Start ቃል ሓዘን Condolence News ኣብ ምብራቓዊ ኣከለጉዛይ ዝዓበየ ወተሃደራዊ ጥምጥም ተኻይዱ፡ اشتباكات عنيفة في شرق أكلي قوزاي
ኣብ ምብራቓዊ ኣከለጉዛይ ዝዓበየ ወተሃደራዊ ጥምጥም ተኻይዱ፡ اشتباكات عنيفة في شرق أكلي قوزاي PDF Print E-mail
Written by ግ.ሃ.ድ.ኤ.   
Thursday, 03 September 2009 20:12

اشتباكات عنيفة في شرق أكلي قوزايኣብ ምብራቓዊ ኣከለጉዛይ  ዝዓበየ ወተሃደራዊ ጥምጥም ተኻይዱ

ኣብ ሞንጎ ካብ ስርዓት ኢሳያስ ዝወጹ ወተሃደራዊ ኣሃዱታትን ሓይልታት ጨቛኒ ስርዓት ህግደፍን ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት 2009 ጀሚሩ ሓያሎይ ወተሃደራዊ ግጥሚያታት ክግበር ምጽንሑ ዜናዊ ሚዲያታት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን ካልኦት ዌብ ሳይታትን ክገልጽዎ ከም ዝጸንሑ ዝዝከር’ዩ። ኣብ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ዝግበር ንሰፊሕ ሓፋሽ ህዝብና ንምሕባር ጽኑዕ እምነት ኣሎና። ካብዚ ብምብጋስ፡ ኣብ ሞንጎ እተን ንስርዓት ኢሳያስ ዝራሕራሓ ዕጡቕ ኣሃዱታትን ንዓኣተን ንሓንሳብን ንሓዋሩን ንምጭፍላቕ ብስርዓት ኢሳያስ ዝተላእከ ፍሉይ ኮማንዶን፡ ሓድሽ ሓያል ወተሃደራዊ ግጥሚያ ምክያዱ ንሰፊሕ ሓፋሽ ህዝብና ንሕብር።

ህልዊ ስርዓት ኣስመራ ከምዚ ዝኣመሰለ ተርእዮታት (ማለት ኣሃዱታት ካብ መሳርዕ ሰራዊት ምውጻእ)፡ ኣብ መላእ ሃገር ከይልሕም መታን፡ ገዚፍ ገንዘባዊ ዓቕሚ ብምፍላይ ናይ’ዘን ኣሃዱታት ኣቅጣጫታትን ንጥፈታትን ዝከታተሉ ኣስታት ክልተ ሽሕ ዝኾኑ ካብ ፍሉይ ሓይልታት ስለያ መዲቡ ኣብ መዋጽኦ ዘይብሉ ዕጹው ከበባ ኣእትዩ ንምጭፍላቐን ክወፍር ጸኒሑ’ዩ። ነዚ ናይ ምጭፍላቕ ዕማም ዝተወሃባ ፍሉይ ሓይልታት ስለያ ኣብ ኩሉ’ቲ ዝጥርጥርዎ መኣዝን ምብራቓዊ ኣከለጉዛይ ቅድሚ ወርሒ ኣቢለን ተዋፊረን ኣብ’ቲ ብጹንክርነቱ ዝፍለጥ ኣኽራናት ጽዑቕ ኮለላ ከካይዳ ጸኒሐን።

 

ኣብ ባሕቲ መስከረም 2009 ካብ ሰዓት 6፡00 ንጉሆ ክሳብ ሰዓት 1፡00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ገረንቶ ዝባሃል ቦታ ምብራቓዊ ኣከለጉዛይ፡ ኣብ ሞንጎ እተን ንስርዓት ኢሳያስ ዝራሕርሓ ዕጡቓት ኣሃዱታትን ስርዓት ኢሰያስ ዝለኣኾም ሓይልታት ስለያን ጽዑቕ ወተሃደራዊ ጥምጥም ተኻይዱ። ኣብ ሞንጎ ክልቲኡ ወገናት ብሓይሊ ሰብን ኣጽዋርን ዘይተመጣጠነ ገፊሕ ፍልልይ’ኳ እንተ ነበረ፡ እቲ ውግእ ቅልጡፍ ምዝርጋ መልክዕ ደባይ ብምሓዝ 6 ሰዓታት ቀጺሉ። ካብ ሓይልታት ስርዓት ህግደፍ ብዙሓት መይቶምን ተወጊኦምን። ገዚፍ ገንዘብን ፍሉይ ኮማንዶ ስለያን ወኒኑ  ዝወፈረ ሓይሊ ዕማሙ ክፍጽም ብዘይምኽኣል ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ገዚፍ ንዋታውን ሞራላውን ማህረምቲ ወሪዱ። ካብተን ዕጡቓት ኣሃዱታት ምስቲ ኩሉ ዋሕዲ ሓይሊ ሰብን ኣጽዋርን ጅግንነታዊ ግጥማት ብምፍጻም ሰለስተ ብጅግንነት ተሰዊኦም።

 

ብድሕሪ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት 2009 ምስ ሓይልታት ስርዓት ህግደፍ ዝገበርኦ ወተሃደራዊ ግጥሚያ ስመን ዝሓዘለ መግለጺ ኣብ ዝተፈላለያ ዌብ ሳይታት ተዘርጊሑ’ኳ እንተነበረ ብወገንና ብዛዕብአን ዓሚቕ ሓበሬታ ዛጊት የብልናን። ኣብ’ቲ መግለጺኤን ኣንጻር ጨቛኒ ስርዓት ኢሳያስ ተላዒለንን ኣብ’ቲ ዝወስድኦ ስጉምቲ ጸኒዐን ምህላወንን ንትኹረትና ስሒቡ’ዩ። በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ኣብ’ቲ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዘቕነዐ መጸዋዕታአን ኣንጻር ሕብረተ ሰብኣዊ ማኣስር ዝበጣጥስን ሃገራዊ መንነት ዝብርዝን በታኒ ፖሊሲ ስርዓት ኢሳያስ ይቃለሳ ምህላወን ሓቢረን ኔረን።

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፡ ሓይልታት ተቓውሞ ነዚ ተርእዮ’ዚ ብዕቱብነት ክከታተልኦ ይጽውዕ።

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

2 መስከረም 2009

 

 

 

اشتباكات عنيفة في شرق أكلي قوزاي

 

سبق وأن نقلت وسائل إعلام جبهة الإنقاذ الوطني الوطني الإرترية وتناولته أيضا بعض مواقع شبكات الانترنت الإرترية عن الاشتباكات التي تدور منذ شهر يونيو الماضي بين مجموعات مسلحة في شرق أكلي قوزاي وبين وحدات نظام القمع في ارتريا. وتعبيرا عن التزامنا الثابت بضرورة إطلاع جماهيرنا على ما يجري ويستجد في إرتريا تحت النظام الدكتاتوري وتمليك المعلومة الصحيحة لها، ننقل إلى جماهيرنا الإرترية الأبية خبر الاشتباكات التي استجدت مؤخرا بين المجموعات المسلحة وبين وحدات النظام المكلفة خصيصا بمهمة تصفيتها. والجدير بالإشارة أن النظام خشية أن تنتشر ظاهرة التمرد المسلح في كافة مناطق إرتريا خصص إمكانيات مالية ضخمة ورصدها لأجهزة استخباراته بهدف جمع معلومات حول تحركات هذه المجموعات للقضاء عليها نهائيا لتصبح درسا لمن يفكر بالتمرد عليه. كما فرز وحدات خاصة قوامها ألفي عنصرا لتنفيذ مهمة إخماد حركة هذه المجموعات في مهدها. فالوحدات التي نظمت وعبئت لإنجاز هذه المهمة انتشرت منذ قبل شهر تقريبا في كل المواقع التي يشتبه تواجد المجموعة فيها وحاولت القيام بتمشيط واسع للمنطقة المعروفة بطبيعتها الوعرة.

ففي صبيحة الفاتح من سبتمبر الجاري بدأت معارك عنيفة من الساعة السادسة صباحا وحتى الواحدة بعد الظهر بين قوات النظام الدكتاتوري والمجموعات المسلحة في قرنتو (Gerento) بشرق أكلي قوزاي. وعلى الرغم من الفرق الشاسع من حيث العدة والعدد بين الطرفين غير أن المعركة استمرت سبعة ساعات بأسلوب العصابات التي تتميز بالانتشار السريع وتمارس عمليات الكر والفر في الاشتباكات. وقد أسفرت المعركة عن تكبد وحدات النظام خسائر كبيرة بين الموتى والجرحى وتلقى النظام ضربة موجعة في المعنويات إذ شاهد مدى استبسال وشراسة المقاومة التي أبداها أفراد هذه المجموعة بالرغم من ضآلة عددهم ونوعية الأسلحة التي يحملونها. واستشهد من المجموعة ثلاثة أشخاص.

إننا لا نملك معلومات تفصيلية عن هذه المجاميع.. وحتى التصريح الذي صدر باسم هذه المجموعة على إثر المعركة التي خاضتها ضد وحدات النظام في يونيو الماضي حاملا اسم المجموعة ونشر في صفحات بعض مواقع شبكات الانترنت لم يساعدنا في معرفة المزيد عنها. ومع ذلك استوقفنا ما حمله التصريح من معاني، إذ انها اتخذت موقفا حاسما لمواجهة النظام الدكتاتوري وعازمة للمواصلة في الخطوة التي بدأتهاا بصرف النظر عن المشاكل المعقدة التي تواجهها. والنقظة الأخرى التي تبدو واضحة في ندائها الموجه إلى الشعب الإرتري تأكيدها على أنها تناضل من أجل رفع الظلم الذي يمارسه النظام وسياسته الرامية إلى تدمير الشعب الإرتري بتفتيت نسيجه الاجتماعي وطمس معالم الشخصية الوطنية الإرترية وبالتالي مطالبتها الوطنيين الإرتريين لمساندتها ومساعدتها والالتحاق بها للتخلص من الظلم والاستبداد الذي يمارسه النظام الدكتاتوري.

ونحن بدورنا كجبهة الإنقاذ نناشد الإرتريين كافة وعلى رأسهم قوى المعارضة لمتابعة هذه الظاهرة لعلها تصبح في آخر المطاف جهدا مكملا للجهود التي تبذلها في سعيها لتغيير النظام الدكتاتوري بالنظام الديمقراطي التعددي الذي يعيد للشعب الإرتري كرامته وحقوقه المسلوبة.

 

مكتب الثقافة والإعلام

لجبهة الإنقاذ الوطني الإرترية

2/9/2009م

 

 
 

ሓተታ Survey

ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ሓድነት ደሞክራሲያውያን ኤርትርትራ ከረጋግጽ እዩ!
 

ኣብ መርበብ Online

We have 55 guests online