Start እዋናዊ ዜና News ቅኑዕ ዕላማን ብቑዕ ኣመራርሓን ፍቱን መንገዲ ዓወት
ቅኑዕ ዕላማን ብቑዕ ኣመራርሓን ፍቱን መንገዲ ዓወት PDF Print E-mail
Written by ድ.ሰ.ደ.ኤ.   
Monday, 31 August 2009 12:03

ሓደ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት መግዛእቲ ዝወደቐ ወይ ብድሕረትን ድኽነትን ዝተጠቕዐ ሕብረተሰብ፡ ካብ ኣትይዎ ዘሎ ኣርዑት መስገደልን መቑሕ ድሕረትን ድኽነትን ክላቐቕ ግድን ጭቡጥ ዓቕሙን ኩነታቱን ብዝፈቕደሉ መሰረት ቃልሲ ከካይድ ኣለዎ። ቃልሲ ኣንጻር ሕሉፍ ስሰዐ ወዲ-ሰብ ዝጠንቁ ጭቆናን ምዝመዛን፡ ቃልሲ ኣንጻር ስሩ ዝሰደደ ድሕረትን ድኽነትን።

እዚ ክገብር ግን ፈተውን ጸላእን ከለሊ፡ ድሕረትን ድኽነትን ብስራሕን ትምህርትን ከም ዝውገድ ብንቕሓት ክፈልጥ ይህልዎ።  ማለት እቲ ገዛኢ መንግስቲ እንታይ ዓይነት ባህሪ ኣለዎ፡ ሕሉፍ ታሪኹ፡ እዋናዊ ተግባሩ፡ እንታይ ፕሮፖጋንዳዊ መናፍሓት የካይድ፡ ብኸመይ’ከ ክውገድ ይግባእ፡ ካብ ግዝያውን ስምዒታውን ሕልናታት ዝረሓቐ ዕሙቕ ዝበለ ፖለቲካዊ ዕጥቂ ክውንን የድልዮ። ከም’ቲ ኣብ ሓፋሽ ዝሰረጸ ክለሰ-ሓሳብ ነገራዊ ሓይሊ’ዩ ዝበሃል፡ ሓፋሽ ንኹሎም መስገደላት ከከም ኣመጻጽእኦም መኪቱ ብተዓዋታይነት ክወጽእ፡ ብሃውሪ ዘይኮነ ብመጽናዕቲ፡ ብማዕዶ ዘይኮነ ብቐረባ፡ ዕዱም ዘይኮነ በዓል ቤት ምዃኑ ኣሚኑ ክዋሳእ ክበቕዕ ኣለዎ።

 

ንህዝቢ ኤርትራ ገጢምዎ ዘሎ ህግደፋዊ ጨና ደሞክራሲ ዘይብሉ ጨካን ገዛእን፡ ከም ሳዕቤናቱ ተኸሲቱ ዘሎ ድሕረትን ድኽነትን  ብርግጽ ብስምዒት ዘይኮነ ንቕሓት ዝተወሃሃደ ዓቕሚታትን ተወፋይነትን ዝጠልብ’ዩ። እንተኾነ ከም ባህሪ ናይ’ቲ ቃልሲ፡ ህዝቢ ከም ህዝቢ ብዘይ ቅኑዕ ናይ ቃልሲ መርሖን ብቕዓት ዘለዎ ኣመራርሓን ኣንጻር ቀዳማይ ጸላኢኡን ሳዕቤናቱን ብሓሳብን ብተግባርን ብሓደ ህርመት ወይ ኣንፈት ደው ክብል ኣይክእልን። እወ ምንጪ ፖለቲካዊ ስልጣን፡ ቁጠባ፡ ጸጥታ፡ ዲፕሎማሲ ..ወዘተ ህዝቢ’ዩ። እንተኾነ ግን ህዝቢ ወጽዓ ስለ ዘለዎ ብድሕረትን ድኽነትን ስለ ዝተጠቕዐን ንቓልስን ለውጥን ድልውነት ስለ ዘለዎን ጥራሕ፡ ብዘይራእ፡ ውደባን መሪሕ ሓይልን ንበይኑ ሆ ኢሉ ተላዒሉ ሸቶኡ ይሃርም ማለት ኣይሕሰብን። ካብ ምጅማር ዘመናዊ ፖለቲካ ኤርትራ  ኣትሒዙ ክሳብ ሕጂ  ባህግን ተበግሶን ህዝብታት ኤርትራ ዘይተፈልዮ ሕቶ ምሕዝነትን ሓድነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ከም’ቲ ዝድለ ብተግባር ዘይተሸርፈሉ ምኽንያት ሓደን ቀንድን ናብኡ ከብጽሕ ዝኽእል ቅኑዕ ዕላማን  ብስትራተጂን ስልትን ዝምራሕ ብቑዕ ደሞክራስያዊ ሓይሊ ልዕልነት ብዘይምሓዙ ዝተፈጥረ ሃጓፍ ምዃኑ ሓደን ክልተን ዝበሃለሉ ኣይኮነን።

 

ስእነት፡ ረብሓን ወሳንነት ህዝብን ማእከሉ ዝገበረ መሪሕ ደሞክራስያዊ ሓይሊ፡ ቃልስና ካብ ተመክሮ ተማሂሩ፡ ካብ ትማሊ ሎሚ ዝሓሸ ኮይኑ ክርከብ ዝገበኦ፡ ካልኣዊ ፍልልያት ካልኣዊ ቦታ ሂብካ፡ ኣብ’ቲ ቀዳማይን እዋናውን ሓባራዊ ዕማም ኣብ ምስልሳል ብቐጻሊ ክጽገም ጸኒሑን ኣሎን። ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ምስ’ቲ ኩሉ ኣብ ደማዊ ኲናት ዝበጽሐ ፍልልያት ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ፡  ቅኑዕን ፍትሓውን ናይ መንነትን ሃገርነትን ሕቶ ማእከሉ ገይሩ ዝርኢ ሓያል ተሳትፎ ህዝቢ ስለ ዘይተፈልዮ መድረኽ ግዳማዊ መግዛእቲ ኣብቂዑ፡ ናብ መድረኽ መሬታዊ ነጻነት ክሰጋገር ኮይኑ። ከምኡ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ብዓማሚ ኣብ ሕቶ መግዛእትን ምርግጋጽ ኤርትራዊ ሃገራውነት ፍልልይ ስለ ዘይነበረ’ዩ። ስለዚ ኣብ መንጎ ኣንጻር ግዳማዊ መግዛእቲ ዝተኻየደ ነጻነታዊ ቃልስን፡ ሎሚ ዝጥለብን ዝካየድን ዘሎ ህዝባዊ ሓርነታዊ መሰላት ናይ ምርግጋጽ ሕቶን  ፍልልይ ከም ዘሎ ምግንዛብ ኣገዳሲ’ዩ። ትማሊ ዋላ ኣብ ሕድሕድ ምትህልላኽን ናይ ስልጣን ውድድራት ዝማእከሉ ድኹም መሪሕነት እንተነበረ፡  ኣብ’ቲ ዘበገሶ ሕቶ ነጻነት ስሙር ርኢቶ ዝነበሮ ህዝቢ ግን ምስ ኩሉ ጎደሎታቱ ጸይሩ ሰጊርዎ’ዩ። መድረኽ ሓርነታዊ ቃልሲ ግን ዘይከም ነጻነታዊ ቃልሲ፡ ኩሉ ህዝብን ውድባትን ብሓደ ህርመት  ዝዋሳኣሉ ባህሪ ስለ ዘይብሉ፡ ነዚ ኣብ ጸብጻብ ብምእታው ቅኑዓት መደባት ሓንጺጹ ተቓሊሱ ዘቃልስ ብቑዕ መሪሕነት ተደላይነቱ ይዓዝዝ።

 

እዚ እነካይዶ ዘለና ቃልሲ መሰረታዊ ሓርነታዊ ደሞክራስያዊ ሕቶታት ህዝቢ ናይ ምምላስ ዕማም ዘለዎ’ዩ። ንውልቀ መላኺ ኢሳያስን  ውድቡ ህግደፍን ካብ ስልጣን ብምእላይ ጥራሕ ዝረጋገጸ ዘይኮነ ክንዮኡ ዝኸይድ ተልእኾ ዝተሰከመ’ዩ። ስለዚ ድማ እቲ  ቃልሲ ኣንጻር ህግደፍን ርእሰ ኲናት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ጥራሕ ዘትከለ ዘይኮነ፡ ወተሃደራዊ ስርዓት ህግደፍ ዓፊኑ ንጉጅላውን ውልቃውን ረብሓታቱ ዝጥቀመሎም ዘሎ ኣየኖት’ዮም፡ ህግደፍ ከይተወገደ ኸ ክምለሱ ይኽእሉ’ዶ? ከመይከ ክውገድ ኣለዎ፡ ብድሕሪ ምሉእ ስዕረቱ’ኸ ከም ህዝብን ሃገርን ቀጻልነትና ብኽመይ ነውሕስን እንታይ ነረጋግጽን ህዝቢ ብንቕሓት ክፈልጥ ይግበኦ። እዚ ናይ ምግባር ተልእኾ ድማ ብቐንዱ ናይ’ቲ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘሎ መሪሕነታት እጃም’ዩ። ኣብ መድረኽ ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ንህዝቢ ዘደናግሩን ኣብ መኣዲ ቃልሲ ብምሉእ ልቢ ከይሳተፉ ዘዘናግዑን ብዙሓት ምኽንያታት ምህላዎም ምግንዛብ። ማለት ባህሪን ተግባርን ጸረ-ህዝቢ መንግስቲ ህግደፍ፡ ኣብ መንጎ ተቓወምቲ ውድባት ዘሎ መሰረታውን ዘይመሰረታውን ፍልልያት ከይተዓባበጠን ከይተደዋወሰን ተነጺሩ ክቕመጥ፡ ውድባት ኣበይ ብሓባር ክሰርሓ ይኽእላ ኣበይከ ይፈላለያ እንዳምሃርካ ናብ’ቲ ቀንድን ቀዳማይን ጸላኢና ኣረሜናዊ መንግስቲ ህግደፍ ዘቕነዐ ዝተወሃሃደ ቃልሲ ምክያድ ዘይስገር እዋናዊ ሃገራዊ ዕማም ክካየድ ይግባእ። ምኽንያቱ ቅኑዕ ዕላማን ብቑዕ ኣመራርሓን ፍቱን መንገዲ ዓወት ስለ ዝኾነ።

 

ድ.ሰ.ደ.ኤ.  ዕለት 1.09.2009  

 
 

ሓተታ Survey

ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ሓድነት ደሞክራሲያውያን ኤርትርትራ ከረጋግጽ እዩ!
 

ኣብ መርበብ Online

We have 30 guests online