|
ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ እስቱትጋርት፡ ርእሲ ከተማ ባደን ቩርተምበርግ።
ብኣካየዲት ሽማግለ ስቱጋርትን ከባቢኡን ዝተዳለወ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ
ስቱትጋርት ብኣብላት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳንን ሲቪካዊ ማሕበራትን ብህዝቦምን ብሃገሮምን ዝግደሱ ውልቀ ሰባትን ዝተኻፈልዎ ብጣዕሚ ዉዑይን ድሙቕን ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ።
ብዕለት 19/09/09 ኣብ ከተማ ስቱትጋርት ብምኽንያት ብልሹው ምሕደራ ህግደፍ ኣብ ህዝብናን ሃገርናን ዘውረዶን ዘውርዶ ዘሎን ሰፍ ዘይብል ግፍዕን መከራን በደልን ብፍላይ ድማ ነቲ ንነዊሕ መዋእል ባህሪ መለኽቲ ህግደፋውያን ተሰዊርዎ ዝጸንሐ ሓፋሽ ህዝብና
ኣብ 18/09/2001 ኣብ ባዕሉ ዝሓረዮም ኣባላት ካቢኔኡን ኣባላት ባይቶኡን ናይ ምትዕርራይን ነብሰ ግምገማን ንምግባር፡ስሩዕ ኣኸባ ክግበረሎም ምስ ጠለቡ ውልቀ መላኺ ኢሰያስን ተረፍ መረፍ መጋበርያታቱን ኣብ ልዕሊኦም ብጸረ ሃገርነትን ክሕደትን ጸለመታት ከም መቐጸልታ ታሪኻዊ ኣማጻጸእኦም ብምክያድ ኣብ ይግባይ ዘይባሃሎ ማሕዩር ክድርበዩን ሃለዋቶም ኣብ ዘይፍለጥ ክጭወዩን ጉልባብ ዲክታቶር ኣብ መላእ ህዝብታትናን ሕብረተሰብ ዓለምን ዘቃልዐት መዓልቲ ብምዝካርን ውን እዩ ነይሩ።
እቲ ሰልፊ ከም መደቡ ልክዕ ሰዓት ሓደ ካብቲ ዋና ጎደና ብምምራሽ ንህዝቢ ጀርመንን ኣብ ጀርመን ዝነብሩ ካልኦት ዜጋታትን ብቛንቋ ጀርመን ዝተዳለወ ባህሪ ዲክታቶርያዊ ጭፍራ ህግደፍ ዝገልጽ ስነ ጽሑፋት ብየማንን ጽጋምን ብምዑታት ተሳተፍቲ ሰልፊ እንዳተዓደለ ብሰልፈኛታት መርየት ዝንቕንቕ ልዑል ድምጺ ውድቀት ንዲክታቶር እንቢ ንምልኪ ሕራይ ንሰላም እወ ንደሞክራሲ ብምባል ነበርቲ ከተማ ስቱትጋርት ብጨብጨባ ሶሊዳሪቲ ብምርኣይ ነቲ ሰልፊ ፍሉይ ድምቀት ሂብዎ ውዒሉ።
እቲ ሰልፊ ብጭርሖ ነቲ ከተማ እንዳናወጸ ብብርክት ዝበሉ ፖሊስ እንዳ ተዓጀበ ኣብ ዝተመደበሉ ናይ ቫቱም ቩተንበርግ ናይ ውሽጢ ሚንስተርዩም ቤት ጽሕፈት ብምብጻሕ ብኣካያዲት ሽማግለ ንዝተዳለወ ነቲ ታሪኻዊ ምዓልቲ ዘንጻባርቕን ዝገልጽን ብትግርኛን ጀርመንን ድሕሪ ምንባብ ብፍሉጣት ናይ ግጥሚ ኣዳለውቲ ደረስቲ ዝተዳለወ ንህዝቢ ዘባራብር ግጥምታት ድሕሪ ምንባብን ንህዝብን መንግስቲ ጀርመንን ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ
ንምምሕዳር ቫቱም ቩቱምበርግ ንዝገበረልና ምትሕብባርን ስሉጥ ፍቓድን ብምምስጋን እቲ ሰልፊ ብዓወትን ብጣዕሚ ፍናን ዝመላኦን ምዉቕን ብሰላም ተፈጺሙ።
እቲ ሰልፊ ምስ ተወደአ ነቲ መዓልቲ ዝተዳለወ ናይ መበል 48 ዓመት ምጅማር ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምኽባርን ንምዝካርን እቲ ድርብ ወፍሪ ናይቲ መዕልቲ ማለት ብሓንቲ እምኒ ክልተ ዑፍ ምህራም ስለ ዝነበረ ነቲ መዓልቲ ዘንጻባርቕ ብኣካያዲት ሽማግለ ዝተዳለወ ጽሑፍ ድሕሪ ምንባብ ንዝወዓልናዮ መኸተ ንምግምጋምን ንመጻኢ ክምደቡ ዘለዎም ንጸረ ህዝብን ጸረ ደሞልራስን ጭፍራ ህግደፍ ንምእላይን ጠርሹ ካብ ህዝቢ ክንጸልን ክፍንፈንን መሊእና ክንስዕሮን ብኒሕን ሓቦን ሓድሕድ ምክብባርን ሰጢምና ክንሰርሕን ዝብሉ ብልዑል ሓላፍነት ዝመልኦ ልዝብ ብምክያድ እቲ ብዓል ብዓወትን ንቕድሚት ዓቢ ተስፋ ዝህብ ኮይኑ ብሰላም ተዛዚሙ።
ሓደ መስከረም ኣብ ህዝብና ክትዝከር ክትነብር እያ!!!
ውድቀት ንጨቆንትን ገበነኛታትን።
ክብርን ዝኽረን ንጀጋኑ ስዉኣትና።
ካሕሳይ ይሕደጎ።
20/09/09
|