Start ርእይቶታት Opinions Opinions ካብ ነንበይንና ንቕንዞ ሕብር ኢልና ግዳ ንጸቓጢና ብሕጊ ዘይንሕዞ
ካብ ነንበይንና ንቕንዞ ሕብር ኢልና ግዳ ንጸቓጢና ብሕጊ ዘይንሕዞ PDF Print E-mail
Written by በላይ መስፍን   
Thursday, 24 September 2009 20:45

ኣብ ኤርትራ ሓለፋ መከራን ስቓይን ዝረክብ ብዙሕ ኣሎ፣ ሓለፋ ጠቕሚ ዝረክብ ግን ዋላ ሓደ የለን፣ ምኽንያቱ እዚ ስርዓት እዚ ንህዝቢ ኤርትራ ብጠቕላላ ይሳቕዮን የጥፍኦን ኣሎ እምበር ንዋላ ሓደ ኣይጠቐመን።

 

ስለምንታይ ዳኣ ኢዩ ህዝቢ፣ ንሓደ ዘይጠቓሚኡ ሓቢሩ ብሓደ ዓይኒን፣ብጽ ልእን ዘይርእዮ፣ ኣብ ክንዲ ነቲ ስርዓት ዘትርሩስ ኩሎም ሓደ ኮይኖም ምስ

ቶም ብዝክኣሎም ነቲ ስርዓት ክልውጡ ሒኵ ዝብሉ ዘለው ዘይደናገጹ እሞ ፍታሕ ተረኺቡ ሃገር ካብ ጥፍኣት፣ ህዝቢ ካኣ ካብ ሽግር ክድሕን፣ ንዝጎድ ኣካን ንህዝብኻ ዝጎድእን ክትድግፍ ግርንቢጥዶ ኣይኮነን።

 

ንሕና ኤርትራውያን ብልቦናን ብምስትውዓልን ኣቦታትና ብሕጊ እናተመር ሑ፣ ከካይዱና ንመዋእል ኔሮም ኢዮም፣ ስለ’ዚ ሕጊ ሎሚ እንማሃሮ ሓዲሽ ነገር ወይ ተርእዮ ኣይኮነን፣ ኣብ’ዚ እዋን እዚ ካኣ ዓለም ብሕጊ ኢያ ትም ራሕ ዘላ ንሕና ድማ ኣካል ህዝቢ ሕብረ ተ-ሰብ ዓለም ኢና፣ ሕጊ ይብጻሓ ና ኢዩ፣ ብሕጊ ኩሉ ክንረክብ ንኽእል ኢና።

 

ወዮ ድኣ ቃልሲ ኤርትራ ተገላቢጡን ነቲ ቃልሲ ኣብ ምጀማሩ ካብ ገለ ዓበይትን ምሁራትን ዝስማዕ ዝነበረ ጽቡቕን ዘዋጽእን ገዲፉ ሓደ ንህዝቢ ዘየርብሕን ግርምቢጥ ዝኾነን መገዲ ሒዙ እምበር፣ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብምሁራት እሞ ንዘድሊ ፍታሕ ብቐረባ ኣብ ዓለም ኣቕሪቦም፣ ካብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዲዩ ንበይንና ክንነብር ንደሊ ዝመረጽናዮ ክሳዕ ንውስን ብሕቡ ራት መንግስታት ተፈቒዱልና ዝነበረ ፈደራላዊ ውዑል ተበጊሶም ጉዳይና ኣብ ዓለም ቀሪቡ ክስማዕ ከም ዘለዎ ክግበር ዝደልዩን ክገብርዎ ዝኽእሉን እኮ ኔሮምና ኢዮም፣ ግን ስማዒ ኣይረኸቡን።

 

ብዙሓት ካባኹም ሰሚዕኩምዎ ከም ትፈልጡ ፍሉጥ ኢዩ ከም ብዓል ኣቶ ውልድኣብ ወልደ- ማርያምን ኣቶ ሳልሕ ሳበን እኮ እዚ ዝመስል ወርቃዊ ሓሳባት ዝውንኑን ብምድግጋም ከምኡ ምግባር ከም ምዃኑ እቲ ዘዋጽእ የተምብሁ ከም ዝነበሩን ብዙሓት ዝፈልጥዎ ኢዩ፣ ኤረ ክገርመኩም ኣብቲ እዋን ኢትዮጵያ፣ ብፋሺሽቲ ጥልያን ዝተደፍረትሉ እዋን ብሕጊ ንመንግስ ታት ዓለም ይጥራዕ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኤርትራውያን ኢዮም ንንጉስ ኣብ ምሕጋዝ ተራ ዝተጻወቱ፣ ኣፍልጦ ኤርትራውያን ንጠቕምና ኮይኑ ኣይፈል ጥን እምበር፣ እንታይ ዘይንሰርሕ፣ ሕጂ’ውን እንተኾነ ፈላጣት ዘይብልና ም ኣስ ኰና ግን ከመይ ጌርና ሓድነትና ሓሊናን ተዋሃሂድናን ኩሉ ፍልጠትና ምስ ኩሉ ዘለና ዓቕሚ ኣብ ጠቕምና ብምውዓል ምስ ዓለምና ንስራዕ ኢዩ እቲ ክኽውን ዘለዎ እዋናዊ ሕቶ። 

 

እቶም ኣብ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርዝትራ ካልእ ዕላማ ዝነበሮ ም፣ ኣብ ኤርትራ ዝጸንሑ ኣሕዋትና ግን ነቲ ብረታዊ ሓይሊ ብላዕለዋይ ኢድ ስለ ዝሓዝዎን፣ ንልቢ ህዝቢ ኤርትራ ብቐሊሉ ካብ ዘለካ ሓይሊ ተሲእካ ጥራይ ኢያ ነጻነት ትረጋገጽ ብምባል ከገርህዎ ስለዝኻኣሉን ኣብዚ ሕጂ ዘለናዮ ዘይወጽእ ዝመስል ኩነታት ከም ንሽመም ኰና።  

 

ግን እቲ ኣቶ ሳልሕ ሳበን ኣቶ ውልዳኣብ ወልደማርያምን ህዝብና ውሑድ ህዝቢ ኢዩ፣ እሞ ፊት ንፊት ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ግጥሚያ ኣእቲኻ ከተራጽ ሞ፣ ኣይጽቡቕን ኢዩ፣ እንታይ ዳኣስ ማዕረ ማዕረ እቲ ብረታዊ ቃልሲ ጽቡ ቕ፣ ወይ ኣድማዒ ዲፕሎማሲያዊ ቃልሲ እናካየድና ዓለም ከም ዝሕግዘና ክንገብር ኣለና ዝብልዎ ዝነበሩ፣ እሞ ህዝቢ ቅኑዕነቱን፣ ፍሉዩነቱ ካብቲ ብብረታዊ ቃልሲ ናይ ክስዕብ ዝኽእል ዕንወትን ጥፍኣትን ኣለልዩ ካብቲ ዝተገብረ ኣሰቃቕን ነዊሕን ኩናት ኣብርእሲ ዘይምድሓኑ ኣብ’ዚ ዘለናዮ ባ ርነት ዘእተወናን ነዚ ንርእዮ ዘለና ኣሰቃቒ ኩነታት ዝወለደን ኣታሓሳስባ ብምኽታል፣ እቶም ብረታዊ ሓይሊ ዝወነኑ ንቓልሲ መኣዝኑ ከም ዝስሕት ጌሮም፣ ኣብዚ ኩሉ ኣውዲቖምና። 

 

ሕጂ እውን እንተኾነ ጌና ሓርነታዊ ቃልስና እቲ ዘድሊ መኣዝን ወይ ኣንፈ ት፣ ኣይሓዘን ዘሎ፣ እንተኾነ ሕጂ ከምቲ ኣቐዲሞም ኣቶ ወልድኣብን፣ ኣቶ ሳልሕ ሳበን ዝበልዎ ናብ መሰረት ናይቲ ነገር ተመሊስና ብመገዲ ሕጊ ንጉ ዳይና ኣብ ንቡር ክንመልሶ ዘድሊ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ፣ ስለ እዚ ምሁራ ት፣ ብመገዲ ሕጊ ንሃገር ኣብ ምድሓን ተራ ክጻወቱ ከም ዝኽእሉ ናይ ግዲ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ፣ ግን ምሁራት ኣድላይነቶም ኣብ’ዚ እዋን እዚ ብሩህ እኳ እንተኾነ ኣብ ኩነታትና ንምዕራዩ ክትደኽመሉ ዘድሊ ዓቢ ጸገም ኣሎ፣

 

እዚ ስርዓት እዚ ካብ ዝፍጠር ጸረ ምሁራት ኢዩ፣ ንምሁራት ቀቲሉዎም ኢዩ፣ ንኹሎም ወዲኡዎም ኢዩ፣ እንድሕሪ ንሓደ ምሁር ብሂወት ገዲፉዎ፣ ድሂሉ ከም ምሁር ክምዘይሓስብ ጌሩ ኣደንዚዙ ኢደቤዛ ክጥቀመሉ ከም ሓደ ኣጋስስ ኣብ ደምበ ዓጽዩ ዘቐመጦ ጥራይ ኢዩ ክኸውን ዝኻእል።

 

ነዚ ሰብ እዚ ከም ሓደ ተላኣኣኺ ዝጥቀመሉ ኢዩ፣ ካብ ምስ ኢሳያስ ዘሎ ምሁር ገለ ክንጽበ እንተኾይኑ፣ ንገዛእ ርእሱ ነቲ ሰብ ካብ ዘለዎ ራዕዲ ነጻ ምስ እነውጾ ጥራይ ኢዩ፣ ቅድሚኡ ክገብሮ ዝኽእል ነገር የለን ኣብ ኤርት ራ ዘሎ እኮ ምሁር ይኹን ዘይምሁር ኩሉ እሱር ኢዩ።

 

እዚ ስርዓት እዚ ንምሁራት እናጥፍኤ እንከሎ’ውን ካልእ ዝተጠቕሞ ሜላ ኣሎ፣ ምሁራት ተበለጽቲ ምሁራት ኣይጠቕሙን ኢዮም፣ ንህዝቢ፣ ኣይሓስ ቡን ኢዮም፣ ንጠቕሞም ጥራይ ኢዮም ዝሓስቡ እናበለ’ውን ኣብ ህዝቢ ተቐባልነት ከምዘይረኽቡ እናገበረ ምሁር ዝብሃል ኣብ ኤርትራ ብሕልፊ ኣብቶም ነቲ ስርዓት ዘምልኹ ከም ካልኣይ ዜጋ ከም ዝቚጸር ኮይኑ ኢዩ፣ እዚ ብሱሩ ኣረሜንነትን ዝገርምን ኢዩ፣ ምሁር ዘየድሊ እንተኾይኑ ንምን ታይ ሓደ ሃገር ንትምህርቲ ዝልዓለ ባጀት ይውጽእ፣ ኣብ ኤርትራ ግን ባኣ ዩኒቨርሲቲ ይዕጾ፣ እዚ ኮነ ኢልካ ዝግበር ዘሎ ኢዩ።

 

ስለ’ዚ፣እዚ ስርዓት እዚ እቲ ንምሁራት ምጥፋእ፣ ኮነ ኢሉ ንኤርትራ ዋናን ዝሓስብን ኣካል ዘይብላ ኮይና ምስ ተረፈት፣ ከም ድላዩ ንኽገብራ ዘካይዶ ዝነበረ ስርሒ ምዃኑ፣ ኣብ እዚ እዋን እዚ ዳርጋ ንኹሉ እቲ ልክዕ ዝሓስብ ህዝቢ በሪሁሉ ኢዩ፣ ንሱ ካኣ ከምቲ ዝመደቦ ኮይኑሉ ንህዝብና ከም ናይ መጓሰ ጥሪቱ፣ ንሃገር ካኣ ከም ናይ ብሕቱ ደንበ ጌሩ ወኒኑዎም ኣሎ።

 

ሕጂ ኤርትራውያን ኣየናይ ኣማራጺ ንውሰድ እቲ እዋናዊ ሕቶ ኢዩ፣ ኣብ እዚ እዋን እዚ እቲ ብማእለያ ዘይብሉ መስዋእቲ ዝተረኽበ ሃገራዊ ነጻነት ድሕሪ ምርግጋጽ ወሪዱና ዘሎ ዕንወትን ኣሰቃቒ ኩነታትን ከይኣክል፣ ኣብ ሓድሕድና ዘይንሳማማዕን፣ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ዓለም ተቐባልነት ዘይብለናን ህዝቢ ከም ንኽውን ኰና ኣለና፣ እዚ ብኸቢድ ክሕሰቦ ዝግባእ ክውንነት’ዩ።

 

ስለ’ዚ እቲ ውጽኢት ብረታዊ ቃልስና እንተዳኣ ተረዲእናዮን ብግቡእ ገም ጊምናዮን ናብቲ ባዓል ኣቶ ሳልሕ ሳበን፣ ኣቶ ወልዳኣብን ዝብልዎ ዝነበሩ ክንምለስ ዘድሊ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ፣ ሎሚ ውሑዳት ሓሳባትና በቲኖም ከም ዘይንሳማምዕ ብምግባር ኢዮም፣ ከምቲ ኦም ብሓኽላ ዝብሃል ነንሕድ ሕድና እናታሃራረሙ ዝገዝኡና ዘለው፣ ሓያል ገዛኢ የብልናን ግን በዚ ዘሎ ሕሱም ስርዓት ስለ እተበታተናን ኩሉ ስለ እተበተነናን፣ ኩሉ ዘይካኣል ኮይ ኑ፣ ይራኣየና ኣሎ፣ ስለ’ዚ ስምምዕና ወሳኒ ምዃኑ ክንርዳእ ኣለና።

 

ማለት ውህደት ናይ ኩሎም ሃገራውያን ደቂ ኤርትራ የድሊ ኣሎ፣ ነቲ ዘሎ ሕማማት ኣለሊኻ መግድኻ ምንጻር የድሊ ኣሎ፣ ምሁራት ኤርትራውያን ካብ ኩሉ ብሄራትን ኣውራጃታትን ተወላዶ ዝኾኑ፣ ዝጥርነፉሉ መንገዲ ኣብ ዝቐልጠፈ ጊዜ የድሊ ኣሎ፣ እኩብ ተጣባቒ ሓይሊ ክቐውም ከም ዘለዎ  ምግባር የድሊ ኣሎ፣ ከምኡ’ውን ንዝዕንቅፉን ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ንዝዘ ርጉን ምልላይ የድሊ ኣሎ፣ ብተወሳኺን ኣውራን ንጉዳይ ኤርትራውያን፣ ወኪሉ ዝንቀሳቐስ ሽማግለ ከነቕውም የድሊ ኣሎ፣ እዚ ንምግባር ኣነ ኣበየነ ይቲ ውድብ፣ ወይ ኣበየነይቲ ተቓላሲት ኣካል ክኣቱ ኣለኒ ዝብል ሕቶን ካልእን ምልዓል ኣይድልን፣ ኣብ ዘዘለኻዮ መምስ ዝመስሉኻ እናመኽርካ መዋጽኦ መንገዲ ምድህሳስ ኢዩ ዘድሊ ኣሎ፣ ሽዑ እቲ ንሃገር ምድሓን ኣብ ዘዘልዎ ዝተጠርነፈ ኣካል እናተዋሃሃደ ነታ ኩሉ ኽቕበላ ዝኽእል ሽማግለ ኣዋሃሂድካ ምሉእ ሓላፍነት ብምሃብ ብስም ህዝቢ ኤርትራ ናብ ኩሎም ናይ ዓለም መንግስታት ክትንቀሳቐስ ከም ዘለዋ ምግባር ኢዩ እቲ ሃገርን ህዝብን ከድሕን ዝኽእል ውሳኒ ተግባር።

 

ስለ’ዚ ክቡራት ኤርትራውያን እዚን ክንድዝን ካብ ኮነ እቲ ክንድሕነሉ ንኽእል መንገዲ፣ ንሓደን ሓደን ከይተጸበና ስራሕና ዘይንጅምር፣ ጊዜ እና ንውሔ ህዝብና እውን ብኡ መጠን ጥፍኣቱን ወጽዕኡን እናዛየደ እኮ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ ስለ’ዚ ጊዜ ከይወሰድና እቲ ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን’ውን ኣብ ክዕረ ዘይክኣለሉ ደረጃ ከይደየበ፣ ካብ ሎሚ ጀሚርና ብኸመይ ከነዋሃ ህዶ ከም ዘለና ንዘትን ንምትግባሩ ኣብ ስራሕ ንእቶን፣ ሰናይ ቅነ።

 

ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና

ዓወት ድማ ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝብና

 

በላይ መስፍን ጀርመን 

 
 

ሓተታ Survey

ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ሓድነት ደሞክራሲያውያን ኤርትርትራ ከረጋግጽ እዩ!
 

ኣብ መርበብ Online

We have 26 guests online