Start መራኸቢ ብዙኃን Media ማዕከናት Senders መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮም ይመጹ
መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮም ይመጹ

መራሒ ህግደፍ ውልቀ-መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ 2009፡ ኣብ ቴሌቭዥኑ ቀሪቡ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መጠይቕ፡ ኣብ ዓመተ-2007 ዝተሓፍሰ ምህርቲ እኹልን ትሩፍን’ኳ እንተነበረ፡

ኣብ ኣተኣኻኽባ ምህርቲ ጉድለት ስለዝነበረ፡ /በብደረጅኡ ዝርከቡ ሓለፍቲ መንግስትን ግንባርን ኣጠፋፊኦሞ ማለቱ’ውን ክኸውን ይክእል’ዩ፡/ ን2008 ዝኸውን ትሕጃ ከየቐመጥና ስለዝጸናሕና ኢና ንጥሜት ተቓሊዕና፡ ኢሉ ድሕሪ ምእማኑ፡ ሎሚ ዓመት፡ ማለት ዓመተ 2009፡ ግን ኣጆኹም ተኣምር ከነርእየኩም ኢና ብዘስምዕ ቃና፡ ጥሜት ኣብ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ክሕረድ ምዃኑ ተመባጺዑ እዩ ቃለ-መሕትቱ ዛዚምዎ።

እነሆ ከኣ፡ መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮም ይመጹ ከም ዝበሃል፡ እቲ ብርኩት ምህርቲ ንምሕፋስ ሓያል ጻዕሪ ዝካየደሉ እዋን ክራማት ተበጺሑ ኣሎ። ህግደፍ ግን፡ ካብ ንቡር መጻዪ ባህርያቱ ዝተፈልየ ዘጥረዮ ሓድሽ ባህልን፡ ዘተኣታተዎ ሓድሽ ኣሰራርሓን ክሳብ’ዛ ሰዓት እዚኣ ኣይተዓዘብናን ዘለና። በቲ ልሙድ ናይ ቅጥፈትን ምድንጋርን ባህሪኡ እዩ ዝቕጽል ዘሎ። ዝኣተዎ መብጽዓ ናይ ብሓቂ ብግብሪ ከተርጉሞ’ዶ ይኸውን ዝብል ሕቶ ጌና ብኣግኡ ዝተመለሰ እዩ ዝመስል። ናይ ባህርን ዕላማን ለውጢ ክሳብ ዘይተራእየ ወይ ክሳብ ዘይተረጋገጸ፡ ብኸምቲ ን18 ዓመታት መመላእታ ክሰርሓሉ ዝጸንሐ መዝማዚ ጸረ-ህዝቢ ፖሊሲ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ጥሜት ናብ ደረጃ ዓጸቦ ከጋድድ’ምበር፡ ንጥሜት ከወግድ ትጽቢት ኣይግበረሉን። በቲ ልሙድ ኣሰራርሓን ተግባራትን ናይ መንግስቲ ህግደፍ፡ ናይ ብሓቂ ለውጢ ክመጽእ ዝኽእል ነይሩ እንተዝኸውን፡ ንህግደፍ ናይ 18 ዓመት ዕድመ-ስልጣን ኣይወሓዶን። 18 ዓመታት ምሉእ ብኸምቲ ዝረኣናዮ ዘስካሕክሕ ናይ ባርነት ሂወት ሓሊፍና ክነስና፡ ሕጂ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ጸገማትኩም ክሓርደልኩም’የ ኢሉ ክመባጽዓልና ከኣ ዝገርም’ዩ።

 

ህግደፍ ግን፡ ዝኣተዎ መብጽዓ ኣብ ባይታ ብጭቡጥ ከተግብር ዘይኮነስ፡ ንዘይተተግበረ፡ ኣብ ባታ ከም ዘሎ ንምምሳል ቀዳምነት ሂቡ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ። ኣንፈት ፕሮፓጋንዳ ናይ ማዕከናት ዜና ህግደፍ ምስ እንዕዘብ፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ዘረጋግጽ ኮይኑ ኢና ንረኽቦ። ውልቀ-መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡ ሓደ ግዜ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ብተደጋጋሚ ኣብ ቅድሚ ህዝብን ዓለምን ዝተመባጽዐን መብጽዓታቱ ዝጠለመን ሕሱር መራሕ ኮይኑ ስለዘሎ፡ ሎሚ ዓመት’ውን ንስለ ዝመሉ ዝኣተዎ መብጽዓ፡ ኣብ ህዝቢ ኣዘራራቢ ኣርእስቲ ኮይኑ ብምጽንሑ፡ እሞ ድማ፡ ህግደፍ፡ ነዚ ዝተባህለ መብጽዓ ከተግብር ባህርን ዕላማን ስለዘይፈቕደሉ፡ ህዝቢ ንምድንጋር፡ ነቲ ዘየለ ከም ዘሎ ኣምሲሉ ንምቕራብ፡ ሓሶት ብምድግጋም ከደንቁረናን ከእምነናን’ዩ ዝሕልን ዘሎ። ኤርትራ ማዕቢላ ኣላ፡ ዕቑር ዓቕማን ጸጋታታን ክጥጥቀመሉ ጀሚራ ምህላዋ ተመስኪሩ፡ እንዳተባህለ፡ ካብ ድሮ ፌስቲቫል ህግደፍ 2009 ጀሚሩ ክዋጠየሉ ዝጸንሐን ዝዋጠየሉ ዘሎን ፕሮፓጋንዳዊ ዘመተ ናብዚ ሸቶ’ዚ ንምብጻሕ ምዃኑ፡ ብኣግኡ ዝገመትናዮ እዩ ነይሩ። ጉዕዞና ኣብ መንገዲ ምንቁልቋልን ውድቀትን እንተሃለወ፡ ጥሜትን ዓጸቦን ንማሕበረ-ሰብ ዓለም ክሳብ ዘስደምም ደረጃ በጺሑን ኣስፋሕፊሑን እንዳተዓዘብና፡ ህግደፍ ብግልባጡ፡ ዓቢና፡ ርእስና ክኢልና፡ ተመኩሮ ደሪዕና..ወዘተ እንዳበለ ክህውትት ምስማዕ፡ ኣዝዩ ዘገርም ተረኽቦ’ዩ ኮይኑ ዘሎ። እቲ ዕላማ ግን ከምቲ ቅድም ክብል ዝጠቐስክዎ፡ ዝተኣትወ መብጽዓ ኣብ ግብሪ ክትርጎም ስለዘጸገመሉ፡ ሓሶት ብምድግጋም ንግሩሃት ምድንጋር ይከኣል’ዩ ንዝብል ፈሊጥ ከም ኣምር ተኸቲሉ፡ ዘየሎ ምዕባሌ ኣሎ ኢሉ ከእምን’ዩ ተዓጢቑ ዘሎ። እንተኾነ ግን ህዝቢ ኤርትራ፡ ናይ ሕልሚ እንጀራ እንዳበልዐ ዝነብርን፡ ግዜኡ ንኸንቱ ዘባኽንን ዓሻ ህዝቢ ኣይኮነን’ሞ፡ ግብኣተ-መሬት ህግደፋውያን ኣብ ምቅላጣፍ ተዓጢቑ ደኣ ይረባረብ’ምበር፡ ብናይ ምድንጋር ፕሮፓጋንዳ ህግደፋውያን ተታሊሉ፡ ካብ ቃልሱን መንገዲ ዓወቱን ከምዘይበኩር ንህግደፋውያን እንተገለጽናሎም ግቡእ ይመስለኒ።

 

ኣብ ቀጻሊ ምስ ካልእ ርእይቶ ክሳብ ዝምለሰኩም ሰሰናዩ ይምነየልኩም።

ወዲ ፊደል’የ የቐንየለይ።

 

                ዕለት 26.08.2009

 
 

ሓተታ Survey

ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ሓድነት ደሞክራሲያውያን ኤርትርትራ ከረጋግጽ እዩ!
 

ኣብ መርበብ Online

We have 107 guests online