^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 67 guests and no members online

ነፈርቲ ኲናት ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ኲናት ሕድሕድ የመን ይሳተፋ ኣለዋ ክትብል ረድዮ መድረኽ ገሊጻ።

መንግስቲ ኣመሪካ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ኣትዮም ዝበሎም ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ከባርር ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ካብ ቀደሙ ጽኑዕ ፖለቲካዊ መሰረት ዘይጸንሖ ዕርክነት መንግስቲ ሱዳንን ጉጅለ ህግደፍን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከም ዝርከብ ይግለጽ ኣሎ።

ካብ ቀደሙ ኣብ ህዝቢ ንህዝቢ ረብሓታት ዝተሰረተ ወግዓዊ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ዘይኮነ፡ መንግስቲ ሱዳን ጠባሪ ጉጅለ ህግደፍ ተጠባሪ ኮይኑ ክኸይድ ዝጸንሐ ዕርክነት፡ መንግስቲ ሱዳን ንዘይሕጋዊ ኮትሮ ባንዳዊ ኣካይዳ ጉጅለ ህግደፍ ብዙሕ ተዓጊሱ፡ መጠበሪ ሂቡ ከም’ቲ ዝደለዮ ክኸደሉ ስለ ዘይከኣለ፡ ተጻዋርነቱ ይውዳእ ከም ዘሎ ዘመላኽቱ ነገራት የረኣዩ ከም ዘለው፡ ምንጭታት ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ካብ ሱዳን ብስልኪ ሓቢሮም።

ንክልቲአን ሃገራት ዘዳውብ ቦታታት ወግዓውነት ዝተረፎ ናብ ግንባር ሰረቕትን ዘረፍትን ተቕየሩ ከም ዘሎ፡ በዚ ህዝቢ የማርር ምህላው፡ ቤት ጽሕፈት ኤምባስን ቆንስላን ህግደፍ ምስ ነጋዶ ሰብ ተኣሳሲሩ ዘካይዶ ዘሎ ዘይሕጋዊ ተግባራት፡ ስለዚ ከኣ ካብ ዶባት ክሳብ ዓበይቲ ከተማታት ሱዳን ሕጋዊ ኣሰራርሓ ጠፊኡ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ጸጥታዊ ስግኣት ኣትዩ ከም ዝርከብ፡ እዚ ሓደ ካብ’ቲ ንምዝድናኦም ክሕርፍፍ ዝገብር ዘሎ’ዩ ተባሂሉ ከም ዝዛረብን ገሊጾም።

ኣብ መንጎ ጉጅለ ህግደፍን መንግስቲ ግብጽን ዘሎ ኣንጻር ኢትዮጵያ ዘቕነዐ ናይ ለኣኽን ተለኣኽን   ዕርክነት፡ ዝምድና ሱዳንን ኢትዮጵያን እናደልደለ ምምጻኡ፡ በዚ ዘይተሓጎሰ መንግስቲ ግብጺ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሱዳን ብቐጥታ ባዕሉን ብተዘዋዋሪ ብህግደፍ ኣቢሉ ክገብሮ ዝፍትን ተጽዕኖን ህዝቢ ዝግንዘቦ ቃልዕ እንኾነ ይመጽእ ብምላው’ውን ዕርክነት ህግደፍን መንግስቲ ሱዳንን ካብ ዘበላሽው ካልእ ምኽንያት ክኸውን ይእኽእል ዝብል ግምታት ከም ዘሎን ኣረዲኦም።

 

መንግስቲ ኣመሪካ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ኣትዮም ዝበሎም  ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ከባርር ምዃኑ ኣፍሊጡ።

 

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ናይ ምረጹኒ ጎስጓስ ኣብ ዘካይደሉ ዝነበረ ግዜ፡ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ናብ ሃገርና ንዝኣተው ስደተኛታት ነናብ ዝመጽእሉ ሃገር ክመልሶም’የ ኢሉ ብዝኣተዎ ቃል መሰረት፡ ቃሉ ዘተግብረሉ ውሳነ ከም ዘሕለፈ፡ በቲ ውሳነ መሰረት ዜጋታት ኤርትራ፣ ሰራሊዮን፣ ጊኒ፣ ካምቦዲያ ግዳይ ከም ዝኾኑ ጋዜጣ ዋሽንግቶን ታይምስ ሓቢራ።

ምምሕዳር ትራምፕ፡ ነዞም ሕጋዊ መንበሪ ፍቃድ የብሎምን ስለዚ ክስጎጉ ኣለዎም ኢሉ ውሳነ ዘሕለፈሎም ዜጋታት ኣርባዕተ ሃገራት፡ መንግስታት እተን ሃገራት ዜጋታትና ኣይንቕበልን ስለዘበሉ ናይ ቪዛ እገዳ ከም ዝገበረሎም ንሰበ-ስልጣን ውሽጣዊ ጸጥታን ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያትን ብምጥቃስ ገሊጻ።

 

ኣብ ዓዲ ጥልያን ካብ ዝቕመጥሉ ዝነበሩ ህንጻ ብሓይሊ ፖሊስ ተሰጒጎም  ኣብ ጎደና ዝተደርበዩ ስደተኛታት ብዝኸፍአ መልክዑ ይከላበቱ ኣለው።

 

ፖሊስ ኢጣልያ ዝነብርሉ ዝነበሩ ኣረጊት ህንጻ ክሕደስ’ዩ ብዝብል ምኽንያት ብ19 ነሓሰ 2017 ብዘይ ዝኾነ ኣማራጺ ብጭካነ ዘባራሮም ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት፡ ኣብ ማእከል ከተማ ሮማ ኣብ ዝርከብ ጎደና ተደርቢዮም ከም ዘለው፡ ምምሕደር እታ ከተማ ሕጂ’ውን ብዘይ ዝኾነ ናይ ህይወት ውሕስነት ካብ’ቲ ጎደና ንምልጓሶም ዝተፈላለየ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ይወስድ ከም ዘሎን ምንጭታት ካብ’ቲ ቦታ ሓቢሮም።

እቶም ካብ ዝነብርሉ ዝነበሩ ህንጻ ተሰጒጎም፡ ዝኾነ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዘይብሉ ኣብ ጎደና ዝተደርበዩ ስደተኛታት፡ ቆልዑ፣ ነብሰ ጾራት፣ ብሕማም ዝተደነሱን ብዕድመ ዝደኸሙን ከም ዝርከብዎም፡   ምምሕደራ ከተማ ሮማ ኣብ ጎደና ክድርበዩ ምግባሩ ከይኣክል፡ ሓይሊ ፖሊስ ኣዋፊሩ ብበትሪ ክኽትከቱ ምእዛዙ ምስ ምዕባለ ኤውሮጳ ዘይከይድ፡ ህዝብን መንግስትን ጣልያን ምስ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ነዊሕ ንዝጸንሖም ዝምድና ኣብ ግምት ዘየእተወ ፍጽሙ ጭካነ ዝመልኦ ተግባር’ዩ ክብሉ ዝተፈላለዩ ወገናት ይኹንንዎ ኣለው።

 

ነፈርቲ ኲናት ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ኲናት ሕድሕድ የመን  ይሳተፋ ኣለዋ ክትብል ረድዮ መድረኽ ገሊጻ።

 

ነፈርቲ ውግእ ጉጅለ ህግደፍ ሓንሳብ ነበይነን ካልእ ግዜ ድማ እቶም ፓይሎታት ምስ ኣብረርቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብምዃን ኣብ ውግእ ሕድሕድ የመናውያን ይሳተፋን ይድብድባ ኣለዋን ክትብል ረድዮ መድረኽ ብ25 ነሓሰ 2017 ኣቃሊሓ።

ጉጅለ ህግደፍ ምስ ኢራን ዝነበሮ ናይ ተለኣኣኽነት ዝምድና በቲኹ፡ ኣብ ትሕቲ ካልእ ለኣኽን ጎይታን ብስዑዲያ ዝምራሕ ልፍንቲ ካብ ዝተኣወሉ ግዜ ኣትሒዙ፡ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ንመዋፈሪ ሓይልታት ልፍንቲ ክኸውን ብምፍቃዱ፡ ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ኣሕዋት ህዝብታት የመንን ኤርትራ ኣሎታዊ ታሪኻዊ ስንብራት ክገድፍ ምዃኑ ክሕበር ምጽንሑ፡ ሕጂ ድማ ብነፈርቲ ኲናት ምድብዳቡ ነቲ ጉዳይ ከም ዘኽብዶን ተዓዘብቲ ይገልጹ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 28-08-2017

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox