|
ዝኹበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ኤርትራውያን። ኣብ’ታ ንስለኣ ብዙሕ ዝደኸምናላ፡ ምሩጻት ወለድና ኣሓትናን ኣሕዋትናን ዝገበርናላ ሃገርና፡ ኣብ ክንዲ ምቓረት ነጻነት ብግቡእ እነስተማቕር፡ ብዘይተጸበናዮ ኣብ ትሕቲ ህግደፋዊ ጊላዊ ስርዓት ወዲቕና፡
ዝስመዓና ዓው ኢልና ከይንገልጽ ብዝጋኣብሄር ዝተዓደለ ልሳና፡ ንኸብዶምን ንኽብሪ ውልቀ መላኺ መራሕኦም ኢሳያስ ኣፈወርቅን ብዝሽቅሉ፡ ብኤርትራን ህዝባን ብዙሕ ኣዝዩ ብዙሕ ክብሉ ዝስምዑ ግን ኤርትራዊ ኣስተሓኮ ዘይብሎም፡ ንገዛእ ርእሶም ከም ፍጡራትን ዜጋታትን ነጻ ፖለቲካዊ ሩሕ ዘይብሎም ዝተባህልዎ ደገምትን ተግበርትን ዕስለ ስለያ ህግደፍ ተለኲቱ፣ ብሰንኪ’ቲ ጃንዳ ህግደፋ ብውዲት ተጠኒሱ ብሕቡእ ተወሊዱ፡ ከምቲ ጓል ነዲኣ ሕማም ሕርሲ ከም ህረኪ በለታ ዝበሃል ምስላ ኮይኑ፡ ነቲ ስሩትን ክቡርን ሓያል ኤርትራዊ ሃገራዊ ስምዒት ንምሽርሻር ፖለቲካዊ ድሕረት ተተርኢሱ፡ ውሽጣዊ ምትእምማን ክጎድል እናገበሮ ዝመጸ ጽዑቕ ወፍሪ፡ ሓድነትና ዘይከምናይ ትማሊኡ ኣብ ዝኾነሉ፣ እግርና መሊእና ከይንንቀሳቐስ ብውዑይ ረመጽ እግርና ኣብ ዝልብለበሉ፣ ቁጠባዊ ድኽነትና ክትከድኖ እንተደለኻውን ኣብ ዘይከኣለሉ ደረጃ ዓጸቦ ኣብ ዝበጽሓሉ፣ ጠንቂ ናይ’ዚ ኩሉ ሃገር ከደን ሕሰም ዝኾነ ህግደፍ ብስምና ንብዓት ሓርገጽ እንዳነብዐ ክነብሕ ምስማዕ ደረት ዘይብሉ ንዕቀት ምዃኑ ብግቡእ ምርዳእን ኣንጻሩ ደው ምባልን እዋኑ’ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።
ድኽነት ክዓሙቕ ዝገበረ ህግደፍ’ዩ። ስለምንታይ’ሲ ኣድኪዩ መታን ክገዝእ። ንሓድነትና ዝዘርግ ወፍሪታት ዘካይድ ዘሎ ንናይ ሓባር ወጽዓና ብሓባር መታን ከይንብገስ ስለ ዝሰግአ’ዩ። እኽሊ ምሻጥን ምልዋጥን ብወግዒ ዝኸልከለሉ ምኽንያት ብኸብድና ተገዲድና ባራዩ ህግደፍ መታን ክንከውን ሓሲቡ’ዩ። ኮታ ህግደፍ ዓያዪ ጉልበት ካብ ማእቶት ኣጎናዲቡ ዘዝለምዐ መሬት ካብ ኢድ ሓረስቶት መንዚዑ፡ ናውቲ ማሕረስ ማለት ከም ትራክተራትን ካልኦትን ሃጊሩ ክነሱ፡ ህዝቢ ብርቀትን ጽበትን መሬት ደኽዩ፡ ብጠለቡ መሰረት ተፈናቒሉ፡ መንግስቲ ቅድመ ምድላዋት ብምግባር ግቡኡ ፈጺሙ ክብል ሰሚዕና። እዚ ብርግጽ መንግስታዊ ቅጥፈት’ዩ። መዓስ እዚ ጥራሕ፡ ነውራማት መራሕቲ ህግደፍ በዚ ልዕል ክብል ዝገለጽክዎ ማለት ህዝቢ ብጸገሙን ብጠለቡን ተፈናቒሉ፡ እኹል መጣየሲ ተገይርሉ ንተገዳስነት መንግስቲ ድማ ኣመስጊኑ፡ ከምዚ ዘይመሰለና ኢሉ በቲ ተፈጢርሉ ዘሎ ዕድል ዕግበቱ ገሊጹ ክብሉ ከም ዘይጸንሑ፡ እቶም ተፈናቐልቲ ብዘይካ በቶም ኣብኡ ዝጸንሑ ወገናትና ጸገምና ሪኦም ዝገበሩልና ምድግጋፍ፡ መንግስቲ ካብ መረበትና ኣፈናቒሉ ብመካይን ጽዒኑ ኣብ’ቲ ንሱ ዝደለዮ ቦታ ምስ ደርበየና ጉዳይና ጉዳዩ ስለ ዘይኮነ ኣመትና ኣይገብረን።
ዝመጸ ይምጻእ ብዝብል ድማ እቲ ዓቕሚ ዘለው፡ ገለ ንሱዳን ገለ ንኢትዮጵያ ገለ ናብ ባህሪያዊ ቦትኡ፡ እቲ ጎዩ ከምልጥ ዘይኽእል ድማ ጾር ናይ’ቶም ነበርቲ ህዝቢ ምስ ኮነ እቲ መረረ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኮይኑ፡ ብናይ ኤርትራውያን ሓለይቲ ህዝቦምን ደለይቲ ለውጥን ዝውነና መራኸቢታት ተደጋጊሙ ክቃላሕ ምስ ኮነን፡ ቃታሊ ክነሱ ጉዳይ ተቓለዐ ስልጣን ኣብ ሓደጋ ወደቐት ከብ ዝብል ተርባጽ፡ ርእሰይ ኲናት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከም ዘይፈለጠ ሓድሽ መርድእ ሰማዒ ብምምሳል፡ ብኣካል ኣብ ገለ ናይ ተፈናቐልቲ ቦታታት ብምብጻሕ፡ ህዝቢ ንኸደናግር ነቲ ካሕሳይ ገብረሂወት ዝተባህለ መጋበርይኡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ስለምንታይ እዚ ህዝቢ ከም’ዚ ዝኸውን ኢሉ ክሓትት፣ እቲ ስማዊ ኣምሓዳሪ ብወገኑ፡ ነቲ ኣቐዲሞም ብውዲት ዝኣለምዎ እከይ ተግባራቶም ንምምዕራግ፡ ኣብ ክንዲ ካብ ካዝና መንግስቲ ካብ’ቲ ነባሪ ህዝቢ ያላ ከከንድዚ ተዋጽእ ኢሉ ዕለታዊ መጠበሪ ገይሩ ክሃድም፡ መራኸቢታቶም ብወገነን ንኽብሪ ናይ’ቶም መራሕቲ ዕዘት ብምሃብ ከም መርድእ ሞት ናይ ርሑቕ ዘመድ ከይብሉና ዝዓይነቱ ድምጺ ከቃልሓ ተሰሚዐን።
ዝኸብርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ኤርትራውያን ኣነ ሓደ ካብ ተፈናቐልቲ ሰንዓፈ’ያ። እዚ ዝገልጾ ዘለኹ ካብ ጽልኢ ዝብገስ ምግናን ዘይኮነ፡ ካብ’ቲ ዘሎ ጸገማት ካብ ማይ ባሕሪ ብጭልፋ ኮይኑ ብተግባር ዝተሳተፍክዎ ሓቂ’ዩ። ካብ ዝፈትዎ ትውልዲ ዓደይ ተፈናቒለ ናብ ቃጨሮ ዝበሃል ቦታ ተወሲደ፡ ካብኡ ድማ ንስክላ ካብ ሓላዋ መንግስቲ ህግደፍ ኣምሊጠ ብሓይሊ ኣምላኽ ከሰላ ኣትየ’የ ነዚ ዘዘንቱ ዘለኹ። እቶም ምሳይ ዝነበሩ ብፍላይ ክጎዩ ዘይኽእሉ ዓበይትን ቆልዓ ሰበይትን ኣብ’ዚ ዝገለጽክዎ ዘስካሕክሕ ሂወት’ዮም ዘለው። ስለዚ እቲ ጉዳይ ጉዳይ ሓደን ክልተን ስለ ዘይኮነ ሓቢርና ብምቅላስ ናይ ሓባር ጸላኢና ነወግድ። ኣላህ ነቲ ኣብ ጸበባ ዘሎ ህዝብና መስተርሆት የውርደሉ
ዮሱፍ ኣሕመዲን ካብ ከሰላ ሱዳን
|