|
ዘተ ምስ መሪሒነት ዲሞክራዊ ግንባር ብሄራት ኤርትራ |
|
|
|
|
Written by ፓልቶክ
|
|
Wednesday, 28 October 2009 13:55 |
|
አገዳሲ ህዝባዊ ሓቤረታ…! ምሸት ፖለቲካዊ ዘተ ምስ መሪሒነት ዲሞክራዊ ግንባር ብሄራት ኤርትራ (ዲግብኤ)፡ ኽቡራት ኣሕዋት ተጋደልቲ ኣቶ ቀርነሊዮስ ዑስማንን ኣቶ መሓመድ መዓርን
ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ደቂ ሃገር፡ ብቀዳምነት ልባዊ ሰላምታና ይብጻሕኩም።
ቀጺልና ደጊም፡ ንልሙድ መደብና መሰረት ብምግባር፡ እንሆ ን-ቀዳም ዕለት 31.10.2009 ዓ.ም.ፈ (October, 31, 2009)፡ ንኽቡራት ኣሕዋት ተጋደልቲ ኣቶ ቐርነሊዮስ ዑስማንን ኣቶ መሓመድ መዓርን፡ ኣጋይሽ ናይ ኣዳራሽ ኤርትራውያን ንሓይልን ሕብረትን ተቓውሞ “(Eritrean room for strong and united opposition)“ ኮይኖም ከመሲዩ ዓዲምናዮም አሎና። እዚ ናይ ዘተ መድርኽና (Chat-Room) ዝኽፈተሉ ግዜ፡ ብናይ ብርሊን (Berlin) አቖጻጽራ፡ ሰዓት 20፡00 እዩ፡፡ መደረ ጋሻና ዝጅመረሉ እዋን ካአ፡ ሰዓት 21፡00 ክኸውን እንከሎ፡ ዘተ ምስ ኣጋይሽና ዘብቃዓሉ እዋን ካአ፡ ከባቢ ሰዓት 01፡00 ክኸውን እዩ። ድሕሪ’ዚ ካአ ኣጋይሽና ግዜ ሃሊይዎም፡ ፍቃደኛታት እንተ ኾይኖም፡ አብ ለበዋ፤ ርእይቶ፤ ነቐፈታ፤ …ወዘተ… ክንአቱ ኢና።
ኽቡራትን ኽቡራንን፡ አሕዋትን አሓትን ደቂ ሃገር፡ መዛተይ ኣርእስትና ቅድሚ ብዝርዝር ምጽሓፍና፡ ሓቤረታና ምልኡንት ክህልዎ ምእንቲ፡ ሕጽር ዝበለ መግለጺ እንታውነት ኣጋይሽና፡ ክንህብ አንበብቲ ሓቤሬታና ክትጻወሩና ብትሕትና ንምሕጸን፡፡ ክቡራት ኣሕዋት ተጋድልቲ ኣቶ ቐርነሎዮስ ዑስማንን ኣቶ መሓመድ መዓርን ከም ናይ ሕልንኦም ሞራሎም ግዙኣት፣ ከምኡ’ውን፡ ረብሓ ብዙሓት፡ ቅድሚ ውልቃዊ ረብሕኦም ዘቐድሙ፣ መጠን፡ ህዝብና መሰረታዊ ሰብአዊ መሰሉ አብ ትሕቲ ግዝአት ሕጊ ክረጋገጽን ክኸብርን፣ ምእንቲ፡ ሂዋቶምን ግዜኦምን ዓቕሞምን ከይበቐቑ፡ ተቃሊሶም ዘቃልሱ ዘለዉ ብሉጻት ደቂ ሃገር እዮም፡፡ ኽቡር ሓዉ ተጋዳላይ ቐርነሊዮስ ዑስማን ኣቦ-ወንበር ዲሞክራሳያዊ ምነቅስቃስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ(ዲምሓኩኤ)፡ ምክትል አቦ-ወንበር ዲግብኤ፤ ከምእዉን ሃላፊ ክፍሊ ዜና ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን (ኤዲኪ) ክኸዉን ከሎ። ኽቡር ሓዉ ተጋዳላይ መሓመድ መዓር ከኣ አባል ፈጻሚት ሽማግለ ዲሞክራሳዊ ውድብ ዓፋር ቀይህ ባሕሪ (ዲውቀዓባ)-ን ምክትል አቦ-ወንበር ናይ ውዳባን ወጻኢ ዝምድናታት ዲግብኤ ኢዩ። እዞም ብዝለዓለ ደረጃ ተቃሊሶም ዘቃልሱ ዘለዉ ብሉጻት ተጋደልቲ ንዕለት 31. 10. 2009፡ ምስ ህዝቢ ክዛተይሎም ሒዞምና ዝቐርቡ ዛዕባታት፡ ኣብ ሰለስተ አርእስቲ ዘቶኮሩ እዮም። ንሳቶም ካኣ ከምዚ ዝስዕብ ይመስሉ።
1. ልላ ምስ ዲሞክራሲያዊ ግንባር ብሄራት ኤርትራ (ዲግብኤ)።
2. ግደን ኣረዳድኣን ዲግብኤ ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ።
3. ሓቤረታ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ክውንነት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳንን ተቓዉሞ ደንበ ኤርትራን።
ስለዚ፡ ክቡራትን ክቡራንን፡ አሕዋትን አሓትን ደቂ ሃገር፡ ከምዚ ዝአመሰለ፡ ብጣዕሚ እዋናውን ኣገዳሲ ዝኾነ፤ ንኽውንነት ኣግባብ ኣቃላልሳ ተቓውሞ ደንበ ዘንጻባርቕ፤ ዛዕባታት፡ ዘተ ምስ ኣሕዋት ተጋደልቲ ኣቶ ቐርነሊዮስ ዑስማንን ኣቶ መሓመድ መዓርን፡ ከይሓልፈኩም/ክን፡ ተኻፈልቲ ናይዚ ምሸት እዚ ኮይንኩም/ክን ምሳና ክተምስዩ/ያ፡ ብኽብሪ ንዕድም፡፡
ብዳሓን ምጽኡ/አ …!!!
ካብ ኤርትራውያን፡ አባላት ናይ ዝተፈላለያ ውድባት/ሰልፍታት፤ በርገሳዊ ማሕበራት፤ ብውልቀ ተቓወምቲ፤ አብ መራኸቢ ብዙሓን፡ ፓልቶክ (Paltalk)፡ ብዛዕባ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን፣ ከምኡ’ውን ብአግባብ አቃላልሳናን አቓውማናን፡ እንማያየጥን እንዛተን ደቂ ሃገር፡፡
This e-mail address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it
|