^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 43 guests and no members online

ብምኽንያን ዕረፍቲ ዋዕሮ ስነ ጥበባዊት ጸሃይቱ በራኺ, ብግጥሚ መግለጺ መሪር ሐዘን፡«፡

ጓል ኣቦይ በራኺ ጥዑም ደሃያ

ክገልጾ ኣይከኣልኩን ናትኪ ሞያ

ተበጊስኪ ዶ ኣቲ ጓል ኤርትረያ

ነዛ ግጥመይ ክንዲ ብዙሕ ረኣይያ,

ሰብ ያታ ሐሊፎም ቆሪረ

ተጋዳሊት ተሐኤ ዋዕሮ ጓል ኤረ

ቀሚሽ ደርብያ ዝተኸደነት ስረ,

ዕረፍትኻ ሰሚዔ

ጸሃይቱ ሐዚነ ነቢዔ

ተመሊሰ ንነብሰይ ተጻናኒዔ,

ሰብ ኣይነብርን ታሪኽ እንበር

ከርተት ዝበለ ንሐርነት ንሃገር

ጸሃይቱ ሰብ በቲ ሞዩኡዩ ዝዝከር,

ናይታ ዋዕሮ ትብዓታ

ይመስክር መውጋእታ

ሐያል ስነ ጥበባዊት በዓልቲ ያታ,

ተባዕ ሃገራዊት

ምስ ሰራዊ ሐርነት

ምስ ክራራ ንቕድሚት,

ኣብ ሕንብርቲ ጸላኢ

ንርዋ ራኢ ናይ ንመጻኢ

ተቃሊሳ ነጻነት ክትርኢ,

ጓለባይ በራኺ ጡዑም ደሃያ

ክራርኪ ንመለይ ተቓንያ

እንዳ በለት ዓደይ ኤርትረያ

ኣብ ከተማ ኣስመራ ሰሪሐ ቅያ,

ኤርትራዊት ኳዕቲት ዝዓዳ

ከም ዓለማ ተኸዲና ሽዳ

ንክትጋደል ንሜዳ ወሪዳ,

ኣንቆልቊለ ክወርድ ንማይ ጃሕጃጅ, ጠምየነረ ንገዛይ ንክምሳሕ, ኣማዕድየ ሪኤካ ተሐጒሰ, ሰላም ክብለካ ንድሕሪት ተመሊሰ,ኣስካርባይ ጎማ ክዳነይ ካኪ,ሐያል ዜማታታ፡«፡

ጸሃይቱ ተቓላሲት ዋዕሮ

ሃገረይ ዝበለት ነብሮ

ስነ ጥበባዊት ወይዘሮ,

እታ ዋዕር ጓል ኣከለ

ጸሃይቱ ብትብዓታ ትልለ

ናባኺ ይዓስል ሃገረይ ዝበለ

መንዩ ኣብ ቤታ ዘየጽለለ,

ጸሃይቱ ጓል ኣቦይ በራኺ

ሐበን ህዝባ እንበኣር ተበጊስኪ

ኣደ ቃልሲ መንግስተ ሰማይ የዋርስኪ

እቲ የዋህ ኣምላኽ ኣብ ገነቱ ይቀበልኪ,

ንመላእ ስድራቤታን ፈተውታን ጽንዓት ይሃብኩም ይሃበና, ጠሊ ትግደፈልኩም,ጓል ኣቦይ በራኺ ብሰላም ዕረፊ፡«፡

ክብርን ሞጎስን ንሰማእታትና፡ ሕድርኹም ክነትግብሮ ቃል ኣቲና ኣልትና,ክነርክበኩም እንበር መን ምስ ተመለሰ ክትምለሱና,ብሽም ኩሎም ደለይቲ ፍትሕን ሐርነትን ገጣሚ በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን፡«፡

 

 

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox