|
ዋዓል ሕደር ዘየድልዮ ግዜ በጺሕና
ብተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ
07/09/2009 Norway
ክቡር ህዝበይ ደቂ ዓበይቲ ደቂ ዎራዙት
ኣይተረአን ድዩ ናብ ህዝቢ ዝወረደ መዓት
ሃይባ ንጠርንፍ ንዕለዎ ነዚ ኣረመኔ ስርዓት
ብቑጠባ ንሕነቆ ንኾንኖ ንሓሶት ኣኽባታት
ደቂ ኤረ ደቂ ሓንቲ ማህጸን ደቂ ሓንቲ.ደ
ከም ቀደምና ንኹን ጸላኢና ሕሱም ክፍደ
ደስ ከይብሎ ንብጾቱ ብዘይ በደል ዝፈረደ
ጨካን መራሒ ነብሱ ተዋሪዱ ህዝቡ ዘዋረደ
ሕያዎት ህዝቢዶ ኣይነበርናን ታዩ ወሪዱና
እንኳን ንሓው ንጓናኳ ንድንግጽ ዝነበርና
ሰብ ምርዳእ ምሕጋዝ ዝጸንሐ በቦታትና
ኣበይ ደርቢናዮ ቲ.ምዕሩግ ንቡር ባህልና
ንዑባ ንመለስ ነሕውያ ነዛ ሓላል መሬት
ምኽንያት ኣይነብዝሕ ንዕጠቕ ከይጠፍአት
ፋሕብትን ኣይንበል ኣይንኹን ግደ ከርተት
ህዝቢ እናጸነተ ቁሩብ ንሕሰብ ኣይንጻወት
ህልኽ ይትረፍ እናተቋየቊና ከይንመውት
ነዚ ልመና ማዕዳን ኣይመድለዮን ነይሩ
ኣሕዋት ምስ ዝሓብሩዮም ጸላኢ ዘባርሩ
ካብ ቃልሲ ሃዲምካ ዓወት የለን ተበራበሩ
ኣብ ዓዲ ዘለዉ ብዙሕዮም ብኣና ዘማርሩ
ብምዕራብ እንተጽቀጣ ሓቂ ከይመስለና
ንጠንቀቕ ኣመኽንዬን ጽባሕ ከይጎብጥና
እኒ ኣመሪካ ኣለዎም ኣጀንዳ ኣብ ልዕለና
መስሎኲ ምኽንያት እንተ ረኺበናልና
የድሕን ናብ ቀደም መግዛእቲ ከይመልሳና
ምኽንያቱ ህግደፍ ምስ ኣል.ሸባብ ተሻሪኹ
በዚ ድማ ጅሃድ ምስ ታሊባን ኣትዩ ሾሊኹ
ናይ ስለያ መርበብ መዓልታዊ ስለ ዝልእኹ
ስለ ዝትንከፉ ብተዛዋሪ ውግእ ከይተዃቱኹ
ከተማሓድሩ ስለ ዘይትኽእሉ ዘይትበቕዑ
ከይብሉና ትሕቲ ኢትዮጵያኹም ተጸግዑ
ድልዬት ህግደፍ ንሱዩ ውዲቶም አጽንዑ
ጠንጢኖማ ክኽዱ ዝኣኽሎም ምስ ተጣልዑ
ክዝሕ.ውልና ሕንዚ ተገዚእና ንኽነብር
ከም ዘመነ ፈደረሽን ዓይኒና ክንዓውር
ህግደፍ ብዝወልዖ ተሸሊቝና ክንሓርር
ምስ ዘይዓቕሙ ክላኽፍ ክጻረፍ ክግዕር
ኣላሽ ኣይብልንዩ ንሓዋሩ ከየጥፋኣና
ኣይተዋሕጠሉን ዘሎ ናጽነት ምርካብና
ንቐድሞ ካብ ካርታ ዓለም ከየልቀቐና
እንስሳዊ ስርዓት በላዕ ሰብ ድኹም ሕልና
በብዘለኹሞ ሓልውዎ ጽባሕ ከይመልቆና
ኣንታ ክንደይ ንሓምቕ እንታይና ኮና?
ሓደ ሰብ ነርባዕተ ሚልዮን ከኸድመና
ጥዑይ ከይከውን ዕቡድ ከም ወዲ ኒና
መንደፍ ትለክሞ በየን መጸ ዘይናህና
መዓልትኻ ተጸበ
ቀሪብና ኢና ቀሪብና
ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘምን ሓዲኡሎ
ቀሪብና ኢና ቀሪብና
|