|
ንብላሽ ከይከዉን ዝተኸፍለ ዋጋ! ሃገር ከይትኣቱ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ! |
|
|
|
|
Written by ገ/ሚካኤል ሃብተጽዮን
|
|
Tuesday, 18 August 2009 21:46 |
|
ንብላሽ ከይከዉን ዝተኸፍለ ዋጋ!
ሃገር ከይትኣቱ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ!
ገ/ሚካኤል ሃብተጽዩን(ቆሪጀ) ጀርመን
ዕለት፡17 ነሓሰ 2009
መርዓት ከይሐዝካ ኣይክወንዩ መርዓዊ
ሃገር ከየዉሓስካ አይክወንዩ ሃገራዊ
ጽባሕ ምስ ተሓተትካ እንታይ’ኻ ክትጸዊ
ነድሕና’ንዶ ዝሃገር ጽባሕ ከነእዊ
ሃገር ከይነጥፍኣ ኣብ ኢድና ከይትሓዊ
ዘይፈለጥናዮ ከይህሉ ድጉል-ሓዊ
ብሓባር ንመክቶ ነዚ ፋሽሽታዊ
ሕድሪ ስዉኣትና ከይከዉን ስማዊ
ነዚ ጠላም ህዝቡ ይሁዳ ኣስቀረታዊ
ሓላይ ክመስል ብዙሕ ተቆንዛዊ
ብዱዕ ትምክሕተኛ ጃህረኛ ሓሳዊ
ንጥሙር ዝፍንጥሕ ንእኩብ ዘራዊ
ልኡኽ ግብረ-ሸበራ ትካቦ መማዕደዊ።
ንቅንጅት እንዳመወለ ነቶም ጸላእትና
ንዘይተዋሕጠሎም ነጻነትና
ንዘይ አምኑ ንልእላዉነትና
ደቀባት ኣብ ስደት ንሳቶም ኣብ ዓድና
ወይዘሮ ርሻን ዓዲ እንግሊዝ ሃታሃታ
አኼባታት ክትብትን ደርጉሓቶ መልእኽታ
ተወጠጠት ተጻረፈት ዘይእሩም ቃላታ
ንህግደፍ ትፈርሖ ከም ቁሪ ኣስሓይታ
ምድረ-ሰማይ ዝጎብእ ሓሶታ
ዘይብዓልቲ ኒሕ ከምቶም ኣቦታታ
ዘይወረጃ ከምተን ኣደታታ ኣሓታ
ዘይጽንዕቲ ፈታሒት ቅናታ
ንደቃ ሓቁፋ ኣሕዋታ ኣሓታ
ኣይንታያን ደቂገባር እንተመቱ እንተመታ
ዕሸላት እንዳተረሸኑ ኣብ ቅድሚ ኣዕንታ
ኣየሕዝናን ድዩ ንብዓት ኣዴታታ
ሓቂ እትመራ ፈታዊት ሕሜታ
ስርዓት ህግደፍ መስትያታ
ይኣክለኪ ብህዝብኺ ልግጫ ጸወታ
እዚ ኩሉ ኣደራዕ ኣለዎኮ ሃየንታ
ንመዓልቲ መዓልቲ’ዃ ኣላታ
ጊዜ’ዉን ኣለዋ ፍርዲ ናታ፡
ዉድቀት ንስርዓት ህግደፍ ኣጫፈርቱን!
ዓወት ንዉጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!
ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና!
|