብ ከባቢ ጸሮና ብእንዳሓጂ ኣብ ዝፍለጥ ቦታ ብጭካኔ ከም ዝተረሸነት ደንጒዩ ዝመጻና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ። ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ነታ ጓል ካብ ኤርትራ ንኽትወጽእ ተሓባቢርካ ብዝብል ተወልደ መድህን ኣበራሃ ዝተባህለ ትውልዲ ዓዱ ቆሓይን ዝኾነ መራሒ ጋንታ ከም ዝተታሕዘን ተፈሊጡ ኣሎ።
እቲ መራሒ ጋንታ ካብ ኣሃድኡ ምስ ተወስደ ኣበይ ከም ዘሎ ከም ዘይፍለጥ ዝገለጹ እቶም ምንጭታት፡ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ዝለሓኸ ዕላላት ግን፡ እቲ ተወልደ መድህን ኣብራሃ ዝተባህለ መራሒ ጋንታ፡ ካብ’ታ ዝተረእሸነት ጓል-ኣንስተይቲ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ንከስግራ ብ35000 ናቕፋ ከም ዝተሰማመዐ ከም ዝኣመነ፡ ስለምንታይ ከምኡ ትገብር ምስ ተባህለ ድማ ኣነ ካብ 1989 ጀሚረ ዘገልገልኩ ገዲም ወተሃደር እንዳሃለኹ፡ ኣብ መነባብሮይ ዝኾነ ይኹን ለውጢ ከርኢ ኣይከኣልኩን ብ700 ናቕፋ ተደርቢየ ዝበልዖ ምስ ሰኣንኩ ኣብ ከም’ዚ ወዲቐ ከም ዝበለን ሓቢሮም።
ብሰንኪ እቲ መንግስቲ ህግደፍ ዝኽተሎ ዘሎ በይናውን ኣዕናውን ፖሊሲ ዜጋታት ግዳይ ስደት ማእሰርትን ሞትን ይኾኑ ከም ዘለው ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ናይ ሕጂ ፍጻሜ፡ ታሕተዎት ይኹኑ ላዕለዎት ወተሃደራውያን መራሕቲ ህግደፍ ክሳብ ክንደይ ብሂወትን ሃብትን ኤርትራውያን ይጻወቱ ከም ዘለዎ ጭቡጥ መረጋገጺ’ዩ ክብሉ እቶም ወሃብቲ ርእይቶ ኣገንዚቦም።
ድ.ሰ.ደ.ኤ. ዕለት 26.10.2009
|