Start ወግዒ Joke Opinions ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ባዳንቡፑቱንበርግ = ስቱትጋርት ጀርመን
ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ባዳንቡፑቱንበርግ = ስቱትጋርት ጀርመን PDF Print E-mail
Tuesday, 29 September 2009 19:50

 ብ19/09/09 ካብ 13.00 ክሳብ 15.00 ሰዓት  ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ስቱትጋርት ተኻይዱ ትሕስትኡ

1.  ተግባራት ስርዓት  ህግደፍ  ዘቃልዕ ጭርሖ ። ንኵሉ ቤተ ጽሕፈታት መዘክር ኣሪቡ ።

2. ተግባራት ስርዓት ህግደፍ ዝገልጽ በብዓይነቱ ስነጽሕፉት ንህዝቢ ተዘርኪሑ።

3 .እቲ ሰልፈ  ሰርዓት ህግደፍ ዝሓምሸሸ  ነይሩ።

4. እቲ ሰለማዊ ሰልፊ ኾላይ ንባሕቲ መስከረም ጀማሪት ሰውራ መዘክ ዝገበረ ።

5.  18/09/2002 ስርዓት ህግደፍ ናይ ዲክታቶር ካፓ ዝለበሰላ መዘክር . . . ወዘተ ዘጠቓልል መዓልቲ

   እያ።

                ቃል ምልልስ ምስ  ሐደ ጃንዳ ስርዓት ህግደፍ ዝተብረ

                        ዋዛ ምስ ቁም ነገር

 

ሕቶ . ንጃንዳ  ንዝመጻእ ዘሎ ጊዜ ማለት 19/09/09 ኣብ ከተማ ስቱትጋርት ሰለማዊ ሰልፊ ስለ

      ዘሎና ነዚ ሰለማዊ ሰልፊ ተካፋላይ ኪትኸውን ትዕደም ኣሎካ በልክዎ  ?

 

መልሲ .ካብ ጃንዳ ። ነገር ዘይጸገበስ ጓል ዋጣ ይሕጸ ከም ዝበሃል እንታይ ሽግር ኣሎኒ

       ኢሎምዃ ። ንዝመጽእ ጊዜ ሃለዋት ናይ ገዛይ ክፈልጥ ንዓዲ ክኸይድ እየ ።

 

ሕቶ. ንጃንዳ እዚ ገዛ ትብሎ ዘሎኻ ቀደም ዝዓደኻዮ ዶ ኣይኮንካ ኢኻ በልክዎ ?

 መልሲ . ጃንዳ ኣንታ ስቅ ዘይትብል ከምዚ ዝበለ ሕቶ ኣይትሕተተኒ ነፍሰይ ስክፍክፍ እብለኒ

         ስለ ዝኮነ። ወረ ናይ ልበይ ከተዛርበኒ ቀሪብካ ኣሎኻ በለኒ ።

 

ሕቶ ንጃንዳ  ናይ ልብካስ ኣይትዛረብ ካብ ኵሉ ሰበትይኻ ከይትሰምዕ በልክዎ ?

መልሲ ጃንዳ ወይ ዘረባ ካብ ስርዓት ህግደፍ ከፊኤናን ዘለዋ ድኣ ንሳተን  እንድየን በለኒ ።

 

ሕቶ ክሳብ መኣስ ድኣ ኢካ ናይዚ ስርዓት ግዙኡ ክትከውን ኢለ ሓተትክዎ ?

መልሲ ጃንዳ እዚ ኣጥሪክምዎ ዘለኩም ሰብእነት ብንግሁ ዘጥርክምዎ  ኢኹም ብቐሊል ኣነ ክገብሮ ዝኽእሎ ኣይመስለንን በለኒ ። ብህይወት ጥራይ ዘይኮንኩስ ዋላ ምስ መትዃ ናይ ህግደፍ ድኽዒ ክኸውን እየ በለኒ ።

ኪኸውን  በለኒ  ። ወረ ሐንሰብሲ ሰለማዊ ሰልፊ ክትገብሩ ከሎኩምሲ ብሓጎስ ፍንጭሕ ክብል እየ ዝደሊ ።

 

ሕቶ ጃንዳ ንዓ በል በጃካ ኣነ ምሳካ ከምዘዕለልኩ ንኻልእ ሰብ ኣይትንገረለ  በለኒ ።

    ኣብ ኣኼባ ይኹን በዓላት ብኣሽሙር እንዳ ጸረፉና ።ኮፍ ምባል ስለ ዝኸልኡና

 

 እቲ ሕሰም እንተ ኾይኑ እቶም ነቲ ዝመረተ መረባዕ ናይ ህግደፍ ኣብ ወጻኢ ኾይኖም ዝሕልው ዘልው እዩ ።  እዘን መረባብዕ ዋናታተን ዘለወኤን ኣብ ዝኾነ ጊዜ ዝሽየጠን ዝልወጣን ዝሕረጣን እየን ንዕዔን ኸቓሙቱ ዓይኖም ዝጸልመቶም ኣብ ሀተፍተፍን ከፍከፍን ዝመልኦ ናብራ ዝተሸኽሉ እዮም ።እቲ ቀንዲ ዘሕዝኑኻ ክትረኽቦም ኾሎካ ኣቅሽሽትን ካህናትን ኮይኑ ስለ ዝስምዖም ናይ ልቦም ሃተፍተፍ ክብሉ ከለው ልብኻ ብልዕ የብሉኻ ።

 

ሕቶ ንጃንዳ  እሞ እዚ ኵሉ ሕሰም መከራ እንዳ ፈለጥካስ  ክሳዕ መዓስ ድኣ ኢኻ ንፍስኻ ከተታልል ?

 

መልሲ ካብ ጃንዳ እወ ጽቡቕ ኣሎኻ  ቀደም ህዝባዊ ግንባር ተደመሮ ሰርዓት ህግደፍን ሓሞተይ ፈሲሱ እዩ። ንምሽቱ ከ ድኣ እንተ በልክዎ ግደፈኒ ድእ ኣብ መወዳእታ ናይ ስርዓት ህግደፍ ድኩዒ ኪኸውን መዲበ ኣለኹ በለኒ። ኣንታ ስማዕ እስኪ ንስኻስ ደምኻን  ስጋኻን መጽዮም ወዲኦሞስ እንታይ ድኹዒ ክትከውን በልክዎ ። ኣብእውን ብዙሑ ስክፍታ ዘለዎ እዩ ግን ምስ መትኹ ኣብ ዕብይ ዝበለ ሳዱቅ ከእትውኒ እሞ ዓቢ መታን ክመስሎም በለኒ ። እሞ ድኣ ኣብ ዓቢ መቃብር ሳዱቅ  ኣእትዮም ምስ ወሰዱኻ ናይ ዓቢ ሳድቅ ኢሎም ቀረጽ ከብዙሑልካ እዮም በልኽዎ ። በጃኻ ንስኩም ኣብ ትገበርዎ ኣሳልጦ ይሃብኩም  ንዓይ ከኣ ምሕርት ይውርደለይ  ተባሃሂልና ተፋነና ።

 

 6. ድሕሪ ሰልፊ ኣብ ዝተዳለወ ኣዳራሽ ብምኻድ ።

ሀ. ብሽማግለታት ዝተዳለወ  ቃል ሓደ መስከርም  ተነቢቡ

ለ. ሰለማዊ ሰልፊ ከመይ ነይሩ ዝብል ገምጋም ተገይሩ

ሐ. ናይ መጻኢ መደብና እንታይ ይኹን ዝብሉ ኣገዳሲ ዝርርብ  ኣኻይዱ ።

መ. መግብን መስተን ሙዚቃን . . .ወዘተ ዝተሰነየ ዕውት ሰልፊን በዓልን ሓሊፉ ።

 

መስከረም ኣብ ታሪኽ ህዝብና ክትዝከር ክትነብር እያ ።

ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና  

 

ገብረየሱስ መስፍን  ስቱትጋርት ጀርመን

 
 

ሓተታ Survey

ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ሓድነት ደሞክራሲያውያን ኤርትርትራ ከረጋግጽ እዩ!
 

ኣብ መርበብ Online

We have 84 guests online