Start እዋናዊ ዜና News ሌላ ምስ ኣዳራሽ ኤርትራውያን ንሓይልን ንሕብረትን ተቓውሞ ደንበ
ሌላ ምስ ኣዳራሽ ኤርትራውያን ንሓይልን ንሕብረትን ተቓውሞ ደንበ PDF Print E-mail
Written by ፓልቶክ   
Wednesday, 26 August 2009 13:05

ሌላ ምስ ኣዳራሽ ኤርትራውያን ንሓይልን ንሕብረትን ተቓውሞ ደንበ (Eritrean room for strong and united opposition)

ዝኸበርክሙን ዝኸበርክንን ደቂ ሃገር፡ ብቀዳምነት ዕዙዝ ሰላምታና ይብጻሕኩም።

ቀጺልና ምሰ መደብ ዕዮ “ኣዳራሽ ኤርትራውያን ንሓይልን ንሕብረትን ተቓውሞ ደንበ (Eritrean Room For Strong And United Opposition )”, ኣብ ፓልቶክ (Paltalk) ኣብ ቃልሲ ኣንጻር  ስርዓት ውልቀ-መላኺ ኢሳያስን ናይ ምልኺ መቀናጀዉቱ ህግደፋዉያን ኣብ ምንታይ ዘተኮረ ምኳኑ ከነላይልየኩም ደስ ይምብለና፡፡

ቅድሚ ናብ ዝርዝራት መደብ ዕዮ ኣዳራሽና ምእታዉና ኣሕጽር ኣቢልና ብዛዕባናን ኣብ ምንታይ ተሞርኲስና ነዚ ኣዳራሽ ከምዝመስረትናዮ ክንገልጽ ደስ ይብለና፡። ንሕና ኣባላት ናይ ዝተፈላለያ ውድባት/ሰልፍታት፣ በርገሳዊ ማሕበራት፣ ብውልቀ እንቓወምን፡ ኣብ ስርዓት ዉልቐ መላኺ ሃገርና ኣርባዕተ ነትቢ ዘቀምጥና ኤርትራዉያን ዜጋታት ኢና። እዚ ማለት ከኣ ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ለውጢ ክመጽእ ኣለዎ ኢልና እንምን፣ እቲ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ዝተተኽለ መሓዉራት ህግደፍ ክፈርስ ድኣ እምበር ክጽገን ኣይክእልን እዩ እንብልን፡ ከምኡዉን እዚ እነካይዶ ዘሎና ህዝባዊ ቓልሲ፡ ህዝባዊ ሓርነት ከርጋግጽ እንተዀይኑ ካብ ሕጂ ንብዙሕነት ከም ዕላምኡ፣ ከም መለሊይኡ፣ ከም መሳርሒኡ፣ ተጠቒሙ ዝቃለስን ዘቃልስን ብኲልና ደለይቲ ፍትሕን ሓርነት ዲሞክራሲን ዝኮና ኤትራዉያን ዝዉነን ኪዳን (Alliance) ተጠርኒፍና ክንቃለስ ኣሎና በሃልቲ ኢና፡፡

እዚ ድሕሪ ምባልና ምስ መደብ ዕዮ ኣዳራሽና ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ውልቀ-መሊኺ ሃገርና ከነላልየኹም ደስ ይብለና። መደብ ዕዮ ኣዳራሽና ኣብ ሰለስተ ቑምነገራት  ዘትኮረ ኢዩ፡፡

1) ኣብ ኣዳራሽ (our Chat-room) ሓደ ግዜ ኣብ ሰሙን (ሓሙስ) ካብ ሰዓት ሸሞንተ (2000) ብናይ በርሊን (Berlin) አቖጻጽራ፡ ተኣኪብና፡ ሽግራት ህዝብናን ሃገርናን ከም ዛዕባ አንዳ ኣምጻእና፡ ፍታሕ ኣብ ምድላይን ምርካብን ንዛተ።

2) ክልተ ግዜ ኣብ ወርሒ (ቀዳም) ናብ ኣዳራሽና (our Chat-room)፡ ኣጋይሽ ብምዕዳም ህዝባዊ ኽትዓትን ኣስተምህሮን ክምዝካየድ ንገብር፡፡ እቶም ንዕድሞም ኣጋይሽ ደቂ ሃገር ከኣ፡ ኣብ ኣርባዕተ ንኸፍሎም።

Ø  ካብ ፖለቲካዉያን፣

Ø  ካብ በርገሳዊ ማሕበራት፣

Ø  ካብ ነጻ ናይ ዜናን ሓቤሪታን ማዕከን፣

Ø  ካብ ናይ ኣካዳሚ (ምሁራን) ተመክሮ ዘለዎም፣ ኣብ ተቃውሞ፡ ኣንጻር ምልኺ፡ ዝዋስኡ ደቂ ሃገር እዮም።

3) ድሕነት ህዝብን ሓገርን ቅድሚ ኲሉ ብምስራዕ ንምዕዋቱ ድማ ብዝከኣለና ንቃለስ።

ኒዚ ኣጋጣሚ ብምጥቃም ድማ ኲሉኹም ደለይቲ ፍትሕን ሓርነትን ዲሞክራሲን ዝኮንኩም ኤርትራውያን ዜጋታታት ኣብ ኩሎም ወይዉን ገለ ካብ መደባትና ንክትካፈሉ ንዕድም።

ኽቡራትን ኽቡራንን ደቂ ሃገር፡ ሃገርና ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ብሰንኪ እቲ ሕጋዊ ምኳን ፈንፊኑ ባዕደሽበራዉነት ዝመረጸ ስርዓት ህግደፍ፡ ናብ ሓንቲ ብመላእ ሕብረትሰብ ዓለም እተፈንፈነት ደሴት ቀይሩ ሓርነት ህዝብናን ልዕልዉነት ሃገርናን ኣብ ሓደጋ ኣዉዲቅዎም ከምዘሎ ንኲልና ንጹር እዩ በሃልቲ ኢና። ስለዚ ብዕትበት ንምቅላሱ ገለ ካብቶም ኣብዚ እዋን እዚ ንድሕነት ህዝብናን ንቀጻልነት ልዕላዉነት ሃገርናን ወሰንቲን ኣገደስቲ እንብሎም፡ ብዙሕ እዋን’ውን ከም መካትዒ ኣርእስቲ እንጥቀመሎም፡ መድረኻዉያን ሕቶታት፡ ሓሳብና ከነቅርብ ደስ ይብለና፡፡

1ይ፡ እዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ሽግር መበገሲኡ/ምንጩ እንታይ ኢዩ፡ ብከመይ ኣገባብ ምስ እንገጥሞ ኢና’ከ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ፍታሕ ክንረኽብሉ እንኽእል? ንዝብል መድረኻዊ ሕቶ መልስና ከምዚ ዝዕብ ኢዩ፡

እዚ እነካይዶ ዘሎና ህዝባዊ ቃልሲ ዕላምኡ ኣብ ዝቀልጠፈ ግዜ/እዋን ክወቕዕ እንትኮይኑ እዚ ሕቶ እዚ ብኑጹር መልሲ ረኺብና ብዕትቡነት ክንምክቶ ዘሎና ሕቶ እዩ፡፡ ስለዚ ንኲላትና ብሩህ ክኸዉን ዘለዎ፡ ነዚ ኣብ ሃገርና ወሪዱ ዘሎ ጸበባን ሽግርን፡ መበገሲኡን ምንጩን እቲ ሕጋዊ ምዃን ፈንፊኑ፡ ዓመጽ ዝመረጸ ባዕደሽበራዊ ስርዓት ውልቐ መላኺ ኢሳያስ ንህዝቢ ኤርትራ ንምጽናትና ተታሒሞ ሲኦላዊ ዕላማን ዕማም ኢዩ።

ብሕጽር ዝበለ ኣዘራርባ ንኲልና ብሩህ ክኸዉን ዘለዎም ጉዳይ እንተሃልዩ፡-

ሀ) ፈጻም ግፍዒን ገበንን፡ ውልቐ መላኺ ኢሳያስ ኣፈውርቂን ናይ ምልኺ ኣቀናጀዉቱ ህግደፋዉያን እዮም።

ለ) ግፍዒን ገበን ኣብ ልዕለና ዝወርደናን ዝፍጸመናን ዘሎ፡ ንሕና ህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ኢና፡፡

ስለዚ ካብዚ፡ ነዛ እነፍቅራ ሃገርና ብሕብረተሰብ ዓለም ፍንፍንቲ ደሴት ቀይሩ ንምጽናትና ናተይ ኢሉ ተተሓሒዝዎ ዘሎ፡ ባዕደሽበራዊ ስርዓት ውልቐ መላኺ ኢሳያስ ንምግልጋል ክንክተሎ ዘሎና መትካእታ ዘይብሉ ኣገባብ ቃሲ ኩለንተናዊ (ብሓደ ሸነኽ ሰላማዊ፡ በቲ ካላኣይ ሸነኽ ካኣ ዕጥቃዊ) ኣገባብ ቃልሲ ኢዩ በሃልቲ ኢና። ስለምታይሲ ንፍቶ ንጽላእ እዚ ሕጋዊ ምዃን ፈንፊኑ፡ ዓመጽ ዝመረጸ ባዕደሽበራዊ ስርዓት ውልቐ መላኺ ኢሳያስ ኣብ ልዕሌናን ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ዉግእ ዝኣወጀ ስርዓት እዩ። ብተወሳኪ ንሰብኣዊ ሰለላትና ርጊጹ ገበን ዝፍጽም ስርዓት ንነብሰ ምክልካል ሓይሊ ክንጥቀም ሓደ ካብቲ ዓለም-ለኻዊ ሕጊ ዘፍቅደልና ዘይግሃስ ባህርያዊ መሰልና እዩ።

2ይ፡ ኣብዚ ዘለናዮ መድረኽ፡ ኣብ ሃገርና ሕቶ ፖሎቲካዊ ስልጣን፡ ኣብ ሞንጎ ዉድባትን ሰልፍታትን፡ ክምለስ ይኸኣል ድዩ? ዝብል መድረኻዊ ሕቶ ድማ ኣልዒልና ተዛራሪብናሉ ነርና፡ መልሲ ዕግበት ብዝሓት ተኻፈልቲ፡ ከምዚ ዝዕብ ኢዩ።

እቲ መልሲ ኣይከኣልን ኢዩ። ስለምታይሲ እዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ጸገም ኣብ ሞንጐ እቲ ሕጋዊ ምዃን ፈንፊኑ፡ ዓመጽ ዝመረጸ ባዕደሽበራዊን ስርዓት ውልቐ መላኺ ኢሳያስን፡ ንሕና እቶም ኲሉ ሰብኣዊ መሰላትና ተሓሪሙና ሃገርና ዓቢይ ቤት ማእሰርቲ/ማሕቡስ ኮይናትና ዘሎና ህዝቢ ኤርትራን ስለዝኾነ እዩ። ስለዚ ናይ ዉድባት ይኩን ሰልፍታት ናይ ፖለቲካዊ ሕቶ እምብኣር ኣብ ባዕደሽበራን ምልኽን ካብ ሃገርና ተኣልዩ፡ ንሕና ህዝቢ ኤርትራ ብመስረት ቅዋም (constitution/social contract) መሰረታዊ ሓርነትና ምስጨበጥና፡ ብምሰረት እቲ ህዝባዊ ቅዋም ብዘፍቅዶ ኣብ ዝግበር ፖሎቲካዊ ስልጣን ንምሓዝ ዝካየድ ርብርብ ጥራይ እዩ ክምለስ ዝኽእል፡ ዝብል መልሲ ዝሃቡ ብዙሓት ተኻፈልቲ ዘተና ነይሮም።

3ይ፡ ደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ንምቅልጣፍ፡ ግደ ናይ ኣባላት ዉድባት፡ ኣባላት ሰልፍታት፡ ኣባላት በርገሳውያን ማሕበራት፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ዓበይቲ ዓዲ፡ ንሞራልን ሕልናን ቅድሚ  ዉልቃዊ ረብሓ ዝሰርዑ ኤርትራውያን ዜጋታት ከመይ ይኩን? ዝብል መድረኻዊ ሕቶ ከኣ መልሲ ብዙሓት ካባና ከምዚ ዝዕብ ነይሩ።

እዚ ነካይዶ ዘሎና ህዝባዊ ቃልሲ ሕጋነት፣ ርትዓነት፤ ፍትሓነት ከረጋግጽ እንተ ድእ ኮይኑ ካብ ሕጂ ኣትሒዝና፡ ነዚ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ቃልሲ ብመነጽር ናይ ዉድባትና፡ ሰልፍታትና፡ ማሕበራትናን ምጥማቱ ገዲፍና፡ ኣብ ክሊ ልዕላነት ሃገርን ሓድነት ህዝብን፡ ህዝቢ ኤርትራ ዋና ሃገሩን ፍጹም ተቖጻጻርን ተጠቃሚ ሃገራዊ ስልጣኑን ምዃኑ ዘረጋግጽ ናይ መላእ እቶም፡ ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ቃልሲ ጠቕሚ ኣሎና እንብል ኤርትራያን ብህድኣትን ብልቦናን ዘዋስእ፡ ባይታ ፈጢርና ክንቃለስ ኣሎና፡ ዝብል ሓሳብ ዝለገሱ፡ ብቑጽሪ ብርክት ዝበሉ ሰባት እውን ኣለዉና።

ሰለዚ ነዞም ኣብላዕሊ ጠቀሲዮም ዘሎና፡ ነዚ ዝከይድ ዘሎ ህዝባዊ ቃልስና ኣብ ምዕዋቱ ወሰንቲ ዝኮኑ ሕቶታን ንምፍትሖም ወሳኒ እዩ እንብሎ ዕማም ሃገራዊ(ሰፊሕ) ዋዕላ ንዲሞክራሳዊ ለውጢ ምኲልና እቶም እምብልና ንምልኺ፡ እወ ንደሞክራሲ ኢልና እንቃልስ ዘሎና ኤርትራዉያን ኣብ እዚ እዋን’ዚ እዩ ኢልና ስለዝኣመና እነሆና ነዚ ንህዝባዊ ዕማም ንምትግባሩ ብነጻ ድልየትና “ዓለም-ለኻዊ መርበብ ኤርትራውያን ንትግባረ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራሳዊ ለዉጢ ኣብ ወጻኢ ሕጂ (Worldwide Network of Eritreans for National Conference for Democratic Change in Eritrea in Diasporas Now)”, ካብ 9 ሚያዝያ 2009 መስሪትና ንንቀሳቀስ። ኩልኹም/ኽን ኣብ ኤርትራ ዲምክራሳዊ ለውጢ ረብሓ ኣሎና ትብሉ/ላ ኤርትራውያን ኣብ’ዚ መርበብ’ዚ ክትዋስኡ ከኣ ብትሕትና ንዕድመኩም።

ሓበሬታ ብዛዕባ እዚ መርበብ እዚ በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ከድኩም ረአዩ፡

Øፓልቶክ (paltalk)

  ኣብ፡ Eritrean Room For Strong And United Opposition

Øኢ-ሜል (email)፡ ኣብ፡ This e-mail address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it

  ከምኡ’ዉን፡ This e-mail address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it

Ø ጐግል ጉጅለ (Google group)

Group name: Worldwide Network of Eritreans for National Conference
Group home page:
http://groups.google.com/group/Eritreans-for-national-conference

4ይ፡ ኣብ መወዳእታ ኣብዚ እዋን እዚ ብሃገራዊ/ሰፊሕ ዋዕላ ንደሞክራሳዊ ለዉጢ ኣቢልና ክንወቕዖ እንደሊ ዘሎና ዓላማ እንታይ እዩ? ዝብል መድረኻዊ ሕቶ እዉን ኣብ ገዛና ብብዙሓት ደቂ ሃገር ብኽምዚ ኣብ ታሕቲ ዝስዕብ ተመሊሱ።

Ø  ኣብ ሃገረና ሎሚ’ዉን ከም ትማሊ ብከም ብዓል ውልቐ መላኺ ኢሳያስ ኣፈውርቂን ናይ ምልኺ ኣቀናጀዉቱ ህግደፋዉያን ዝኣመሰሉ ሰብ መሰል ትዃሉ ከይጭወ፡ ካብሕጂ ንብዙሕነት ከም ዕላምኡ፣ ከም መለሊይኡ፣ ከም መሳርሒኡ፣ ተጠቒሙ ዝቅዝቃለስን ዘቃልስን ህዝባዊ ኪዳን (Alliance) ከነቅዉም የክለና፡

Ø  መላእ ተቓዉሞ ደንበ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ውልቀ-መላኺ ሃገርና፡ ናይ ሓባር ኣራኣእያ ክንሕዝ የብቅዓና፡

Ø  ድሕነት ህዝብን ሃገርን ቅድሚ ኲሉ ሰሪዕና ንምዕዋቱ ኣብ ዝለዓለ ነጥቢ (maximum involvement) ብዝብል ናይ ሓባር ስራሕ ዕላማ (principe) ክንጉዓዝ የኽእለና፡

Ø  እተን ህዝቢ ኤርትራ ዋና ሃገሩን፡ ፍጹም ተጠቃሚ ሃገራዊ ስልጣኑን ምዃኑ ዘዉሕሳ ሰለስተ ዲሞክራሲያውያን ትካላት (ሓጋጊ ፈራዲ ፈጻሚ) ካቭካቭካብ ሕጂ ብዘየማትእ ከነቁምን ክንሰርሓሉን የኽእለና፡ ማለት ስጋዕ ናይ ስደት ግዝያዊ መንግስትን ባይቶን ከነቅዉም የኽእለና፡ እዚ ክንብል ከሎና ግን እቲ ድሕሪ ኣቲ ሕጋዊ ምዃን ፈንፊኑ፡ ዓመጽ ዝመረጸ ባዕደሽበራዊ ስርዓት ውልቐ መላኺ ኢሳያስ ምስተኣለየ ብህዝቢ ክዉሰኑ ዘለዎም ጉዳያት ከም ኣገባብ መግስታዊ መቆምያታት ማለት ምእኩልዶ ወይስ ዘይምእኩል መንግስቲ፡ በዓል ሓደዶ ወይስ ክልተ ፓርላማ ዝብሉ ብመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብነጻ ድልየቱ ዝንድፎን ዘጽድቆን ቅዋም ክዉሰኑ ዘልዎም ዉሳነታት ቅድመ ኩነት ከነቀምጥ ኣይግባእን።

Ø  እቲ ጸጥታውን ወተሃደራውን ክንፊ ህዝባዊ ቃልስና ኣብ ትሕቲ ሓደ ምምሕዳር (command) ገይርና ክንጉዓዝ የኽእለና፡

Ø  ኣብ ዝካየድ ዘሎ ናይ ለውጢ ቃልሲ ኣካላት ሕብረተሰብና ከም በርገሳዉያን ማሕበራት ከምኡውን ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ፡ ማሕበር መንእሰያት፡ ማሕበር ሰራሕተኛታት፡ ማሕበር ሓረስቶትን ኤርትራ ብግብሪ ተካፋልነቶም ከነረጋግጸሉ ዘኽእሉና ባይታ ከነጣጥሕ ፡

Ø  ኣብ ሞራላዉነትን ሕጋዉነት ዝተሰረት፣ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ቅድሚ ኲሉ ዝሰርዕ ኪዳን (Alliance) ብምቛምን ካብ ሕብረተ-ሰብ ዓለም ናይ ሞራልዉን ንዋታዉን ሓገዝ ንምርካብ የብቕዓና።

የቀንየልና።

 

ዓወት ንህዝባዊ ቃልስና!!

ዘልኣለማዊ ዝኽርን ሞጐስን ንሰማኣታትና!!

ውድቀት ንባዕደሽበራዊ ስርዓት ውልቐ መላኺ ኢሳያስ!!

ነሓሰ 20 2009

 
 

ሓተታ Survey

ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ሓድነት ደሞክራሲያውያን ኤርትርትራ ከረጋግጽ እዩ!
 

ኣብ መርበብ Online

We have 82 guests online