Written by: በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን

ንዓሻ ደርጓሐሉ ኣበይ ከእምቶ‘‘ንለባም ኣምተሉ ኣበይ ከይስሕቶ‘‘ኣቢዪ ኣሕመድ ካብ ኣግሃዶ‘‘ ንመንነትና ናብ ዕዳጋ ክውርዶ‘‘ቱታ ዝብል ጅግና የለን ዶ‘‘ ንሉኡክ ኣስራተ ካሳ‘‘ ደመኛ ዓደቦ‘ውክልና ናይ ህዝቢ ኤርትራ‘‘መን ምስ ሃቦ‘ውክልና ንናቢዪ ዘረክቦ።

ህግደፋዊያን ሕሹኽ ታሕቲ ታሕቲ‘‘ደለይቲ ፍትሒ ተዛረብቲ‘‘ኤርትራዊያን ሐሞትና ዶ ፈሲሱ‘‘ንሕና ንዛረብ‘‘ ንሳቶም ፊሊም ይሰርሑ‘‘ኣስመራ ቆሪሶም መቐለ ይምስሑ‘‘ ኣቢዪ ናብ ደብረጽዮን መልእኽቱ ኣብጺሑ‘‘

ዓደይ ናፊቐ‘‘ ኣቢዪ ንዓደይ ምለሰኒ‘‘ተግራይ እንዳ ተረኣየትኒ‘‘ ኤርትራዊያን ኣብ ቀይዲ ከይእተዉኒ‘‘ እዚኦም እኳ ኣበይ ከይጻቡኡኒ‘‘ጀነራላቱ ሚኒስተራቱ‘‘ኣንዊሕካ ዝኣሰርካያ ደርሆስ‘‘ ዝፈታሕካያ ይመስላ‘‘ኩሉ ንሱ እንዳ በሉ‘‘ ፈሪሞም እንዳ ተማላለሱ‘ከይተፈወሱ ሰኣን ሕክምና ንሕዋሩ ይድቅሱ።

እንተ ንሱ‘‘ሐሳባቱ ሰሚሩሉ‘‘ካብ ሞት ፈሪሖም ከደቀሱ ዝሐድሩ‘‘ብሂወቶም ሐይሩ‘‘ንኤርትራ ገርዋ ኣይትብላዕ ኣይትስላዕ‘‘ ደሙ እንዳ ቀየረ ገጹ መመሊሱ ይውላዕ‘‘ኣብ መቐለ ክብል ሸናዕ‘‘ብኣቢዪ ወኪሉ ኣቢሉ‘‘ መልእኽቱ ከብጻሐሉ‘‘ህግደፋዊያን ሕጂ ኸ እንታይ ትብሉ።

ካብ ላዕሊ ንታሕቲ‘‘ ናይ ህግደፍ ሐለፍቲ‘‘መን ከማና በሃልቲ‘‘ሕጂ ዶ ይሐይሽ‘‘ ኣይንላዕሊ ኣይንታሕቲ‘‘ንህዝቦም ለኪሞም‘‘ንመቃልስቶም ኪሒዶም‘‘ ከይተኣሰሩ ባዕሎም ተኣሲሮም‘‘ብሂወቶም ተጻዊቶም‘ብመንግስትኹም ከይሕከሙ ፈሪዱኩም።

ኦ;ስላሰ ካህናትና መሻይኽና እንዳ ኣባሳበሰ‘‘ንታቦትና እንዳ ኣራኸሰ‘‘ እዚ ኣርዮስ ዶ ቀሲኑ ምደቀሰ‘‘ኦ;ስላሰ እዚ ህዝቢ እንታይ ኣበሰ‘‘ እቕረ እባ ብለልና ሎምሰ‘‘ብናትና ዝበሎም ክሳዕ ማዓስ ክህሰ‘‘ ነስላማይ ንክስታናይ በልማማ እንዳ ደምሰሰ።

ተቃውሞ ደንበ‘‘ዓመታት ሐሊፉ‘‘ንሶም ካባና‘‘ ንሕና ካብ   ኦም‘‘ ለውጢ ካብ ውሽጢ ክንጸበ‘‘ኣነ እንተ ዝኸውን ሐላዊ ኡሱራት‘‘ ናይ ዓዲ ኣበቶ;; ንሕምቶ ዶ ሕቶ‘‘ንቤት ማሕዩር ከመይ ዘይከፍቶ‘‘ምተባህለ ኤረና ሽግርና ፈቲሐቶ‘‘ንከዳዕ ሐዞ ሐዞ ናዓበ ግደኻ እቶ‘‘ ሹዑ ምተባህለ ኣታ ጅግና ደሐን እቶ‘‘

ኤርትራዊት ኤርትራዊ‘‘ክሳብ ማዓስ ብማዕዶ ክነእዊ‘‘ኣጆኻ ንበሎ ንፍትሐዊ‘‘ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ኢድና ክሐዊ‘‘ደቂ ኤረይ ከምቲ ናይ 75 ቅያ ንስራሕ‘‘ንስለያ ህግደፍ ክነብሎም ፋሕ‘‘ናይ ሕልና ኡሱር ክፍታሕ‘‘ ቤላ ቤሎው ገዲፍና ንበገስ ናብ ስራሕ‘‘ሽዑዩ ሐንሳ ንሐዋሩ ዝግርና ክፍታሕ።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ;ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና፣ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን‘‘ 23 10 2019‘‘ብኣባል ተ.ሐ.ኤ. በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን።

ሕልሚ ሃይለ ስላሴየ በኒኑ

ብወኪሉ ጋህዲ ኮይኑ

ንህዝቢ ኤርትራ በቲኑ‘‘

ሰኣን መን ኣሎ ዝዕወት

ሕጂ ኸ ናበይ ሻቅሎት

ናይ ኤርትራዊያን ዕሽነት

ክሕደት ኣብ ልዕሊ ክሕደት‘‘

ኣቱም ደቂ ሔማ

ደቂ ኤረ ደቂ ስኬማ

ኣደ ጀጋኑ ተጠሊማ‘‘

ዓዋተ ኣብ ኣዳል ዝኸተተ

ንሕድሪ ጅጋኑ ሰማእታተ

ብግሉጽ ድልዋት ዲና ክንዛተ

ያኣክል ህዝቢ እንዳ ጸነተ

ምስ ሰብ ሕቡእ ኣጀንዳ ዘተ‘‘

ዘይነበረካ ዶ ነሩኒ ይበሃል

ከምቲ ናይ 61 ደወል

ናይ ሐርነት ደወል ክድወል

መንዩ ካብ ሐቂ ዝኽወል‘‘

ኤርትራዊያን ብዓጀባ

ታሪኽ ኣለና ክንዲ እንባ

ኣብ ኣዳል ኣብ ቶጎሩባ

ተቃውሞ ደንበ ደሃይ ሃባ‘‘

ካብ ምንታይ ንፈርሕ ካብ እዝጊ

ህዝቢ ብምንታይ ይምራሕ ብሕጊ

ንጭፍራ ህግደፍ መራሕቲ ዘርጊ

በትሪ ሐለንጊ ንዘረጊ ኣሎ መስጎጒ‘‘

ናይ ህዝቢ ኤርትራ ጎጎ

ንርስቱ ዘዝመጸ ዘሕድጎ

ንጸረ ዓደቦ ሐቢርና ንስጎጎ‘‘

ነዚ ኸ እንታይ የድሊ ትብዓት

ንህዝቢ ዝመርሕ በዓል ሐሞት

ያኣክል ተሐብእካ ብኽያት

ደቀባት ክኾኑ ወረስቲ ዓራት‘‘

ሹዑ እቶም ጸረ ደቀባታ

ንኤረትራ ዝምነዩ ሜሬታ

ሕልሞም ክበንን ኣብ ባይታ‘‘

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ;ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና፣ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን‘‘ 01 11 2019‘‘ብኣባል ተ.ሐ.ኤ. በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን።