Start Blogbereich News ናይ መዘናግዒ መደብ ማሕበር ረዲኤትን ምዕባለን ኤርትራ ጨንፈር ሽወደን
ናይ መዘናግዒ መደብ ማሕበር ረዲኤትን ምዕባለን ኤርትራ ጨንፈር ሽወደን PDF Print E-mail
Written by ERDA   
Friday, 28 August 2009 14:21

ብዕለት 11/07/2009 ኣባላት ማሕበር ረዲኤትን ምዕባለን ኤርትራ ጨንፈር ሽወደን ኣብ ከተማ ስቶኮሆልም ኣብ ዩርድ ብሮ ሃኒኘ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ኣባላት ማሕበርን: ፈተውቲ ዕዱማትን: መንእሰያትን ብሓደ ተኣኪቦም ከምቲ ልሙድ ኣብ ደገ ወጺእካ ዝግበር ናይ ሓጋይ ናይ ዕርፍቲ ግዜ ናይ መዘናግዒ መደባት ኣዳልዮም መኣዲ ሽሻይ ተኺሎም ብሓባር ጥብሲ ግሪል /grill/ እናበልዑ ክዘናግዑ ውዒሎም።

ማሕበርና ነዚ ዓመታዊ ናይ መዘናግዒ መደብ ኣዳልዩ ንምዕዋቱ ኣብ ባይታ ክረባረብ ድሕሪ ምጽናሕ እንሆ ሎሚ እውን ንሳልሳይ ግዚኡ ናይ ምዝንጋዕ መደባቱ ብዓወት ኣሰላሲሉ ወጺኡ። እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዝተገብረ ናይ መዘናግዒ መደባትና ካብቶም ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተገብሩ ናይ መዘናግዒ መደባት ፍሉይ ልዑል ብልጫ ዓቲሩ ብዓቀኑ ብዙሓት ወለድን መንእሰያትን ዝተሳተፍዎ ክኸውን ከሎ ብዓይነቱ ድማ መንእሰያት ብዘዳለዉዎ ናይ ስፖርት መደብ ኣቦታትን ኣደታትን መንእሰያትን ሓቢሮም ዝተጻወትሉ መሳጢ ትሕዝቶ ዝነበሮ ጥርኑፍ ኤርትራዊ መንነት ዘንጸባረቀሉ ዕለት እዩ ነይሩ።

ገለ ካብቲ ብመንእሰያት ዝተዳሎ ናይ ስፖርት መደባት ንምጥቃስ ቡቻ, እሽክታሕ, ብገመድ ምስሕሓብ, ኣብ ክሻ ኣቲኻ ምቅድዳም, ኩዕሶ እግሪ --- ወዘተ ነይሮም።

 

እተን ኣብዚ መደብ እዚ ተሳቲፈን ዝነበራ ደቀኣንስትዮ ኣደታት: ሕምባሻን ቅጫን ሩዝን ሰላጣን ሻህን ብምውፋይ: ነቲ ናይ ርክብን ምዝንጋዕን መደብ ግርማ ሂበንኦ ውዒለን ከምዚ ዓይነት መደባት ንመጻኢ እውን ክቅጽል ከም ዘለዎ እናተላበዋ ንሳተን እውን ንዝመጽእ ዓመት ቡነን ቆልየን ዕንባብ ዓንቢበን ተዓጢቀን ከም ዘውዕልኦ ተመባጺዔን ኣለዋ። እቶም ህጻናት መንእሰያት ብወለዶም ተማእኪሎም ባዕሎም ብዘዳለዉዎ ግሪል ክበልዑን ክሰትዩን ክፋለጡን ሓቢሮም ክጻወቱን ከለዉ: ነቲ መዓልቲ ድምቀትን ግርማን ሂቦሞ ዊዒሎም። 

 

ካልእ ከይተጠቅሰ ክሕለፍ ዘይግብኦ ዓቢ ነገር ድማ: ኣብዚ ናይ ተሓድሶ መዓልቲ ምሳና ዝወዓሉ ፈተውቲ ማሕበርና ግዱሳት ሃገራውያንን ኣባላት ፖለቲካዊ ውድባትን ነቲ መደብ ንምዕዋት ንዝተገብረ ወጻኢታት ኣብ ግምት ብምእታው ክንሕግዝ ብምባል ምውካሶምን እጃሞም ብምብርካትን ንመንፈስ ናይቲ ገዛ ብኒሕ ክሰራሰር ምግባሮምን እዩ። 

 

ነዚ ዕዉት ናይ ርክብን ምዝንጋዕን መደብ ብዓወት ንኽሰላሰል ካብ ዝገበሩ ቀንዲ ረቃሒ ሓደ: ብጽፈት ዝተወደበ መደብ ስለ ዝነበሮ እዩ። ካልኣይ ድማ ኣባላቱ ነቲ መደባት ንምዕዋት ካብኦም ዝድለ ዘበለ ኣበርክቶ ብተወፋይነት ብስራሕ ብተግባር ምርግጋጾም እዩ። እቲ በቶም መንእሰያት ዝተዳሎ ናይ ስፖርት ናይ መዘናግዒ መደባት መሳጢ ብምንባሩ መደባት ናይቲ ዝተገብረ ተሓድሶ ካብ ስዓት 12.00 ጀሚሩ ክሳብ ስዓት 21.00 ብምጽናሕ ብድምቀት ጀሚሩ ብዓወት ተዛዚሙ።

 

ወኪል ማሕበር ረዲኤትን ምዕባለን ኤርትራ

ስቶኮሆልም ሽወደን።

 
 

ሓተታ Survey

ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ሓድነት ደሞክራሲያውያን ኤርትርትራ ከረጋግጽ እዩ!
 

ኣብ መርበብ Online

We have 211 guests online