^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 82 guests and no members online

ኤርትራ ሓንቲ ካብ’ተን ብውህሉል ልቓሕ ኣብ ኣሰካፊ ኩነታት ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ ምዃና ተገሊጹ

ኤርትራ ዝኾነ ሃገራዊ ልምዓታዊ ትሕተ ቅርጻዊ መደባት ዘይካየደላ፡ ህዝባ ኣብ ትሕቲ መስመር ድኽነት ዝርከበላ ሃገር ክንስና፡ ሓንቲ ካብ’ተን ክኸፍላኦ ብዘይኽእላ ውህሉል ዕዳ ኣብ ጸገም ዝወድቃ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ምዃና፡ ደረጃ ዓመታዊ ቁጠባዊ ዕቤት ሃገራት ዝከታተል፡ ትካል ገንዘብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብ8 ግንቦት 2018 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣረጋጊጹ።

ንሱ ማለት እቲ ኣህጉራዊ ትካል ገንዘብ፡ ካብ ኣክራ ጋና ኣብ ዝዘርገሖ ጸብጻብ፡ ኤርትራ ሓንቲ ካብ’ተን ካብ ዓመታዊ ኣታዊአን ወጻኢአን እናበረኸ ዝመጽእ ዘሎ፡ ካብ ዓቕመን ንላዕሊ ድማ ዝተለቀሓ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ዝርከባ ድኻታት ሃገራት’ያ ክብል ስኽፍታኡ ገሊጹ።

ጉጅለ ህግደፍ ሳላ ዝኸተሎ ዘለኹ ካብ ሓራ ፖለቲካዊ መስመሩ ዝብገስ፡ ካብ ጽግዕተኝንነት ነጻ ዝኾነ መደብ ርእሰ ምርኮሳ፡ ኤርትራ ዝኾነ ይኹን ናይ ወጻኢ ዕዳ ዘይብላ፡ ብገዚፍ ወጻኢታት ልምዓታዊ መደባት ዝካየደላ፡ ኣብ ትስፉው ገስጋስ ምዕባለ እትርከብ ሃገር’ያ ኢሉ ከም ዝጀሃር ዝፍለጥ’ዩ።

 

ኣብ ኣሜሪካ ዝነብር ዝነበረ፡ በዓልቲ ቤቱን ካልኦት ቀረባ ቤተሰቡን ዝቐተለ  ኤርትራዊ ብፖሊስ እታ ሃገር ተቐቲሉ።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝነብር ዝነበረ ኣቶ ኣባዲ ገ/ሄር ዝተባህለ ወዲ 64 ዓመት ኤርትራዊ ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ፡ ኣዜብ ዶሞዝ ንዝተባህለት 33 ዝዕድመኣ በዓልቲ ቤቱን ካልኦት ሰለስተ ቀረባ ቤተ-ሰቡን ቀቲሉ ክሃድም ኣብ ዝፈተነሉ፡ ብፖሊስ ብዝተተኮሰ ጥይት ኣብ ጽርጊያ ከም ዝተቐትለ ረድዮ ኤረና ኣፍሊጣ።

እዚ ኣብ ግዝኣት ኮሎምፖስ ኦሃዩ ዝተፈጸመ ብዓይኒ ሰብኣውነት ዘስካሕክሕ ጨካን ፍጻሜ፡ ብኤርትራውነቱ ድማ ካብ ባህሊ ኤርትራ ዝወጽአን ዘሕፍርን ተግባር፡ ከመይ ክፍጸም ክኢሉ ፖሊሲ ገና ኣብ መጽናዕቲ ከም ዝርከብ፡ ካብ መወቲ፣ ሰላም ሃብተን ርእሶም ሃብተን ዝተባህሉ ኣሕዋት ከም ዝርከብዎም ጓል 51 ዓመት ኣዲኦም ወ/ሮ ኣልጋነሽ ገብረግዝኣብሄር ድማ ካብ ሞት ድሒነን ኣብ ሕክምና ይርከባ ኣለዋ ክትብል ኤረና ሓቢራ።

ብካልእ ዜና፡ ኢጣልያ ምስ ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ብምትሕብባር፡ ማእከላይ ባሕሪ ኣቋሪጾም ናብ ሃገራ ክኣትው ንዝፍትኑ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣገዲዳ ናብ’ታ ኢ-ሰብኣዊ ግፍዒ ዝፍጸመላ ሃገረ ሊብያ ክምለሱ ትገብር ኣላ፡ ክብሉ ተወለድቲ ናይጀርያ ዝኾኑ ስደተኛታት ኣብ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ሕብረት ኤውሮጳ ሕጋዊ ክሲ ከም ዝመስረቱ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ጸብጺበን።

 

ልዕሊ 11 ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክሳቐዩ ዝጸንሑ፡ ግን ከኣ ምኽንያት መእሰሪኦም ብወግዒ ዘይተገልጸ ፓስተር ዕቑባ ሚካኤል ተኽለ ሃይማኖት ዝተባህሉ መራሒ ሃይማኖት ከም ዝተፈትሑ ተፈሊጡ።

እቶም ኣማሓዳሪ ቤት ኤል ቤተ-ክርስትያን ቃለ-ህይወትን ካብ 1ይ ክሳብ 8ይ እትምህር ኣብ ደቀምሓረ ዝነበረ ኣሕዳሪት ቤት-ትምህርቲ SIM ዝነበሩ መራሒ ሃይማኖት፡ ስለምንታይ ተኣሲሮም? ብኸመይ’ከ ተፈቲሖም በቲ ዝኣሰረ ኣካል ዝተዋህበ ወግዒ መግለጺ ከምዘየለን ነቲ ጉዳይ ቀረባ ኣፍልጦ ዘለዎም ሰባት ሓቢሮም።

ብዘይ ወግዓዊ ክስን መስርሕ ሕግን ንክንድዚ ዝኣክል ዓመታት ሰባት ኣሲርካ ምስቓይ፡ ኣብ ፍትሕን ልዕልና ግዝኣተ ሕግን ዘለወን ሃገራት ብከቢድ ገበን ዘቕጽዕ’ዩ ዝበሉ እቶም ወሃብቲ ርእይቶ፡ ብግምቶም ምኽንያት መእሰሪኦም ሃይማኖታዊ እምነት፡ ምኽንያት ዝተፈትሕሉ ድማ ብሕማም ስለዝተዳኸሙ ክኸውን ከም ዝኽእል ገሊጾም።

ቃለ-ህይወት ቤተ-ክርስትያን ኣብ ኤርትራ ናይ ነዊሕ ዓመታት ታሪኽ ከም ዘለዋ፡ ግን ካብ 2002 ከም ዝዓጸዋ፡ ዛጊት ምኽንያት መእሰሪኦም ዘይተፈልጡ ብዙሓት መራሕትን ኣመንትን ዝተፈላለያ ሃይማኖታዊ ትካላት፡ ብትካል ጸጥታ ህግደፍ ተዓፊኖም ምስተወስዱ ብህይወት ይሃልው ኣይሃልው ዘይፍለጡ ዜጋታት ከም ዘለው’ውን ኣረዲኦም።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 11-05-2018

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox