^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 144 guests and no members online

ሽማግለ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኣብ ኮለን ሃገረ ጀርመን  ፖለቲካዊ ዓውደ ዘተ ካከይድ መዲቡ ምህላው ገሊጹ።

ንኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዘዳውብ ቦታ  ክልተ ትሕተ ዕድመ ኤርትራውያን ብፈንጂ ተሃሪሞም።

ዝቕጽል ግፋ ናባናዩ ካብ ዝብል ስግኣት ተበጊሶም ነብሶም ከግልሉ ዝፈተኑ ኣብ ክሊ ዕድመ 15 ክሳብ 17 ዝኾኑ ኤርትራውያን ብሽነኽ ዛላንበሳ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዘራኽብ ቦታ ብ22 ሓምለ 2017 ብፈንጂ ተሃሪሞም ብከቢድ ከም ዝተጎድኡ ምንጭታት ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ካብ ዓዲግራት ሓቢሮም።

እቶም ዛጊት ብንጹር ኣስማቶም ዘየረጋገጽናዮም ግዳያት፡ ክልቲኦም ደቂ-ሰርሓ ከም ዝኾኑ፡ ሓደ ሽዑ ንሽዑ እግሩ ከም ዝተቖርጸ፡ እቲ ሓደ ድማ ዓይኑ ከም ዝተሃርመ፡ ሓዲኦም ኣብ ሆስፒታል ዓዲ ግራት ሓዲኦም ከኣ ኣብ ሆስፒታል መቐለ ይሕከሙ ምህላዎም፡ ዛጊት መንነቱ ናይ ዘይተፈልጠ ሬሳ ኣብ’ቲ ንሳቶም ዝተሃርምሉ ቦታ ከም ዝረኣዩ ምሕባሮምን እሙናት ምንጭታት ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ኣረጋጊጾም።

ጉጅለ ህግደፍ ፖሊሲ ተኲስካ ቅተል ከተግብሩ ዘዋፈሮም ወተሃደራቱ ከይተረፈ ብዝረኸብዎ ኣጋጣሚታት እናራሕርሕዎ ምስ ከዱን መሳርዑ ምስ ሰሓወን ንኤርትራን ኢትዮጵያን ንዘራኽብ ቦታት ኩሉ ፍጹም ሓላፍነት ብዝጎደሎ ናይ ቀቢጸ ተስፋ ፈንጂ ዘሪእዎ ከም ዘሎ ዝፍለጥ’ዩ።

ሽማግለ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኣብ ኮለን ሃገረ ጀርመን  ፖለቲካዊ ዓውደ ዘተ ካከይድ መዲቡ ምህላው ገሊጹ።

 

እቲ ፖለቲካዊ ዓውደ ዘተ ኣብ ዕለተ ቀዳም 16 መስከረም 2017 ዝካየድ ምዃኑ፡ ተመክሮኦም ከካፍሉ ተዳልዮም ካብ ዘለው ዕዱማት ሓደ ደራሲ መጽሓፍ “ ሳሕል ወፍሪና እንታይ ኣምጻኣና” ኣባል ምስጢራዊት ገበናዊት ሰልፊ ዝነበረ ገዲም ተቓላሳይ ኣቶ የማነ ተስፋገርጊስ ምዃኑን ሽማግለ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኣብ ዘውጸኦ ናይ ዕድመ መጸዋዕታ ኣፍሊጡ።

ኣቶ የማነ ተስፋ ገርጊስ ኣብ’ታ ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብወሳኒ መልክዑ ኣብ ውሽጢ’ቲ ውድብ ንዝለዓሉ ናይ ርእይቶ ፍልልያት ኣብ ምጭፍላቕ፣ ምጭዋይን ምቕንጻልን ተግባራት ተካይድ ዝነበረት ብወግዒ ብኣባላት እቲ ውድብ ዘይትፍለጥ ምስጢራዊት ሰልፊ ኣባል ኣብ ዝነበረሉ ዝተፈጸሙ ገበናት፡ ቅድሚ ገለ ዓመታት ብመዕከናት ዜና ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ብሓላፍነታዊ ኣገባብ ብዝርዝር ኣቃሊዑ ምንባሩ፡ ነቲ ገበናዊ ተግባራት ብመጽሓፍ ሰኒዱ ዘርጊሕዎ ከም ዘሎ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ህዝባዊ መድረኻት ድማ የዕምቖ ምህላውን ዝፍለጥ ኮይኑ እዚ ናይ ዕለት 16 መስከርም 2017 ከኣ መቐጸላታ ከም ዝኾነን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ምስ ዘይሕጋዊ ስደት ዝተኣሳሰር ጥርጠራ ኣለኒ ክብል ፖሊስ ኢጣልያ ንዝቐረበሎም ክሲ ህይወት ስደተኛታት ንምድሓን ዝሰራሕክዎ ምስጢራዊ ነገር የለን ክብሉ መሊሶም።

ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ተሓባቢርኩም ተባሂሎም ብፖሊስ ኢጣልያ መርመራ ዝካየደሎም ዘሎ ኣባ ሙሴ ዘርኣይ፣ ህይወት ስደተኛታት ንምድሓን ኣብ ዝገበርዎ ናይ ሓያሎ ዓመታት ጻዕሪ፣ ብምስጢር ዝሰርሕዎ ስራሕ የለን ክብሉ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየድዎ ቃል መጠይቕ ምግላጾም ረዲዮ ኤረና ብ18 ነሓሰ 2017 ገሊጻ።

ኣባ ሙሴ "ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ካብ ዘንጸላለዎም ስደተኛታት ናይ ርድኡና መልእኽቲ እንተተቐቢለ፣ ግዜ ከወሰድኩ’የ ናብ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያን ከም ሓካይም ብዘይዶብ ዝኣመሰሉ ዘይመንግስታውያን ትካላትን ዘመሓላልፎ ኢሎም።

ብብዙሓት ብባሕሪ ሜዲትራኒያን ዝሓለፉ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ምስጉን ስምን ተግባርን ዘለዎም ኣባ ሙሴ ዘርኣይ፡ እዚ ናይ ጥርጠራ ኣለኒ ክሲ ቀሪብሎም ምስተሰምዐ ንብዙሓት ካብ ምግራሙን ምቑጣዑን ሓሊፉ ናይ ህግደፍ ኢድ ከይህልዎ ዝብል ጥርጠራታት ይዓቢ ከም ዘሎ ኤርትራውያን ነበርቲ ኢጣልያ ሓቢሮም።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰልማን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 21-08-2017

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox