|
ብተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ
27/08/09 Norway
ኤሪትራ ሃገረይ ጻማ ጀጋኑኺ ኮንቱ በኒኑ
ሪኢናዮም ናይ ሕጂ ዎሎዶ ንዓኺ ዘይኮኑ
ትም ዝመረጹ ከምስሉ ኣማዕድዮም ዝፍንኑ
ራዕዲ ህግደፍ ዝናፍቑ እቕረ.ሎም ዝልምኑ
ቀጠፍጠፍ ህግደፍ ዝዓልሞም ሰብ ከይኮኑ
ዳሕራዮም ከፍአ ጽንልካ ክትሰምዖም ዘሕዝኑ
ሞራሎም ድኹም ሓቂ ነጺጎም ሓሶት ዝኣምኑ
ትማል ተገሪፎም ሎሚ ዘጣቕዑ ክንዲ ዝኹንኑ
ጀነራል ዝለኣኾም ኣብ ወጻኢ ገንዝብ ክሕውሉ
ጋሕባጥ ናብራ ብጠንቁ ከምዝኾን ረሲዖሞ ኹሉ
ኑዑ ተመዓዱ ተልካዮም ኣብ ቁምነገር ዘይካፍሉ
ኺኖ ዓቕሞም ዝምነዩ ንስደት ሓንቲ ከየልዓሉ
ዓላማ ዘይብሎም ውሉፋት ንዳንክራ ንጓይላ
ሪኢናዮም ከምዘይረብሑ ጥራይ ዘረባ ብላብላ
ቦታ ርሒቑምበር ልብኹም ምስ ህግደፍያ ዘላ
ምሳና ሕሸኩም ህግደፍ ኣብ ተጠንቀቕያ.ዘላ
ንዓኹምያ ሃገር ንሕና ክንደይ ከይነርክበላ
ኮማኹም ሲኢና ሃገር ኣብ ጠልጠልያ ዘላ
ንሕስያ ዘይብሉ ዝሓሳዊ ናይ ዓለም ሓተላ
ቱፍ ዕቡድ ከልቢ ዘይደግማ ትማል ዝበላ
ሎቖታ ሓሶት ክምህዝ መቃነይቱ ትኸውን
ሚዩቕ ገለብ እናበለ ነብሱ ዘይትኣማመን
ድሑር ዝሓዘ ዘይብሉ ዝጀሃር ዝምካሕን
ኣሉ እናለ ኣደናጊሩ ንለባማት ዘዐውን
መንእሰያት ሃገረይ ጽሑፈይ ንኹሉ ኣይኮነን
ንቀኒዑ ዝሰርሕ ኣይትንፎን ንብነብሱ ዝኣምን
ዩሙቱ ካሓድቲ እናተባህሉ ዝበሉ ምስኪንኪን
ዘይስክሑ ዝሓለፈ ሽግር ህዝቦም ንዝጠለሙን
ድሕሪዚ ታይ ትጽበዩ ተቓለሱ ኩሉኹም
ሕድሪ ጅግና ውረሱ ሃገር ትጽበላ ንዓኹም
ነግፈረግ ኣይትበሉ ኤረ ንዓኹምያ ናትኩምያ
ኪውን ነገር እመኑ ንሓቂ ሕሰቡ ድሕነትኩም
ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ
|