^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 29 guests and no members online

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ (ሕድሪ) ካብ 10 ክሳብ 16 ታሕሳስ 2017 ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤኡ ኣካይዱ።

ካልኣይ ጉባኤ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ (ሕድሪ) ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይ 2016 ክካየድ ተመዲቡ ምድላዋት ጉባኤ ምስተጻፈፈ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ብዝኾነ ምኽንያት ንሓደ ዓመት ክሰጋገር ከም ዝተገደደ፡ ሕጂ ግን ብዝተታሕዘሉ ግዜ መሰረት ካብ 10-16 ታሕሳስ 2017 ከም ዝተሰላሰለን ብ17 ታሕሳስ 2017 ኣብ ዘውጸኦ ደምዳሚ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ካልኣይ ጉባኤ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ (ሕድሪ) ብዓለም ደረጃ ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ኣብ ከባቢና ኣሉታዊ ጽልዋታት ከሕድሩ ዝኽእሉ ምዕባሌታት ኣብ ዝተኸስትሉ ከም ዝተኻየደ ዝገለጸ እቲ ደምዳሚ መግለጺ፡ ብፍላይ እቲ መራሒ ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንምሉእ ፖለቲካ ዓለም ከናውጽ ዝኽእል ውሳነ ዘመሓላለፉ ተወሲኽዎ ኩነታት ካብ’ቲ ዝነበሮ ዝያዳ ኣሰካፊ ኣብ ዝኾነሉ ከም ዝተጋበአ ኣረጋጊጹ።

ኩነታት ኤርትራ ብሰንኪ’ቲ ገባቲ መንግስታዊ ጉጅለ ዝኸተሎ ዘሎ ዘይቅኑዕ ፖለቲካዊ ምሕደራ ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ከም ዝርከብ፡ ኣተሃላልዋ ናይ’ቲ ምልኪ ኣልጊሱ ሕብረ ሰልፋዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ክተክል ትጽቢት ዝገበረሉ ደምበ ተቓውሞ’ውን ኣሰካፊ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ጉባኤ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ (ሕድሪ) ኣብ ምድንጓይ ጉዕዞ ኣርባዕተ ውድባት ናቱ ጸገም ከም ዝጸንሖ ብምምልካት፡ እቲ ልፍንታዊ ምሕዝነት ብቕልጡፍ ኣብ ግብሪ ክውዕል ድልውነቱ ከም ዘረጋገጸ፣ ኣብ መወዳእታ ድማ፡ እቲ ውድብ ዝምረሓሉ ፖለቲካዊ ፕሮግራምን ሕገ-ህንጻ ኣጽዲቑ ንክልተ ዓመት ዝመርሑ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ብምምራጽ ከም ዝዛዘመን ሓቢሩ።

ኣብ ሊብያ ንህይወቶም ኣብ ዘስግእ ኩነታት ዝጸንሑ 74 ኤርትራውያን

ብደገፍ ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናብ ኒጀር ከም ዝተሰጋገር ተፈሊጡ

ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ዝርከቡላ፡ ዕሙር ባርነታዊ ንግዲ ዝካየደላ፡ ሰላሙን ጸጥታኡን ከውሕስ ዝኽእል ማእከላይ መንግስቲ ኣብ ዘይብላ ሃገረ ሊቢያ፡ ገለ ዕድለኛታት ኣብ ጽላል ኣህጉራዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል፡ ገለ ዕድል ዘይገበሩ ድማ ኣብ ትሕቲ ሸፋቱ ወዲቖም ኣብ ከቢድ ስቓይ ካብ ዝርከቡ ኤርትራውያን 74 ቆልዓ ሰበይቲ ብደገፍ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናብ ኒጀር ተሰጋጊሮም ኣብ ተነጻጻር ደሓን ከም ዝርከቡ ረድዮ ጀርመን መደብ ቋንቋ ኣምሓርኛ ብ16 ታሕሳስ 2017 ኣፍሊጣ።

እዞም ብዘይ ዝኾነ ደጋፊ ኣብ ሊቢያ ኣብ ስቓይ ዝጸንሑ ዜጋታት ኤርትራ፡ 52 ትሕቲ ዕድመ ህጻናት፣ 21 ኣንስትን 1 ሰብኣይን ከም ዝኾኑ፡ ብመንገዲ ዩ ኤን ኤች ሲ ኣር ብ14 ታሕሳስ ናብ ኒጀር ከም ዝሰገሩ፡ እቲ ኣህጉራዊ ውድብ ገና ካልኦት ኣብ ሽግር ዘለው ስደተኛታት ብተመሳሳሊ ናይ ምስግጋር መደብ ከም ዘለዎ ምግላጹን ኣረጋጊጻ።

ትካል ጸጥታ ህግደፍ ኣብ ቀጽሪ እንዳማርያም ቤተ-ክርስትያን ኣስመራ

ካብ ዝርከብ መባእታን ካልኣይን ደረጃ ቤት ትምህርቲ 5 ካህናት ከም ዝኣሰረ ይግለጽ ኣሎ።

እቲ ቤት ትምህርቲ ብ1946 ማለት ቅድሚ 71 ዓመት ተሃኒጹ ስሩዕ ትምህርቲ ክህብ ከም ዝጸንሐ፡ ህድግለነ ዘይብሉ ጸረ-ህዝቢ ጉጅለ ህግደፍ ግን፡ ንመንግስቲ ኣረክብዎ ዝብል ትእዛዝ ከም ዘወረደሎም፡ ኮይኑ ግን ትእዛዙ ተቐባልነት ከምዘየረኽበ ስለዚ ከኣ ቅድሚ ኣስታት ክልተ ሰሙን ንሓሙሸተ ካህናት ኣሲሩ ከም ዝወሰደን መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ጸብጺባ።

ካብ’ቶም ተመቚሖም ዘለው ካህናት፡ ሰበኻ ጉባኤ፡ ቀሺ ስምኦን ሃይለ ሃብተገርግስ፡ ቀሺ ጴጥሮስ ተኽለ ሃብቱ፡ ቀሺ ኣማኑኤል ሃይለ ሃብተገርግስን ዝርከብዎም ከም ዝኾኑን ኣፍሊጣ።

እቲ ኣረሜናዊ ስጉምቲ ኣብ ሓያሎ ወገናት ብሓፈሻ፡ ኣብ ትካላት ቤተ-ክርስትያን ተዋህዶ ድማ ብፍላይ ቁጠዐ ፈጢሩ ከም ዘሎ፡ ጳጳሳት ገዳም ደብረ ቢዘንን ወለዶ ክህነትን፡ ኣባላት ሰበኻ ጉባኤ ንዝወሰዱዎ ተባዕ ስጉምቲ ብምንኣድ፡ `ኣብ ቃልኩም ጽንዑ፡ ንሕና’ውን ኣብ ጎንኹም ኣለና ዝብል ደገፎም ከም ዝገለጽሎምን ኣረዲኣ።

ቤት ምህርቲ እንዳማርያም፡ ኣብ ዘበነ መግዛእቲ እንግሊዝ፡ ሃ/ስላሰን ደርግን ብዘይዕንቅፋት ንልዕሊ 70 ዓመት ኣገልግሎት ክህብ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሎሚ ከምዚ ዝኣመሰለ ተጻብኦ ከጋጥሞ ንግፍዓውን ኢደ ወነናውን ተግባራት ጉጅለ ህግደፍ ዘነጽር ኣስነዋሪ ተግባር’ዩ።

መንግስቲ ኣመሪካ ንሓያሎ ኤርትራውያን ከባርር ኣብ ውሳነ ከም ዝበጽሐ፡

ጉጅለ ህግደፍ ድማ ንዜጋታቱ ኣብ ምቕባልን ዘይምቕባልን የዕለብጥ ከም ዘሎ ምንጭታት ይገልጹ ኣለው።

መንግስቲ ኣመሪካ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ኣትዮም ንዝበሎም ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ናይ ምጽራይን ምብራርን ስጉምቲ ይወስድ ከም ዘሎ፡ ኣስታት 700 ዝኾኑ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ኣብ’ታ ሃገር ዝኣተው ኤርትራውያን ድማ ገለ ካብ’ቶም ግዳያት ምዃኖም ተፈሊጡ ከም ዘሎን ዝገለጹ እቶም ምንጭታት፡ ንኤርትራ ይመርሕ ኣለኹ ዝብል ጉጅለ ህግደፍ ግን ዜጋታትካ ተቐብል ኣይቅበልን ኣብ መንጎ ሕራይን እምብን የዕለብጥ ምህላውን ኣረዲኦም።

ጉጅለ ህግደፍ ዜጋታቱ ኣብ ምቕባል ዘዕጠጢ ዘሎ ተሸማጊሉ ብስም’ቶም ብሓይሊ ዝጥረዙ ዘለው ኤርትራውያን ገንዘባውን ካልእ ጠቕምን ንምርካብ ዝገብሮ ዘሕፍር ፈተነ ከም ዝኾነ፡ ድሮ ንገሊኦም ከም ዝቕበል ነገሊኦም ድማ ከም ዘይቕበል፡ ብዝረኽቦ ገንዘባዊ ጠቕሚ እናዓየር ሌላን ጉሌላን ይገብር ከም ዘሎን ይሕብሩ።

ኣብ ህልዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራን ቅድም ክብል ካብ ሃገራት ግብጺ፣ ማልታ፣ ሊቢያን ሱዳንን ብሓይሊ ናብ ኤርትራ ዝተመልሱ ዜጋታት ኤርትራ እንታይ ከም ዘጋጠሞም እኹል ኣፍልጦ ዘለዎም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኤርትራውያን ናብ መንግስቲ ኤርትራ ኣሕሊፍካ ክወሃቡ የብሎምን። ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ውሳኔኡ ዳግመ ርእይቶ ይግበር። ሰብኣዊ መሰሎም የኽብር ዝብል ጎስጓሳት የካይዱ ከም ዘለውን ክፍለጥ ተኽኢሉ ኣሎ።

ሓደ ኢትዮጵያዊ ካብ ኤርትራ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝተመልሰሉ ብግብረ ሽበራ ተጠርጢሩ ከም ዝተታሕዘ ተገሊጹ።

ታደሰ ከርሰሞ ዝተባህለ ወዲ 51 ዓመት ኢትዮጵያዊ ኣብ ኤርትራ ጸኒሑ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክኣቱ እንከሎ ሂዝሮው ኣብ ዝተባህለ መዓርፎ ነፈርቲ ከም ዝተታሕዘ፡ ኣብ ዝተገብረሉ ምርመራ ድማ፡ ንፍሉይ ወተሃደራዊ ስልጠና፣ ጨመቶ ተኹሲ፣ ብኻራ ናይ ምጥቃዕ፣ ብደባይ ጉጅለታት ዝዝውተሩ ወተሃደራውን ጸጥታውን ስልቲ ንምምሃር ዘገልግሉ ሰነዳት ኣብ ኮምፒተሩ ከም ዝተረኽበን ረድዮ ኤረና ብ18 ታሕሳስ 2017 ጸብጺባ።

ታደሰ ከርሰሞ ብ2009 ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከም ዝኣተወ፡ ነዚ ወተሃደራዊ ሰነዳት ካበይ ኣምጺእካዮ ስለምንታይ’ከ ሒዝካዮ ዝብል ብቤት ፍርዲ ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ ኣነ ኣብ ኢንተርኔት ዝረኸብክዎ ሰነዳት ኣውሪደ ናይ ምስናድ ልምዲ ኣለኒ ዝብል መልሲ ከም ዝሃበ፡ ኣኽባሪ ሕጊ ግን ንመልሱ ከምዘይተቐበሎን ኣረዲኣ።

ታደሰ ካብ ታሕሳስ 2015 ክሳብ መስከረም 2016 ኣብ ዝነበረ ግዝያት፡ ብመንገዲ ግብጺ፣ ብተደጋጋሚ እዋን ናብ ኤርትራ ከምዝተመላለሰ ዘመልከተ ኣኽባር ሕጊ፡ እቲ ሰነዳት ምስ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጉዳይ ዝተኣሳሰር ክኸውን ይኽእል’ዩ ዝብል ጥርጠራ ከምዘለዎ ብምግላጽ፡ ኣብ ብሪጣኒያ ፖለቲካዊ ዕቑባ ክሓትት እንከሎ’ውን ኣንጻር ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ መርገጽ ከም ዘለዎ ኣመዝጊቡ ምንባሩ ብምጥቃስ፡ እዚ ሰብ ኣባል ናይ’ቶም ብመንግስቲ ኤርትራ ዝድገፉ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ክኸውን ይኽእል’ዩ ከም ዝበለን ሓቢራ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝዳሎ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 20-12-2017

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox