|
መኮነናት ህግደፍ ኣብ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን |
|
|
|
|
Wednesday, 28 October 2009 14:00 |
|
መኮነናት ህግደፍ ኣብ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጥሪት ድኻታት ሓረስቶት ይዘምቱ ኣለው ተባሂሉ።
ካብ መራሒ ሓይሊ ንላዕሊ መዝነት ዘለዎም መኮነናት ህግደፍ፡ ኣብ ዶብ ኤርትራን ትግራይን ካብ ድኻታት ሓረስቶት ጥሪት እንዳዘመቱ፡ ሓሪዶም ይበልዕወን ከም ዘለው፡ እሙናት ምንጭታት ደምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ሓቢሮም።
ንኣብነት ይብሉ እቶም ምንጭታት፡ ኣብ ክ/ሰራዊት 17 ኣብ ከባቢ በለሳ ካብ ድኻታት ሓረስቶት ብኣማኢት ዝቑጸራ ከብትን ኣጣልን ከም ዝዘመቱ፡ ንገሊአን ናይ’ቲ ሰራዊት በዓል ኢሎም ኣብ ዘዳለውዎ ሓሪዶም ከም ዝበልዕወን፡ ገለ ድማ ክሳብ ሕጂ ሒዘሞን ከም ዘለው፡ ቀጻሊ ዕድለን ድማ ምሕራድ ወይ መሻጥ ከም ዝኾነ እቶም ምንጭታት ገሊጾም።
ኣብ’ቲ ከባቢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ዓበይቲ ዓዲ፡ እዚአን ናይ ድኻታት ኣሕዋትና ጥሪት’የን ስለምንታይ ከምኡ ትገብሩ ዝብል ሕቶ ከም ዘቐረብሎም፡ እንተኾነ እቶም ተስፋ ቆሪጾም ኣብ ዝምታ ዝተዋፈሩ መጋበሪያ ውልቀ-ምልኪ ዝኾኑ መኮነናት፡ እዚኣተን ናይ መንግስቲ ወያኔ ‘የን፡ ናይ ጸላኢ ንብረትን ጥሪትን ከነዕኑን ክንምንዝዕን ድማ፡ ሓደ ካብ ዕማምና’ዩ ዝብል ሽፋን ከም ዝሃብዎም እቶም ምንጭታት ወሲኾም ሓቢሮም።
ድ.ሰ.ደ.ኤ. ዕለት 26.10.2009
|