Written by: በርሀ ዑቅባዝጊ

ቀዳሞትስ ነጊርናኩም ምስማዕ ኣቢኹምና እንበር‘‘ኢሰያስ ምስ ኣቢዪ ቃል ኪዳን ምስ ኣሰረ‘‘ህዝቢ ሕጂስ ያኣክል ኢሉ ምስ ነደረ‘‘ንዳግማይ ትንሳኤ ተሐኤ ሰሚዑ ዝባህረረ‘‘ ንማፍያዊ ጉጅለ እንዳ ደገፍካ‘‘ደጊም ያኣክል ንጹህ ከም ጲላጦስ ምዃን‘‘ኣብ ዝጸናሕካ ጸኒሕካ‘‘ ውጥም ቅልቅል ምባል።

መንዩ ብህልቀት ላንፒዱዛ ተሓታቲ‘‘ኤርትራዊያን ኣይኮኑን ዝበለ‘‘መንድዩ ምስ ኣቢዪ ቃል ክዳን ዝኣሰረ‘‘ህዝቢ ይጸንት ኣሎ ኢሉ ንዓገብ ዝበለ‘‘ትብሉ ወያነ‘‘መንዩ ዝበልዓሉ ጻሕሊ ዝሰበረ‘‘ንዘኽበሮ ህዝቢ ዘሕሰረ።

እወ ብሐሶትን ብምፍርራህን ዝዕወት ዕላማ የለን‘‘ንዕላማ ዋጋ እዩ ዝኸፈሎ።ካብ ምህሮ ኣእምሮ‘‘እቲ ኣእምሮ ብምሊኡ ከሎ‘‘ዲፕሎማን ዲግርን ዝጎደሎ‘‘ነዚ ዘማለኤ ውን ብዙሕ ኣሎ‘‘ሕጂ ውን ንሐርነት መስዋእቲ እዩ ዝኸፈሎ።

ገመል ሰሪቕካስ ጉንብሕ ጉብሕ‘‘ካድራት ተሐኤ‘‘ንሕቶ ሰራዊት ሐርነት ጠምዚዝኩም‘‘ምፍተት ኢሰያስን ጉጅሉኡን ዝገበርኩም‘‘ብምብትታን ተ,ሐ,ኤ ተሐታቲ‘‘ዋህዮ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ‘‘ድሕሪ ነጻነት ውጽኢት ውዲትኩም በጺሕናዮ‘‘ ንቃለስ ጸኒሕናን ኣለናን ካብ ስሩ‘‘ሚሒና ክንኣልዮ።

ወይ ከ ፈልከት‘‘ዋዕሮታትን ሐርበኛታትን‘‘እቶም ውሑዳት ብጽንዓት‘‘ተጋዳላይ ተሐኤ ነበር‘‘ኩሉ ናብ ግንብር ኢዱ መዓስ ሂቡ‘‘ንዕላማ ንሕና ዕላማናን ኣጋሊጹ‘‘ እንታይ ገደሰኒ ኢሉ መዓስ ኣጋይጹ‘‘እዚ ከም ዝመጽእ ኣንጊሁ ኣብሪሁ‘‘ ንኣሉታ ውን መዓስ ሐቢኡ‘‘ተንቲንዎ እዩ ገላሊሁ።

ንኽትብቱኑና ፈቲንኩም‘‘ ምብታን ምስ ኣበናኩም‘‘ናብ ሕሉፍ ታሪኽ ምትንታን ኣቲኹም‘‘ንዕንቅፋት ቃልሲ ምጽማም የለን‘‘ሕጂ ውን ጭርሖና‘‘ኤርትራ ንኤርትራዊያን‘‘ ኣብ ትሕቲ ጽላል ተሐኤ ተጸፍዩ ዝጸምሔ‘‘ ግርማይ የማነ‘‘ ወኪል ህግደፍ ናይ ማሕበረ ኮም ምስሌነ‘‘ዓይኒ ከለዎም ዝዓወሩ‘‘ እዝኒ ከለዎም ዝጸመሙ‘‘ ቃላት መን ንበሎ ዝደጋግሙ‘‘ከማኻ ብዙሐት እዮም‘‘ንህዝቢ ዘሕደርዎ ጾሙ።

ክንደይ ድዩ‘‘ድሕሪ ነጻነት‘‘ዓድይ ዓደይ ኢሉ‘‘ ገለን ገንዘቡ ተሸኪሙ‘‘ገለን ቀለም ጸጊቡ ከውርሶ ንህዝቡ‘‘ንሃገሩ ተመሊሱ‘‘ብቑዕ ኣይኮንካን ተባሂሉ ተሃዲኑ‘‘ዓገብ ዝበለ ትሕቲ መረት ሃጢሙ‘‘ቅዋም እንተ ዝህሉ‘‘ኣብ ፍርዲ ቀሪቦም እግባይ ምበሉ‘‘ሃገራዊ ኣገልግሎት ውን ገደብ ምተገበረሉ‘‘ዑሱባት ህግደፍ ደኣሞ እንታይ ክትብሉ።

ሐሶት ኣብዚሕኩም‘ዘገርምዩ ኣእምሮ ናትኩም‘‘ ምዕራባዊያን ዓደምቲ ስደት ዶ በልኩም‘‘ሃገር ምስ ሃብታ ሃጊርኩም‘‘ ህዝቢ ኤርትራ ቆጽሊ‘‘ዘየውደቐሉ ንጉጅለኹም‘‘ጠንቂ ስደትስ,ጭፍራ ህግደፍ ደኣ‘‘ደጊም የለን ምእንቲ መጎጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ‘‘ንስኹም ከይተኣለኩም‘‘ኣብ ኤርትራ የለን ራህዋ።

ዕድመን ጥዕናን ጥራይ‘‘ጽባሕ ኣብ ቅዲሚ ሕጊ‘‘ ኩልና ማዕረ‘‘ኣቱም ንኣረማዊ ጉጅለ ተምልኹ‘‘ንህልቀት ህዝቢ ነጋሪት ትሃርሙ‘‘ንደለይቲ ፍትሒ ተጸልሙ‘‘ህግደፍ ክይፈርስ‘‘ለይትን መዓልትን ትጽልዩ‘‘ ኑጽሃት ኣይኮንኩምን ታሪርኽ ኣይምሕርንዩ።

ቃል መራሒኻ ተጠቐምካ‘‘ኣእምሮኻ ተደፊኑ ኣሎ እሞ ክፈቶ‘‘ትርጉም ሐተላ ግለት ኣይፈለጥካዮን እንበር‘‘ ሐረስታይ ኣስመራ ከባቢኣን‘‘ንኣቡዑሩ ሐተላ ግለት ኣጽጊቡ እዩ‘‘ንግራቱ ዘሪኡ‘‘ስገምን ስርናይን ሐፊሱ‘‘ንቤቱ ዝኣቱ‘‘ ህግደፍ ምስ ካድራቱ‘‘ምስ ኮኑ ሸፋቱ‘‘ህዝቢ ኤርትራ ተኻላቢቱ‘‘ቱታ ምስ በለ ብውሽጥን ደገን ከቲቱ።

ካብ ህዝቢ ኤርትራ ናበይ ከይተምልጡ‘‘ ወደባት ካብ ስደት ክምለስዩ‘‘ገለ ምስ ፍልጠቱ‘‘ገለ ገንዘቡ ተሐንጊጡ‘‘ ፍትሒ ከንግስዩ ነዓኹም ገልቢጡ።

ኣጆኹም ኣጆና‘‘ኤርትራ መኸን ኣይኮነትን ኣለና‘‘ናይ ዛራ ማና,1ይን,2ይን‘‘ስዲ ንባብን ግጥምን ለበዋን ሕጂ ግርም‘‘ እንዳ በልኩ ንሎሚ ብኸምዚ ክዛዝም።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ;ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና፣ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን፣ ብኣባል ተሐኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን።