Start እዋናዊ ዜና News ጉባኤ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ጨንፈር ሪያድ፡ مؤتمر فرع الرياض
ጉባኤ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ጨንፈር ሪያድ፡ مؤتمر فرع الرياض PDF Print E-mail
Written by ግ.ሃ.ድ.ኤ.   
Friday, 28 August 2009 14:14

ጨንፈር ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፡ ኣብ ሱዑዲ ዓረብ ከተማ ሪያድ ጨንፈራዊ ጉባኤ ብዕለት 20 ንሓሰ 2009 ተኻይዱ ብድምቀት ምዝዛሙ ካብ ጨንፈር ሪያድ ግሃድኤ ዝተላእከልና ጸብጻብ ሓቢሩ።

እቲ ጸብጻብ ዘርዚሩ ከምዝሓበሮ፡ ጉባኤ ጨንፈር ሪያድ ብቃል-ኣሰናዳኢት ሽማግለ ድሕሪ ምኽፋቱ ስዒቡ ነቲ ጉባኤ እትመርሕ ሰክረታርያ ጉባኤ ቆይማ፡ ብድሕሪ’ዚ  እታ ኣብ ምምራሕ ዝነበረት ሽማግለ ጨንፈር ጸብጻባ ከምዘቕረበትን ተሳተፍቲ ጉባኤ ኣብቲ ዝቐረበ ጸብጻባት ሰፊሕ ምይይጥ ምክያዶም ተሓቢሩ። ብምቕጻል ብኣሰናዳኢት ሽማግለ ዝቐረበ ንኣሰራርሓ ጨንፈር ዝምልከት ንድፊ ውሽጣዊ ሕግታት ቀሪቡ ዓሚቕ ምይይጥን ምምሕያሽን ተገይርሉ ክጸድቕ ከምዝተገብረ ተገሊጹ።

 

ብድሕሪ’ዚ ጉባኤኛታት ብሰንኪ ግጉይ ፖለቲካዊ ፖሊሲ ስርዓት ህግደፍ፡ ህዝብና ዘሕልፎ ዘሎ ዘስካሕክሕን መሪርን ህይወት ብዝምልከት ብዕምቆት ከምዝረኣዩን፡ ካብዚ ብምብጋስ ከኣ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ብትረት ክቕጽሉ ምዃኖም ቃል ከምዝኣተዉ።

 

ምስ’ዚ ኣታሓሒዞም ነቲ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ መፋርቕ ወርሒ ጥቅምቲ ክጋባእ ተወሲኑ ዘሎ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ንምዕዋት ካብኦም ዝጥለብ ዘበለ ኩሉ ንምምላእ ቅርቡነቶም ከምዘረጋገጹ ዝበጽሓና ጸብጻብ ሓቢሩ።

 

ብተወሳኺ ዕጡቕ ኣሃዱታት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ መርበብ  ስለያዊ ትካላት ስርዓት ህግደፍ ብተደጋጋሚ ዝፍጽምዎን ዘመዝግብዎን ዘለዉ ስርሒታት፡ ተሳተፍቲ  ጉባኤ መጎሶም ከምዝገለጹን ሕጅውን ኣጆኹም በርትዑ ኣብ ጎንኹም ኣለና ዝብል መልእኽቲ ከምዘማሓላለፉን እቲ ዝበጽሓና ጸብጻብ ሓቢሩ።

 

ኣብ መደምደምታ ከኣ ንቀጻሊ ትመርሕ ሓዳስ ናይ ጨንፈር መሪሕነት ሽማግለ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ብምምራጽ እቲ ጉባኤ ብክብ ዝበለ ድምቀት ከምዝተዛዘመ ካብቲ ውዕሎ ዝተላእከልና ጸብጻብ ኣረጋጊጹ።

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

26 ነሓሰ 2009

 

أخبار

مؤتمر فرع الرياض

عقد فرع جبهة الإنقاذ الوطني الإرترية بالرياض مؤتمره الفرعي بتاريخ 20/08/2009م في العاصمة السعودية الرياض. بدأ المؤتمر بكلمة من اللجنة التحضيرية ومن ثم تم اختيار سكرتارية للمؤتمر وتم مناقشة التقرير المقدم من لجنة الفرع السابقة . وبعد نقاش مستفيض أجاز المؤتمرون التقريرالمقدم من قبل اللجنة التحضيرية.

 وتطرق المؤتمر للوضع المأسوي الذي يعيشه شعبنا جراء السياسة الخاطئة لنظام الجبهة الشعبية، وأكد على استعداد المؤتمرين بمواصلة نضالهم لإنقاذ الشعب والوطن . مؤكدين استعدادهم لإنجاح المؤتمر التنظيمي الذي سيعقد في أكتوبر القادم.

 وحي المؤتمر جيش جبهة الإنقاذ لما يقوم به من عمليات عسكرية لضرب مفاصل استخبارات نظام الجبهة الشعبية .

وفي ختام المؤتمر تم اختيار قيادة جديدة للفرع بطريقة ديمقراطية.

 

                                        مكتب الثقافة والإعلام

                                        لجبهة الإنقاذ الوطني الإرترية

                                      26 أغسطس 2009

                                                                 

 

 
 

ሓተታ Survey

ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ሓድነት ደሞክራሲያውያን ኤርትርትራ ከረጋግጽ እዩ!
 

ኣብ መርበብ Online

We have 88 guests online