መልእኽቲ ሰላም PDF Print E-mail
Monday, 21 September 2009 21:39

ሰላም ፤ስኒት ፤ፍቅሪ ፥ሕውነት፤ ድልየት መላእ ህዝብታት ዓለም ኢየን.።ብሓፈሻ ዓለምናን እቲ ንነብረሉ ከባቢ ንሂወት ደቂ ሰባትን መላእ ፍጥረታትን

ውሕስ ናይ መንበሪ ስፍራ ዝኸውን እዘን ደልየት ህዝብታት ዝኾና ሰላም ስኒት ፍቅሪ ሕውነት ምስዝነግሳን ብጽኑዕ ቃልኪዳን ጸኒዔንን ተሓልየንን ምስ ዝነብራዩ።

 

ውሕስነት ሰላምን ስኒትን ዝምስረት ኣብ ነጻነትን ፍትሕን ማዕርነትን እዩ። ናጽነት ኣብዝተመንዘዓሉ ፍትሒ ኣብዝተረገጸሉ ማዕርነት ኣብዝተዛባዓሉ ሰላም ክትህልው ኣይኮነትን። ስኒት ፍቅርን ሕውነትውን ከቶ ኣይሕሰባን። ስለዚእምበኣር ቅድሚ ኩሉ ክምቲ ናጽነትካ ንናጽነት ካሎኦት ምቅባል ምእማንን ምኽባርን ሰላም ኣብ ምፍጣር ቀዳመይቲ ስጉምቲ እያ። እዛ መሰረታዊት ስጉምቲ ብምኽባርን ብምትግባርን ኣብ ጉዳይ እንዳማትካ ጣልቃ ዘይምእታውን ኣብዘይ መንጠቢኻ ዘይምንጣብን ኣብ ሰላም ደው ምባል ንስኒትን ኣፍደገ ፍቅርን ሕውነትን  ይኸፈት ። ነዚ ነቅ ዘይብል ውሑስ መሰረት ብምንጻፍ ልዕልና ሕጊ ተቀቢልካ ፍትሕን ርትዕን ምርኩስ ብምግባር ማዕርነቱ ኣብ ዝሓለወ ናይ እንካን ሃባን ሓበራዊ ረብሓ ዘረጋግጽ ሕውነትን ዝምድናን ይምስረት። ፍቅሪ ይነግስ። ሓልዮትን ምትሕልላይን ይስዕብ። ብድሕሪ እዚ ናብ ኢደይ ኢድካ ስጋይ ስጋኻ ገጹ ዝምዕብል ሉዑል ሕውነትን ዝምድናን ይሰጋገር። ። በዚ ሰናይ ተግባርዚ ሕዝብታት ይቀስኑ ይሕጎሱ ውሕስነት ዘለዎ ሂወት ይመርሑ ። ብዛዕባ ናይ መጻኢ ምዕባለን ብልጽግናን ይሓስቡን  ይውጥኑን። ብዘይገለ ስግኣት ድማ ናብ ትግባርኡ ይወፍሩ። እነሆ ድልየትን ራእይን ህዝቢ ዓለም እዚዩ።

 

ህዝቢ ኤርትራውን ከም ኣካልን ኣምሳልን ህዝቢ ዓለም፡ ድልየቱ ሰላም ስኒት ፍቅሪ ሕውነት ኢዩ።ሰላሙ ብምዝራግ ናጽነት ኣብዝተረግጸሉ ናይ መግዛእቲ ዘመናት ፈለማ ድምጹን ድልየቱን ብሰላማዊን ሕጋውን  ኣገባብዩ ገሊጹ። ነዚ ሰላማዊ ጻዊዒት እዚ ሰማዒ ኣብ ዝሰኣነሉን ዕጥቃዊ ገድሊ ወሲኹ ከካይድ ምስተገደደውን ንሰላም ኣየወንዘፋን። ክሳብ መወዳእታውን ሒዝዋ ብምስጓም ነቲ ብረታዊ ገድልን ዓወቱን ብሰላማዊ ኣገባብ ብሬፈረንድም ክረጋገጽ ብምግባር መሰረቱን ዋሕሱን ሕግን ሰላምን ምዃኑ ብተግባር ኣረጋጊጹዩ። ህዝቢ ኤርትራ ትማሊ ይኹን ሎሚ ሰላም ስኒት ፍቅሪ ሕውነት ክብል ከሎ ካብ ገዛእ ቤቱ ካብ ውሽጡ ዝምንጭውን ዝጅምርን ዝትገበርን በቢደረጃኡ ድማ ናብ ጎረባብቱን ናብ መላእ ዓለምን ዝዝርጋሕን ዝዓስልን ምዃኑዩ ዝኣምን። ነዚ መሰረት ዝገበረ ራኣይን ዕላማን ነዊሕን መሪር ተጋድሉኡ ድማ ናጻን ሉኡላዊት ኤርትራ ብምውናን ሰላሙን ስኒቱን ፍቅሩን ናይ ሕድሕድ ሕውነቱ ብምርግጋጽ ምስኩሎም ጎረባብቲ ሃገራት ብፍላይ፡ ምስ ዓለም ድማ ብሓፈሻ ብሰላምን ስኒትን ብፍቅርን ሕውነትን ብምዝማድ ናብ ምዕባለን ብልጽግናን ምምራሽ ኢዩ ኔሩ። ይኹን ደኣምበር እዚ ድልየትን ራኢን ዕላማን ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ልኡላዊት ሃገር ምውናን ባንዴራ ምንብልባልን ተኾሊፉዩ። ምኽንያቱ ድማ እቲ ዓወት ናጽነት ተጎዝጊዙ ዝኣተወ ጉጅለ ኢሳያስ ንስልጣን መንግስትነት ብጊዚያውነት ክሕዝ ብዝረኸቦ ዕድል ተጠቂሙ ዲክታተርነት ኣንጊሰ። ሰላምን ስኒትን ፍቅርን ሕውነትን ገዛእ ቤትናን ሃገርናን ዘሪጉ ንራኢናን ዕላማናን ኣምከነ። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጸሞ ገበን ኣብ ጎረባብቲ ሃገራትን ዓለምን ኣሰጋገሮ። እነሆ ድማ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዘመነ ኢሳያስ ነሕልፈን ዘለና ዓመታት ንስሕኖ ዘለና መከራን ስቃይን ሳዕቤን ምምካን ድልየትናንን ራኢናን ዕላማናን ኢዩ። እዘን ድልየትናን ራኢናን ዕላማናን ዝኾና ሰላምን ፍቅርን ሲኒትን ሕውነትን ኣብ ልቢ ኢሳያስን ጉጁሉኡን ናይ መግዛእቲ ዘመኑን ስርዓቱን እየን መኺነን እምበር፡ ኣብ ውሽጢ ልቢ ኤርትራዊያን ግን ዝልምልማሉ መዓልቲ ይጽበያ ደኣእምበር ጨሪሰን ኣይመኸናን። እወ ከምቲ ለባማት ዝገልጽዎ መንግስታት ሓለፍቲ እዮም ሕዝብታትን ሃገራትን ግን ነበርቲዮም ይንዋሕ ይሕጸር ብዘይገድስ እዚ ዘራጊ ጸረ-ሰላም መንግስቲ ዚ ምሕላፉ ዘይተርፍ ግድነትዩ ስለዚ ንሕና ህዝቢ ኪኖ መንግስቲ ህግደፍ ዝጥምትን ጽባሕ ዝጥጥዕ ኣብ ልብና ዘሎ ነባሪ ሰላም ንኣምን። ነዚ ንምዕዋት ድማ ንቃለስ ኣለና። ኣብነት ናይዚ ሓቂዚ ድማ ኣብታ ንእሽቶ ኤርትራ ኢሎም ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝሰመይዋ ኣብ ኢትዮጵያ እትርከብ ሽመልባ ተጀሚሩ ዘሎ ነባሪ ዝምድና ህዝብታት ክልቲኡ ጎረባብቲ ሃገራት ናብ ንቡር ናይ ምምላስ ሕውነታዊ ምቅስቃስ ዝጥቀስዩ።

 

ሎሚ እዚ ሰናይ ተግባርዚ ዚያዳ ኣናዓዘዘ ይመጽእ ኣሎ።እንሆ ኣብ በዓል ጎረቤት ሃገርና ኢትዮጵያ ናይ ሓድሽ ዓመት ቅድስ ዮሃንስን ድርብ ኣውደኣመት ኣብ ዝኾነ መዓልቲ ትካል ሬድዮን ተለቭዥንን ኢትዮጵያ ዘዳለውዎ ፉሉይ ናይ በዓል መደብ መልእኽቲ ናይ ሰላም ስኒትን ፍቅርን ሕውነትን ዝኾነ ዕንባባ ካብ ውሽጥ ኢትዮጵያ ተበጊሱ ንኹሎም ጎረባብቲ ሃገራት ብዕሊ ተሰዲዱ ኣሎ ።

 

 

እዚ ብገዲም ተጋደላይን ናይ ስነ-ጥበብ በዓል ሞያን ኢያሱ በርሄን ጋዜጠኛታት ብጾቱ እናተመርሔ ብፉሉይ መዓርግ ተጸንብሉ ዝወዓለ  በዓል ቁዱስ ዮውሃንስን ሓድሽ ዓመት ኢትዮጵያውያን ንህዝቢ ኤርትራ ዝተላእኸ ናይ ሰላም መልእኽቲ ዝሓዘ ዕንባባ ንሰላምን ዲሞክራሲን ዝቃለሱ ደቁን ህዝቢ ኤርትራን ብሉዑል ናይሰላምን ስኒትን ፍቅርን ሕውነትን መንፈስ ብታሕጓስ ዝቕብሎዩ። ብወገን ኤርትራ ድማ ኣብ ወርሒ መስከረም በዓል ቁዱስ ዮውሃንስ ብጥበብ ተኸሺና ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝቐረበት ደርፊ ኤርትራዊ ህቡብ ድምጻዊ ርእሶም ገ/ገርጊስ ከም ናይ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ሰላም ድልየት መግለጺ መልእኽቲ ሰላም ኮይና ነቲ ነባሪ ሕውነትን ዝምድናን ክልቲኡ ህዝብታት ትንሳኤ እተበስር ናይ ቅዱስ ዮሃንስ መልእኽቲ ኢያ ኢለ ይኣምን።

 

ጌታቸው ቀነነ

19/09/2009

 

 
 

ሓተታ Survey

ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ሓድነት ደሞክራሲያውያን ኤርትርትራ ከረጋግጽ እዩ!
 

ኣብ መርበብ Online

We have 42 guests online