^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 67 guests and no members online

ፖሊስ ኢጣልያ፡ ኣብ ግብረ ሰናይ ተግባራት ዝነጥፉ ኤርትራዊ ኣባ ሙሴ ዘርኣይ፡ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ኢድ ከይህልዎም ጥርጠራ ኣለኒ ብማለት ምርመራ የካይድ ኣሎ ተባሂሉ።

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ሎሚ’ውን ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሓይሊ ኣገዲዶም ንህግደፍ የረክቡ ኣለው።

ኣብ ዶባት ኤርትራን ሱዳንን ዝተወደበ ራስያ ንብረት ይካየድ ኣሎ

ካብ ወጻኢ ናብ ሃገሮም ዝኣትው ኤርትራውያን ብብዝሒ ብመሬት ብመንገዲ ሱዳን ከም ዝጥቀሙ፡ እንተኾነ ኣብ ናይ ተፍትሽ ቦታታት ምስ በጽሑ ብኣባላት ጸጥታ ብዘይ ምኽንያት ከም ዝከላበቱ፡ ስለዚ ከኣ ገለ ብገንዘብ ገለ ድማ ብዓይነት መጠበሪ ከም ዝኽፍሉ ክግለጽ ምጽናሑ ዝፍለጥ’ዩ።

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ካብ ኩሉ ዝኸፍአ፡ ኣብ ብሎኮ ወይ መሬት ኤርትራ፡ ዝተኸልከለ ንብረት ወይ ሸቐጥ’ዩ ዝብል ሽፋን ብምጥቃም ብዝተወደበ ኣገባብ ስርቂ ገርጊሩ ምህላው ምንጭታት ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ብ12 ነሓሰ 2017 ካብ ከሰላ ሓቢሮም።

ካብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ፣ ካብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝኣትው ኤርትራውያን ንቤተ-ሰቦም ሒዘሞ ዝመጽኡ ዝተፈላለየ ዓይነት ህያባት ጥራሕ ዘይኮነ፡ ካብ ኢትዮጵያ ዝኣቱ ካብ ዓሰርተ ዕስራ ኪሎ ዘይበዝሕ ሽሮ በርበረ ፍቓድ ይሃልዎ ኣይሃልዎ ብዘየገድስ ብጉልባብ ክኣቱ ኣይፍቀድን ከም ዝውሰድ ምንጭታት ኣረጋጊጾም።

እቲ ዝተወደበ ራስያ ናይ ለዕለዎት ሓላፍቲ ህግደፍ ኢድ ከም ዘለዎ ዝሓበሩ ምንጭታትና፡ መስመር ሱዳን ኤርትራ ናብ ግንባር ሰረቕቲ ተቐይሩ ምህላው ኩለን ማዕከናት ዜና ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንህዝቢ ክሕብራን ከጠንቅቓን ኣተሓሳሲቦም።

ፖሊስ ኢጣልያ፡ ኣብ ግብረ ሰናይ ተግባራት ዝነጥፉ ኤርትራዊ ኣባ ሙሴ ዘርኣይ፡ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ኢድ ከይህልዎም ጥርጠራ ኣለኒ ብማለት ምርመራ የካይድ ኣሎ ተባሂሉ።

ፖሊስ ኢጣልያ፣ ኣብ ባሕሪ ሓደጋ ንዘጋጠሞም ይኹን ኣብ ካልእ ከበድቲ ጸገማት ንዝወደቑ ስደተኛታት ብምሕጋዝ ጽቡቕ ስም ንዘለዎም ኣባ ሙሴ ዘርኣይ፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ኢድ ከይህልዎም ጥርጠራ ኣለኒ ስለ ዝበለ፡ ኣኽባር ሕጊ ትራፓኒ፣ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ብምኽሳስ እቲ ጉዳይ ክጻረ ምዃኑ ከምዝነገሮም፣ ኣብ ሮማ ንዝርከብ ወኪል ኣገልግልት ዜና ፈረንሳ ምሕባሮምን ረድዮ ኤረና ብ10 ነሓሰ ኣብ ዝዘርገሓቶ ዜና ኣፍሊጣ።

ኣባ ሙሴ ቅድሚ ሎሚ ብከምዚ ተጸዊዖም ከምዘይፈልጡ፡ ነቲ ብኣኽባሪ ሕጊ ትራፓኒ ዝቕረበሎም ክሲ፡ ማሕበረይ ኣጄኒስያ ሓበሻ፡ ኣብ ምሕጋዝ ስደተኛታትን ግብረ ሰናይ ንጥፈታትን ዝተዋፈረ ወግዓዊ ማሕበር’ዩ ብምባል መሰረት ዘይብሉ ምዃኑ ብምግላጽ ዕላማይ ህይወት ሰባት ምድሓን’ዩ ዝብል መልሲ ከም ዝሃብዎን ኣረዲኣ።

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ሎሚ’ውን ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሓይሊ ኣገዲዶም ንህግደፍ የረክቡ ኣለው።

ኤርትራውያን ንሱዳን ከም መሰጋግሪ ናብ ሊብያ ካብኡ ቀጺሎም ከኣ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ስለዝጥቀሙላ፡ ብቐጥታ ካብ ኤርትራን ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ንፖሊሲ ተኲስካ ቅተል ጉጅለ ህግደፍ ሰጊሮም ኣብ ሱዳን ከም ዝኣትው፡ እንተኾነ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ካብ ወግዓዊ መንግስታዊ ሕጊ እታ ሃገር ወጻኢ፡ ዘይሕጋዊ ጉዕዞ ከም ጽቡቕ ሽፋን ተጠቒሞም፡ ካብ ምድረ በዳ ሰሃራ፡ ጎደናታት ካርቱም ክሳብ ገዛ ገዛ እናኣተው ብምእሳር ክንድዚ ገንዘብ ክፈሉ እንተዘየለ ንገብሮ ኣለና እናበሉ የስቕይዎም ከም ዘለው ይግለጽ ኣሎ።

ንኣብነት ኣብ’ዚ ቀረባ ካብ 100 ንላዕሊ ዝኾኑ ኤርትራውያን ብመኪና ናብ ሊብያ እናተጓዕዙ እንከለው ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ምስ ነጋዶ ሰብ ተመሳጢሮም ከም ዝሓዝዎም፡ ንፍርቆም ናብ መንግስቲ ህግደፍ ከረክብዎም ምዃኖም ሓቢረሞም ከም ዘለው፡ እቶም ዝተረፉን ግን ኣበይ ኣእትየሞም’ውን ዛጊት ከምዘይተፈልጠን እቶም ወሃብቲ ሓበሬታ ኣረዲኦም።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 14-08-2017

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox