^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 64 guests and no members online

ናይ ጥፍኣት ፖሊስን ፋሽሽታዊ ተግባርን ህግደፍ፡ ብምጥራር ዶብ ዝሕከም ኣይኮነን።

ካልኣይ ክፋል

ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይ’ዚ ጽሑፍ፡ ዝተኸፍለ ይከፈል ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ክብረት ልኡላዊ መሬት። ሰራዊት ወያነ ካብ መሬትና ጠቕሊሉ ከይወጽአ ዝርርብ’ዶ ዘተ’ዶ ዝበሃል ዘበት ክብሉ ጸኒሖም። መንግስትና ሓቀኛ’ዩ። ሕጋዊ’ዩ። ርሑቕ ዝጥምት ፈታዊ ህዝቡን ሃገሩን’ዩ። ንዓለም ክመርሕ ዝኽእል’ዩ። ንሕና ኸኣ ኣብ ጎኑ እናበሉ፡ ብዕሙት ኣምልኾ ክህውትቱ ጸኒሖምን ኣለውን ኣብ ዝብል ምስ በጻሕና’ዩ ተቓሪጹ ነይሩ። ካልኣይ ክፋሉ ድማ እነሆ ይቕጽል።

እዚ ሰራዊት ወያነ ካብ ልኡላዊ መሬትና ጠቕሊሉ ከይወጽአ፡ ፊት ንፊት ብኣካል ተራኺብካ ምዝታይ ወይ ምዝርራብ ዝበሃል ዛዕባ፡ ሕልሚ ‘ምበር ብጋህዲ ክኸውን ዘይኽእል’ዩ። ንሰላም ንግደስ ኢና ንዝብሉ ኣማኸርቲ ድዮም ኣማለድቲ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ እንታይ ግበር ትብልዎ፡ መሬቱ ብሓይሊ ተጎቢጡ ንልዕልና ሕጊ ክብል ስለዝተዓገሰ፡ ኣይፋልክሙን ክትገብሩ ከተስምዑ ትኽእሉ እንተኾይንኩምስ እቲ ውሳነ ክወሃብ እንከሎ ኣውሓስቲ ናብ ዝነበሩ ትካላትን ኣካላትን ብቐንዱ ከኣ ናብ ኣሸቃሊ ወያነ ዝኾነ፡ ወትሩ ኣንጻር ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ደው ምስ ዝብል ምምሕዳር ዋሽንግቶን ገጽኩም ዘውር በሉ ኢና እንብሎም።

ሎሚ ለቢምና ኢና ዓሻኹም ድለዩ፡ እቲ ዝበሃልን ዝግበር ፈተነታት ካብ ቀንዲ መስመርና ንምውጻእ ዝግበር ሃቐነ ምዃኑ ስለ ንፈልጥ፡ ዝተኸፈለ ይከፈል ብዋጋ ክብርና፡ ሓራ ፖለቲካዊ መስመርናን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ከፊልና ዘምጻእናያ ሃገርን ኣይንዋገን። ከምኡ እንተገይርና ክሕደት’ዩ። ክሕደት ንስውኣትና። ክሕደት ከኣ ባህሊ ህዝባዊ ግንባር ኣይኮነን። ተዛቲኹም ፍትሕዎ ዝበሃል ጉዳይ፡ ካብ ሕጊ ወጻኢ ኪዱ ማለት’ዩ። እዚ ከኣ ኣይንገብሮን። ሕጊ ከይትርግበር ካብ ሕጊ ወጻኢ ክንከይድ ኣይንኽእልን። ኣብ መንጎ’ዞም ክልተ ኣሕዋት ህዝብታት ዘላቒ ሰላም ክወርድ እንተደኣ ተደልዩ፡ ልኡላዊ መሬትና ይከበር። ሰራዊት ወያነ ካብ ልኡላዊ መሬትና ብዘይ ዝኾነ ዘረባ ይውጻእ። ካልእ ማልእ ትርጉም ዘይብሉ መሀውተቲ’ዩ ክብል ጸኒሑ።

ን16 ዓመት መመላእታ ትንፋስን መትንታትን ሃገር በዚ ኣምስሉ ምኽንያት’ዚ ተሓኒቑ ክቕጽል ተፈሪዱ። ልኡላውነት ህዝቢ ኣይተኸብረ ልኡላውነት መሬት ኣይተኸብረ፡ ልሳኑ ክሳብ ዝቐጥን ስርዓት ወያነን ምምሕዳር ዋሽንግቶንን ክደጋግም ንህዝቢ ከም ህዝቢ ዘቑሙ ኣዕኑድ ክብርታት ሰባቢሩ። ካልእ ይትረፍ ኣብ ህግደፍ ክሕቆፉ ዝግበሮም ፖለቲካዊ መርገጽን ሕጋዊ ኣሰራርሓን ሓደ ክልተ ኢሎም ጭቡጥ ምኽንያት ከቕርቡ ዘይኽእሉ፡ ብባዶ ጃህራን መብጸዓ ኢሳያስን ኣብ ተራ ጽልኢ ዝተመስረተ መን ከማና ኣስካሪ ፕሮፖጋንዳ መዕከናት ዜና ህግደፍን ዝምርሑ ኣምለኽቱ፡ ሰብ ፍሉይ ረብሓን ገለ ብየዋህነት ዝተጸንበርዎም ልኩማትን ንዘምኽኑይ ናይ ጥፍኣት መንገዲ ህግደፍ ደጊፎም ነቲ ልኡላውነት መሬት ዝተኽፍለ ይከፈል ኣብራሲ ኣተሓሳስባ ተሓንጊጦም ኣጆኻ ኣለና ኣብ ጎኒኻ ክብልዎ ጸኒሖም። ነቲ ኩሉ ህግደፍ ዝጠንቁን ተሓታቲኡን ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሕሰምን ቁጠባዊ ውድቀትን ብወያነን ምምሕዳር ኣመሪካን ዝመቲጽአ ሓጥያት ገይሮም ብግልባጡ ከንብቡን ኣብ ገበናዊ ተግባራት ክቆማጥዑን ጸኒሖም።

ኣንጊሁ ማለት ካብ መድረኽ ብረታዊ ተጋድሎ ንሃገራዊ ነጻነትን ሓርነትን ጀሚሩ ብውሁብ ምኽንያት ንርእይቶኡ ዝድግፉ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ሰብኣዊ ሕልናኦም ኣሕሊፎም ዝሃቡ ኣምለኽትን ንኸብዶም ዝሓደሩ ዕሱባትን ከመይ ከምዘፍሪ፡ እንታይ ኣተሓሳስባ ከም ዝምግቦም፡ እንታይ ዕማም ሂቡ ከም ዘዋፍርን ተመክሮ ዘለዎ መላኺ ኢሳያስ ከም ተዛራቢ ኣቕሓ እናገላበጠ፡ ኣብ መናውሒ ስልጣኑ ይጥቀመሎም ኣሎ። መልእኽቲ ናይ’ዚ ጽሑፍ ድማ ብቐንዱ ናብ’ቲ ብባህሪኡ ጽግዕተኛ፡ ብተግባሩ ክብርታት ህዝቢ ኣዕኒዩ፡ ስድራ ቤታት በታቲኑ ሃገር ባዶ ናይ ምትራፍ መደብ ሒዙ፡ ብእንኮ ሰብ እናተመርሐ ዝሃልል ዘሎ መንግስታዊ ጉጅለ ዘይኮነ፡ ናብ’ቶም ካብ ሕሉፍ ዘይመሃሩ ዜጋታት ዘትኮረ’ዩ። ሰባት ንሰባት ክኣምኑ ንቡር’ዩ። እምነት ግን ብኸመይ? ክሳብ መዓስከ ደረት ኣለዎ። መምዘኒታት ኣለዎ።

እንተወሓደ እቲ ዝበሃለካ ዘሎ ሓቂ’ዶ ሓሶት ኣብ ባይታ ከተረጋግጾ ኣለካ። ብፍላይ ከኣ ኣብ ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ሕጋዊ ኣካይዳን ሰባት በብዝጥዕሞም ብዝነገሩኻ ዘይኮነ፡ ነቲ ፖለቲካዊ ኣንፈት ምስ ዝንባሌኻ ዝሰማምዕ ድዩ ዘይሰማማዕ፡ ንህዝቢ ከም ህዝቢ ዝጠቅምን ድዩ ዘይጠቕም፡ ሃገራዊ ሰላም፣ ደሞክራሲ፣ ማሕበራዊ ፍትሒ፣ ልምዓት፣ ልዕልና ህዝብን ሕግን ዘረጋግጽ ድዩ ኣይኮነን ብምፍታሽ፡ ሓሳብን ተግባርን ብምንጽጻር ክትወስዶ ዘለካ ምውሳድ፡ ክትወስዶ ዘይብልካ ከኣ ኣይፋል ብምባል ዝግለጽ’ዩ። ህላወ ልዕልና ሕጊ ከኣ ብመሰረቱ ካብ ሃገራዊ ቅዋም ስለዝምንጩ፡ ንምዃኑ ከም ህዝቢ ከም ሃገር ብምንታይ ንምራሕ ኣለና ዝብል ሕቶ ብምልዓልን ኣብ ባይታ ህዝቢ ከመይ ይምራሕን ይመሓደርን ብምርኣይ ኣብ መደምደምታ ንምብጻሕ ይከኣል።

ኣብ ኣምለኽቲ፡ ንኸብዶም ሓደርትን ልኩማትን ወገናት ንዕዘቦ ዘለና ግን ብኣንጻር’ዚ ቅኑዕ መለክዒታት’ዩ። ፖለቲካውን ሕጋውን መምዘኒኦም ስለዝተመዛበለ፡ ካብ ተጋላባጢ መርገጽ ኢሳያስን ህግደፍን ክወጽኡ ኣብ ክንዲ ዝፍትኑ፡ ከም ዘይልወጥ መምርሒኦም ጨቢጦም ክምእዘዝሉ ይረኣዩ። ሓደ ወይ ክልተ ግዜ ክትታለል ትኽእል ኢኻ፡ ዕድመ ልክዕ እሞ’ኸ ኣብ ዕለታዊ ህይወትካ ክትሪኦ ኣብ እትኽእል፡ ከተለልን መረገጽካ ከተስተኻኽል ዘይምኽኣል ግን ንቡር ኣይኮነን። ካብ ንቡር ፖለቲካውን ሕጋውን መምዘኒታት ዝወጽአ’ዩ።

ንህዝቢ ዝውክል ግዝያዊ ኣካል ኣብዘይተጣየሰሉ፡ ሕብረ-ሰልፋዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ናይ ውድባት ሓሸውየ ኣይፍቀድ ብዝብል ጸረ-ህዝቢ መግለጺ ከም ገበን ተቆጺሩ ዜጋታት ዝተፈልየ ሓሳብ ብምውናኖም ኣብ ዝህደንሉ ዝነበሩ፡ ውሕስነት ዘለዎ ኣሳታፊ ደሞክራስያዊ ሃዋህው ኣብ ዘይነበረሉ፡ ጸዲቑ ዝተባህለ በይናዊ ስማዊ ሃገራዊ ቅዋም ንኩሉ ጸገምና ዝፈትሕ ንሱ’ዩ። ኢሳያስ ካብ ከብሒ ኣውጺኡ ክትግብሮ ኣለዎ ዝብል ንጸረ-ህዝቢ ፖለቲካዊ ባህርን ፋሽሽታዊ ተግባርን ህግደፍ ዝዘንገዐ ጠለባት ክቐርብ ጸኒሑ። ኩነታት ናይ’ቶም ከምኡ ዝብሉ ዘለው ሕርሕራይ ገይሩ ዝፈልጥ ኢሳያስ ድማ፡ ሓንሳብ ቅዋም ኣይድልን ካልእ ግዜ ካልእ ምኽንያት ብምቕራብ ከተስፍዎም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ መወዳእታ ትብልዎ ዘለኹም ቅዋም 1997 በዝን በዝን ምኽንያት ሕጂ ክትግበር ኣይኮነን ብዝብል መረዳእታ ዘይኮነ፡ ብዘይመግለጺኡ ነቲ ጽሑፋዊ ሰነድ ዳግም ከምዘይምለስ መይቱ’ዩ ክብል ኣርዲእዎም። እዚ ህግደፍ መን’ዩ ንምፍላጥ ፍሩይን ጭቡጥን መረዳእታ’ዩ።

ኢሳያስን ህግደፍን ሓሰውቲ ምዃኖም፡ ዝኣስሮም መትከል ከምዘይብሎም፡ ህዝቢ ከምዘየኽብሩ ደው ኢሎም ግጉይ ርእይቶኦም ክፍትሹን ዝግባእ ክንሱ፡ ሓንሳብ ዝኣመንክዎ ኣይተኽሕደኒ ዓይነት፡ በቲ ናቶም ቋንቋ ሰራዊት ወያነ ካብ ጎቢጡ ዝሓዞ ሕጋዊ ልኡላዊ መሬትና ጠቕሊሉ ከይሰሓበን ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ከይተኸብረን፡ ምስ ኢትዮጵያ ኮፍ ኢልካ ምዝርራብ ዝበሃል ነገር ዘበት ንዝብል መረገጹ ከቃልሑን ኣብ ጎኒኻ ኣለና በርትዕ ብምባል ዳግማይ ብጎደና ጥፍኣት ክሃሉ ጸኒሖም። ብናይ ደገ ሓይልታት ግበር ተባሂሉ ብዘይ ዝኾነ ሕጋዊ መድረኽ ከየማኽሮም ብሃንደበት ጉጅለ ተዛተይቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንሰድድ ኣለና፡ ንፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ድማ ካብ ዘለዎ ድኽመታት ክወጽእ ክንሕግዞ ኢና ክብል ንዝሃቦ መግለጺ ምስ ሰምዑ ድማ ኣብ ክንዲ ከመይ? ስለምንታይ? እንታይ ድዩ ክበሃለና ጽኒሑ ዝብል ኣግራሞትን ሕቶን ከም ዘለዎ ብታሕጓስ ተቐቢለሞ። ከም ዓቢ ዓወት የሰራስርዎ ኣለው። እዚ ግን ዘይፍወስ ሕማም ድሕረት ደኣምበር ብመንጽር’ቲ ክበሃሎም ዝጸንሐን ኣብ ህዝቢ ወሪዱ ዘሎ ቅልውላውን ዓወት ኣይኮነን። ስለምንታይ’ሲ እዚ ኣብ ህዝቢ ዝበጽሐ ምዝንባልን ድኽነትን ከይመጽአ ቅድሚ 16 ዓመት ክውሰድ ዝነበሮ ስጉምቲ’ዩ። መላኺ ኢሳያስ ስለዘይደለየ ግን ካልእ መልክዕ ሒዙ ጸኒሑ። ደስ ስለ ዝበሎ ድማ እነሆ ሕጂ ነቲ ሒዝዎ ዝነበረ መንገዲ ሃሪሙ ጻድቕ ክመስል ቀልባዕባዕ ይብል ኣሎ።

                                       ሳልሳይ ክፋሉ ክቕጽል

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 27-06-2018

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox