Written by: ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ(ሰደግኤ)

Eritrean Revolutinary Democratic Front ኩነታት ሃገርና፡ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ፡ ኣዝዩ እናተሓላለኸ፡ ተኣፋፊ እናኾነ ይኸይድ ኣሎ። ሎሚ፡ ከም ቅድሚ ትማሊ፡ ወይ ድማ ከም ትማሊ ኣይኮነን። ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ርእሰ-ፋሽስት ኢሳያስን ጉጅልኡን ካብ ትወድቕ፡ ካብ ትጽቢት ህዝብታትና ወጻኢ፡ በቶም ቀንዲ ዓቕምታት ሰብኣውን ማሕበረ ቁጠባዊ መዳይ ጥራሕ ኣይኮነትን እናዓነወት ትኸይድ ዘላ። ናጽነታን ልዑላውነታን ብጠቕላልኡ ኣብ ሕቶ ይኣቱ ኣሎ። ን27 ዓመታት ብዘይ ሃገራዊ ቅዋም፡ ህዝብታትና ከይመረጹዎ ክገዝእ ዝወሰነ ርእሰ-ፋሽስት ኢሳያስ፡ ኣይፋል፤ ዘይንቡር ትፍጽም ኣሎኻ ዝብሎ ህዝቢ ከይረክብ፡ ዝተፈላለዩ ስልቲታት እናሓንጸጸ፡ ኩሉ ዓይነት ኣደራዕ ተሸኪሞም፡ ቀልቦም ናብ ግዳም ክጥምቱ ከገድዶም ጸኒሑ። ስለዝኾነ'ውን፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣቢሉ፡ ብዛዕባ ምትካል ቅዋማዊ ስርዓት፣ መረጻ፣ ምስፋን ዲሞክራሲ፣ ምርግጋጽ ማሕበረ-ቁጠባዊ ምዕባለ ሕቶታት ከልዕሉ ከም ወንጀል ይቑጸር ጸኒሑ። ዜጋታት ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ፡ ካብ ገዝኦም ብክሳዶም እናተወጠጡ፡ ኣብ ጎዳጉድን ኮንተይነራትን ተዳጒኖም ክበልዩ እናገበረ እንከሎ፡ ናይ ፍትሒ ሕቶ ምልዓል፡ ዘይሕሰብ ነይሩ። ብወንጀል እንተ ተጠርጢሮም ጠበቓ ተመዲቡሎም፡ ኣብ ቤት-ፍርዲ ቀሪቦም ብናጽነት ክሟጎቱ ማለት ሕልሚ ኮይኑ ጸኒሑ። ኤርትራውያን፡ ኣብ ገዛእ ዓዶም፡ ሰብኣዊ መሰላቶም ተኸቢሩሎም፡ ብሰላም ከይነብሩ፡ ካብ ዝፈትዉዋ ሃገሮም ብሓይሊ እናተደፍኡ ናብ ስደት ክውሕዙ ተገዲዶም፤ ኣብ ጉዕዞ-ስደት፡ ኣብ ምድረ-በዳታትን ባሕርን ዝተቐዘፉ ወገናትና፡ ኣብ'ታ ዕትብቶም ዝተቐብረትላ መሬት ዓዶም ንቡር ሓመድ ድበ ዝለብሱሉ ዕድል ተነፊጉዎም ጸኒሑ። ስለዝኾነ'ውን ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘሩ ሕቶታት እናልዓልና ፍታሕ ክረኽቡ፡ ን10ተታት ዓመታት፡ ብዓውታ ክነእውን ክንቃለሰሎም ጸኒሕና ኢና። እዞም ናይ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ሕቶታት'ዚኦም፡ ኣብ እነልዕለሉ እዋናት፡ ናጽነትን ልዑላውነትን ሃገርና ኣብ ኢድና ምህላዉ ብምትእምማን ነበረ። ይኹን'ምበር፡ ሕቶታት ህዝብታትና፡ ብሓደ ወገን ብዓመጽ እናተጨፍለቑ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ፡ ብምድንጋርን ዘይትግበሩ መብጻዓታት ብምሃብን እናተሰጋገሩ ዝመጹ እዮም። ክሳብ ሎሚ ድማ፡ ዝኾነ ይኹን ፍታሕ ኣይረኸቡን። ኣብ'ዚ እዋን'ዚ ድማ፡ ፖሎቲካዊ ኩነታት ሃገርና ብርእዮ እናተቐያየረ መጺኡ ኣሎ፤ ካብ ጽባሕ ምሕራር ሃገርና ንደሓር፡ ዳግም ክቕልቀሉ እዮም ኢልና ዘይገመትናዮም ሓደጋታት፡ ይረኣዩ ኣሎዉ። ሎሚ፡ እቶም መልሲ ዘይረኸብናሎም ነባራት ሕቶታት ጥራሕ ዘይኮኑስ፡ ከም ህዝብን ሃገርን ንህልውናናን ቀጻልነትናን ዝፈታተኑ ሓደጋታት፡ ሰላሕ እናበሉ ይምዕብሉ ኣሎዉ። ናጽነትን ልዑላውነትን ሃገርና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ክቐርቡ ንርእዮም ኣሎና። ስለዚ ኣብ'ዚ እዋን'ዚ ኩነታት ህዝብታትናን ሃገርናን ኣብ ኣዝዩ ፍሉይ ኩነታት ምህላዉ፡ ካብ ቅድሚ ዓይንና ዝተሰወረ ኣይኮነን።

ካብ 20 ሰነ 2018 ማዓልቲ ሰማእታት ጀሚሩ፡ ርእሰ ፋሽስት ኢሳያስ፡ ኣብ ውሽጡ ዝሓብኦም ጥሙሓት፡ ናብ ቅርዓት እናወጹ መጺኦም። ብዶብ ኣማኻንዩ ኣብ ዝወለዖ ወራር፡ ዝወረዶ ከቢድ ስዕረት፡ ኣብ ዓዲ ሃሎ ዓስኪሩ፡ ዳግም ሂወት ዝሰርዓሉ ስልቲ ክፍሕስ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ምርግጋእ ክዘርግ ጸኒሑ። ብሰንኪ'ዚ፡ ብብይን ማዕቀብ ኣብ ከቢድ ዲፕሎማስያዊ ተነጽሎነት ወዲቑ ነይሩ፤ ብገበን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተኸሲሱ፡ ናይ ኢዱ ዝረኽበሉ ኩነታት ንምፍጣር ዕቱብ ጻዕርታት ይካየድ ነበረ። ካብ ጽባሕ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ጀሚሩ ግን፡ ሓመዱ ነጊፉ ዳግም ናብ መድረኽ ተቐልቂሉ። ውሽጣዊ ጉዳይ ሃገርናን ሕቶታት ህዝብታትናን ንጎድኒ ጎስዩ፡ ብዛዕባ ዞባዊ ምትእስሳርን ምዕባለን ኣፉ ከፊቱ ክዋጢ እናተዓዘብናዮ መጺና። ነታ ረኺበያ ዝብላ ዕድል፡ ንሓንሳብን ንመወዳእታን ክጥቀመላ፡ ክጓየ ንርእዮ ኣሎና። እዚ ጥሙሕ'ዚ ድማ፡ ንልዑላውነትን ናጽነትን ሃገርና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ ይኸውን ብምህላው፡ ኣሉታዊ ሳዕቤኑ ፉሉይ ይገብሮ። ስለዚ ሎሚ፡ ናይ ሃገርናን ህዝብታትናን ልዑላዊ ክብርን ናጽነትን ናይ ምዕቃብ ሕቶ፡ ህጹጽ ፍታሕ ዝጠልብ ኮይኑ ኣሎ። ሎሚ፡ ነዛ ብኸቢድ መስዋእትን ስንክልናን ጀጋኑና ብሓደ መዳይ፡ ብሰፍ ዘይብል ዕንወት ንብረትን ጥሪትን ህዝብታትና ድማ በቲ ካልእ መዳይ፡ ዋንነታ ኣብ ኢድና ዝኣተወት ሃገር፡ ብሰላሕታ ክምንጥሉና፡ ዝኣልሙዎም ዘለዉ ሸርሕታት፡ ንከታተሎ ኣሎና።

ናጽነትናን ልዑላውነትናን፡ ብርእሰ ፋሽስት ኢሳያስን ጉጅልኡን፡ ኣብ ሕቶ ክኣቱ ምስ ተራእየ፡ ደለይቲ ለውጢ ህዝብታትና፡ 'ደጊም ይኣክል' ዝብል ሃገራዊ ጭርሖ ተሓንጊጦም፡ ንሃገራት ምዕራብ፡ ከዕለቕልቑዎ ካብ ዝጅምሩ፡ እነሆ ልዕሊ ክልተ ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። ውሽጣዊ ውደበኦም ንምጥንኻር ዘካይዱዎ ዘለዉ ጻዕሪ ድማ፡ ይቕጽል ኣሎ። ይኹን'ምበር፡ ኣብ ሞንጎ ፖሎቲካዊ ሓይልታትን ናይ ህዝብታትና ናይ ይኣክል ምንቅስቓስን፡ ክሳብ ሎሚ ተዋሃሂዶም ዝቃለሰሉ ባይታ ኣይተፈጠረን። ርእሰ ፋሽስት ኢሳያስን ጉጅልኡን ድማ፡ ብውሽጥን ብደገን ተዋዲዶም፡ ንናይ ይኣክል ምንቅስቓስ፡ ምስ ፖሎቲካዊ ውድባት ኤርትራ ስጡም ናይ ቃልሲ ዝምድና ከይፈጥርን፡ ውሽጣዊ ሓድነቱ ንምዝራግን፡ ናይ ሞትን ሕየትን ቃልሲ ከካይዱ ጸኒሖምን ኣሎዉን። ዝኽተሉዎም ኣገባባት ድማ፡ ከም ወትሩ፡ ፈላሊኻ ናይ ምህራም ስልቲታት ምዃኖም ከም ጸሓይ ቀትሪ ብሩህ እዩ።

ህዝብታት ኤርትራ፡ ነታ ከም ብሌን ዓይኖም ዝርእዩዋ ሃገሮም፡ ብጸሓይ ቀትሪ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ትወርድ ምህላዋ ከይርእዩ ምእንቲ፡ ኣብ ልዕሊኦም ዝካየድ ዘሎ ኣዕናዊ ወፈራ ማእለያ የብሉን። በብእዋኑ፡ ካብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ህግደፍን መጽናዕትን ምርምርን እናተፈብረኹ፡ ብመንገዲ 03 ህግደፍ ዝዝርግሑዎም መርዝታት፡ ደለይቲ ለውጢ ህዝብታትናን ፖሎቲካዊ ሓይልታቶምን፡ ብብሄር፣ ብሃይማኖትን ብኣውራጃን ኣብ ሕድሕዶም እናተናቖሩ፡ ሓያል ናይ ለውጢ ቅልጽሞም ክመክን ዝካየድ ዘሎ እኩይ ምንቅስቓስ ኣብ ቅርዓት ዝረአ ዘሎ እዩ። ብሽም ኣግኣዝያን ይኹን ትግራይ ትግርኚ ዝብሉ ጸረ ሃገራዊ ሓድነት ህዝብታትና ዝኾኑ ኣረኣእያታት፡ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ እነሰላስሎ ቃልሲ ብምምካን፡ ኢድናን እግርናን ኣጣሚርና፡ ርእሰ-ፋሽስት ኢሳያስን ጉጅልኡን ኣብ ዘዳለዉልና መጻወድያ ክንኣቱ ተዋፊሮም ጸኒሖም እዮም። በቲ ካልእ ወገን፡ ብመንገዲ ሪፈረንደም መዕጸዊ ዝተገበረሉ፡ ጭርሖ ሓድነት ምስ ኢትዮጵያ እናልዓሉ፡ መኣዝን ቃልሲ ህዝብታትና ክዘርጉ ዝተዋፈሩ ወገናት ድማ፡ ካብ'ቶም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮም ድሑራት ኣረኣእያታት ዝተፈልየ ተልእኾ ዘለዎም ኣይኮኑን። እዚኦም ኩሎም፡ ተደማሚሮም፡ ናይ ርእሰ ፋሽስት ኢሳያስ ጉጅልኡን፡ ጸረ ህዝብን ጸረ ዲሞክራስን ባህርያት ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ሃገርን ህዝብን ብምጥላም ዝኽተሉዎ ዘለዉ ናይ ክድዓት ኣንፈት ንምኽዋል ዘገልግሉ፡ ብመደብ፡ ጽዑቕ ወፈራ ዝካየደሎም ዘሎ፡ ጸረ ሃገራዊ ሓድነት ህዝብታትና ዝኾኑ እኩያት ስልቲታት እዮም።

ካብ መርገጺታት ርእሰ ፋሽስት ኢሳያስ፡ ቀጠልያ መብራህቲ ዝተመልከቱ ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ላዕለዎት ሰብ መዚ ይኹኑ፡ ብነዊሕን መሪርን ብረታዊ ተጋድሎና ዝሰዓርናዮም ተረፍ መረፍ ስርዓት ሃይለስላሴን ፋሽስት ደርግን ዝኾኑ ትምክሕተኛታት ድማ፡ ካብ ዝተቐበሩዎ ጉድጓድ ወጺኦም፡ ንኤርትራ ምስ ወደባታ፡ ኣካል ኢትዮጵያ ንምግባር፡ ብኹሉ መዳይ ተዋፊሮም ምህላዎም ንርእዮም ኣሎና። ከም ናይ'ዚ መግለጺ፡ ብቐንዱ ኣብ ኣብ ማእከል ዓበይቲ ከተማታት ክልል ኣምሓራ፡ ምስሊ ኢሳያስ እናንበልበሉ፡ ካርታ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣጣቢቖም ክንቀሳቐሱ ምርኣይ ዝተለመደ ኮይኑ ጸኒሑ ኣሎ። ንልዕሊ 29 ዓመታት ብርእሰ ፋሽስት ኢሳያስን ጉጅልኡን ኣብ ልዕሊ ህዝብታትና ዝወረደ ዕንወት ብምምዝማዝ፡ ብዘይ ዝኾነ ጸገም፡ መወጽ እናመወጽካ ንኤርትራ ምጉባጥ ከምዝከኣል፡ ተጠሊዖም ኣብ ሚድያታት ዝምድሩ ጋዜጤኛታት፡ ከም ባዓል ታኣምራት ነገራ ዝመሰሉ ኮራኹር ትምክሕቲ፡ ውጥም ቅልቅል ክብሉ እናተዓዘብና መጺና ኣሎና። ስለዚ መጻኢ ዕድል ሃገርና፡ ኣዝዩ ፉሉይን ተኣፋፍን ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። ካብ ሕሉፍ ኣዋናት ብዝተፈለየ፡ ብልዑል ሓላፍነታዊ መንፈስ፡ ንቑሕ ኣቓልቦ ዝሓትት እዩ።

ከም እንፈልጦ፡ ፖሎቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ካብ ሕሉፍ ኣካውናኦም ብዝሓሸ ክቀራረቡን ኢሂን-ምሂን ክብሉን ይረኣዩ ምህላዎም ብኣወንታ ዝረአ እዩ። ክዕቀብን ክተባባዕን ኣሎዎ። ይኹን'ምበር ምስ'ቲ ኣብ ልዕሊ ሃገርናን ህዝብታትናን ዘንጸላሉ ዘሎ ሓድሽ ክውንነት ዝመጣጠን ኣይኮነን። ንዕኡ ዝበቅዕ ፍታሕ ኣብ ምቕራብ፡ ገና ብዙሕ ከምዝተርፈና ኣይንኽሕዶን፤ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣህጉራት ዝነብሩ፡ ደለይቲ ለውጢ ወገናት፡ ንምቅርራብ ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ ከካይዱዎ ዝጸንሑን ዘለዉ ጻዕርታት ኣዝዩ ዝምስገን እዩ። ዋዕላ ሚኒሶታ፣ ዋዕላ ንቕሎ ኣዴታት፣ ኣብ ዓውዲ ፓልቶክ ዝተኻየዱ ናይ ህዝቢ ናይ ዘተ መድረኻትን ተበግሶ ዋዕላ ሎንዶንን፡ ከም ኣብነት ዝጥቀሱ ጻዕርታት እዮም። ሓገዞም፡ ተዋሃሂዱን ተጠናኺሩን ክቕጽል ኣሎዎ።

ኣብ ልዕሊ ልዑላውነትን ናጽነትን ሃገርና ኣንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋ ንምዕጻፍ ይኹን፡ ዲሞክራስያዊ መስርሕ ሃገርና ኣብ ዱልዱል ባይታ ዝስረት፡ ኣብ ሞንጎ ናይ ይኣክል ምንቅስቓስን ፖሎቲካዊ ሓይልታትን ስጡም ናይ ቃልሲ ዝምድና ብምህናጽ እዩ። ነዚ ብዘተኣማምን ንምትግባር ድማ፡ ኩሎም ወይ ድማ መብዛሕትኦም ፖሎቲካዊ ውድባት ኤርትራ፡ ብቐዳምነት ኣብ ዘራኽቡዎም እዋናውያን ዕላማታት፡ ዓቕምታቶም ጠርኒፎም ዝቃለሱሉ ባይታ ምፍጣር፡ ብጣዕሚ ህጹጽን እዋናውን ዕማም እዩ። ኣብ ዘሎናዮ ተኣፋፊ ኩነታት፡ ኣብ ዝተሓቱ ዕማማት ምትሕብባር ዝብል ሓሳብ ዝድርበ'ኳ እንተዘይኮነ፡ ንህጹጽን እዋናውን ሕቶታት ህዝብታትና፡ ቅልጡፍን ብቑዕን ምላሽ ዝህብ ኣይኮነን። ስለዚ ዓቕምታት ህዝብታትና ብምውዳብ፡ ናብ ዘተኣማምን ዓወት ንምስግጋር፡ ፖሎቲካዊ ውድባት ኤርትራ፡ ኣብ ትሕቲ ሰፊሕ ፖሎቲካዊ ጽላል ተጠርኒፎም ክቃለሱ ይህልዎም። ውድብና ሰደግኤ ይኹን ሰፊሕ ግንባርና፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር፡ ምስ ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ፖሎቲካዊ ውድባት ኤርትራ፡ ኣብ ትሕቲ ሰፊሕ ፖሎቲካዊ ጽላል ተጠርኒፎም ክቃለሱ ድሉዋት ምዃኖም ደጋጊሞም ከረጋግጹ ጸኒሖም እዮም፤ እዚ ጭርሖ'ዚ፡ ንጊዝያዊ ፕሮፖጋንዳዊ ሃልኪ ወይ ድማ፡ ንዲፕሎማስያዊ መዓላ ክጥቀመሉ ዘልዕሉዎ ዘለዉ ኣይኮነን፤ ኣብ'ዚ እዋን'ዚ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ካብ ኣንጸላልዩዎም ዘሎ ናይ ብርሰት ሓደጋ ንምድሓን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣብ ልዕሊ ናጽነትናን ልዑላውነትናን ኣንጸላልዩ ዘሎ ገዚፍ ሓደጋ ብህጹጽ ንምዕጻፍ፡ ካብኡ ዝሓይሽ ካልእ ኣማራጺ ፈጺሙ ከምዘየለ ብምእማን እዩ። ስለዝኾነ'ውን እቲ ተጀሚሩ ዝጸንሕ ሰፊሕ ፖሎቲካዊ ጽላል ውድባት ኤርትራ ናይ ምምስራት ዕማም፡ ብዝበለጸ ተጠናኺሩ፡ ግብራዊ ክኸውን፡ ብዘይምሕላል ቃልስና ቀጻሊ ክኸውን እዩ።

ቤት-ጽሕፈት ዜናን ባህልን፡

ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ(ሰደግኤ)

31 ሓምለ 2020 ዓ.ም.