|
ኣብ’ዚ እዋን እዚ ከም ኤርትራዊ ኩሉ ሃገራዊ ዕማም ካልኦት ክገብርዎ ትጽበ፣ እንተዳኣ ኮይካ ከም ሓደ ኢንጂኘር ንኹሉ እቲ ብብዙሓት ሰራሕተኛታት፣ ክዕመም ዝተወጠነ ስራሕ ንበይኑ፣
እቲ ኢንጂኘር ክዓሞ ይኽእል ኢዩ ኢልካ ከም ምሕሳብ እሞ ነቲ ስራሕ ምጥንጣን ኢዩ ዝቚጸር፣ እዚ ድማ ሓላ ፍነታዊ ኣይኮነን፣ ንበይኑ እቲ ሓደ ኢንጂኔር ብዘይካ’ቶም ሰራሕተኛታት እንታይ ክገብር ይኽእል፣ ዋላ ሓንቲ፣ እታ ፕላን ኣብ ወረቐት ሰፊራ ትነብር እታ ክትስራሕ መደብ ዝወጻ ቤት’ውን ከይተሰርሔት ትነብር ማለ ት’ዩ።
ስለ’ዚ ኣብ’ዚ ዘለናዮ ሁመት ሃገርና ከምኡ ኢላ ኣብ ሰንፈላል ህዝብና እውን ካብ’ዚ ዘለዎ ሽግርን መከራን ከይተላቐቐ ንኸይነብር ብዕምቆት ክንሓስበሉን መዋጽኦ ክንረኽብሉን ዘለዎ ሽግር ኢዩ ዘለና፣ እዚ ንሃገርና ረሚሱ ንህዝብና ኣብ ከቢድ ጭንቀት ሸሚሙ ዘሎ ስርዓት ንምእላይ እንታይ ክንገብር ከም ዘለና ብዕምቆት ሓሲብና ፍታሕ ኣብ ምርካብ ኣትኪልና መዋጽኦ ክንረኽበሉ ጻዕሪ ክነካይድ ይግባእ፣ ከምኡ ከይገበራና ዝኾነ ይኹን መስተርሆት ኣብ ኤርትራ ክመጽእ ኢዩ ኢልካ ምሕሳብ ፈጺሙ፣ ክኸውን ዘይክእል ወይ ክሕ ሰብ ዘይብሉ ምዃኑ ንኹሉ ብሩህ ክኸውን ኣለዎ።
ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ድሕሪ ሃገራዊ ናጽነት ተረኺቡ ዘሎ ሕሱም ኩነታት ኣብ ንቡር ንምምላሱ ዘይውጻእ ዓቐበት ኮይኑ ዝራኣዮም ዘሎ ኒሔኛታት ፈተውቲ ሃገሮምን፣ ኣፍቀርቲ ህዝቦምን ዝኾኑ ኤርትራውያን ካኣ ንዘሎ ሽግር መፍትሒ ክንረኽበሉ ኣለና ካብ ዝብል ነዚ ሃገርና ዝርምስን ህዝብና ዘጨንቕን ዘሎ ርኡይ ኩነታት ኤርትራ ብምድግጋም ብምጥቃስ ክመኽሩን ንማኸር ክብሉን ብጽሑፍ ኣብ ወረቐት ዘየቐመጥዎ ቃል ይኹን ሓሳብ ኣይተረፈን፣ ብዘረባ እውን ከይተገልጸ፣ ዝተረፈ ሓሳብ ዘሎ ኣይመስለ ንን፣ ይኹን እምበር መዋጽኦ ከይረኸብካሉ ሕልና ንዘለዎ ኤርትራዊ ቅሳነት ዝህብን ኡፈዬ ከብል ዝኽእልን ኣይኮነን፣ እቲ ሕልና ዘለዎስ ክሳዕ’ቲ ዘሎ ሕማቕ ኩነታት መዓልቦ ረኺቡ ህዝቡ ዝቐስን ክንዲ ህዝቡን ሃገሩን ክሻቐል ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ተግባር ሰጊሩ’ውን ዝካኣሎ ክገብር ኢዩ።
ህዝብና እውን ሓይሊ ስኢኑ እምበር፣ ዝጽሓፍ ዘሎ ኣንቢቡ፣ ዝዝረብ ዘሎ ሰሚዑ ዘይኮነስ፣ ብኣውርኡ ግዳይ ናይቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘወርድ ዘሎ ስቓይን መከራን ስለ ዝኾነ፣ ነቲ ዘሎ ኩነታት ኣጸቢቑ ተረዲኡዎ ኣሎ፣ ንሱ ካብ ንቓንዝኡ ደጋጊሙ ዝነግሮ ፍታሕ ከምጽኣሉ ዝኽእል ሓላይ ህዝቡ ዝኾነ ኣካል ጥራይ ኢዩ ዝጽበ ዘሎ፣ ኣብዚ ምንም እኳ እቶም ዝቃለሱ ብሓልዮ ብዙሕ ይጽሕፉን ይዛረቡን እንተለው እቲ ኩነታት ተረዲኡና ነቲ ሽግር ብሓባር ኰና ክንገጥሞ ክሳዕ ዘይክኣልና እቲ ዘሎ ሽግር ብዘረባ ይኹን ብጽሑፍ ክፍታሕ ዝኽእል ኣይኮነን እንታይ ድኣስ ብዘተ እንታይ ክግበር ከም ዘለዎ ኣብ ውዱእ በጺሕካ ናብ ተግባር ብምስጋር ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ነገር ኩልኻ ብሓባር ምስ ትገጥሞ ጥራይ ኢዩ ዝፍታሕ።
እንተኾነ ግን ጌና ተሳትፎ ህዝቢ ክዓዝዝ ክኢሉ እቲ ነገር ብዕቱብ ክግጠም ስለዘይተኻእለ፣ ጌና ሀ- ክይተባህሎ ወይ ካብ ዘለዎ ነቕ ክብል ኣይተኽእለን ዘሎ፣ እምበር እቶም ትቃለስ ዘለኻ ኩሉ ህዝቢ ተስፋ ከቐምጠሉ ዝኽእል ኣካይዳ እንተኸድካ እቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ ቃልሲ ርሒቖም ዘለ ው፣ ብግዜ ብዝሓትን በቲ ክልወጥ ዘይኽእል ባህርያት ናይ’ዚ ፍንፉን ስርዓ ትን፣ በቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ዝወርድ ዘሎ ደረት ኣልቦ በደልን፣ በቲ ናብ ጥፍኣት ሃገር ዘምርሕ ዘሎ ኣካይዳን፣ ከምኡ’ውን ሃገር ዘይብልካ ኰንካ ምስ ተረፍካ ናብ ዝልዓለ ደማዊ ቃልሲ ምስጋር ከም ዘሎ ብምስትውዓል ብጊዜ ብዝሓት ናብ ህዝቦም ገጾም ብምልዋጥ ፍታሕ ኣብ ምድላይ ኣብ ጎድኒ እቲ ዝቃለስ ዘሎ ኣካል ከም ዝስርዑ ፍሉጥ ኢዩ፣ ስለ’ዚ እቲ ኣውራ ትሓታቲ ናይቶም ንቃለስ ኣለና ንብል ሓደ ዓይነት ኣራኣእያ ምህላው ስሕበት ነቶም ካብ ቃልሲ ርሒቖም ዘለው ክፈጥር ይኽእል ኢዩ፣ ስለ እዚ ኩሉ ይቃለስ ኣለኹ ዝብል ሓድነቱ እንተ ኣትሪሩን ኩሉ ክቕበሎ ዝኽእል ዕቱብ ስራሕ ከካይድ እንተተራዩን እቲ ዕቱብ ኣሰራርሕኡ ነቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ ቃልሲ ርሒቖም ዘለው ናብ ቃልሲ ዓዳሚ ክኽውን ዝኽእል ምዃኑ ክንርዳእ ኣለና።
ኤርትራውያን ካብ ኩሉ ህዝቢ ዓለም ዝሓመቕና ስለዝኾንና ኣይኮናን ኣብ ሽግር ወዲቕናን ዋናታት ስርዓት ኣልቦ ዝኾነት ሃገር ኰንናን ዘለና፣ ኣብ ሞንጎና ስምምዕ ሃልዩ ነቲ ሃገራዊ ጉዳይ ቀዳምነት ብምሃብ ተሳማሚዕናን ተኣማሚናን ብደቂቕ ስለ ዘይንዝቲ ኢና፣ ድሓር ካኣ እቲ ዘየሳማምዓና ዘሎ
እንታይ ኢዩ ኢልና ስለ ዘይንማራመር ኢዩ፣ ንኣብነት እዚ ስርዓት’ዚ ነቲ ክንሰማማዕ ከምዘይንኽእል ዝገብር ባህሊ ብኸመይ ከምዘታኣታተዎ ንርኤ
ኣብ ሜዳ ኣብ ሞንጎ ተጋደልቲ ልዕሎን ትሕቶን የለን ኣብ’ዚ ኩሉ ማዕረ’ዩ
ዝብል ረቂቕ መራሕን ተመራሕን ኮንካ እናተደጋገፍካ ስራሕካ ንኽይትፍ ጽም፣ እሞ እቲ መራሕን ተመራሕን ምዃን ምስጠፍኤ ጫውጫው ኢልካ ኩሉ ጊዜ ኣላዪን ዝሽምግልን ክትደሊ እሞ እቶም በቲ ስርዓት ዝተመልመሉ ባሃማት ከለውስ ለባማት ኮይኖም ነቲ ጭቕጭቕካ ሓንቲ ቃል ከይተዛረቡ እዚ ነገር ክምእከል ማለት ብሓለፍቲ ክርኤ ኢዩ ኢሎም ነቲ ነገር ምስቶም
ጎይቶቶም መኺሮም ነቲ ብልቦና እቶም ሰብ ጉዳይ ብቐረባ ክድቅስ ዝኽእል ዝነበረ ላምባ ወሲኾም እናሳወሩ ዘይኣንፈቱ ኣትሒዞም ናብ ዝልዓለ ጥርዚ ክምዝሳገር ብምግባር ንሶም ኩሉ ለባማት ኮይኖም ባዕሎም ናይ ዝኣጎድዎ ነገር ፈረድቲ ኮይኖም ንገለን ብማእሰርቲ ንገለን ብመቕተልቲ ኣብ ስቓይ የብጽሕዎ ከም ዝነበሩ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ።
ንሕና ኤርትራውያን ካብ ሕሉፍ ታሪኽና ተበጊስና ክንሓስብ እንተዳኣ ኮይኑ ካብ ካልኦት ዝሓሸ ስርዓት ክህልወና ኢዩ ዝግባእ፣ ግን ብኸም’ዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎ በቲ ሰራም ብልሓት እናተፈላለና ዝመጻና ስለ ዝኾንና፣ ጸገም ተወዲኡ ምስ በልና ብዘይሓሰብናዮ ኩርናዕ ንኣና መሲሉ ተጸፍዩ ዝጸንሔን በዚ ኣገባብ’ዚ ንኣና እናፈላለየን ኣዘንጊዑን ስምምዕና ዘሪጉን ምዕይ ከምዘይ ንብል ጌሩ ስለ ዝረገጸና ክውጻእ ዘይክእል ዝመስል ዓቐብት ቃልሲ ሒዝና ንምርሽ ኣለና ከምዘይሕለፍ የለን ግን ክሓልፍ ኢዩ፣ ህዝቢ ኤርትራ’ውን ከም ልማዱ ዘየዳግም ዓወት ክጎናጸፍ ኢዩ፣ ግን መራሕን ተመራሕን ናይ ምዃን ክእለት ከነጥርን በዚ ጉዕዙይ ባህሊ ዘይተበላሸወ መሪሕ ኣካል ክንም ልምል ክንክእልን ኣለና፣ እምበር ከም ሽሙ ዝጠፍኦ ንህቢ፣ ዕንዛርያ ኮንና ክንተርፍ ኣይኮናን ካብ ከምኡ ዝመሰለ ሳዕቤን ንጠንቀቕ።
ነቲ ዘየሳማምዓና ብጥንቃቐ መርሚርና ኣብ ሞንጎ ስምምዕን ዘይምማዕን ዘሎ ጠቕምን ጉድኣትን ኣለሊና ከምኡ’ውን ስልጣን ናይ ህዝቢ ዳኣ እምበር ሓደ
ንስልጣኑ እናተቓለሰ መጺኡ ስልጣን ናይ ህዝቢ ብጥበቡን ምብልሓቱን ናቱ ክገብራ ዝሓስብ ኣብ ምጅማር ቃልሲ ኤርትራ ኢሳያስ ዝተጠቕመሉ ሜላ ይደግም ከምዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ካኣ ንኣይ ነንጭዋስ ኣብ ሎቖታ ይብሎን ይስሕቆን ከምዘሎ ክዝንግዕ የብሉን፣ ህዝቢ ኤርትራ ተጸቒጡ’ዩ፣ ኣብ ሽግርን መከራን ተሸሚሙ ዝነብር ዘሎ እምበር ዓሻ ስለዝኾነ ኣይኮነን።
ዝኾነ ኮይኑ ህዝብና ኣብዛ እዋን ሽግሩ መፍትሒ ኣብ ምድላይ ዝዋፈሩ እም በር ንስልጣኑ ክዘምቱን ንመስሉ ክዕፍኑን ዝመጹስ ክንዲ ስድሪ ኣይክሰዶም ን’ዩ፣ ስለ’ዚ እቲ ንታሪኽ ዝቃለስ ግዲኡ እቲ ንኽዘንግዕ ዝቃለስ ኢዱ ኣይክ ስእንን ኢዩ፣ ህዝቢ ኤርትራ ባዓል ታሪኽን ቱኩርን መማሰውን ኢዩ፣ ንዝገበ
ሩሉ ጻምኦም ንዝበደልዎ ሕኒኦም ከከም ኢዶምን ገጉብኦምን፣ ከይከፈለ ብምንም ትኣምር ዘይድቅስ ኢዩ።
ስለ’ዚ ንህዝቢ ኤርትራ ኣይንዘንጋዓዮ ንድሕነቱ ካኣ ንንጠፍ ንታሪኽ ክኾነና ህዝብና ካኣ ከመስግነና፣ ንህዝቢ ኤርትራ ዳግም ክቕሽሾ ዝሓስብ ኣካል እን ተልዩ ይጋገ ኣሎ፣ ዝድላዩ ጊዜ ይውሰድ ድሕሪ ሕጂ ዝዕቀብ ነጻነት እተላይ ምሉእ ሓርነት ኤርትራ ብርግጽ ካብ ዓለሙ ዝሓይሽ እምበር ዝሓምቕ ኣይ ክኸውንን ኢዩ፣ ሰናይ ቅነ።
ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና
ዓወት ደማ ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝብና
በላይ መስፍን ጀርመን
|