Start ቃል ሓዘን Condolence Opinions ብዘይ ናትና ከይንጽዋዕ እቲ ጽቡቕ ታሪኽ ኣቦታትና ከይዝንብዕ
ብዘይ ናትና ከይንጽዋዕ እቲ ጽቡቕ ታሪኽ ኣቦታትና ከይዝንብዕ PDF Print E-mail
Written by በላይ መስፍን   
Wednesday, 09 September 2009 20:45

ብዘይ ናትና ከይንጽዋዕ እቲ ጽቡቕ ታሪኽ ኣቦታትና ከይዝንብዕ እሞ ታሪኽ ዘይብልና ከይንኽውን ንጠንቀቕ።

ክቡራት ኤርትራውያን ኩሉ ክተምጽኦ እትደሊ ፍታሕ ምስ ታሪኽካ ዝተተሓሓዘ ምስዝኸውን ጥራይ ኢዩ፣ ንኹሉ ዘዕግብን ጥዑይ ውጽኢት ክርከቦ ዝኽእልን፣ ከምኡ’ውን ብሓባር መኺርካ ነቲ እትቃለሰሉ ዕላማ ጥዑይ ኣንፈት ምስ እተትሕዞ ኢዩ፣ ቃልስኻ ኣብ ህዝቢ ተቐባልነት ዝህ ልዎ፣ ታርኽ ዘይብሉ ህዝቢ ጥፉእ ኢዩ፣ ነየናይ ታሪኽ ኢዩ እሞ ክቃለስ፣ ወዲ ሰብ እኮ ዝቃለስ ምእንቲ መንነቱ፣ ምንቲ መሰሉን ክብሩን፣ ምእንቲ እታ ዝነብረላ ሃገሩን ኢዩ፣ እዚ ዘሎ ስርዓት ግን እዚ ኩሉ ንኸይህልወናን ህዝብና ታርኽ ዘይብሉ ኮይኑ ንክተርፍን እሞ ሃገርና ዓዲ ኩሉ ኮይና ንኽትተርርፍ ኢዩ ዝቃለስ ዘሎ።

 

ስለ’ዚ ኩሉ ኤርትራዊ ብዘይካ ሓደ ተረፍ እንተጠፍኤ’ውን ግዲ ይብሉን፣ ነዚ እንተፈሊጥና፣ እ ምብኣር ኩሉ እንትናና ማለት ታርኽናን፣ ባህልናን ልምድናን ሓላፍ ዘላፍ ዘይብሉ ኮይኑ ኣብ ዝነበሮ ናይ ምምላስ ሓላፍነት ከምዘለና ንርዳእ ማለት ኢዩ፣ ቃልስና ኣንፈት፣ ክሕዝ ክጅምር ክሎ ኩሉ ሸነኻዊ ቃልሱ ኣዕርዩ ፈሊጡ፣ ኩሉ ህዝቢ ዝቕበሎ ናይ ርሑቕን ቀረባን መደቡ ሓን ጺጹ ክብገስ ኣለዎ፣ እቲ ክገብሮ ዘለዎ ካኣ ንነዊሕ ዝጠመተ ትኻላዊ መሰረት ዘለዎ ኩልኻ ብዕ ምቈት፣ ዝሓሰብካሉን ሓድነትን ምትእምማንን ዘለዎ ጥርናፈ፣ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዝውክል  ትካል ክንሓስብን ክነቕውምን ክንክእል ኣለና፣ ከምኡ እንተዳኣ ተጌሩ ዝድላዩ ጊዜ ይውሰድ እ ቲ፣ ኩሉ ክብጻሕ ዝድለ ብዘበልና ኣቢልና ክንበጽሖ ኢና።

 

ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክጅመር ከሎ ዝጎደለ ነገር ክሳዕ ሕጂ ኣብ ስቃይ ንኽንነብር እቲ ቀንዲ ምኽንያት ኮይኑ ዘሎ ኢዩ፣ ኣብቲ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ሓድ-ሓደ ነቲ ካብ ተቓልስቲ ዝዕዘብዎ ዝነበሩ ጌጋታት ርእዮም ኣይምሓነቑን ዓበይቲ ሰባት እንዶ ዘይብሎም ኮይኖም፣ እዚ ዝፍጽምዎ ዘለው ጌጋታት ንናሓዋሩ ብዙሕ ዘጣዕስን ክትመልሶ ዘይትኽእልን ኢዩ፣ መንግስቲ ክተክል ዝሓስብ እኮ ኣካይዳ መንግስቲ ክኸይድ ክኽእል ኣለዎ ዝብሉን እቲ ብረታዊ ቃልሲ ዋላ እንተ ትዓወተ ብዙሕ ጸገም ክህልዎ ኢዩ፣ ብእዋኑ እንተዝርድእዎ ግን

ክንደይ ጽቡቕ ኔሩ፣ ኣኽብሮት ናይ ዓበይቲ የብሎምን፣ ንምኽሪ እውን የናእሱ እዚ ኣይግድን ዝብሉ ቃላት ወስ ዘብሉ ዓበይቲ ኔሮም ኢዮም፣ ንኡ ጽን ኢሉ ቃልሲ ክቕልስ ዝኽእል ኣካል ግን ኣይተረኽበን፣ ስለ ዝኾነ ካኣ ማለት ምስቲ ህዝቢ ኮንካ ብዛዕባ ርሑቕን ቀረባን መደባት ዘይወጾ ቃልሲ ስለ ዝነበረን ካብ ጌጋታት ሓራ እናኾነ ስለ ዘይተጓዕዘን ኣብ ህልኽን ምቕትታ ልን ኣትዩ፣ ንጉዕዞ ብረታዊ ቃልሲ ምቅትታል ዝሕመረቱን እዚ ንርእዮ ዘለና ናይ ቃንዛ ዝመ ልኦ ምዋእል ዝውጽኢቱን ክምዝኽውን ጌሩ ገዲፉልና። 

 

ኣቦታትና ንፉዓት፣ ለባማት፣ መስተውዓልትን ተጣበብትን፣ ሰብ ታሪኽ ኢዮም ኔሮም፣ ናይ ምስ ናድ፣ ባህሊ ስለዘይነበረና ግን ከም ኩሉ ታሪኽ ዘለዎ ህዝቢ፣ በዚ ዕለት’ዚ፣ በዚ ማዓልት’ዚ፣ በዚ ዓ.ም.እዚ እናበልና ንደግሞ ታሪኻት ብዙሕ ኣይኮነን፣ እንተሎ ካኣ ምስቲ ብዝሑን ቁምነገሩን ዝማዓራረ ኣይኮነን፣ ብዝኾነ ቁምነገርን ልቦናን ኣቦታትና ዘይተነግረ ድኣ ስለ ዝበዝሕ እምበር ዓቢን ክቡርን ምስ ናይ ኩሎም ህዝብታት ዓለም ዝወዳደርን ወይ ዝበልጽን ኢዩ ኔሩ።

 

ብሕጽር ዝበለ ነቲ ኣቦታትና ብጾምን ጸሎትን ድግድጊት ትዓጢቖም ዘቖምዎ ሕግታት እንዳባ እቶም ገዛእትና ጻዓዱ’ውን ከይተረፈ ከማና ዝሓስቡን ብሕጊ ዝናበሩን ህዝቢ እባ ኢዮም ኢሎ ም፣ ተደኒቖምሉ ኢዮም፣ በዚ ክቡራትን ለባማትን ህዝቢ ምዃና ስለ ዝፈለጡ እውን ገዛእትና ጥልያን ክሳዕ ብመውስቦ ተዳቒልና ኣካልን ኣምሳልን ህዝቢ ጥልያንን ሃገር ጥልያንን ክንከውን ተተምኒዮምናን ብሂጎምናን ኢዮም፣ እቲ ገዛእትና ከምኡ ንኽሓስቡ ዝገበረ ንባዕሉ ብኣቦታትና ዝተጠርየ ናይ ተባሃግቲን ዓለም ዝጥምተናን ሕብረተ-ሰብ ከም ዝነበርና ዝገልጽ ኢዩ።

 

በቲ ኣቦኣትና ዝኸተልዎ ዝነበሩ፣ ኣካይዳ ተመሪሕና ክንከይድ ከለና፣ ነቶም ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበሩ ወለዶ ዝኾነ ይኹን ጸገም ወይ ጉድኣት ዘስዓበ ጉድለት ኣታኣልልያ ናይ ኣቦታትና ኣይነበረን፣ ንተረፍቲ ወለዶ ክጎድእ ዝኽእል ሰንኪ ወይ ጠንቂ እውን ኣይገደፉን፣ ኣብ ጊዜኦም

በብእዋኑ ይኽሰት ንዝነበረ ሽግር ብልቦና እናኣለዩ፣ ንዝተበዳደሉ እናታዓረቑ፣ ንዝተቓተሉ ካኣ ብጋር እናካሓሓሱ፣ ድሕሪኦም ዝስዕቡ ወለዶ፣ ሕነ ኣብ ምፍድዳይ ኣትዮም፣ ክታሃላለኹ ምእን ቲ፣ ከይነብሩ፣ ብጥንቃቐ ብሰላም ከም ንነብር ጌሮም ሃገር ኣውሪሶምና ኢዮም።

 

ሕጂኸ እቲ ከም እንስሳ በረኻ ኣብ ፈቖድኡ ሬስኡ ንዑፈ ዝንፋርያን ዓሳታት ባሕርን፣ ኣዛብእ ምድረ- በዳን ዝኽውን ዘሎ መን ይኽሓሶ፣ ንሱ ኣሕሲቡናን ብዙሕ ነገራት ፋሕ ኢሉናን ከም ዘሎ ፈሊጥናኸ ንኹነታትና ኣብ ንቡር ክንመልሶ ንጽዕርዶ ኣለና፣ ኣቦታትና ኣስላም ይኹኑ ክርስትያን ንህዝቢ ኤርትራ ብሰላምን ምስ ክቡር ባህሉን ተሳኒዩ ክነብር ከምዘለዎን ጌሮም ገዲ ፎምዎ ኢዮም፣ ብዝኾነ ይኹን ጊዜ ኣምጽኦ ዘረባታት ተደናጊጹ ካኣ ኣብ ሞንጎኡ ባእሲ ወይ ክልእ ካብኡ ዝዓቢ ድዩ ዝንእስ ግርጭት ክትስእ ኢዩ ኢሉ ክሳናበድ የብሉን።

 

ኣቦታትና ሓሲቦም ዝምርሑሉ ዝነበሩ ሕግታት ዘውረሱና ጥዑይ ባህልን ምክብባርን ንኹሉ ጊዜ ዝኸውን ድልዱል ሰረት ኢዩ፣ ማለት ኣብ ኤርትራ ዋላ ገዛእቲ ይንበሩ፣ እቲ ህዝቢ ባህሉን ልም ዱን፣ ክብሩን ክሕሉ ከምዘለዎ እሞ ካልእ ኩሉ መወዳእታ ኣለዎ ዝብል ጽኑዕ እምነት ኣምላኽ ስለ ዝነበሮም፣ ኣብ ትሕቲ ባዕዳውያን ከለው እውን፣ በቲ ዘቖምዎ ሃግራዊ ሕጊ፣ እናተመርሑን እናተማሓደሩን፣ ንነገራት ከከም መልክዑ ተቐቢሎም ክብሮምን፣ ባህሎምን ሓሊዮም ጸኒሖም ንዳሕረዎት ወለዶ’ውን ኣማሓላሊፎምልና ኢዮም፣ እዚ ጽኑዕ መሰረት ናይ ኣቦታቱ ዘለዎ ህዝቢ ብጠቕመ ፍሊጣውያን ዝኣለምዎ ተንኮል ፋሕፋሕ ኣይክብልን ኢዩ፣ እዚ ፍርሒ እዚ ድማ እዚ ዘሎ በተኒ ስርዓት ዕድሚኡ ክሳዕ ዝውድእ ጥራይ ኢዩ ክህሉ ዝኽእል፣ ስለ’ዚ በዚ ናይ ተንኮለኛ ታት ዘመተን ምውንባድን ክንጥንቀቕ ዳኣምበር ክንፈርሕ የብልናን።

 

ብሓጺሩ ዋላ ኣብቲ ገዛእቲ ኣብ ሃገርና ዝነበሩሉ እውን እንተኾነ ኣቦታትና፣ እታ ሃገር ናይ ዋናታታ ኢያ፣ ንሳቶም ኣጋይሽና ኢዮም እምበር ነበርቲ ኣይኮኑን እናበሉ፣ ንኹሉሻዕ ነበርቲ ከምዘይምዃኖም፣ በቲ ዝነበሮም ጽኑዕ እምነት እዝጊኣብሄርን በቲ ርሑቕ ዝጥምት ልቦንኦምን ከም ውሁብ ዝወስድዎን ፍሉጥን ኢዩ ኔሩ።

 

ካብዚ ተበጊስና እምበኣር ክቡራት ኤርትራውያን ኣሕዋተይ፣ ምስቲ ኣንጻር እዚ ሕሱም ስር ዓት እነካይዶ ቃልሲ ባህልናን ልምድናን ኣብ ቦታኡ ናይ ምምላስን፣ ባይቶና ናይ ምትካልን፣

ሕግን ስርዓትን ናይ ምንጋስን፣ ከምኡ’ውን እቲ ኣብ ሃገርና ዝነግስ ሕጊ ንናይ ዝኾነ ኣብ ኤር ትራ፣ ዝነብር ዜጋ ውሑስ መሰል ከም ዝህልዎ ዝገብር ክኸውን ከም ዘለዎ ናይ ምግባር መደብ ምስ እንታሓሓዞ፣ ሎሚ ስለ ህዝቡን ሃገሩን እህህ ዘይብል ስለ ዘየለ፣ ህዝብና ቁምነገሩ ተረዲኡ ኩነታት ሃገሩ ኣብ ንቡር ንምምላስን ንዘሎ ሽግር ህዝቢ ኣብ ምፍታሕን ተሳትፎኡ ንኸዕዝዝ ክገብር ዝኽእል ከም ዝኸውን ርዱእ ኢዩ፣ ኣይንሕመቕ ኩልና እንተጺዒርናሉ ቃልሲ ክሕይል ህዝብና’ውን ብኡ መጠን ተስፋ ክገብር ይኽእል ኢዩ።

 

እቲ ኣብ መወዳእታ ክላበዎ ዝደሊን ኩልና ክንፈልጦ ዘለናን ብዛዓባ ህዝቢ ኤርትራ፣ ብሃይማ

ኖት፣ ዲዩ ብኻልእ ከም ሓላዪ ኮይኑ ድዩ፣ ከም መሳወሪ ኮይኑ ዝዛረብ ሰብ ሃውቲቱ ክሀውትተና እንተዘይኮይኑ ካልእ የብሉን፣ እዚ ኣባሃህላታት እዚ ብጊዜ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ሓቂ ንምጽራ ይ፣ ዘይትኽእለሉ ኣብ ሞንጎ ጀብሃን ሻዕብያን ዝነበረ ምውንጃላት ንህዝቢ ኤርትራ ኣረብሪቡዎ ኢዩ፣ ክርስቲያን ዲዩ ኣስላማይ ሓደ ብዛዕባ እቲ ሓደ ዝመሰሎ ክገልጽ ይኽእል ኢዩ፣ ህዝቢ ኤር ትራ ግን ሎሚ ጽላኢኡ ሓደ ምዃኑ ኣዓርዩ ኣብ ርእሲ ምፍላጡ፣ እታ ብሓባር ኮይኑ ዝናፍቓን ዝጽልየላን ዘሎ፣ ሰላም ኢያ፣ ድሕሪ እዚኣ ነቲ ኣስላማይ፣ ክርስትያን ኣይኮነ ጸላኢኡ፣ ነቲ ክርስ ትያን እውን ኣስላማይ ኣይኮነ ጸላኢኡ፣ እንታይ ዳኣስ ንኽልቲኦም እቲ ሰላም ዝዘርግ ኢዩ ናይ ሓባር ጸላኢኦም፣ ነዚ ካኣ ኩሎም ኣዐርዮም ይፈልጡዎ ኢዮም፣ ዝኾነ ይኹን ምኽንያት ፈጢሩ ሎሚ ኣብ ሞንጎኦም ሓዊ ክኣጉድ ዝሓልም ኣካል እንተልዩ፣ ይጋገ ኣሎ፣ ንሶም ብሓባር እንተ ብሰማይ እንተ ብምድሪ ነዚ ኣቦ ክፋእን መሰረት ናይ  ኩሉ ሽግርን ዝኾነ ስርዓት ዘልግስ ሓይ ሊ፣ ይፍጠረልና ጥራይ ኢዩ ዘሎ ጸሎቶም፣ ጸሎቶም ድማ ክሰምር ኢዩ።  

ስናይ ቅነ።

 

ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና

ዓወት ድማ ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝብና

በላይ መስፉን ጀርመን

 
 

ሓተታ Survey

ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ሓድነት ደሞክራሲያውያን ኤርትርትራ ከረጋግጽ እዩ!
 

ኣብ መርበብ Online

We have 92 guests online