Start ርእይቶታት Opinions ደብዳቤታት Letters News መሳርዕ ሰራዊት ህግደፍ ብዋሕዲ ሰብኣዊ ዓቕምን ዘይምትእምማንን ኣብ ከቢድ ጸገም ከም ዘለዋ ተገሊጹ።
መሳርዕ ሰራዊት ህግደፍ ብዋሕዲ ሰብኣዊ ዓቕምን ዘይምትእምማንን ኣብ ከቢድ ጸገም ከም ዘለዋ ተገሊጹ። PDF Print E-mail
Wednesday, 28 October 2009 13:58

ጸረ-ህዝቢ መንግስቲ ህግደፍ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ መንእሰያት፡ ካብ መኣዲ ትምህርትን ስራሓን ብሓይሊ እንዳገፈፈ መሳርዑ ብምምላእ፡ ናይ ዞባና ጎብለል ንምዃን ዓሊሙ ዘካይዶ ተግባራት ከም ዘልዎ ኮይኑ፡

እንተኾነ እቲ ብሓይሊ ተገፊፉ ዝዕስከር ዘሎ ሰራዊት፡ ኣብ ዓመት ምስ’ቲ ኣብ ሓደ ዙር ኣሰልጢኑ ዘውጸኦ ዝመጣጠን ሰራዊት፡ ንመሳርዑ ራሕሪሑ ይስደድ ስለ ዘሎ፡ መሳርዑ ብዋሕድን ስእነት ምትእምማን እንዳተሸገረ ይመጽእ ከም ዘሎ፡  ብዕለት 18 ጥቅምቲ 2009 ነቲ ስርዓት ራሕሪሑ ናብ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ዝኣተወ ወተሃደር ሓቢሩ።

በቲ ካብ መበል 17 ክ/ሰራዊት ሃዲሙ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተወ ወተሃደር ዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት፡ ሓንቲ ጋንታ ብ12 ሰባት ከም ትቐውም፡ ብተግባር ግን 4 ሰባት ጥራሕ ከም ዘለውዋ ኣቃሊዑ። እቲ ስራዊት ኣብ መንግስቲ ዘለዎ እምነት መሬት ዝዘበጠ ከም ዝኾነ፡ ንኣብነት እቶም ኣብ ግንባራት ንሓለዋ ኣዋፊርዎም ዘሎ ወተሃደራት፡ ነብሶም ካብ ሓደጋ ንምክልኻል ኢሎም ዝገብርዎ ሓለዋ እንተዘይኮይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ህልውና ናይ’ቲ መንግስቲ ኮነ መደባት ናይ’ቲ ሰራዊት ሓደጋ ንኸይበጽሕ ኢሎም ብእምነት ዝገብርዎ ሓላዋ ከም ዘየለ ኣቃሊዑ ክብል፡ ካብ ተጋደልቲ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ /ህደግኤ/  ብዕለት 20 ጥቕምቲ 2009 ዝመጸና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

 ብካልእ ተመሳሳሊ ዜና፡ ጀጋኑ ተጋደልቲ ህደግኤ ብዕለት 15 ጥቕምቲ 2009 ኣብ ከባቢ ንኡስ ዞባ ጸሮና፡ ኣብ መንጎ እግሪ መኸልን ኩዶ-ወይባን ብዝፈጸምዎ ዕውት ጸረ-መጥቃዕቲ ግብረ-መልሲ፡ ንስክላ ሃዲሞም ዘምለጡ ወተሃደራት ህግደፍ፡ ተበታቲኖም ጠፊኦም ከም ዝቐነዩ፡ እቶም ወተሃደራውያን ሓለፍቲ ድማ፡ ኣብ ክንዲ ብሂወት ኣለዎ’ዶ የለውን ኢሎም ዝጭነቑ፡ ብሂወት እንተተሪፎም’ውን ምኽንያት ገይሮም ሃዲሞም’ዮም ዝኾኑ ዝብል ወረታት ከናፍሱ ከም ዝቐነዩ፡ እቲ ንስለ ድሐነት ስድራ-ቤቱ ክብል ስሙ ክዕቀበሉ ዝጠለበ ወተሃደር ነበር ሓቢሩ።

ድ.ሰ.ደ.ኤ. ዕለት 26.10.2009
 

 
 

ሓተታ Survey

ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ሓድነት ደሞክራሲያውያን ኤርትርትራ ከረጋግጽ እዩ!
 

ኣብ መርበብ Online

We have 88 guests online