^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 136 guests and no members online

ሰማእታትና ዝቐስኑን ህዝብታት ኤርትራ ዝድበሱን፡  ዝወደቕሉ ህዝባዊ ሓርነታዊ ዕላማ መሊኡ ሽትኡ ምስ ዝወቅዕ ጥራሕ እዩ፡

ኤርትራ ከም ሓንቲ ጥምርቲ ሃገር ብመግዛእቲ ጣልያን ካብ ዝቖሞትሉ፡ ዝተፈላለዩ ባዕዳውያን ገዛእቲ ስርዓታት ኤርትራዊ ጉልበት ክምዝምዙን ባህርያዊ ሃብታ ክብዝብዙን ብሓይሊ ብረት ጨቚኖም ካብ ዝሓዙሉ ግዜ፡ ህዝብታት ኤርትራ ምእንቲ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰሎምን ሓርነቶምን ክብሉ፡ ንከባቢ ምኢቲ /100/ ዓመት ዝኸውን ሰፍ ዘይብል መስዋእቲ ክኸፍሉ ከም ዝተገደዱ ናይ ቀረባ ተዘክሮና እዩ። ብፍላይ ከኣ ኣብቲ ድሒሩ ኣንጻር ገዛእቲ ስርዓታት ኢትዮጵያ ንሳላሳ ዓመት ዝተኻየደ ዝተናውሐ ሓርበኛዊ ብረታዊ ተጋድሎ ዝተኸፍለ መስዋእቲ ኣዝዩ ከቢድ እዩ ነይሩ።

ስርዓት ሃይለስላሴ ይኹን ደርጊ “ኤርትራ መሬታ’ምበር ህዝባ ኣየድልየናን እዩ” ብዝብል ኣረሜናዊ ኣተሓሳስባ “ዓሳ ክመውት ባሕሪ ኣንጽፍ” ዝብል ኣረሜናዊ ፖሊሲ ተኸቲሎም፡ ብሰማይ፡ ብምድርን ባሕርን ሓዊ ብምኽዓው ዓድታት ብምቅጻል ብኣሽሓት ዝቑጸር ሰላማዊ ህዝቢ ክስዋእ፡ ክስንክል፡ ክስደድ፡ ንብረቱን ጥሪቱን ተራስዩ ክሃልቕ ገይሮም’ዮም። ገዛእቲ ስርዓታት፡ ቆልዓ ሰበይቲ፡ ኣረጋውያንን መራሕቲ ሃይማኖትን ከይፈላለዩ ክሳብ ኣብ ኣብያተ ክርስትያን መሳጊድን ስንጭሮታትን ብጃምላ ብምጭፍጫፍ፡ ንቡር ሓመድ ኣዳም ከይለብሱ ክጠፍኡ ዝገበርሉ ወቕቲ ኣብ ሓንጎል ነፍስ-ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ ዘይሕከኽ በሰላ ሓዲጉ ዝሓለፈ ጸሊም ታሪኽ እዩ።

እዚ ኣብቲ ሰላማዊ ህዝብታት ዝወረደ ግፍዕን ዝተኽፍለ ሰፍ ዘይብል መስዋእትን ኮይኑ፡ ኣብቲ ነዞም ገዛእቲ ስርዓታት እዚኣቶም ብዕጥቃዊ ቃልሲ ብምውጋድን ሓርነት ህዝብታት ኤርትራ ንምርግጋጽ ኣብ ዝግበር ዝነበረ ተጋድሎ፡ ብደረጃ ህዝባዊ ሚልሻ ይኹን ብደረጃ ስሩዕ ሰራዊት ዝተሰለፉ ኤርትራውያን ተቓለስቲ ብኣሽሓት ክስውኡን ክስንክሉን ኮይኖም እዮም። ካብዚ ወጻኢ ብሰንኪ’ቲ ትምክሕታውን ቀንጻልን ኣተሓሳስባን ተግባርን ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኣብ ኲናት ሕድሕድ ዝተሰውኡን ዝሰንከሉን’ውን ኣቃሊልካ ዘይረኤ ቀሊል ዘይኮነ ቁጽሪ እዩ። ብሓጺሩ ኣብዚ ዝተናውሐ ብረታዊ ተጋድሎ’ዚ ዳርጋ ነፍስ-ወከፍ ስድራ-ቤት ወዳ ወይ ጓላ ዘየሰወአት፡ ዘየሰንከለት ወይ ዘይተሰደ/ት ኣላ ንምባል ዘጸግም እዩ።

ወጽዓ ክሳብ ዝሃለወ ወጽዓ ንምውጋድ ኣብ ዝካየድ ፍትሓዊ ቃልሲ መስዋእቲ ክህሉ ንቡርን ባህርያውን ብምዃኑ፡ እዚ ዘጉሂ እምበይ ምዀነን። እቲ ዘጉሂ እዚ ዘይኮነስ ውጽኢት ናይዚ ከቢድ መስዋእቲ ዝተኸፍሎ ሓርነታዊ ተጋድሎ ሽቶኡ መሊኡ ክሃርም ዘይምኽኣሉ እዩ። ጠንቂ ናይ’ዚ ከኣ፡ ስርዓት ህግደፍ ነዚ ከቢድ መስዋእቲ ዝተኸፍሎ ሓርነታዊ ዕላማ’ዚ ጨውዩ፡ ብሓይሊ ብረት ኣብ ኮረሻ ስልጣን ደይቡ፡ ጸረ-ህዝብን ጸረ-ደሞክራስን ስርዓት ተኺሉ፡ ኣብ ጸቢብ ጉጅላዊ ረብሕኡ ክውዕል ብምግባሩ፡ ህዝብታት ኤርትራ ብዳግማይ ብዘቤታዊ መግዛእቲ ዳግማይ ሓሳረ-መከረኦም ክርእዩ ኮይኖም ምህላዉ እዩ።

ሰማእታትና ይኹኑ ጭቁናት ህዝብታት ኤርትራ፡ እዚ ሕጂ ኣብ ሃገርና ኣጋጢሙ ዘሎ ዝኸፍአ፡ ጨቋኒ ዘቤታዊ መግዛእቲ ስርዓት ህግደፍ ከጋጥም እዩ ኢሎም ዝተጸበይዎ ኣይነበረን። እንታይዳኣ ኤርትራ ብግዝኣተ-ሕጊ ትማሓደር ሃገር ኮይና፡ ደሞክራስያዊ ስርዓተ-ምሕደራ ዘተኣታተወት፡ ሃብትን ስልጣንን ብማዕርነታውን ሕጋውን ኣገባብ ዝማቓራሓላ፡ ህዝብታታ ኣብ ውሽጢ ይኹን ምስ ጐረባብቲ ህዝብታት ብቐጻሊ ኣብ ጐደና ሰላምን ምዕባለን ዝምርሽ ክኸውን እዩ ነይሩ ትጽቢታቶም። ስርዓት ህግደፍ ግን ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ ጸረ ህዝቢ እስትራተጂያዊ ጸላኢ ህዝብታት ኤርትራ’ዩ ኮይኑ። ቅድም ኣብ መስርሕ ብረታዊ ተጋድሎ እንከሎ’ውን ዝተፈልየ ርእይቶ ንዝሓዙ ውልቀ-ሰባት ይኹኑ ጉጅለታት ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ግንባር ይኹን ካብኡ ወጻኢ ንርእይቶኦም ተጻዊሩ ክኸይድ ዘይክእል ቀንጻሊ ጸረ-ደሞክራሲ ዝኾነ ጉጅለ ዝመርሖ ውድብ ስለ ዝነበረ፡ ንሓርነት ዝቓለሱ ዝነበሩ ደቂ ህዝቢ ኣብ ፈቖዶ በረኻታትን ስንጭሮታትን ተቐንጺሎም ዝተረፉ ውሑዳት ኣይኮኑን።

ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ’ውን ይቃወሙኒ እዮም ዝብሎም ብሱትርን ብጉሁድን ከም ኣመሉ እናጨወየን እናኣሰረን ብቐጻሊ ከጥፈኦም ጸኒሑን ኣሎን፡፡ ካብዚ ሓሊፉ ካኣ ኣብ ዘዝኣጎዶ ዘይፍትሓዊ ኲናት ብኣሽሓት ክሃልቁ፡ ክፈናቐሉ ገይሩ፡፡ ሃገሮም ገዲፎም ክስደዱ ዝተገደዱ፡ ኣብ ጉዕዞ ስደት ኣብ ፎቖዶ ምድረ-በዳን ባሕርን ዝሃልቁ ዘለዉ ዜጋታትና ጠንቑ ስርዓት ህግደፍ እዩ። ስርዓት ህግደፍ እዚ ኩሉ ኣረሜናዊ ተግባራት’ዚ እናፈጸመ እንከሎ፡ “ውኻርያስ ጻድቕ ክትመስል ዝዋውዕ ትኣስር” ከም ዝባሃል ዓመት መጸ ብስም ስዉኣት እናመሓለን እናቖዘመን ብስሞም ክነግድን ዕደመ-ስልጣኑ ከናውሕን ዝተፈላለዩ ሸርሒታት እናፈጸመ ላዕልን ታሕትን ጸፋዕፋዕ ኣብ ምባል ይርከብ ኣሎ። ውጹዓት ህዝብታት ኤርትራ ግን ናይ ሓደ ሓሳብ መግለጺኡ ተግባር ምዃኑ ሕርሕራይ ገይሮም ዝርድኡ ህዝብታት ስለ ዝኾኑ፡ ኣብ ውሽጢ’ዚ 27 ናይ ሓሳረ-መከራ ዓመታት’ዚ ከመይ ዝኣመሰለ ሂወት ከሕልፉ ጸኒሖምን ኣለዉን ካብ ተሞኩሮኦም እኹል ኣፍልጦ ቀሲሞም እዮም። በዚ ስርዓት ህግደፍ ዓመት መጸ ብስም ስዉኣት ዘርእዮ ንብዓት ሓርገጽ ዝደናገሩ ኣይኮኑን።

ህዝብታት ኤርትራ ነዚ ዕለት’ዚ ክዝክሩ እንከለዉ፡ ሕድሪ ሰማእታቶም ከም ዘይተረጋገጸ እናስተንተኑ፡ ዝሓለፊ ተጋድሎኦምን መስዋእቶምን እናዘከሩ፡ ሰማእታትና ዝቐስኑን ህዝብታት ኤርትራ ዝድበሱን ስዋኣትና ዝወደቕሉ ህዝባዊ ሓርነታዊ ተጋድሎ መሊኡ ሸቶኡ ምስዝወቅዕ ምዃኑ ሕርሕራይ ገይሮም ዝግንዘብዎ እዮም። ስለዝኾነ ከኣ ውጹዓት ተቓለስቲ ህዝብታት ኤርትራ ሕጂ’ውን ዳግማይ ታሪኽ ክሰርሑ፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብ ጭቆና ስርዓት ህግደፍ ክገላገሉ ብጽንዓትን ተወፋይነትን ክቃለሱ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/ በዚ ኣጋጣሚ ናይ ጽንዓትን መኸተን መዓልቲ’ዚ ጸዋዒቱ የቕርብ።

ሕድሪ ጀጋኑ ሰማእታትና ብደሞክራስያዊ ተጋድሎ ህዝብታት ኤርትራ መሊኡ ክረጋገጽ እዩ!!

ኩሉ ዓቕምታት ደምበ ተቓውሞና ብቐዳምነት ንስርዓት ህግደፍ ንምውጋድ ይረባረብ!

ዓወት ንሓርነታዊ ቃልስና!

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/

20 ሰነ 2018  

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox