Written by: በርሀ ዑቅባዝጊ

ንባሕርና ንምውራር ዝተኣለመ

እዚ ኩናት ንጹር ተልእኾ እዩ ዘለዎ

ጠቕሊሉ ከረክቦም ነቶም ዝለኣኽዎ

ኢሰያስ ኣቢዪ ደብረጽዮን ዝኣለምዎ‘‘

ብነቐዝ ህዝቢ ኤርትራ‘‘ውጽኢት ቃልሱን‘‘ጻማ መስዋእቲ ደቁን‘‘ከስተማቕር ዘይተዓደለ ህዝቢ‘‘ውድብ ተ;ሐ;ኤ ብውዲት ፋሕ ኢላ‘‘ጀጋኑኣ ሐሊፎም ኤርትራና‘‘ብ91 ነጻ ምስ ወጸት ሃገር‘‘ኣብ ኢድ ኢሰያስን ጉጅሉኡን‘‘ምስ ወደቀት ዓዲ‘‘ካብ 91,ክሳብ ሎሚ‘‘ብውግእ ወረ ውግእ‘‘ ን29 ዓመት‘‘ሐርነት ከስተማቕሩ ዘይተዓደሉ ወለዲ።

ኢሰያስ ንጥፍኣት ህዝብና ይምነይ

ብስኒት ክንዲ ንብል ኣለኹ ንሪመይ

ዘረባ ጥራይ ዶ ኮና ተሪፍና ሐቀይ‘‘

ኣብ ሜዳ‘‘ጸረ ገድሊ እዮም እንዳበሉና‘‘ሽግርና ብዘተ ክንፈትሖ‘‘እንዳ ተቓለስና‘‘በትማን ሳሕል ተገሪህና‘‘ውጺዒት ዕሽናትና ድማ‘‘ብውዲት ዓደቦና ሐዲግና ተሰዲድና‘‘ዘይስንኻ ሑጻ ቆርጥመሉ‘‘ንሑሉፍ ታሪኻና‘‘ስለ ዘይተማሃርናሉ‘‘ ኣራኣእያና ተማቓቒሉ‘‘ንህግደፍ ማዕጾና ጋህ ኣቢልናሉ ባይታና እንሆ ይዕንድረሉ‘‘

ነዚ ህዝቢ ነድሕኖ ዶ ግዜና ኣብ ተብህለ ነሕልፎ,ተቃወምቲ ኢና እንዳበልና‘‘ክሳብ ዘጽንቶ ንግደፎ‘‘ኢደይ ኢድካ ኢልና ክንዲ ነጽድፎ‘‘ከም ነፋሒቶ‘‘ሕብሪ ምልዋጣል ንግደፎ።

ዕጡቕ ሰራዊት ዕርዲ ስለያ ምሰበረ

ሐሪኑ ንህዝቢ ካብ ህግደፍ ሐራ ምገበረ

ንማፍያዊ ጉጅለ ኣብ ቀይዲ ምእተወ እንበረ

ተቐባሊ ሕድሪ ዶ ምስ ዕጥቁ ዶብ ምሰገረ‘‘

ህዝብና ክረክብ ፍታሕ‘‘ሰኣን ኣብ ቋሐይቶ ደይብካ ኳሕ‘‘ ኣብ ማይ ኣድከሞም ዓሪድካ ምጽናሕ‘‘ኣብ ላልምባ ወጺኻ‘‘ ኣለና ምባል‘‘ኣብ ሳሕል‘‘ዓሪድካ ምክልኻል‘‘ኣብ ሰራየ ዓሪድካ ቱታ‘‘ኣብ ባርካ ምምካት ኣብ ባይታ‘‘ብሰማይን ብምድርን‘‘ ሃገርና ብማፍያዊ ጉጅለ ህግደፍ ሃውቲታ‘‘

ህዝቢ ኤርትራ ኣይግዛእን ስለ ዝበለ

ተቃሊሱ ካብ መግዛእቲ ከምዘይ ተጋላደለ

ተንቤናይ ዳግማይ ብበዓል በቀለ

ብኢትዮጵያዊያን የርግጸና እነሆለ‘‘

ዋላ ሐደ ሐሞት

ዘለዎ ዘይብሎም ጀንራላት

ሃገራዊ ምክልኻል ሐይልታት

ኣይናትኩምን ዩ እዚ ኲናት

ንህዝብና ክተጋላግልዎ ካብ ጸልማት

ኣብ ቀይዲ የእትዉዎም ጉጅለ ከዳዓት‘‘

ዕላማ ኢሰያስ ጽሩይ ከም ማይ ንግሆ‚‘‘ንጸላኢ ህዝብና ኣንጊህና ክንዲ ንብድሆ‘‘በበይናን ክንብል ጸኒሓና ሆሆ‘‘ሕጂ ድማ መስደምም እነሆ‘‘ገለና ቲፎዞ ደብረጽዮን‘‘ገለና ቲፎዞ ኢሰያስን ኣቢይን‘‘እዚ ውግእ‘‘ንባሕርታት ዝቋመተ‘‘ውግእ ሰለስተ ጎራሐት እዩሞ‘‘ሱር ነቀል ለውጢ ብግብሪ‘‘ ብኤርትራውያን እዩ ዝመጽእ‘‘ማፍያዊ ጉጅለ ህግደፍ ኣኮነን ነባሪ‘‘ብሐገዝ ኣምላኽ ረቢ‘‘ክወግሕ ዩ ምድሪ።

መኒኻ ታ ጸማም ህዝቢ ኢልካ ትዝልፍ ዘለኻ(ልሳን ህዝቢ ተመሲልካ‘‘ብሐገዝ ህዝቢ‘‘መድያ ወኒንካ‘‘ብኣብ ትሕቲ ኣፈሙዝ ህግደፍ ዘሎ‘‘ህዝቢ ምውርዛይካ)ካብ በዓል ጣፍስ‘‘ በዓል ኣፍ)ኣበየናይ እባ ወጺኻ‘‘ጸረ ጃንዳ ህግደፍ ዓሪድካ‘‘ ህዝቢ ምስዓብ‘‘ምስ ኣበየካ‘‘ስዕረት መክልኻ ሐይልታት ኤርትራ ትመነ ዘለኻ‘‘ኣነስ ቀደም ፈሊጠካ‘‘ሕጂሞ ህዝቢ ኪዒቡካ‘‘መንዩ ንሱ ወናኒ ኣሰና‘‘ኣማኒኤል ኢያሱ።

ናይቶም ተዳናገጽቲስ ቀሲልና ነርክበሉ‘‘ሰለተ ኣትማን ዕላምኦም ሃሪሞም ምስ ተዓረቑ ኽ‘‘እንታይ ኢኹም ክትብሉ‘‘ኣነሞ ብ100 ከም ንዕወት ኣሚነ‘‘ሱር ነቀ ለውጢ ብኤርትራዊያን እዩ ዝምነ።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ‘‘ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና,ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን‘‘ ካብ ሰናይ ግርብትና ዝምነ‘‘ኣባል ተ,ሐ,ኤ,በርሀ ዑቅባዝጊ ካብ ሃገር ጀርመን።