|
መሳርዕ ስራዊት ህግደፍ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣንዳሰሓወ ይኸይድ ኣሎ ተባሂሉ። |
|
|
|
|
Written by ድ.ሰ.ደ.ኤ.
|
|
Thursday, 13 August 2009 21:17 |
|
መንግስቲ ህግደፍ ሰራዊቱ ነናብ ዝጥዕሞም ገዲፈሞ ይሃድሙ ስለ ዘለው፡ ኣብ ስራዊቱ ምትእምማን ኣብ ርእሲ ምስኣኑ፡ ኣብ እዋን ሓለዋ ንመን ኣሚንካ ተሕሉ ተጸጊሙ ከም ዘሎ ዕጡቓት ናይ ውደባን ፕሮፖጋንዳ ኣሁዱ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ
ካብ እሙናት ምንጭታቶም ንዝረኸብዎ ጭቡጥ ሓበሬታ መሰረት ብምግባር ዝሰደዱልና መልእኽቲ የረጋግጽ።
ህግደፍ ኣብ’ቲ ተንጠልጢልሉ ዘሎ ብኣስገዳድ ዝተኣከበ ብመንእሰይ ዝቖመ ስሩዕ ሰራዊቱ ክኣልዮ ኣብ ዘይኽለሉ ሞራላውን ቁጠባውን ውድቀት በጺሑ፡ ዕድል በብዝረኸበሉ ኣጋጣሚታት ተጠቒሙ ጥርናፈ እንዳጠሓሰ እግረይ ኣውጽእኒ ይሃድም ስለ ዘሎ፡ ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ናይ ከባቢ ምልሻ፡ ኣብ ቅድመ ግምባራት ወሲዱ፡ ኣብ ቦታ ናይ’ቲ ስሩዕ ስራዊት መዲቡ የስረሖም ከም ዘሎ ተፈሊጡ።
ንኣብነት ኣብ ክ/ሰራዊት 29 ናይ ቀትሪ ዋርድያ ብምልሻ ይሕሎ ከም ዘሎ፡ ናይ ለይቲ ድማ ተዛኒቖም ክወጹ ይግብሮም ከም ዘሎ፡ ነቶም ኣብ ዕርድታት ስሩዕ ሰራዊት ኣትዮም ከገልግሉ ገይርዎም ዘሎ ናይ ከባቢ ምልሻ፡ ኣይኮነን ከም ኣብ ስራሕ ዘዋፈሮም ዜጋታት፡ ከም ሰብኣውያን ፍጡራት’ውን ከም ዘይሪኦም፡ ክሳብ ምልሻ ዕደ፡ ኣይሃድም ኣይሃጅም እንዳበሉ ከም ዘናሽውዎም፡ እቲ ዝተላእከልና ሓበሬታ የረድእ።
ድ.ሰ.ደ.ኤ. ዕለት 14.08.2009
|