|
በዓል ሓደ መስከረም ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት (ሃገር ጀርመን) |
|
ንዕለት 05 መስከረም 2009( ቀዳም ማዓልቲ ) ዝኽሪ መበል 48 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምብዓል፡
ብጨንፈር ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ኣብ ጀረመን፡ ዝተዳለወ ፖሊቲካዊ ሰሚናርን፡ ብወናማት ባህላውያን ደርፈትን ሙዚቀኛታትን ዝተሰነየ ባህላዊ መደብ ተሰሪዑ ኣሎ።
ኣብዚ በዓልዚ ኣባላት ሲቪካውያን ማሕበራት መርበብ ኤውሮጳ ፡ ኣባላት ፖሊቲካዊ ምንቅስቓሳትን፡ ኩሉ ወዲ ሃገር ዝሳተፎ ምዃኑ ንሕብር።
ፕሮግራም
-መደብ በዓል ካብ ሰዓት 16፡00 ጀሚሩ ሰዓት 24፡00 ይዛዘም።
-በዓል ዝዳላወሉ ቦታ፡ SAALBAU GRIESHEIM
Schwarzerlenweg 57
65933 Frankfurt a.m
ካብ ፍራንክፉርት ሃብትባንሆፍ ብ 1S ወይ ብ 2S ናብ ሆክስት ሸነኽ ዝኸዳ ባቡራት ተሰቒልኩም ኣብ Griesheim Haltestelle ምስ በጻሕኩም ትወርዱ፡ እቲ መብዓሊ ቦታ ኣብ ጎድኑ ይርከብ።
ብዳሐን ምጹ
ጨንፈር ጀርመን
ሽማግለ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን
|