Start ግጥምታት Poems ድሃይ ሀቢ መስከረም~! ንመሠረታዊ ለውጢ~!
ድሃይ ሀቢ መስከረም~! ንመሠረታዊ ለውጢ~! PDF Print E-mail
Written by በርገሳዊ ማሕበር ሽቱትጋርት   
Thursday, 24 September 2009 20:53

ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ አብ ከተማ ሽቱትጋርት ሀገር ጀርመን“-

ብዕለት 19.09.2009 እተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ፤- ነቲ መደበር ህግደፍ ዝኾነ ከተማ ምስ ኲሉ ከባቢኡ ካብ 2002 አትሒዙ ጽዕጹዕ ጸረ-ህግደፋዊ መጋበርያ ብዝተፈላለየ ሜላታት ንምክያድ  አብ አደባባይ ወጺኡ ክዋሳእ ድሕሪ ምጽናሕ ነቲ ብዕለት 18. 09. 2001 ካባ ዲክታቶርነት ዝአወጀላሉ፤ ጀሚሩ ንቃለሶ ነብርና፤ እዚ መሠረት ብምግባር ከአ ብሲቪላውያን ማኅበራትን ተቓወምቲ ውድባትን ግዱሳት ውልቀ ዜጋታትን እተዳለወ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ብምሉእ ተቐማጢ ከተማ ሽቱትጋርትን ከባቢኡን መንግሥታዊ ትካላቱን ሕዝብን ነቲ ብሰልፈናታት ዝዕደል ዝነበረ ጽሑፋት፤-

 

1.  ግህሰት ሰብአዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ።

2.  ግህሰት መሰል ጋዜጥነት ሓበሬታ ምቅራብን።

3.  ግህሰት መሰል ዜጋትትን ንብረቶምን።

4.  እሱራት ክፍትሑን አብ ፍርዲ ቀሪቦም ንነፍሳቶም ክከላከሉን።

5.  መሰል ሃይማኖታዊ እንመንት ነጻነትን።

6.  ዘይፍትሓዊ ወተሃደኣርዊ አገልግሎት ድው ክብልን።

7.  ሀገራዊ ቅዋም ዘይብላ ሀገር ንቅዋም ከተተግብሮን ።

 

ዝትሕዝቶኡ ብአሽሓት ዝተዳለወ ብጣምጣም ብምቅባሎም አውያትና ብምድማጽናን ናይ ሰልፈኛታት መንፈስ ከም ሎሚ ዓጊቡ አይፈልጥን።ቃልስና ከአ ክሳብ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ እንሀንጽ ዝዕገት አይኮነን።

 

ኣብ መደምደምታ ዝተፈላለየ ጽሑፋት ብቋንቋ ጀርመንን ትግርይናን ተነቢቡ። በዚ አጋጣሚ ከአ ናይ ሓዲሽ ዓመት ግዕዝን ምምስራት መበል 48 ዓመታት ቃልሲ ኤርትራን እተጀመረሉን ወጽዐ ሕዝብናን ዘቃልሕ ነበረ። ካብቲ ብዙሕ ሓንቲ እውን እዛ እትስዕብ ግጥሚ ነበረት እሞ ፤ ነቶም ኣብ ዝተፈላለየ ሀገራት እትርከቡ ተቓለስቲ ንክብሮምን ክብሪ ሕዝቦምን ዝኾንኩም እቲ ዝነበረ ስእሊ ንምግማት እዛ ጽሕፍቲ ሂብና ከምዚ ንክትገብሩን ከተተግብሩን በዚ ድማ ቃልስና ንምውህሃድን ከነተሓባብርን ከአ በዛ አጋጣሚት ዕለት ንጽውዓኩም።

 

ድሃይ ሀቢ መስከረም አንቲ ሓዳስ ዓመት

ሕዝብና መሪርዎ ህግደፋዊ ውርደት

ንያቱ አዕሪቡ አምሪሑ ናብ ስደት

ንለውጢ ምርሕና ክንነብር ብክብረት።

 

ንአውያት ሕዝብና ግበርሉ ቆላሕታ

ዉጹዕ ዜጋና ክረክብ ኡፎይታ

ዝዓበ ዝነአሰ ክነብር ብሩፍታ

አይፋልኽን መስከረም አሔድስዮ ያታ።

 

ብሃንቐውታ ሽግ ወሊዑ እተቐበለኺ ብልቢ

ጻማ ናይ ዘበናት ቃልሱ ሀብዮ እባ ዓስቢ

ክሳብ መአስ ክካላበት ከም ናይ ደንበ ከልቢ

ምልኪ ድዩ ጻምኡ እዚ የዋህ ሕዝቢ።

 

 

የዋህ ኤርትራዊ ዜጋ አስላማይ ክስታናይ

መሰሉ ተጋሂሱ ብብዓል ከዳዕ ጣልማይ

ካብ መበቈል ዓድታቱ ይወርድ ንጋሽ ታሕታይይ

ካንድዩ ዓዲ ኢድሪስ ዓወተ ሲኢና ወካላይ?????

 

ክሳብ መአስ ህ.ግ ከላግጸሉ ብሀገር ብሕዝቢ

እንታይዶ አሎ ኢዩ ካብ ሀገር ዝዓቢ

ብውድበይ ሰልፈይ  ክንስሕሓብ ንልብና አይንግበሮ ጥንቢ

ብሥኒት ብሓድነት ድአ ንበል እንቢ እንቢ።

 

ከምቲ ሕሉፍ ዘበን መሪር ቃልሲ

መንፈስና ይትሓደስ ድአ ሎምሲ

ይትረፈና ሕድሕዳዊ ዘየድሊ ክሲ

ኣብ ውሽጥን ደገን ዲና ክንኸውን ናይ ህግ ማእሲ ????

 

ጉዳይ ሀገርን ሕዝብን ኢዩ ካብ ኲሉ ዝዓበ

ንምንታይ ድዮም ተሰዊኦም ብዓል  እዮብ ዓበ

መሰጋገሪ መንግሥቲ ንአውጅ ንኲልና ዝሓሸ

ተዓዘብቲ አይንኹን ሕዝብና እናፈለሰ።

 

እንኾ ኢያ ምርጫና  ንፍቶ ንጽላእ

ንቓላጠፍ ንለውጢዜጋና ክብለና አገናዕ

ሐቢርና ነልዕል ኤርትራዊ ስላዕ

አይፋል ድአ ንበል ክብረትና አይረሳዕ።

 

ድሃይ ሂባላ መስከረም ወርሒ

ሰራዊትና ይኑቂ አሎ ብጽሓይ ብወርሒ

ስጉምቲ የርኢ አሎ ንህግደፍ ገናሒ

ተቓወምቲ ውድባትና ሕደጋኦ ሽርሒ።

 

መሰጋገሪ መንግሥቲ ንአውጅ ብወግዒ ንፍትሒ

ርሑስ ሐዲሽ ዓመት ይግበረልና ንህግደፍ ገናሒ

ሐድነትና ኢዩ ዋሕስና ካብ ጥንቲ  ጥቕምቲ

ብሥንት ድአ ሀየ ንምሃዝ ሓዲሽ ስልቲ።

 

ዓወት ንሕዝብና፤-

ዘለዓለማዊ ክብርን ዝኽርን ስዉእትን

 

 

ውድቕት ንህግደፍን አጋፈርቱን

 

 

 
 

ሓተታ Survey

ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ሓድነት ደሞክራሲያውያን ኤርትርትራ ከረጋግጽ እዩ!
 

ኣብ መርበብ Online

We have 141 guests online