^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 29 guests and no members online

መራሕቲ ሃይማኖት ኤርትራ ሕጂ’ውን ተገፊፎም ናብ ወተሃደራዊ ታዕሊም ይወርዱን ብትካል ጸጥታ ህግደፍ ይእሰሩ ምህላዎምን ተሓቢሩ።

ወዲ 48 ዓመት እስራኤላዊ ኣብ ልዕሊ ጓል 6 ዓመት ኤርትራዊት ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሙ

ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ልዕሊ ክልተ ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ከም ዝኣትው ካብ’ዚ ኣቶም እቶም ዝበዝሑ ጠቕሊሎም ዝመጽኡ ስድራ ቤታት ምዃኖምን ተገሊጹ

ጉጅለ ህግደፍ ብፍላይ ዓመተ 2018 ካብ ዝኣቱ ንነጀው ካልእ ይትረፍ ከም መንግስቲ ንህልውናኡ ዘረጋግጽ ንጥፈታት ይገብር የለን ክብሉ ምንጭታት ሓቢሮም።

ከም ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ሓይሊ መጠን፡ ንህዝቢ ክብል ዘይኮነ ንስለ ህላወኡን ቀጻልነቱን ኣብ ዘቤታዊ ኮነ ግዳማዊ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት እዚ ዝበሃል ስራሕ ይሰርሕ የለን፡ ብተግባር ኩሉ ንጥፈታቱ ኣብ ሓውሲ ደውታ’ዩ ዝርከብ ክብሉ ምንጭታት ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ኣረጋጊጾም።

ኢሳያስ ካብ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዓድሃሎ ዝበሃል ቦታ ዘሕልፎ ግዜ ይበዝሕ፡ ካልኦት ሚኒስተራትን ኣመሓደርትን ድማ ቤት ጽሕፈት ከፊቶም ኣበይ ከም ዝውዕሉ ከምዘይፍለጥ፡ ህዝቢ ኣብ ምምሕደራዊ፣ ቁጠባዊ ኮነ ማሕበራዊ መዳያት ትርጉም ዘለዎ ኣገልግሎት ዝህቦ ስእኑ ካብ’ቲ ዝሓለፈ ዓመታት ብዝኸፍአ ኣብ ከቢድ ጸገም ወዲቕሉ ዘሎ ወቕቲ ምዃኑን ገሊጾም።

እቲ ብማዕከናት ዜናኡ ኣብ ማእቶት ከምዚ ተገይሩ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ከምዚ ተዓሚሙ ኢሉ ዘቕርቦ ጸብጻባት ንመሸፈኒ ግዜ ተባሂሉ ዝቐርብ’ዩ ዝበሉ እቶም ምንጭታት፡ ብዛይካቶም ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ንወተሃደራዊ ነቑጣ፡ ባህርያዊ መዓድናዊ ሃብትና ድማ ንምጉሕጓሕ ቅሩብ ቁራቦ ገንዘብ እናሃቡ ኣብ ሕድሕዶም ክወሃዳደሩ ብዛዕባ ኤርትራ ግዱሳት መሲሎም መግለጺ ዝህቡ ገለ መንግስታትን፡ ምስ ኢትዮጵያ ዝዝረብን እንተዘይኮይኑ፡ ህግደፍ ኣይኮነን ኣብ ባይታ ኣብ ህዝቢ ኣብ እቲ ንመጻረፊ ዝግልገለሉ ፕሮፖጋንዳዊ ዓውዲ’ውን የለን፡ ከም መንግስቲ ሃለዋቱ ዘጥፈኣሉ ኩነታት’ዩ ዘሎ ክብሉ ኣረዲኦም።

ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ልዕሊ ክልተ ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ከም ዝኣትው ካብ’ዚ ኣቶም እቶም ዝበዝሑ ጠቕሊሎም ዝመጽኡ ስድራ ቤታት ምዃኖምን ተገሊጹ።

ኣብ ነፍስ ወከፍ ወርሒ ልዕሊ 2 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ከም ዝኣትው ካብ’ዚ ኣቶም ዝበዝሑ ጠቕሊሎም ዝመጽኡ ስድራ ቤታት፡ ከምኡ’ውን ወተሃደራት ከም ዝኾኑን ላዕለዋይ ተጸዋዒ ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ( UNHCR) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ንዝሃቦ መግለጺ ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና ገሊጸን።

ዓመተ 2018 ካብ ዝኣቱ ክሳብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ኣብ ዘሎ ግዝያት ጥራሕ፡ ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ብድምር 29,211 ስደተኛታት ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተዉ፡ ካብ’ዚ እቶም ዝበዝሑ ዜጋታት ደቡብ ሱዳን ብካልኣይ ደረጃ ዝስርዑ ከኣ ኤርትራውያን ምዃኖም ብወግዒ ምሕባሩን ጸብጺበን።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ 4 ኣብ ክልል ዓፋር 2 ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተዓቕቡሉ መዓስከር ስደተኛታት ከም ዘሎ፡ ብተግባር እቲ ኣሎ ዝበሃል ቁጽሪ ኤርትራውያን ስደተኛታት ግን ዝተጋነነ ምዃኑ፣ ምኽንያት ዝበዝሑ ገለ ብባሕሪ ገለ ከኣ ብካልእ መንገዲታት ቀልጢፎም ካብ’ቲ መዓስከራት ስለዝወጽኡን ኣብ ኣተሓሓዛኦም ብተመሳሳሊ እቲ ዝበሃልን ብተግባር ዝስረሓሉን በበይኑ ምዃኑን ዝተፈላለዩ ወገናት ይሕብሩ።

ወዲ 48 ዓመት እስራኤላዊ ኣብ ልዕሊ ጓል 6 ዓመት ኤርትራዊት ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሙ

ኣቪ ጌታ ዝተባህለ ወዲ 48 ዓመት እስራኤላዊ ንጓል 6 ዓመት ህጻን ኤርትራዊት ከም ዝዓመጸ፡ እታ ግዳይ ዝኾነት ህጻን ካብ’ቶም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ሓተቲ ዕቑባ ኤርትራያን ዝተወልደት ምዃና፡ ንጋዜጣ ሃርጽ ብምጥቃስ ረድዮ ኤረና ብ15 ሰነ 2018 ገሊጻ።

ነዚ ኣነዋሪ ተግባር ሃቲክቫ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ደቡብ ቴልኣቪቭ ዝፈጸመ እስራኤላዊ፡ ፖሊስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትይዎ ከም ዘሎ፡ ጥርጡር ቅድሚ ሕጂ’ውን ብተመሳሳሊ ብዝፈጸሞ ጾታዊ ዓመጽ 14 ዓመት ተኣሲሩ ዝወጽአ ምዃኑን ግልጺ ጌራ።

ብካልእ ዜና፡ ኤሮከም ዝተባህለ ትካል ዕደና ሩስያ፡ ኣብ ደንከሊያ ኮሉሊ ዝተባህለ ቦታ ኣብ ዕደና ፖታሽ ምስ ዝነጥፍ ዘሎ ዳናካሊ ምስ ዝተባህለ ኩባኒያ ኣውስትራሊያ፡ ካብ ዝፈሪ ዘመናዊ ድኹዒ ኣብ ምሻጥን ምክፍፋል ክዋፈር ዘኽእሎ ስምምዕ ብ12 ሰነ 2018 ከም ዝተሰማመዐን ዝገለጸት ረድዮ ኤረና፡ ኩባኒያ ዳናካሊ ክሳብ ሓምለ 2022 ኣብ ዘሎ ግዜ ፍርያት ክጅምር ትጽቢት ከም ዝግበረሉን እቲ ትካል ንዝሃቦ መግለጺ ብምሕባር ወሲኻ ኣረዲኣ።

መራሕቲ ሃይማኖት ኤርትራ ሕጂ’ውን ተገፊፎም ናብ ወተሃደራዊ ታዕሊም ይወርዱን ብትካል ጸጥታ ህግደፍ ይእሰሩ ምህላዎምን ተሓቢሩ።

ብዝሓለፉ ግዳማውያን ገዛእቲ ስርዓታት ኤርትራ ዘይተፈጸመ፡ ኣብ ካልእ ዓለም ድማ ተገይሩ ዘይፈልጥ መራሕቲ ሃይማኖት ኤርትራ ቅዱሳን መጻሕፍቶም ደርብዮም፡ ካብ ሃይማኖታዊ መምርሒኦምን እምነቶምን ወጻኢ ተገዲዶም ናብ ወተሃደራዊ ታዕሊም ክወርዱን ኣብ መሳርዕ ሰራዊት ተመዲቦም ነዚ ጸረ-ህዝቢ መንግስታዊ ጉጅለ ከገልግሉን ይግበር ከም ዘሎን ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኤርትራውያን ዝተረኽበ ዜና ይሕብር።

ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፡ ኣብ ከባቢ ማይ ምነ ኣውራጃ ሰራየ ካብ ዝርከቡ ገዳማት ደብረ ድሁሃንን እንዳ ኣቡነ ዮናስን ብ9 ሰነ 2018 5 መነኮሳን ናብ ገርገራ ተወሲዶም ተኣሲሮም ከም ዘለው፡ ካብ’ቶም ዝተኣስሩ ኣባ ገብረመድህን፣ ኣባ ገብረዮናስ፣ ኣባ ሳሙኤል፣ ኣባ ኤልያስ ዝተባህሉ ከም ዝርከብዎምን ብምጥቃስ ሓቢሩ።

ኣብ ድባርዋን ከባቢኣን ድማ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መሰልኩም ክኽበረልኩም እንተደኣ ኮይኑ፡ ናይ ግድን ናብ ታዕሊም ትወርዱ ዝብል መምርሒ ኣውርዱ ክገፍፍ ከምዝቐነየ፡ በዚ ጸረ ሃይማኖታዊ ንጥፈታት ዝኾነ ፋሽሽታዊ ተግባር እተን ገዳማትን ኣብያተ ክርስትያናትን ኣገልገልቲ ስኢነን ኣብ ሽግር ወዲቐን ከም ዝርከባን ኣረጋጊጹ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 18-06-2018

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox