Start መራኸቢ ብዙኃን Media ማዕከናት Senders ቃል ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን
ቃል ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

ቃል ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

ጨንፈር ጀርመን ኣብ ፈስቲቫል ካስል 2009
ዝኸበርኩም ኣባላት መሪሕነት ግሃድኤ
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣባላት ግሃድኤ
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኲቡራት ተሳተፍቲ ሰፊሕ ፈስቲቫል ኤርትራ
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣዳለውቲ ናይዚ ፈስቲቫል ዝዀንኩም ማድመኤ ጨ\ጀርመንን
ዞባ ኤውሮጳን።
ብጻይ ሰመረ በያን
ኣ\ወ ጨ\ ሽማግለ ኤዲኪ ሃገር ጀርመን ቃል እናቕረበ


መጀመርያ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ሰፊሕ በዓል ፈስቲቫል ኤርትራ ንኽተዳልው ዝኸፈልኩሞ
ከቢድ ድኻምን ጻዕርን ዝምስገን እዩ።
ቀጺለ ኣብዚ ንመበል 24 ዓመትዝካየድ ዘሎ ሰፊሕ በዓል ኤርትራ፡ ጨ\ሽማግለ ኤድኪ
ኣብ ሃገር ጀርመን ንኽንሳተፍ ንዝተገብረልና ዕድመ መሰረት ብምግባር ብስም ጨንፈር
ሽማግለ ኤደኪ ንሰፊሕ ፈስቲቫልኩም ናይ ደገፈታን ሓጎስናን መግለጺ ክህብ ከሎኹ
ሓጎስን ክብርን ይስመዓኒ። እንኳዕ ድማ ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሰፊሕ ፈስቲቫል ኤርትራ
ኣብጸሓኩም ይብል።
እዚ ፈስትቫልዚ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ኣብ ኣስካሕካሒ ዝኾAን ግፍዕን ጭቆናን ናይዚ
ገባትን በሓትን ዝኾነ ስርዓት ህግደፍን ውልቀ መላኺ ኢሰያስን ኣብ ትሳቐየሉ ዘላ እዋን
እዩ ዝካየድ ዘሎ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኲነታትን ግዜን ከምዚ ዝኣመሰለ ሰፊሕ ናይ
ህዝቢ ፈስቲቫል ምክያድውን ማዕረ ክንደይ ከቢድ ከምዝኾነ ንምርድኡ ቀሊል ኣይኮነን።
ይኹን እምበር እዚ ፈስቲቫልዚ ብቐንዱ ሐደ ኣካልን ኣምሳልን ናይቲ ግሃድኤ ዝቃለሰሉ
ዘሎ ፖለቲካውን ዕጥቃውን ተጋድሎ ስለ ዝኾነ ኣብ ምዕናው ዲክታቶርያዊ ስርዓት
ህግድፍን ወልቀ መላኺን ኢሰያስን ዝህሉዎ እጃም ዓቢ እዩ። ከምእውን እዚ ፈስቲቫልዚ
ዋላኳ ብስም ማድመኤ ብውድብ ግሃድኤ ዝግበር እንተሃለወ ብትሕዝትኡን መንፈሱን ግን
ከም ናይ ዝተፈላለየ ውድባትን ውልቀሰባትን ሰፊሕ ባይታ ኮይኑ ከቃልስ ዝጸንሐን ዘሎን
ሓቢርና ኣንጻር ህግድፍ ንምምካት ፖለቲካዊ ባይታ ዝፈጠረ እዩ።
ፈስቲቫል ካሰል ንስርዓት ህግድፍ ዓመት መጸት እተባህርሮ መዓልቲ እያ።
ከምኡውን እዚ ፈስቲቫልዚ፡ ካብ ብስም ሐደ ውድብ ዝካየድ ብስም ኤዲኪ ኣብ ሃገር
ጀርመን ዝያዳ ዘርብሕን ፖለቲካዊ መኽሰብ ከምዝህሉዎ ብምእማን፡ ብንግሁኡ ቀጠልያ
መብራህቲ ሂቡ። እንተዀነ ግን ብሰንኪ ባዕላዊ ሕጽረታትናን ድኽመታትናን ብስም
ጨንፈር ሽማግለ ኤዲኪ ጀርመን ክግበር ኣይበቓዕናዮን። የግዳስ ውድብ ግሃድኤ
ንዘርኣዮ ሰናይ ቅሩብነት ነዚ ኣጋጣሚዚ ተጠቒመ ኣብ ቅድሚዚ ሰፊሕ ፈስቲቫል
ኤርትራ ቀሪበ ብስም ጨንፈር ሽማግለ ኤዲኪ ከየመስገንኩ ክሓልፍ ኣይደልን።
ከምኡውን እዚ ፈስቲቫልዚ ኣብ ኩሉ መዳያቱ ኣድማዕን ኣርባሕን ውጽኢት ሒዙ
ንኽወጽእ ብስም ጨ\ሽ ኤዲኪ ዘሎኒ ትጽቢት ልዑል እዩ።
ዓወትን ኣሳልጦን ንደሞክራስያዊ ቃልሲ ግሃድኤ
ዓወትን ኣሳልጦን ንማድመኤ
ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክEወት Iዩ
ውድቀትን ዕንወትን ንስርዓት ህግድፍን ውልቀ መላኺ ኢሰያስ
የቐንየለይ
ሰመረ በያን
ኣ\ወ ጨ\ ሽማግለ ኤዲኪ ሃገር ጀርመን
01-08-2009

 
 

ሓተታ Survey

ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ሓድነት ደሞክራሲያውያን ኤርትርትራ ከረጋግጽ እዩ!
 

ኣብ መርበብ Online

We have 94 guests online