^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 37 guests and no members online

ኣቐዲመ ብስም ኩሉ ዝከኣሎ ሉዑል ኣምላኽ፡ ንኣኻን ንስድራ ቤትካን፡ ንመሳርሕትኻን፡ ብጠቕላላ ንህዝቢ ኢትዮጵያን ልዑል ሰላምታይ ይብጻሕኩም።

ክቡር / ኣቢይ ኣሕመድ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ካብታ ኣብ ስልጣን ዝመጻእካላ ዕለት ኣትሒዘ ንጉዕዞኻ ብደቂቅ ክከታተሎ ምጽንሔይ ብቐዳምነት ክሕብረካ ይፈቱ።ብምቕጻል በቲ ቅዱስ ቃላትካ፡ ንመላእ ኢትዮጵያ ሰላምን ምርግጋእን ንምምጻእ ከይተሓለልካ ምስቲ ንስኻ ትመርሖ ዘለኻ መንግስትን፡ ሰልፊ ኢሂወደግን፡ ሃገራዊ ባይቶን ንእተካይዶ ዘለኻ ጻዕሪ ልባዊ ናእዳይ ወሰን የብሉን።

ክቡር / ኣቢይ ኣሕመድ ቀዳማይ ጠቕላላ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ብ1994 .. 26 ካድራት ተጋደሎ ሓርነት ኤርትራ-ሰውራዊ ባይቶ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ተኣስሩ፡ ንኽፍትሑ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝነበሩ ነፍሲ-ሄር ኣቶ መለስ ዜናዊ ናይ ጥርዓን ዳብዳቤ ካብ ዘቕረቡ ኣባላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ-ሰውራዊ ባይቶ ሓደ ምንባረይ በዚ ኣጋጣሚ ብትሕትና ክሕብረካ ደስ እብለኒ። ክቡር ቀዳማይ ሚኒስተር ነፍሲ-ሄር መለስ ዜናዊ ድማ ንዳብዳቤና ብኣኽብሮት ተቐቢሉ ነቶም እሱራት ከምዝፍትሑ ገበረ። ስለዚ ስለ ሰብኣውን ሰናይን ታሪኻውን ቅዱስ ተግባራቱ፡ ከምቲ ኣቦታት ዝምስልዎ፡ ንበዓልጸቡቕ ግብሪግበረሉ ወይ ንገረሉከምዝበልዎ ስለዝኾነ ሎሚ እውን ኣነ ነቲ ሰናይ ሰብኣዊ ተግባራቱ ምስ ናይ ምስጋና ንታሪኽ ክዝክሮ ደስ እብለኒ። እወ! ልመና ውጹዓትን ድኻታትን ዝሰምዕ ሰብ፡ ጻማን ጽድቅን ካብ ኣምላኽ ከምዘለዎ ኣጸቢቕካ ከም ትፈልጥ ድማ ካብ ቃላትካ ተገንዚበ ኣሎኹ እሞ ይመልኣልካ፡ ኣምላኽ ድማ ይባርኽካን ይሓሉኻን ኢየ ዝብለካ።

ህዝቢ ኤርትራ ንነጻነቱን ንሰብኣዊ ሓርነቱን 30 ዓመት ዝኣክል መሪርን ከቢድ መስዋእትን ከፊሉ ሃገራዊ ነጻነቱ ኣረጋጊጹ ኢዩ። እንተኾነ ግን ካብ 1998-2000 .. ብዘይ ምኽኑይን ዘይርትዓውን ዶባዊ ግጭት ተኻይዱ፡ ብኣሽሓት ዝኣኽሉ ደቂ ክልተ ህዝቢ ጠፊኦም ኢዮም። ካብዚ ዝነቐለ ድማ ነቲ 13/04/2002 ዝሓለፈ ናይ መጨረሽታን ቀያድን ብይን ኮሚሽን ዶብ፡ ኢትዮጵያ ብወገና ብዘይቅድመ ኵነት ተቐቢላ ንኸተትግብሮ

ድልውቲ ምህላዋ 05/05/2018 ምስ ኣፍለጥኩም ተማሳሳሊ ኣወንታዊ መልሲ ካብ ስርዓት ኣስመራ ንምስማዕ ኣብ ትጽቢት ምንባርኩም እዝከረኒ። ድሕሪ ናይ ሰለስተ ሳምንታት ምጽናሕ ድማ ኣይተ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብቲ በዓል ስዉኣት ዕለት 20/06/2018 ዝተኻየደሉ፡ ብሃንደበት ልኡኻት ንኣዲስ ኣበባ ክሰድድ ምዃኑ መደረ ኣስመዐ፡ ብድሕሪኡ እውን ንስኻ ክቡር / ኣቢይ ኣሕመድ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ህዝቢ ኤርትራ መን ጋሻ ትመጾ ምህላውካ ከይተሓበረ፡ ብሃንደበት ኣስመራ ደበኽ ኢልካ ምስ መጻእካዮ ከምቲ ለዋህ ኣመሉ መርሓባ / ኣቢይ ኣሕመድ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኢሉ ብሓጎስን ብእልልታን ተቐቢሉካ። እንተኾነ ግን ክቡር / ኣቢይ ኣሕመድ ካብቲ ንስኻ ዝረኤኻዮ ህዝቢ፡ ብሚእቲ ግዜ ቝጽሩ ዝዓብን/ዝበዝሕን ህዝብና ኣብ 362 ቤት ማእሰርቲታት ንዓመታት ተቐፊዱ ምህላዉ ኣይትስሕቶን ትኸውን። ኣይተ ኢሰያስ መንግስታዊ ትካልን፡ቅዋምን፡ ነጻ ቤት ፍርድን፡ ባይቶን የብሉን፡ ነታ ሃገር ከም ፊን ዝበሎ ዝገዝእ ዘሎ ውልቀ መላኺ ኢዩ። ኣይተ ኢሰያስ ብህዝቢ ስለ ዘይተመርጸ ንህዝብን ሃገርን ኣይውክልን ኢዩ!!!፡ስለዚ ምስ ኢሰያስ ዝግበር ዝኾነ ይኹን ውዕላትን ካልእን ሕጋውነት ዘይብሉ ምዃኑ ክሕብረካ ይፍቱ። ህዝብና ኣብ ጸልማት ጎዳጕዲ ተኣሲሩን ተቐፊዱን ኣሎ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ መሬት ዘሎ ድማ ኣፉ ተለጕሙ ኣሎ፡ መንእሰያትና ድማ ካብ ሃገሮም ተባሪሮም ውሻጣዊ ኣካላቶም ከምዝውስድ ዝገበረ ገበነኛ ባእታ ኢዩ። ኣብታ ሃገር ክኣ ከምድላዩ ዝዕንድር ዘሎ ውልቀ መላኺ ምዃኑ ድማ ትፈልጥ ኢኻ። እዚ ሕጂ ኢሰያስ ምሳኹም ብሽፋን ሰላም ዘካይዶ ዘሎ ስምምዓት ንህዝቢ ኤርትራ ዘይተሓበረን ዘይተነጸረን ስለዝኾነ ብምንም ተኣምር ቅቡል ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። እዚ ኽኣ ጥልመትን ዝምታን ንህዝቢ ኤርትራ መሬታን ምዃኑ ከዘኻኽረካ ይፈቱ። እወ! ሓቀኛ ሰላም ምግባርን ተኣሳሲርካ ንረብሓታት ህዝቢታት ምስራሕን ድማ ጽቡቕን ዝድገፍን ኢዩ፡ እንተ ንልኡላውነት ሃገር ምጥሓስ ግን ብምድሪ ይኹን ብሰማይ ገበንን ሃየንታን ኢዩ።

ኣይተ ኢሰያስ ንህዝቢ ከይሓበረ፡ ብ13/07/2018 ኣብ ሳዋ ብሃንደበት ንዝምረቑ ሰራዊት ንኣዲስ ኣበባ ክኸይድ ምዃኑ ሓበረ፡ብ14/07/2018 .. ድማ ምስ ጉጅለኡ ማለት ኣብ ሰሙኑ ድሕሪ ንስኻ / ኣቢይ ኣሕመድ ካብ ኤርትራ ምምላስካ፡ ኢሰያስ ክኣ ዘብዘብ ክብል ኣርኪቡካ፡ ብጣዕሚ እውን ገሪሙና። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክኣ ቅድሚ ዶብ ምሕንጻጹን

ንህዝቢ ምሕባርን ብድፉኑ ዓሰብ ምስ ኢሰያስ ክትካፈሉ ምዃንኩም ነቲ ኣብቲ ጽንብልኩም ዕዱም ዝነበረ ህዝቢ ሓቢርኩም። ይቕረታ ግበረለይ / ኣቢይ ኣሕመድ ዋናታት መሬት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ቤት ማእሰርታት ተዓሺጎም ከለው፡ ምስ ብህዝቢ ዘይተወከለ ውልቀ መላኺ ንረብሓ ኢትዮጵያ ኢልካ ስምምዓት ምግባርካ፡ ጽባሕ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን፡ ህዝብን ዘሕትትካ ምዃኑ ሎሚ ኣቐዲመ ክሕብረካ ይፈቱ። እወ! ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዙሕ ዘራኽበና ታሪኽ ኣሎና፡ ብቕንዕና መስርሕ ሰላም ምግባር ጽባሕ ኣየሕፍርን ኢዩ፡ንህዝብታት ድማ ዘልኣለማዊ ቅሳነትን ሰላምን ርግኣትን ዘመጽእ ኢዩ። ስለዚ ከምቲ ናይ 1950 .. ዝተገብረ ዓመጽ ከይድገም ኤማሕጽነካ። ኢሰያስ ዝውክሎ ህዝቢ ከምዘየለ ከኣ ደጊመን ኣጥቢቐን ይሕበርካን፡ ብስም እቲ ኩሉ ዝከኣሎ ኣምላኽ ድማ ዓገብ ይብለካን ኣሎኹ። ኣምላኽ ንሃገረ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድማ ይባርኽ። የቐንየለይ!!!

ምስ ናይ ኣኽብሮት ሰላምታ

/ ኣብርሃም ጳውሎስ

ጀርመን/ካስል ዕለት 21/07/2018

E-mail: This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox