|
ሓደ ሰብ መጺኡ ትኸዶ ዘለኻ መንገዲ ናይ ጥፍኣት መንገዲ ኢዩ፡ ሞት’ውን ኣብ ፊት ፊትካ ተደቂኑ ኣሎ፡
ብዝሓዝካዮ መንገዲ እንተድኣ ቀጺልካ ክትጠፍእ ኢኻ እንተዝብለካ እንታይ ብልሓት ምፈጠርካ ወይ እንታይ ምመሃዝካ ነርካ?
ቅድሚ ቍሩብ ዓመታት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣርካንሳስ ኣብ ዝተባህለ ክፍሊ-ሃገር ወይ ስተይት ኣብ ልዕሊ ወሓይዝ ሩባታት ዝተሰርሔ ዓቢ መንገዲ ድንድል ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ተሰይሩ። ተጓዓዝቲ መንኪና ደቂ-ዓዲ መንገዲ ብጥዕናኣ ኣላ ኢሎም ብናይ መናሃርያ (ሃይወይ) ፍጥነት እናተወንጨፉ ከለዉ ብዘይተሓስበ ሓደጋ እቲ መንገዲ ተሰይሩ ስለዝጸንሔ ሓደ ኣብ ልዕሊ ሓደ እናተደራረቡ እንዳተጸፋጸፉ ብምማቶም ኣብዛ ክፍሊ-ሃገር (ኣሜሪካ) ዓቢይ ሓዘን ኮይኑ ነይሩ። ክሞቱ ዘይግብኦም ሰባት ብምማቶም ጣዕሳን መረረን ተሰምዔ።
ኣብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ እዋን ኣብቲ ከባቢ ወሓዚ ሩባ ዝዘናግዑን ዝዕዘቡን ዝነበሩ ግዱሳት ነቲ ዝወረደ መዓት ከይቅጽል ብማለት ናብቲ ወሰን ቀሪቦም ናብቶም ተጓዝቲ መኻይን ብምኻድ ስዒቦም ንከይጠፍኡ ብምኽልካል ሞት ከይቅጽል ብምስትውዓል ብዘለዎም ሓይልን ጥበብን ሜላን ተጠቒሞም ንብዙሓት ካብቲ ናይ ሞትን ዓዘቕትን ጥፍኣትን ኣድሓንዎም። እቲ ኵነታት’ውን ካብ ዝነበሮ ቁጽሪ ኣይወሰኸን። ተጓዓዝቲ ድማ እቲ ሽግር ፈሊጦም ሂወቶም ከትርፉ ክእለት ናይቶም ግዱሳት ህዝቦም ኣደነቑን ኣመስገኑን።
እምበኣርከስ ንዘይጠዓሞ ህዝቢ እሞ ተገዲዱ እንዳተጨፍለቐን ኣደዳ ስርዓት ህግደፍ ኮይኑ ናይ ጥምየትን ስደትን ማእሰርትን ብዓቢኡ ንሞትን ህልቀትን ዝተቓልዔ ህዝብኻ ንምድሓን ትረባረብ’ዶ ኣለኻስ ወይ ኣቋሚትካ ትዕዘብ? እተበርክቶ ዘለኻ ሓገዛት ወይ ደገፋት ትዕቅቦ’ዶ ኣለኻስ? ወይ ነቲ ሽግርን መከራን ህዝብኻ ዕሸሽ ብምባል ንህግድፍ ተንቀሳቕሶ ኣለኻ?
ናይ ዝሓለፈ ሓሊፉ ነይምለስ መሲሉ’ውን ነይሩ። ቅኑዕ መንገዲ እንተራኣየ ግን ዘግድፍን ዘጽድፍን ኮይኑ ረኺብናዮ። ኣስተውዒልና’ውን ንብሎ፡ ብዙሓት መላምል ዕድመ ዘይጸገቡ መንእሰያት፡ ምሁራት ሊቃውንቲ፡ ዓቢ ምስ ንእሽቶ፡ ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ፡ ደቂ እዛ ሃገር-ኤርትራ ንምእንቲ ምሉእ ነጻነትን ምሉእ ሓርነትን ክብሉ ክቡር ህይወቶም ከፊሎም። ዘምጽእዋ ነጻነት ሃገር ብርሃን ኣውሪሶሙና፡ ይኹን’ምበር ዝሓለፉ ጀጋኑና ባህጎምን ትምኒቶም ከምዚ ንተራ ሃገራዊ ነጻነት ጥራሕ ኣይነበረን፡ ኣይኮነን ከኣ! ድሕሪ ሃገራዊ ነጻነት ንስቓይን መከራን ዘድርጎ ዘሎ ህግድፍ ካብ ሕጂ ደጊም ይኣክል ህዝብና ዝተሸገሮን ዝተሰደዶን ዝሃለቖን! ከምዚ ብምባል ኣብ ሃገርናን ህዝብናን ዘሎና ዓሚቝ ፍቕሪ ንምግላጽከ ዝዓለም ኣንጻር’ዚ ስርዓት’ዚ ተቓውሞ ነርኢ’ዶ ኣለና? ወይስ እንታይ ገደሰኒ ኢዩ ዘሎ ነገሩ? እንታይ ገደሰኒ እንተኾይኑ እቲ ምርጫ ግን ተሓታቲ ናይዚ ገበን ምዃንካ ፍለጥ! እዚኣ ከኣ ድቅስ ኢልካ ትስእ ኢያ ዝዕድሜኣ። ብካልእ ኣገላልጻ ኣብ ሓደ ሃገር ህዝቢ ክቕድም ይግባእ፡ መንግስቲ ድማ ድሕሪ ህዝቢ ኢዩ። ስለዝኾነ ከኣ ህዝቢ ባዕሉ ይፈልጥ፡ መንግስቲ እምበር ብምባል ነቲ ግጉይ መንግስቲ ህግደፍ ብምሕጋዝ ኣብ ሓጻር ህይወት ዘጣዕስን በሰላን ነሐድር ኣለና?
ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ህዝቢ ክዛረብ ክቃወም ክነጽግን ሰልፊ ክወጽእን (ከደንፍዕ) እንተደለየ’ኳ ኣፉን እግሩን ኢዱን ብሰንሰለት ልጓም ተኣሲሩ ከምዘሎ ኵልና ንፈልጦ ሓቂ ኢዩ። ንምንታይ እንተድኣ ተቓውሞ ኣርኢኻ ዝወርደካ ሽግር ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ወይ ሞት ወይ ኣደዳ ማእሰርቲን መግረፍቲን ከምእትኸውን ርጉጽን ፍሉጥን ሓቂ ኢዩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ዓው ኢሉ እናእወየ ዘይስማዓሉ እዋን ኢዩ ኢልካ’ውን ምዝራብ ኣብኡውን ክሕርቅንንኳ ዕድል ስለዘይረኸበን ዘይተዋህቦን ኣውያቱን ስቅያቱን ክገልጽ’ውን ኣይከኣለን።
ከምቲ ነብሰ-ጾር (ጥንስቲ) መዓልቲ ሕርሳ ምስኣኸለ ዝጸረቶ ህጻን እትወልዶ፡ ነቲ ኣብ ከብዲ ህዝብታት ኤርትራ ተኣጂሉ ዘሎ ሕሰምን መከራን ሞትን ማእሰርትን ስደትን እውን ሓንቲ መዓልቲ ከም ዝጓዝም ኣንበሳ ኮይኑ ከምዝትንስእን ከምዘየጠራጥርን ፍሉጥ ገርና ንውሰዶ።
ሓደ ዓቢ ሕቶ ነዞም ኣብ ስደት እንነብር ድማ ግደና እንታይ ይኸውን ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን’ዚ? እዚ ማለት ከኣ ንምቅዋም ንምዝራብ፡ ሰላማዊ ሰልፊ ንምትግባር እናደንፍዔ ሓገዛትን ክፍሊታትን ንህግደፍ ምዕቃብን ዕድል ዘለና ሰባት ክነስና ንምንታይ ንህዝብና ካብ ሞትን ስደትን ኮታ ካብ ኩሉ ዓይነት ሽግራት ከነናግፎ ብሓባር ምስቶም ኣብ ደምበ-ተቓውሞ ንህግደፍ ተሰሊፎም ዝቃለሱን እጃሞም ዘበርክቱን ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ኮይናኸ እጃምና ፍቕሪ ህዝብና ዘይንገልጽ?
ግዱስ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ስደት ብዓቢኡ ድማ ኣብ ዝማዕበለ ሃገራት ትርከብ፡ ዕድልን ነጻነትን ዘለካ ኣብ ዘዘለኻዮ ሃገርን ቦታን ንምቅዋም ሕጂ ኢዩ እቲ ጊዜ! እዚ ኢዩ እቲ ዝመረረን ዝጽንከረን ኵነታት ህዝብኻ እጃምካ እተበርክተሉ መድረኽ! እዚ እቲ ሓቢርካ ምስራሕ ዘድልዮ ጊዜ! ስለዝኾነ ከኣ ተንስእ ከምቲ ናይ ቀደም ሓደ ልቢ ኮይንካ እንታይ ንግበር ኢልካ ዘቲ ንህዝብኻ ካብዚ ዝወርዶ ዘሎ ህቦቡላ ኣድሕን! ነጻነት ብዘይ ራህዋ ህዝቢ ከምዘይትጠቅም ኣቕሓ ከይትኾነና! ህዝብኻ ይስደድ፡ ይጸንት ኣሎ፡ ከምቲ መግቢ ዘይብላ ብያቲ ማይ ዘይብላ ኩባያ ሓጨውጨው ኢለን ዝተርፋ ከምኡ ኮይኮነና! እቲ ዝተተምነናዮን ዝሓሰብናዮን ሕድሪ ስዉኣትና ከይበንን!
እንኳይዶ ንስኻ ንስኺ፡ ወዲ ሃገር ጓል ሃገር ዝኾንካን ዝኾንክንስ እቶም ዘይናቶም ገበርቲ ሰናይ ደቂ ካልእ ሃገር ተወለድቲ ዝኾኑ ህዝብታትን ሃገራትን እኳ ብሓዘኔታ ኣበርክትኦምን ሓገዛቶምን የርእዩ ኣለዉ ንህዝቢ ኤርትራ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዓለምና ዘለዉ ኣሓትን ኣሕዋትን ደምበ ተቓውሞ ተወከሶም። ኣብ ጎኖም ብምስላፍ ንህዝብኻ ተቃለሰሉ፡ ብጻዮም ኵን፡ እጃምካ ኣበርክት፡ ምእንቲ ህዝብን ፍትሕን ደሞክራሲን ራህዋን ኢልካ ተበርክቶ ዝኾነ ይኹን ኣስተዋጽኦ ከኣ ዓወት ከምዘለዎ ካብ ዝሓለፈ ቃልሲ ተመኩሮ ኣለና። እሞ እጆኻ እንኳይዶ ንሕና ኣብ ነጻ ሃገራት ዘለና ኣብ ውሽጢ ሃገር እኳ ነቲ ምረት ህዝቦምን ሃገርምን ብምስትውዓል ካብቲ ዝነበርዎ ናይ ህግደፍ ደምበ መጋበርያ ወጺኦም ይረባረቡን ጅግንነቶምን ሓልየትምን የርእዩ ኣለዉ። ስለዝኾነ ኣጆኻ ሕጂ’ዩ እቲ እዋን! ሕጂ’ዩ ንህዝቢ ኣበርክቶ ዘድልዮ! ሕጂ’ዩ ሓቢርና ንቃለስ ንዕወት ከኣ ኢና ሓርነት ክረክብ ህዝብና።
ሰላምን ራህዋን ፍትሒን ደሞክራሲን ንውጹዕ ህዝብና!
ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንስዉኣትና!
ምስ ብዙሕ ሰላምታ
ዳኒኤል በላይ ካብ ኣሜሪካ
09/28/09
|