Written by: ደሞክራስዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/

DFfEUˆኣብ ታሪኽ ምዕባለ ሕብረተ-ሰብ ጭቆና ካብ ዝኽሰት ግዜ ኣትሒዙ ካብ ጭቆና ንምንጋፍ ዝግበር ተጋድሎ ብቀጻሊ ዝጸንሐን ዘሎን ናይ ቃልሲ ባህርያዊ መስርሕ እዩ፡፡ ከከም ኩነታት ሃገር ዘፍቅዶ እቲ መልክዕ ናይ ቃልሲ ክፈላለን ዝኽፈሎ ዋጋ ክኸብድ ወይ ክፎኩስ ይኽእል እንተዘይኮይኑ ዝኾነ ዝለዓል ፍትሓዊ ሕቶ ኩሉ ልሙጽ ብልሙጽ ኮይኑ ብቐሊሉ ዝዕወት ቃልሲ ኣይነበረን የለን’ውን፡፡

ጸረ ተኸታተልቲ ባዕዳውያን ገዛእቲ ዝተኻየደ ሃገራዊ ሓርነታዊ ተጋድሎ ህዝብታት ኤርትራ፡ ብውዱብ ይኹን ዘይተወደበ መልክዑ፡ ብሰላማዊ ይኹን ዕጥቃዊ ቃልሲ ብኣጠቓላሊ ንከባቢ ሓደ ክፍለ-ዘመን ዘጋጠሞ ጭቆና ንምውጋድ ሰፍ ዘይብል መስዋእቲ ንክኸፍል ዝተገደደሉ ነዊሕ ቃልሲ መስርሕ እዩ ነይሩ፡፡ ኣብዚ ዝተናወሐ ቃልሲ እዚ እቲ ዝኸበደ ሸነኹ ኣብቲ ጸረ-ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሳላሳ ዓመታት ብረታዊ ተጋድሎ ዝተኸፍለ ናይ ሰብን ንብረትን ጥሪትን ዋጋ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝገደፎ በሰላ እቲ ዝኸበደን ልዕሊ ኩሉ ጎሊሁ ክረአን ዝኾነ ተርእዮ ኮይኑ ብዓሚቚ ሓዘን ክንዝክሮ ዝገብር እዩ፡፡

ስርዓት ሃይለስላሰን ደርግን “ኤርትራ መሬታ ዳኣምበር ህዝባ ኣየድልየናን እዩ” ብዝብል ፋሽስታዊ ሸርሒ ንሰውራ ኤርትራ ንምድኻምን ንምጥፋእን ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኤርትራ ኩሉ መልክዕ ናይ ከፋፊልካ ግዛእ ሸርሕታት ፈቲኖም ምዃን ምስ ኣበዮም፡ ጃምላዊ ጭፍጨፋታት እዮም ዘካየዱ፡፡ ህዝብና ዓድታቱ ክቃጸልን ንብረቱን ጥሪቱን ክበርስን እዩ ኮይኑ፡፡ ከም ውጽኢት ናይዚ ኣረሜናዊ ተግባራት እዚ ካኣ፡ ህዝቢ ብብዝሒ ካብ ገጠራትን ከተማታትን ዛሕዛሕ ኢሉ ንስደት ክውሕዝ እዩ ዝኾነ፡፡

እዚ ናይ ብርሰት ፋሽስታዊ ተግባራት እዚ ኣብ ፎቖዶ ኣብያተ ክርስትያናትን መሳጊድን ከይተረፈ፡ ህጻናትን ደቂ-ኣነስትዮን ዓበይትን ናእሽቱን፡ ካህናትን ሸኻትን ከይፈለየ ብኣልማማ ዝፍጸም ዝነበረ ኢሰብኣዊ ባርባራዊ ግፍዕታት እዚ ታሪኽ ዘይርሰዖ በሰላ ገዲፉ ዝሓለፈ ተርእዮ እዩ ነይሩ፡፡ ኣብ በዓል ዖና በስክዲራ ዓዲ ኢብሪሂም ኦም-ሓጀር፡ ኢምበረሚ፡ ሕርጊጎ፡ ሃዘሞ ወኪ-ድባ መደካ ዓዲ-ሹማ፡ መለብሶ ሽዕብ፡ ድግሳ ወዘተ ገለ ከም ኣብነት ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ዝጥቀሳ ተረኽቦታት እየን፡፡

እዚ ብኣጋር ወራሪ ሰራዊት ዝፍጸም ዝነበረ ግፍዕታት ይኹን ዳኣምበር፡ ኣብ ከተማታት’ውን ብዓፋኝ ናይ ቅንጸላ ጉጅለታት ይኹን፡ ብባርባራዊ ደብዳብ ናይ ነፈርቲ ዝተሰውኡ ዜጋታትና’ውን ብዙሓት እዮም፡፡ ንኣብነት ኣብ ኣስመራ፡ መንደፈራ፡ ደቀምሓረ፡ ኣቑርደት ከረን ባጽዕ ዓዲ-ቀይሕ ወዘተ ካብ 1974-1975 ንድሕሪት ኣብ ዘሎ ግዜ ዝተቐትሉ፡ ብፍላይ ካኣ ካብ 1977-1978 ከምኡ’ውን ካብ 1989-1991 ምስ ምሕራር ከተማታት ኤርትራ ተታሓሒዙ ደብዳብ ናይ ነፈርቲ ብዝኸፍአ ሸነኹ ተኸሲቱ ህዝብና ልዑል ናይ ሂወትን ንብረትን ዋጋ ክኸፍል ዝተገደደሉ ኩነታት እዩ ነይሩ፡፡

ንኣብነት ኣብ 1977-1978 ኣብ ሓራ ከተማ መንደፈራ ጥራሕ ካብቲ ዝካየድ ዝነበረ ተኸታታሊ ደብዳብ ናይ ነፈርቲ ኣብ ናይ ሓንቲ ተረኽቦ ዘጋጠመ ካብ ክልተ-ስድራ-ቤት 32 ሰባት ተሰዊኦም፡ ምስቶም ካልኦት ናብ ከባቢ 70 ዝኾኑ ስዉኣት ዝነበሩ ሽማግለታትን ህጻናትን፡ ኣዴታትን መንእሰያትን ዝርከቡዎም ብጃምላ ኣብ ሓደ ጉድጓድ ተቐቢሮም እዮም፡፡

 እዚ “ዓሳ ክጠፍእ ባሕሪ ኣንጸፍ” ብዝብል ኣብ ልዕሊ እቲ ዕለታዊ ናብርኡ ክምእርር ላዕልን ታሕትን ፋሕተርተር ዝብል ሰላማዊ ህዝብና ዝወርድ ዝነበረ ኣረሜናዊ ግፍዕታት እዚ ዝተኸፍለ ከቢድ መስዋእቲ ይኹን ዳኣምበር፡ ምስቲ እምቢ ንመግዛእቲ ኢሉ ብረት ኣልዒሉ ዝቃለስ ዝነበረ ሓይልታት ሰውራ ኤርትራ፡ ኣብቲ ዝተናወሐ ናይ 30 ዓመታት ኵናት ዝተሰውኡን ዝሰንከሉን መንእሰያት ወለዶ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ እዮም ነይሮም፡፡ እዚ ካኣ ካብ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ኣትሒዙ “ሜዳ ኤርትራ ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ኣይጸውርን ኢዩ” ብዝብል በሓትን ተነጻጻግን ኣተሓሳስባታት ዝብገስ በብግዚኡ ዝተኻየዱ ኵናት ሕድሕድ ዝተሰውኡ ይኹኑ፡ ብሰንኪ ድሑር ዘይደሞክራስያዊ ባህርያትን ኣካይዳታትን ናይ መሪሕነታት ሰውራ ኣብ ልዕሊ ተቓለስቲ ዝፍጸም ዝነበረ ቅንጸላታት ወሲኽካ ክረአ እንከሎ ነቲ መስዋእቲ ኣዝዩ እዩ ዘበርኾ፡፡

ኣብ ጸረ ባዕዳዊ ተጋድሎ እቲ መስዋእቲ ኣብ ስሩዕ ሰራዊት ጥራሕ ዘይኮነስ በብኸባቢኡ ብስም ዞባዊ ሰራዊት፡ ህዝባዊ መሊሻ ተባሂሉ ዝቃለስ ዝነበረ ዕጡቕ ኣሃዱታት’ውን ኣብ ዝተፈላለየ ዓውደ-ውግኣት ኣብኦም’ውን ዘጋጥም ዝነበረ እዩ፡፡ እዚ ከቢድ መስዋእቲ ዝተኸፍሎ ዝተናወሐ ሃገራዊ ሓርነታዊ ተጋድሎ እዚ ዳርጋ ኣብ መብዛሕትኡ ስድራ-ቤታት ኤርትራ ሓደ ወዱ ወይ ጓሉ ወይ ኣብ ኣርባዕተ-ሓሙሽተ ደቆም ዘጋጠመ መስዋእቲ እዩ ነይሩ፡፡ ብደረጃ ዓድታት ክረአ እንከሎ ካአ ኣብ ገለገሊኡ ዓድታት ካብ 500-600 ዝኣኽሉ ስዉኣት ኣጋጢሙ እዩ፡፡

ህዝብታት ኤርትራ እዚ ኩሉ ሰፍ ዘይብል መስዋእቲ ክኸፍሉ እንከለዉ ባዕዳዊ መግዛእቲ ጸሪጎም ኣብ ክንድኡ ዘቤታዊ መግዛእቲ ንምትካእ ዝዓለመ ኣይነበረን፡ እንታይ ዳኣ ብሕገ-መንግስቲ /ቅዋም/ እትመሓደር፡ ፍትሕን ሰላምን ደሞክራስን ዝሰፈና ነጻን ልኡላዊትን ሃገር ክህልዎም እዩ ነይሩ ትጽቢቶም፡፡ ደረጃ ብደረጃ ቁጠባዊ ምዕባለ እተረጋግጽ ካብ ድሕረትን ድኽነትን ዝተናገፈት ደሞክራያዊ ስርዓተ-ምሕደራ እተዘውትር ህዝባዊ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ክህልዎም እዩ ነይሩ እምነታቶም፡፡ በዚ ካኣ ንኹሉ ኤርትራዊ ብዘይኣፈላላይ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላቱ እተውሕስ፤ ናይ ብሄር ይኹን ጾታ፡ ሃይማኖት፡ ባህሊ ብዙሕነት ብማዕርነት ዝኽበረላ፡ ሕቶ ፖለቲካዊ ስልጣን ይኹን ሃብቲ ሃገር ብፍሓውን ማዕርነታውን መንገዲ ዝመቃራሓላን፡ ምስ ኩሎም ጎረባብቲ ሃገራትን ሕብረተ-ሰብ ዓለምን ካኣ ኣብ ናይ ሓባር ረብሓን ምክብባርን ዝተሰረተ ዝምድና ክህልዎም እዩ ነይሩ ትጽቢታቶም፡፡

ጸረ-ህዝብን ጸረ ደሞክራስን ስተራተጂካዊ ጸላኢ ህዝብታት ኤርትራ ዝኾነ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ግን “ኣመል ምስ መግነዝ” ከም ዝባሃል ሕድሪ ሰማእታት ጠሊሙ ከም ኣመሉ፡ እታ ኣብ ሜዳ ኤርትራ እንከሎ ዝለመዳ ናይ ቅንጸላ ሴፍ መዚዙ “ብሒም ዝበለ ደም ይተሓጎም” ኢሉ ህዝብና እንደገና ን30 ዓመታት ሓሳረ-መከርኡ ክርእን ክበታተንን ክገብር ጽኒሑን ኣሎን፡፡ ስርዓት ህግደፍ ንጸቢብ ውልቃውን ጉጅላውን ረብሓታቱ ክብል ብውሽጢ ምስ ህዝብታት ኤርትራን ተቓለስቲ ሓይልታቱን፡ ብወጻኢ ምስ ኩሎም ጎረባብቲ ሃገራትን ህዝብታትን ኣብ ዘዝወለዖ ኵናት ሰብኣዊ ዓቕሙን፡ ንብረቱን፡ ጥሪቱን ህዝብና ክበርስ ይኸውን ምህላዉ፡ ሕድሪ ስውኣትና ክሳብ ክንደይ ተጠሊሙ ኣብ ረግረግ ድሕረትን ድኽነትን ወዲቕና ኣለና ዘመላኽት እዩ፡፡

ነዚ ንምልዋጥ እንገብሮ ተጋድሎ ካኣ፡ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ እናሓዘንና እንዝክሮ ጸሊም ታሪኽ ኣብ ጉዕዞ ቃልስና ምዃኑ ክዝንጋዕ ኣይግባእን፡፡ ኣብ ውሽጢ እዚ ልዕሊ ርብዒ ዘመን ዝወሰደ ዘቤታዊ መግዛእታዊ ስርዓት ህግደፍ’ዚ ካብ እምነቱ፡ ዝተፈልየ እምነት ኣለዎም ዝብሎም ብዝተፈላለዩ መልክዕ ዝግለጹ ተቓውሞታት ብሄር፡ ጾታ ሃይማኖት ፖለቲካዊ እምነት ከይፈለየ ብዘይምሕረት ክኣስርን ክጨውን፡ ክቕንጽልን ከብርስን ዝጸንሐን ዝኸፍሎ ዘሎን መስዋእቲ ብጣዕሚ ከቢድ እዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ካኣ፡ ኣብ ሕሉፍ ጸረ-ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝተኸፍሉ ስዉኣት ጥራሕ ዘይኮነ ክንዝክሮ ዘለናስ፡ ኣብ ትሕቲ መግዛእታዊ ስርዓት ህግደፍ ዝወደቑን ኣብ ፎቖዶ ቤት ማእሰርትታት ዝበልዩን ዝስውኡን ዘለዉ

 ሓርበኛታት ተቓለስቲ’ውን ኢና ብሕራነ ክንዝክሮምን፡ ሕድሮም ከየዕበርና ዝወደቑሉ ዕላማታት ኣብ ሽትኡ ከነብጽሕ ክንረባረብ ዝህልወና፡፡

ስርዓት ህግደፍ ዓመት መጸ ዝኽሪ ሰማእታት ኢሉ ብስም ስዉኣት እናመሓለን እናጠሓለን ዕድመ-ስልጣኑ ከናውሕ ህዝብን ሃገርን ንውድቀት ኣሳጢሑ ኣብ ዝሰሓገሉ ዘሎ ወቕቲ ንብዓት ሓርገጽ እንተነብዐ መን እዩ ዝኣምኖ? ልዑላዊ መሬት ኤርትራ ንባዕዳውያን ሓይልታት ኣሕሊፉ ክህብ ዝጸንሐ፡ ድሒሩ ካኣ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ግልጽነት ዘይብሉ ስምምዕ-ሰላም ምስ ተኸተመ፡ ሰፍ ዘይብል መስዋእቲ ዝተኸፍሎ ነጻነት ኤርትራ ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ኣውሪዱ፡ ናይ ሃገራዊ ሰራዝነት ኣንፈቱ ጎሊሁ ምውጽኡን፡ ሰፊሕ ተቓውሞ ናይ ህዝብታትና ዘገጥሞ ምዃኑን፡ ካብዚ ዝኸፍአ ናይ ውድቀት ታሪኽ እንታይ ክመጽእ እዩ ሕጂኸ ህዝብና ኣብ ስርዓት ህግደፍ እምነት ከንብር ዝኽእል?፡፡

ኣብዚ ህሞት እዚ ስርዓት ህግደፍ ብዝኸፍአ ሸነኹ ንሃገርናን ዞባናን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ዞባ ቀርኒ-ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ካኣ ኣብ ልኡላዊት ሃገረ-ኢትዮጵያ ኢዱ ብምትእትታው ንህዝብናን ናይዚ ዞባ’ዚ ህዝብታትን ከቢድ ዋጋ ከኽፍል ኣብ ዝኽእል ውዲታት ተኣሊኹ ምህላው ንሓርነታዊ ተጋድሎና ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ይገብሮ ምህላው ናይ ኣደባባይ ሚስጢር እዩ፡፡ ብፍላይ ካኣ ሕጂ ህዝብና ምስ’ዚ ፈውሲ ዘይተረኽቦ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ተደሪብዎ ብሕማምን ጥሜትን ዓጸቦን ኣብ ዝሳቐየሉ ዘሎ ወቕቲ እዞም ድርብ ጸላእቲ እዚኣቶም ኣብ ምውጋድ ይጽናሓለይ ዘይበሃሎ ህጹጽ ሃገራዊ ዕማም ይኸውን ምህላዉ ብልዑል ኣትኩሮ ክንግንዘቦ ዝግባእ እዩ ንብል፡፡

ናይ ዘቤታዊ መግዛእቲ ስርዓት ህግደፍ ናይ ዓፈናን ጭፍጨፋን ሕስመ-መከራ ሂወት ንሓንሳብን ንሓዋሩን ካብ እንግደዓ ህዝብና ንምቕንጣጡን ህዝብና ኣብ ጎደና ሰላምን ደሞክራስን ቁጠባዊ ምዕባለ ክምርሽን፡ ካብ ድሕረትን ድኽነትን ክናገፍን ዝተበታተነ ዓቕሚ ደምበ-ተቓውሞና ብምጥማር ኩሉ ዓቕምታት ሰውራና ኣንጻር ቀዳማይ ጸላኢና ከቕንዕ ክንረባረብ ይህልወና ንብል፡፡

ስድራ-ቤታት ስዉኣትና ይኹኑ ተቓለስቲ ህዝብታትና ዝድበሱ፡ ጀጋኑ ሰማእታትና ዝቐስኑን፡ ዝወደቑሉ ህዝባዊ ደሞከራስያዊ ዕላማታት ሓርነታዊ ቃልስና መሊኦም ምስ ዝዕወቱ ምዃኑ ተረዲእና ሕጂ’ውን፡ መዓንጣና ሸጥ ኣቢልና ሕድሮም ኣብ ፍጻመ ንምብጻሕ ብጽንዓት ንረባረብ ንብል፡፡

ዓወት ንሓርነታዊ ቃልስና!

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስዉኣትና!

ፖለቲካውን ፕሮፖጋንዳውን ቤት-ጽሕፈት፡

ደሞክራስዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/

             18 ሰነ 2020