Start መራኸቢ ብዙኃን Media ማዕከናት Senders ዕምባባ-ገነት ናይ ሰማያት ዘውዲ
ዕምባባ-ገነት ናይ ሰማያት ዘውዲ

ዕምባባ-ገነት ናይ ሰማያት ዘውዲ

ፍርያት ዓወት ምህርትኻ ዘይነቅጽ ጉንዲ

ኣፍደገ ዝኸፍት ናይ ሰላም መንገዲ።

                  ፈሊምካዮ ጉዕዞ ሃገራዊ ዋዕላ

                  ንህዝብኻ ክትብጆ ዝፈጸምካ ማሕላ

                  ምልኣያ ዛዝማ ታተሪፋ ዘላ።

ዕርዲ ናይ ጸላኢ ብንቕሓት ሰባሪ

 ብሩህ ኮኾብ ጽባሕ ምስ ህዝቡ መኻሪ

ሓደራ ዝተሰከመ ናይ ስውኣት ሕድሪ።

                   ሰላም ንዓኻ ኣርማኻ ሰማያዊ

                   ብሓሳብ ተግባርካ ተጽግብ ተርእዊ

                  ናይ መጻኢ ትትልም ዘይትብህግ ግዝያዊ።

ኣሎ እቲ ተጋዳላይ፡

 እወ ኣሎ በሉለይ እቲ በሊ ንቑሕ መስተውዓሊ

ጽምኢ ሓፋሽ ዘርዊ ካብ ከውሒ ፈልፋሊ

ንሕማቕን ጽቡቕን ብኣግኡ ዘለሊ።

                    ለዋህ ንህዝቡ ዘይዕበ ዘይናኸስ

                    ካብ ከውሒ ነዲሉ ማይ ዘፍስስ

                   ምዕቡል ሓሳብ ንመንእሰይ ዘውርስ።

ሓድሽ ትንፋስ ክትሰርዕ እዛ ሃገር

ጎደና ሓቂ ክትሕዝ ከይትደናገር

ፍትሕን ደሞክራስን ሰኒቑ ኩሉ ይበራበር።

 

                  ካብ ተጋዳላይ ታፍላ

 
 

ሓተታ Survey

ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ሓድነት ደሞክራሲያውያን ኤርትርትራ ከረጋግጽ እዩ!
 

ኣብ መርበብ Online

We have 81 guests online