Written by: ደሞክራስዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ

DFfEUˆኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ከም ህዝቢ ኣተሃላልዋና ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኣለና ዝብል ቃል ብልክዕ ኣይገልጾን ኣብ ሕማቕ ኣለና ዝብል ቃል ይንእሶ’ዩ። ከም ህዝቢ ዝጠምረና ዝነበረ ክብርታት ተሰባቢሩ፡ ኣተሓሳስባና ተዘሪጉ፡ ካበይ፣ ናበይ፣ ብኸመይ ንኸይድ መኣዝና ኣብ ዘጥፋእናሉ ኩነታት ስለ ንርከብ፡ ከም ህዝብን ሃገርን ናብ ባህሪያዊ ቦታና ንምምላስ ወይ ድማ፡ ተበታቲና ክብሪ ኣልቦ ሃገር ኣቦ ናይ ምዃን ኣብ ወሳን ኣሰካፍን ፖለቲካዊ ኩነታት ኣለና ዝብል ሚዛን’ዩ ዝምጥኖን ዝገልጾን። ምኽንያቱ ኣይንላዕሊ ኣይንታሕቲ፡ ኣይሓላፍነት ዝስመዖ ሕጋዊ መንግስቲ፡ ኣይብሓሳብን ብተግባርን ብህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ዝተርነዐ ተጽዕኖ ፈጣሪ ተቓዋሚ ፖለቲካዊ ውድብ፡ ኣብ ኣዝዩ መዋጥር ከም ዘለና ምርዳእ ካብ’ዚ ንምውጻእ፡ ብንቕሓት ብሕራነ ብስሙር ቅልጽም ብጽንዓትን ተወፋይነትን ንረባረበሉ ባይታ ምፍጣርን የድሊ።

እዚ ም ህዝብን ሃገርን መቖሚያታትና ሰባቢሩ ኣብ ኣሰካፊ ኩነታት ኣውዲቑና ዝርከብ እንኮ-ሰባዊ መንግስታዊ ጉጅለ፡ ሎሚ ብኣጋጣሚ ወይ ብሃንደበት ካብ ሰማይ ዝነጠበ፡ ወይ’ውን ከም ፍልሖ ካብ መሬት ዝወ ኣይኮነን። ቅድሚ ኢደ-ወነናዊ ሃገራዊ መንግስታዊ ስልጣን ምሓዙ፡ ደርባዊ ባህሪኡ፡ ማሕበራዊ መሰረቱ፡ እንታይ ዓይነት መንግስቲ ክተክል ከም ዝኽእል፡ ብደርባዊ ፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠታዊ ገምጋም ዝተበጽሐን ዝተነጸረን’ዩ ነይሩ። እዚ ስነ-ፍልጠታዊ ደርባዊ ፖለቲካዊ ሚዛን’ዚ፡ ብወድዓዊ ተጽዕኖን ባዕላዊ ድኽመትን ኣብ መድረኹ ከም’ቲ ዝድለ ኣብ ኣእምሮ ብዙሓት ክበጽሕን ክሰርጽን ኣይተኻእለን።

እቲ ወትሩ ንኾርዓሉ ኣብ ዓውደ ውግኣት ዝተመዝገበ ሃገራዊ ጀግንነታዊ ቅያ፡ ብህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ፡ ህዝባዊ ክብርን ህዝባዊ ልኡላውነትን ዝሰረቱ ስትራተጂን ስልትን ተቓኒዩ ይኸይድ ኣይነበረን። ናይዚ ድሕረ-ባይታ ካኣ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝብታት ኤርትራ ብዝተነጸረ ፕሮግራምን ስትራተጂን ስልትን መሪሕነትን ክብግስ ዘይምኽኣሉ፡ ብከበድቲ ውሽጣዊ ግርጭታት ንድሕሪት ክጉተት ኮይኑ እዩ፡፡ ከም ውጽኢት ናይዚ ካኣ ነቲ ሰውራ ክመርሖን ብህዝባውን ስነ-ፍልጠታውን ኣገባብ ክገርሖን ዝነበሮ ፖለቲካ፡ ብወተሃደርን ወተሃደርነትን ስልታዊ ኣተሓሳስባ ዝተገዝአ ስለ ዝነበረ፡ እዚ ሎሚ ንርከበሉ ኩለንተናዊ ውድቀት ካብኡ’ዩ ዝብገስ። ኣተሓሳስባና ኣብ ጽኑዕ ፍትሓውን ደሞክራስያውን መትከል ከይረግጽ ክዝረግ፣ ከም ህዝቢ ኣዕኑድ ክብርታትና ክሰባበር፣ መሰረታዊ ነገር ገዲፍና ኣብ ዘይመሰረታዊ ጉዳይ ክንህውትት፣ ኣብ ክንዲ ሎሚ ኣወንታዊ ታሪኽ ንሰርሕ፡ ትማሊ ኣብ ዝተሰርሐ ሓርበኝነት ነብርና ገበርና እናተባህለ ወርቃዊ ግዜና ከነቃጽል ዝገብር ዘሎ፡ ብወሳኒ መልክዑ እዚ ናይ ሎሚ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ኣቐዲሙ ብውጥን ብዝተወደበ ኣገባብ ናይ ዝሰርሖ ዝተዛበዐ ፖለቲካዊ ባይታ ውጽኢት’ዩ።

ኣብ ኣሰካፊ ኩነታት ምስ ወደቕና ኣብ ደምበ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንሰምዖ ዘለና፡ ንጹር ፖለቲካዊ መርሆ ዘይብሉ ብግዝያዊ ስምዒት ሸባዕባዕ ኢሉ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ዝቕህም ኣረኣእያን ምንቅስቓሳትን ብርግጽ ሱር መሰረቱ ኣንጊሁ ናይ ዝተበላሸወ ፖለቲካ ነጸብራቕ’ዩ። ናይ ውልቀ ሰባት ዘርኣዊ መበቆል እናቖጸርካ እከለ ዘይዘርእና ስለ ዝኾነ’ዩ ዝብድለና ዘሎ። ጸላእትና ኢሳያስን ንዕኡ ዝመስሉ ውልቀ ሰባትን’ዮም። ህግደፍ ከም ውድብ ኮነ መንግስቲ ኤርትራ ከም መንግስቲ ክዕረዩ ደኣምበር ክፈርሱ የብሎምን። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን ንሃገራዊ ልኡላውነት ዝከላኸሉ ዘለው ትካላት ስለ ዝኾኑ ክድገፉ ከተባብዑ ደኣምበር ክህረሙን ክፈርሱን የብሎምን። ሰንደቕ ዕላማ ህግደፍ ዓለም ዝተቐበላ ሕጋዊት ሃገራዊት ሰንደቕ ዕላማ እያ።

ጠንቂ ናይ’ዚ ንርከበሉ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ውድቀት ዘቤታዊ ዘይኮነ ግዳማዊ’ዩ። ኣነ ከም መንእሰይ ብናይ መንእሰይ ስነ-ሓሳብ’የ ዝምራሕ። ኣነ ህዝቢ’የ። ነባራት ፖለቲካዊ ውድባት ክሕወስኑና የብሎምን። ህዝቢ ብዘይ ውድብ ንመሰሉ ክቃለስ ኣለዎ። ብሃገር ደረጃ ፍትሒ ንምንጋስ ውድብ’ዶ ፖለቲካ’ዶ ዝበሃል ኣይድልየናን። ኣነ ደላዪ ፍትሒ ‘ምበር ተቓዋሚ ኣይኮንኩን። ካብ ውድብ ህዝቢ ይዓቢ ...ወዘተ ዝብል ልክዑ ዘይፈልጥ፡ ፈታውን ጸላእን ዘይፈሊ፡ ቅጥዒ ዘይብሉ፡ በሰላልፋ ሓይልታት እዚ ምስ’ዚ፡ ኢልካ ክትሰርዖ ዘጸግም ኣጋጢሙና ዘሎ ድብልቕልቕ ዝበለ መርሆ ኣልቦ ፖለቲካዊ ዝርገተ ሓሳብ፡ ሎሚ ብገለ ህቦቡላዊ ንፋስ ዝመጸ ዘይኮነስ፡ ትማሊ ብውድብን ብመደብን ዝተዘርአ ኣዕናዊ ኣተሓሳስባ’ዩ።

ስለዚ ፖለቲካውን ቁጠባውን መትንታት ሃገር ተቖጻጺሩ፡ ኣብ ልዕሊ ቀጻልነት ህዝብን ሃገርን ብዝተወደበን ዝተጸንዐን ኣገባብ ገበን ዝፍጽም ሓይሊ፡ ብዘይ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ዝወነነ መሪሕ ፖለቲካዊ ውድብ ክሰዓር ኣይሓሰብን እዩ። ህዝቢ ዘልዕሎ ምረት ዝተሓወሶ ናይ መሰል ናይ ደሞክራስያዊ ሕቶ ክንዲ ዝኾነ ቅኑዕን ቅቡልን ይኹን፡ ከምኡ’ውን ንቃልስን ለውጥን ዘለዎ ቅርቡነት ሰማይ ይዕረግን ይብሰልን ብዘይ ንጹር ህዝባዊ ዕላማ ዝወነነ፡ ህዝቢ ኣንቂሑን ወዲቡን ኣብዙርያኡ ኣዕሲሉ ተቓሊሱ ዘቃልስ መሪሕ ፖለቲካዊ ውድብ ክዕወት ምጽባይ ብውሕዱ ፖለቲካዊ ለዋህነት’ዩ።

ዘይከም ሎሚ ከም’ቲ ቀደም ክቡር ባህልና፡ ካብ ሓደ ሰብ ወይ ስድራ ቤት ዓቕሚ ሓይሊ ሰብ ንላዕሊ ንዝጠለብ ጉዳይ፡ ባሓባር’ዩ ዝወፍረሉ ነይሩ። ንኣብነት፡ ዓጺድ፣ መኼዳ፣ ምህዳም ገዛ፣ መርዓ፣ ሞትን ተስካርን... ወዘተ ብተሳተፎን ምትሕብባርን ብዙሓት’ዩ ዝዕመም ነይሩ። እቶም ብዙሓት ተሳተፍቲ ከኣ በብዝመጽእዎን ብቃሕ ዝበሎምን ኣይኮኑን ዝዋፈሩ። መምርሕን መራሒ ስራሕን ኣለዎም። በቲ መምርሕን መራሒ ስራሕን ተማእኪሎም’ዮም ዝሰርሑ። ኣብ ዘመናዊ ቤት-ዕዮ ዝቑጸሩ ርሂጸ በላዓት /ሸቃሎ/ እቲ ትካል ውጽኢታዊ መታን ክኸውን በዘፈቀደ ዘይኮነ፡ በቲ ትካል ዝተዳለወ መምርሒ፡ ዝተመደቡ ኣካየድቲ ስራሕን ስነ-ስርዓትን ፈሊጦም፡ ኣኽቢሮምን ክሰርሑ ግዱዳት’ዮም። መን እንታይ ክእለቱ፡ ኣበየናይ ክፍሊ ክምደብ ከም ዘለዎ፡ ደረጃ ሓላፍነቱ ተሓታትነቱ ኣብ ወረቐት ብዝሰፈረ ንጹር መምርሕን ንዕኡ ዝገዝእ ስነ-ምግባርን ስጡም ውደባን ኣለዎ።

እታ መሰረት ሃገር ዝኾነት ስድራ-ቤት’ኳ ናይ ገዛእ ርእሰ ውደባ ኣለዋ። መራሕን ተመራሕን ኣለዋ። ዓለም ብክፍሊ ዓለማት ዝተወደበት’ያ። ክፍለ ዓለማት ብንኡሳን ዞባታት ዝተወደባ’የን። ሃገራት ብኣውራጃታት (ዞባታት) ዝተወደባ’የን.. ወዘተ። ስለዚ ኣብ ዝኾነ ንብዙሓት ዝምልከት ዛዕባ /ቃልሲ/ መራሕን ገራሕን ብዘይብሉ ብድሌትካ ሆ ኢልካ ዝዕወት ነገር የለን። ብፍላይ ከኣ ኣብ ከም’ዚ ንሕና ነካይዶ ዘለና፡ ኣብ ሕብረ ብሄራዊት ሃገር ኣንጻር ዘቤታዊ ጸላኢ ዝግበር ቃልሲ ኣድላይነት ውድብን ውደባን ፈጺሙ ኣብ ምልክት ሕቶ ዝኣቱ ኣይኮነን።

ህዝባዊ ወጽዓ ኣብ ውልቀታት ዝርከብ ፍልጠት፡ ጉልበት፡ ክእለት፡ ገንዘብ ብግቡእ ወዲብካ ብተካይዶ ቃልሲ’ዩ ዝቕንጠጥ። ዘይተወደበ ሓፋሽ ኣየስምዕን ኣየድምዕን። ዝነቕሐን ዝተወደበን ሓፋሽ ግን ነገራዊ ሓይሊ’ዩ። ውድቀት ዘቤታዊ ጸላኢ ህግደፍን ደሊኻ፡ ፖለቲካዊ ውድብን ጸሊእካ ዓወት ኣይርከብን እዩ። ከም’ቲ “ሰብኣይን ደሊኽን ጭሕምን ጸሊእክን” ዝበሃል ምስላዩ ነገሩ። ኣነ ደላዪ ፍትሒ’የ ናይ ዝኾነ ፖለቲካዊ ውድብ ኣባል ግን ኣይኮንኩን። ፖለቲካዊ ውድብ ኣየድልየናን። ኣብ ሓጺር ግዜ ህዝባዊ ማዕበል ፈጢርና ፖለቲካዊ ለውጢ ከነምጽእ ዓቕሚ ኣለና። እዞም ውድባት ኢና ዝብሉ ዘለው ካብ ውድብ ህዝቢ ከም ዝዓቢ ተረዲኦም፡ ንህዝቢ ክመስሉ ኣለዎም። ውድበይ ውድብካ መዋጠጥን መዳኸሚ ቃልስን ‘ምበር ኣየዕውትን። ንሱ’ዩ ዕድመ ህግደፍ ዘናውሕ ዘሎ ዝብል ጎስጓስ ብፍላይ ኣብ ማሕበራዊ ሜዲያ ብሰፊሑ ክቃላሕ ንሰምዕ ኣለና። እዚ ግን ናይ ምዕንቃፍ ‘ምበር ፖለቲካዊ ብስለትን ዘተግብር ጉልበትን ዘለዎ ኣይኮነን። ብተዘዋዋሪ መንገዲ ወድዓዊ ተሓባባሪ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ‘ዩ።

ካብ ፖለቲካዊ ውድብ ህዝቢ ይዓቢ ዝብል መጎት መልሱ እወ’ዩ። ፈጺሙ ኣየከራኽርን። ውድብ ካብ ወጽዓ ህዝቢ ዝብገስ ጸገም ህዝቢ ንምፍታሕ ዘገልግል መሳርሒ ምዃኑ ግን ክስገር የብሉን። ሓቀኛ ፖለቲካዊ ውድብ ዕላማኡ ካብ ህዝቢ ንህዝቢ’ዩ። ኩሉ ኣገልግሎቱ ንኽብረትን ረብሓን ህዝቢ‘ምበር ንናይገዛእ ርእሱ ጉጅላዊ ረብሓን ዝናን ኣይኮነን። ነዚ ስነ-ፍልጠታዊ ሓቂ’ዚ ሰጊርካ ካብ ፖለቲካዊ ውድብ ህዝቢ ስለ ዝዓቢ ህልዊ ጸገምና ብዘይ ውድብ ብማዕበላዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ክንፈትሕ ኢና። ፖለቲካዊ ውድብ ዝበሃል ኣይሃሉ ማለት ግን ኣብ ፖለቲካ ዓለም ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ግጉይ መጎት’ዩ።

እቲ ካብ ውድብ ህዝቢ ይዓቢ ዝብል ርእይቶ ብገለ ሸነኹ ካብ ጸቢብ ውድባዊ ሓጹር ወጺኡ፡ ኣብ ክንዲ ብተናጸል ብሓባር ከስረሐኩም ኣብ ዝኽእል ግንባራት ተጠራኒፍኩም ገለ ግበሩ። ጸላእን ፈታውን ኣነጺርኩም ኣንጻር ሓባራዊ ጸላኢ ደው በሉ። ህዝቢ ይብተን ስድራ ቤታት ይጸንታ፡ መሬታዊ ልኡላውነት ኣብ ሓደጋ ይወድቕ ስለ ዘሎ፡ ካብ’ዚ ኣሰካፊ ድነ’ዚ ዘውጽእ ንህዝቢ ተስፋ ዘስንቕ ተግባር ስርሑ ዘስምዕ ኣሻማዊ መልእኽቲ ዘለዎ ዝመስል’ዩ።

ይኹን ግን ዋላ’ዚ ዘይንጹር ግን ለዋህ ዝመስል ተረድኦ’ዚ ነቲ ዕንቅፋት ዓወትን ለውጥን ዝኾነ ዝባኑ ዝቐልዐ እተዛበዐ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ዝቕይሮ ኣይኮነን። መሰረታዊ ጠንቂ ናይ’ቲ ልኡላውነት ህዝብን ሃገርን ሃሪሙ ናብ ዘይህላወ ዝደፍእ ዘሎ ጸረ-ህዝቢ ባህርን ግጉይ ፖሊስን ብግቡእ ዝተረደአ፡ ተቓሊስካ ጥራሕ ከም ዝፍታሕ ዝኣምን ውልቀ ሰብ፡ ጉጅለ፡ ምንቅስቓስ ኣብ ኣድላይነት ንጹር ህዝባዊ ዕላማ ሒዙ ዝነጥፍ ፖለቲካዊ ውድብ ዝተዛበዐ ኣረኣእያ ክህልዎ ኣይግባእን። ስለምንታይ’ሲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ዜጋታትን ህዝብታትን ዝጥቀመሉ ዘሎ ኢ-ሰብኣዊ ባርባራዊ ምሕደራ፡ ከም’ቲ ገለ ብፖለቲካዊ ድሕረት ዝተላዕጠጡ ወገናት ዝገልጽዎ ድሌትን ተግባርን ናይ ሓደ ሰብ ኣይኮነን። ድሌትን ተግባርን ዝተወደበ ዘቤታዊ መንግስታዊ ናይ ጥፍኣት ጉጅለ’ዩ። እዚ ድማ ንህዝቢ ብግዝያዊ ስምዒት ኣረሳሲንካ ብዝፍጠር ኣንፈቱ ዘይፍለጥ ማዕበላዊ ምንቅስቓስ ዘይኮነስ፡ ዕላምኡ፡ መምርሒኡን መራሒኡን ብዝተነጸረ ፖለቲካዊ ውድብ’ዩ ክግጠምን ክስገርን ዘለዎ።

ብፖለቲካዊ ውድብ ዘይምራሕ ማዕበላዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ነቲ ብዝተናወሐ መደብ ክረጋገጽ ዝተታሕዘ ስትራተጂካዊ ዕላማ ንምስኻዕ ዝሕግዝ መባእታዊ ባይታ ናይ ፕሮፖጋንዳን ምልዕዓልን ድርኺት’ዩ ዘለዎ። ዝኾነ ዘይተወደበ ህዝባዊ ቁጠዐ ህዝባዊ ምልዕዓል ፈጺሙ መተካእታ ፖለቲካዊ ውድብ ክኸውን ኣይክእልን። ስለዚ እንኮ-መንድሓኒት ህዝባዊ ወጽዓ ብሓሳብን ተግባርን ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ዕላማ ዝወነነ ፖለቲካዊ ውድብ ምዃኑ ምርዳእን ምቕባልን ኣማራጺ ኣልቦ ስልቲ ከም ዝ ኾነ ክፍለጥ ይግባእ።

ኣብ ፖለቲካዊ ውድባት ዘይንጹር መረገጻት እንተሃልዩ፡ ንእሽቶ ሰሪሕካ ብዙሕ ምዝራብ ድኹም ባህሊ ስራሕ እንተሃልዩ፡ ቅድሚ ዝኣገረ ናብ ስልጣን ምቅድዳም እንተሃልዩ፡ ኮታ ሓሳብን ተግባርን ኣጠዓዒሞም ኣብ ምኻድ ጸገም ከም ዘለዎም ጭቡጥ እንተኾይኑ፡ ብእሩም ሓላፍነታዊ ኣገባብ ብግልጽን ብመርተዖን ምርዳእ፡ ምእራም፡ ምንቃፍ በዚ እንተዘይተኣሪሙ ሓላፍንታዊ ናይ ቃልስን ሓድነትን ሕግን ስርዓትን ተኸቲልካ ብኣማራጺ ሓሳብ ካብ ህዝቢ ክንጸል ምግባር’ዩ ተመራጺ ናይ ቃልሲ መንገዲ። ህዝባዊ ወጽዓ ኣሎ ግን ህዝባዊ ማዕበል‘ምበር ፖለቲካዊ ውድብ ኣይድልየናን ምባል ግን ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ፡ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ጌጋ’ዩ። ህዝቢ ካብ ተጻዒንዎ ዘሎ ዘቤታዊ መግዛእቲ ክገላገል፡ ቁጠዐኡን ድልውነቱ ንለውጥን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ብፕሮግራም ብዕላማ ዝውክሎ፡ ብግዝያዊ ስምዒት መንገዲ ዓወት ከይስሕት፡ መዋጽኦ ጠፊእዎ ተስፋ ቆሪጹ ዓወንወን ከይብል ብሓሳብ ቅድሚት ተሰሊፉ ዘቃልሶን ዝመርሖን ውድብ የድልዮ።

ነዚ ሓቂ’ዚ ዕሽሽ ኢልካ፡ ካብ ውድብ ህዝቢ ስለ ዝዓቢ ደድሕሪ ብግቡእ ዘይተወደበ ማዕበላዊ ስምዒት ህዝቢ ንኺድ ማለት ግን፡ ከውሊ ዘይብሉ መግለጺ ርኡይ ፖለቲካዊ ዝርገት’ዩ። ወነንቲ’ዚ ዝተደዋወሰ ኣዕናዊ ፖለቲካዊ ድኽነት’ዚ ደጋጊሞም ክሓስብሉን ክእርምዎን ዘለዎም ጉዳይ፡ ካብ ፖለቲካዊ ውድብ ወጻኢ ዝካየድ ህዝባዊ ማዕበል ይስለጥ ኣይስለጥ ዕማሙ ሓንቲ ህጁም’ያ። ነቲ ክህረም ዝድለ ዘሎ ሓይሊ ክቆጻጸሮ እንዘይክኢሉ እንተፈሺሉ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ህዝባዊ ቃልሲ ዝገድፎ ስምብራት ከቢድ’ዩ። ኣጋጣሚ ኮይኑ ክቆጻጸሮ እንተኽኢሉ ድማ ካበይ ተበጊሱ ናበይ ክኸይድ ከም ዘለዎ ኣቐዲሙ ዝተቐርጸ ስትራተጂካዊ ኣንፈትን ንዕኡ ዝመርሕን ዘተግብርን ዝተወደበ ፖለቲካዊ ሓይሊ ስለ ዘይብሉ፡ ዝጨበጦ ዓወት ካብ ኢዱ ከምልጥ ስቕ ኢሉ ካብ ምርኣይ ካልእ ዕድል የብሉን። ኣብ ኢትዮጵያ ደርግ ንስርዓት ሃይለስላሰ ክግልብጥ እንከሎ፡ ብወሳኒ መልክዑ ኣብ ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃ ብ2011 ዝተራእየ ህዝባዊ ማዕበልን ዘጋጠሞ ፍሽለትን ድሕሪት ተመሊስካ ምዝካር ሓጋዚ’ዩ። ስለዚ ካብ ውድብ ህዝቢ ይዓቢ ሓቂ። ህዝባዊ ወጽዓ ብዘይ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያን ዝወነነ ፖለቲካዊ ውድብ ዘይፍታሕ ምዃኑ ምርዳእ ከኣ ካልእ ዘይስገር ሓቂ’ዩ።

ፖለቲካውን ፕሮፖጋንዳውን ቤት-ጽሕፈት፡

ደሞክራስዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/

                 27/06/2020