Start ርእይቶታት Opinions News ወተሃደራዊ ጥምጥም ኣብ ሮብሮብያ፡ انتقال المعارك إلى (روب روبيا) بين قوات النظام والمسلحين في أكلي قوزاي
ወተሃደራዊ ጥምጥም ኣብ ሮብሮብያ፡ انتقال المعارك إلى (روب روبيا) بين قوات النظام والمسلحين في أكلي قوزاي PDF Print E-mail
Written by ግ.ሃ.ድ.ኤ.   
Friday, 11 September 2009 19:57

ወተሃደራዊ ጥምጥም ኣብ ሮብሮብያ፡

انتقال المعارك إلى (روب روبيا) بين قوات النظام والمسلحين في أكلي قوزاي

 

ኣብ ምብራቓዊ ኣከለጉዛይ ኣብ ሞንጎ ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሖም ኣብ ጎንኒ ህዝቦም ደው ዝበሉ ጀጋኑ ዕጡቓት ኣሃዱታት መንእሰያትን ኣብ ሞንጎ ኣገልገልቲ ሓይልታት ስለያ ስርዓት ህግደፍን ዝካየድ ዘሎ ጥምጥም ናብ ብዙሕ ከባብታት ይልሕምን ይጎሃሃርን ከምዘሎ ምንጭታት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም።

 

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ 2009 ኣብ ዓዶዳጋ ዝጀመረ ጥምጥም ናህሩ እንዳወሰኸ ናብ ገረንቶን ገርሳባን ምግፍሑ ምግላጽና ይዝከር። እቲ ዝካየድ ዘሎ ግጥማት ድሒሩ’ውን ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ናብ ሮብሮብያ ተሰጋጊሩ ውግእ ከምዝተኻየደን ኣብቲ ውዕሎ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ስለያ ስርዓት ህግደፍ ከቢድ ክሳራ ከምዝወረደን ምንጭታት ግሃድኤ ካብቲ ከባቢ ግልጺ ገይሮም።

 

ምንጭታትና ወሲኾም ከምዝሓበርዎ ስርዓት ህግደፍ ነቲ በቶም እምቢ ንስርዓት ህግደፍ ኢሎም ሓሪኖም ኣንጻሩ ዝኳሽዑ ዘለዉ ዕጡቓት ኣሃዱታት ንዝወርዶ ዘሎ ስዕረትን ክሳራታትን ንምብርዓን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ግፍዕታት ይፍጽም ከምዘሎ ተገሊጹ። እዚ ከኣ ኣብቲ ከባቢ ንዝነብሩ ስድራቤታት ጥሪቶም ይህግርን ንዝረኸቦም ቆልዓ-ሰበይቲ ከኣ ብግዲ ኣኪቡ ናብ ካልእ ቦታታት የግዕዞም ከምዘሎን ተሓቢሩ።

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

10 መስከረም 2009

 

 

 

انتقال المعارك إلى (روب روبيا) بين قوات النظام والمسلحين في أكلي قوزاي

 

ذكرت مصادر جبهة الإنقاذ الوطني الإرترية بأن أجهزة قمع نظام الجبهة الشعبية قامت بمصادرة مواشي وممتلكات افراد المجموعة التي خرجت على سلطات النظام في شرق أكلي قوزاي. وأكدت المصادر بأن أجهزة أمن النظام أطلقت أيديها على ممتلكات المجموعة ومصادرتها كما قامت باعتقال زوجات أفراد المجموعة والاعتداء على ذويهم.

ومن ناحية أخرى أضافت مصادر الإنقاذ بأن المعارك لا تزال متواصلة بين المسلحين وقوات النظام في مناطق متفرقة من شرق أكلي قوزاي، إذ انتقلت المعارك إلى منطقة روبروبيا التي تكبد فيها النظام خسائر فادحة في الأرواح والممتلكات بينما قدمت المجموعة شهيدين.

يذكر الاشتباكات كانت قد بدأت مطلع يونيو في عدودقا وانتقلت في مطلع سبتمبر إلى قورنتو وقرسابا التي كبدت فيها المجموعة للنظام خسائر فادحة في الأرواح والمعدات.

 

                                                                               مكتب الثقافة والإعلام

                                                                                      لجبهة الإنقاذ الوطني الإرترية

                                                                       10/9/2009

 
 

ሓተታ Survey

ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ሓድነት ደሞክራሲያውያን ኤርትርትራ ከረጋግጽ እዩ!
 

ኣብ መርበብ Online

We have 87 guests online