|
Written by በርሀ ዑቕባዝጊ
|
|
Tuesday, 18 August 2009 21:44 |
|
ብስራትን ሓርበኛዊ መስዋእቲን
ዳኒኤል ሃብተ የሕደጎ፡
ሰሚዕና ካብ ኣሰየ ኣሰና
ካብ ሕድሪ ስዋኣቱ ዘይጠለመ
በርሀ ዑቅባዝጊ ጀርመን
ከላ ኣሕልፈኒ ክገጥመሉ እታ ዓቅመይ
ንጅግና ወዲ ሃገረይ ሓርበኛ ሓወይ
እወ ከምቲ ዝበልካዮ እንተዝኼነልና
ዳኒኤል ክህሉ ምደለና ኣብ ሞንጎና
በሉ ተቀበሉ እዛ ግጥመይ ኣሰየ ኣሰና
ንዳኒኤል ሃብተ ጅግና ወደ ኣርባዕተ ኣስመራ
ዶክብለካ ወዲ ማይ ፓውዛን
ኣርባዕተ ኣስመራ እታ ኣነ ዘዓበኹላ
ወዲ ገዛውተይ መሓዛ የሕዋተይ
ክንዲ ቡዙሕ ረኣያ እዛ ግጥሚ ናተይ
ኣይፈልጠካን ኢየሞ ረድረድ ኢሉኒ ኣካላተይ
ሓርበኛ ዶክብለካ ጅግና ናትካ ነገር ይቡሉን መዘና
ሓርበኛዊ ብስራት ሰሚዕና ካብ ኣሰና
ሓርበኛ ወሊዳ ሓዲራ ሃገርና
ንዳኒኤል ሃብተ የሕደጎ ጅግና
ዓልላሉ ወለዲ ዳኒኤል ጅግና
ኣቦታት ተሓበኑ ብዳኒኤል ሓርበኛ
ኢለ እንዶ ሓሊመ ተኣሲሩ በዓል ደምና
ተኮኲቦም ኣብ ፍርዲ ክቀርቡ ዓመጽቲና
ሎሚ ዓመትስ ሓዲኦ ክንገብር ኢና
ጀሚሩልና ኣሎ ዳኒኤል ሓርበኛ
ደመኛታት ህዝብና ክንቅፍዶም ቀሪብና
ዳኒኤል ሃብተ የሕደጎ ካብ ጀመረልና
ኣይተሰዋእካን ህሉው ኢኻ
ብጅግንነትካ ኣሓቢንካና ኢኻ
ጸባ ኣስቲኻዮ ንህዝብኻ
ሓሙሽተ ሚሊዮን ኤረትራዊ ኮሪዑ በኣኻ
ኣይበኸየን የዔልል ኣሎ እንዳበለ ህሉው ኢኻ
ኣለዉና ዝስዕቡ ኣሰርካ ዲሕረኻ
ክፈድዩ ኢዮም ሒነኻ
ዳኒኤል ሃብተ የሕደጎ ሙኩሕ ጅግና ኢኻ
ንቅንጸላ መራሒ ህግደፍ መንገዲ ዝከፈትካ
መራሕቲ ህግደፍ ሸራእራእ ኣቢልካዮም ሓዲርካ
ኣሰር ጀጋኑ ቡጾትካ ሰዒብካ
መን ኣሎ ነዚ ሰሚዑ ዘይተሓበነ በኣኻ
መራሒ ህግደፍ እንተዘይሞተ ሸራእራእ ኣብልካዮ ኢኻ
ጅግናዶ ክብለካ ሓርበኛ ዳኒኤል ኮሪዕና ባኻ
እወ ኣይረሳዕካን ሕድሪ ስዋኣት ዘሃቡኻ
ኣሕ እንታይ እሞ ኣሚሊጡ እንዶሞ ዝከዳዕ
ድሕሪ ሕጂ ግን የሎን ሸብዳዕዳዕ
እወ ወይለኻ ከዳዕ እወ ወይለካ ከዳዕ
ጽንዓት የሃብኩም ንስድራበት
ስዉእ ዳኒኤል ሃብተ የሕደጎ ሓርበኛ
ኣለዉና ጀጋኑ ክንዕወት ኢና
ክብሪን ሞጎስን ንጀጋኑ ስዋኣትና
ጃንዳ ህግደፍ ሸፋቱ ኣሊና
ሰናይ ቅነ ይቅጽል
|