Start ቃል ሓዘን Condolence News ቤትጽሕፈት ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ተቃጺሉ ኣንጻር ስርዓት ኢሳይያስ ዝዓመጻ ኣሃዱታት ከኣ ጻውዒት ኣቅሪበን።
ቤትጽሕፈት ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ተቃጺሉ ኣንጻር ስርዓት ኢሳይያስ ዝዓመጻ ኣሃዱታት ከኣ ጻውዒት ኣቅሪበን። PDF Print E-mail
Written by ወጋሕታ   
Wednesday, 09 September 2009 20:43

05/09/2009 እዘን ንወተሃደራዊ ስርዓት ኢሳይያስ ራሕሪሐን ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ዓትዒተን ኣብ ምብራቃዊ ክፍሊ ኣከለጉዛይ ዓሪደን ነቲ ጠላም ስርዓት ዝቃለሳ ዘለዋ ኣሃዱታት

ናብ ማሕበረሰባዊት ሬድዮ ድምጺ ወጋሕታ ኣብ ዝሰደድኦ መልእኽቲ- ሒዝናዮ ተበጊስና ዘለና ሕቶ ናይ ህዝቢ ኤርትራን ናይ መላእ ሰራዊትን ብምዃኑ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ ጸጊንካ ንዘይጽገን ሃለዋት ስርዓት ኢሳይያስ ክብሉ ተታሊሎም ምስ የሕዋቶምን ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝብን ከይላተሙ ንምዕድ ክብላ ገሊጸን ኣለዋ። 

ህዝብና ሓሲሙዎ ካባና ብዙሕ ይጽበይ  ከምዘሎ ፍጹም ክንርስዖ የብልናን እዚ ዘለናዮ ጸልማት ዘበን ዘበቅዕ ከኣ ንሕና እጃምና ዓይንና ከይሓሰና እንተፈጺምና’ዩ ዝበላ እተን ኣሃዱታት ኩሎም ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ነዚ ሓቂ እዚ ኣስተባሂሎም መሳርሒ እዚ ጨቋኒ ስርዓት   ካብ ምዃን ክገላገሉ ድማ ኣገንዚበን እየን። 

እዘን ካብ ሓይልታት ምክልኻል ወጽየን እምቢ ንጭቆና ወተሃደራዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብምባል ዓሪደን ዝኳሽሓ ዘለዋ ኣሃዱታት ኣብ ምብራቃዊ ክፍሊ ኣከለጉዛይ ጉጅለ ኢሳይያስ ምስ ዘውፈረን ናይ ስለላ ሓይልታት 6 ሰዓታት ዝወድአ ጥምጥም ብምክያድ 6 ቐቲለን ንካልኦት 11 ብምቁሳል ጸፊዐን ከምዝመለስኦ  ድሕሪ እቲ ናይ ባሕቲ መስከረም ውግእ ንካልኦት ዝተልኣኹ ኣሃዱታት ግና ኣብቲ ከባቢ ካብ ምንቅስቃስ ዝሓለፈ ስጉምቲ ከምዘይወሰዱን እኳደኣስ እቶም ገሊኦም ኣባላት እቲ ሰራዊት ናብኦም ከምዝተጸምበሩ ብምሕባር እዚ ሓላፍነታዊ ተግባር ካልኦትን’ውን ንክስዕብዎ እቲ ዝተልኣኸ መልእኽቲ ይሕብር። 

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ በበይኑ ኩርናዓት ሃገርና ብሰራዊት ዝጉሃሃር ዘሎ ተቃውሞ ናብ 2 መስከረም ዓመተ 2009 ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ቤትጽሕፈት ኣዛዚ ሓይሊ ኣየርን ሓላፊ ማእከል ስልጠና ሓይልታት ምክልኻልን ሜጀር ጀነራል ተክላይ ሃ/ስላሰ ብሓዊ ከምዝተባርዐ ተፈሊጡ’ሎ። 

ብሰንኪ እቲ ባርዕ ኣብ ቤትጽሕፈት ሜጀር ጀነራል ተክላይ ሃብተስላሰ ከቢድ ጉድኣት በጺሑ’ሎ። ኣብ በበይኑ ኩርናዓት ፈኸም እንዳበለ ይጉሃሃር ብዘሎ ተቃውሞ ሰራዊት ስግኣት ዝሓደሮ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ በለዛ ኣኼባ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ የካይድ ከምዘሎ እሙናት ምንጭታት ማሕበረሰባዊት ሬደዮ ድምጺ ወጋሕታ ኣረጋጊጾሙልና ኣለው።

 
 

ሓተታ Survey

ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ሓድነት ደሞክራሲያውያን ኤርትርትራ ከረጋግጽ እዩ!
 

ኣብ መርበብ Online

We have 82 guests online