^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 43 guests and no members online

ሕልሚፈሪሕካከይደቀስካኣይሕደርን

ሕልሚ ኣብ ዝደቀስካሉ ግዜ ብዓይኒ ሕልናኻ ዝረኤ ዘይጭበጥ ሕልናዊ ሓሳባት እዩ። ደቂ ሰባት ድማ ነዚ ኣብ ሕልሞም ዝተራእዮም ሕልናዊ ክስተት’ዚ፡ ምስ ሕሉፍን ህልውን መጻእን ማሕበራውን ነገራውን ኩነታቶም ብምዝማድ፡ ንገሊኡ ብኣወንታ ንገሊኡ ድማ ብኣሉታ ነናይ ገዛእ ርእሶም ትርጉምን መፍትሕን ብምሃብ ኣካል መንፈሳውን መለኮታውን እምነቶም ብሂሎምን ገቢሮም ዝርእይዎ ጉዳይ እዩ።

ሕልምን ብሕልሚ ዝረኣዩ ተርእዮታትን ዝጭበጡን ብመደብ ሰሪዕካ ዘይትግልገለሎምን ስለ ዝኾኑ እዩ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ሕብረተ-ሰባት “ሕልሚ ከም ፈታሒኡ /ተርጓሚኡ/ እዩ” እናተባህለ ዝግለጽ። ከምኡ’ውን ብሕልምኻ ዝረኣዩኻ ሕልናዊ ሓሳባት ኣብ ኩሉ-መዳያዊ ሂወትካን ስራሓትካን ዝረኤ ተጽዕኖ ይኹን ዕንቅፋት ስለ ዘየስዕቡ “ሕልሚ ፈሪሕካ ከይደቀስካ ኣይሕድርን እዩ” ዝብል ኣተባባዒ ብሂል ወርትግ ዝለዓልን ተደጋጊሙ ዝትንባህን ዝምሰልን።ሕልሚ ኣብ ማሕበረ-ሕልናውን መንፈሳውን ኩነታት ዝንጸባረቕ ኮይኑ፣ ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ’ውን እንተዀነ፡ ካብ በበይኑ መበገሲታት ዝብገሱ ዝተፈላለዩ ዘይጭበጡ ረብሓታት ንምርካብ ክባሃል ናይ ዋናታቱ ባህጊ ዘበግሶም ፖለቲካዊ ሕልምታት ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ኣብ ባእታታት፡ ጉጅለታት ወዘተ ኩሉ ግዜ ዝኽሰትን ዘንጸላሉን ሕልናዊ ፖለቲክዊ ተርእዮ’ውን ኣሎ እዩ።

ንኣብነት ካብ ብዙሓት ዝተወሰኑ ንምጥቃስ ዝኣክል፣ ፖለቲካዊ ስልጣን ናይ ምሓዝ ልዑል ድሌትን ባህግን ዘሎዎም ባእታታት፡ ጉጅለታትን ውድባትን ነዚ ባህጋዊ ደሌት እዚ ንምስኻዕ ክብሉ ነቲ ምስ ካለኦት መላፍንቶም ብሓባር ከቃልሶም ዝኽእል ዕላማ ይኹን ዕማማትን መቓልስቶምን ብዙሕ ትርጉም ከይሃቡ፡ ነቲ መላፍንቶም /መቓልስቶም/ ኩሉ ግዜ ከም መቐናቕንቶምን ስልጣን ዘሕድጎምን መሲሉ ስለ ዝራኣዮም፡ ብናይ ፖለቲካዊ ጭንቀት መንፈስን ድሕረትን እናተደፍኡ፡ ኣብ ዝኾነ ግዜ ብክንዲ ዝኸኣልዎ ዓቕሚ ንክዕብልልዎ ኣንጻሩ ክቃለሱን ኣብ መንገዲ ክሳራ ክጓዓዙን እዮም ዝግደዱ።

ካልእ ንሕብረተ-ሰብኣዊ ውድዕነትን ኩሉ-መዳያዊ ብዙሕነትን ዝንባሌታትን ናይ ህዝብታትና ብግቡእ ካብ ዘይምቕባል ዝብገስ፡ ድሑርን ግጉይን ፖለቲካዊ ዝምባለታት ብምሓዝ፡ ዕላማን መልክዕ ውደባን ሓላሊኽካ ብምርኣይ፡ ብዝተፈላለዩ መልክዕ ውደባታት ዝተወደቡ ምንቅስቓሳት ንኣብነት (ብሄራውን ሃይማኖታውን መልክዕ ውደባ ንዝተወደቡ ኣካላት) ኣብቲ ብሓባር ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ከቃልሶም ዝኽእል ሓባራዊ ዕላማን ልፍንታዊ ግንባርን፡ ከይሳተፉ ፖለቲካዊ ስግኣት ዝፈጠሮ ምንፋግን ዘይምቕባልን ዝረኤ ተጻባኢ ተርእዮ እዩ።

እዚ ካኣ ነቲ ደርባዊ ወጽዓን ብሄራዊ ኣድልዎን ካለኦትን በደላት ስለ ዝበጽሖ ብብሄራዊ መልክዕ ውደባ ተወዲቡ ንዝቃለስ “ኣብ መጻኢት ኤርትራ ናይ ምፍንጫል ዕላማ ኣለዎ፣ ነቲ ደርባውን ሃይማኖታውን ወጽዓን ካልእን ይበጽሓኒ ኣሎ ብምባል፡ ብሃይማኖታዊ መልክዕ ውደባ ተወዲቡ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ፡ ምስ ኩሎም መላፍንቱ ተቓወምቲ ብምዃን ንዝቃለስ ድማ፡” ኣብ መጻኢት ኤርትራ ሃይማኖታዊ ስርዓት ክተክል ስለ ዝደሊ ምሳና ሓቢሩ ክቃለስ የብሉን ኣይግባእን’ውን፣ እንታይ ዳኣ ምስኡ ኣብ ሕድሕድ ዘይምትህርራምን ምክብባርን ዝተሰረተ ዲፖሎማስያዊ ስምምዕ ብምግባር ጥራሕ ኢና ክንቃለስ ዘለና” ዝብል ዘይቅኑዕ ፖለቲካዊ ምስምስ ብምስማዕ እዮም ንዘይቅኑዕ ዕላመኦምን ባህግታቶምን ክገልጹ ዝስምዑን ዝነጥፉን።

ኣብ ደምበ ተቓውሞና ኣብዚ መድረኽ እዚ እዞም ዝተጠቕሱን ካለኦትን ዝተፈላለየ መበገስን ዕላማን ዘለዎም ዝተፈላለዩ ዘይቅኑዓት ርእይቶታት ህሉዋትን ቃልሲ ክካየደሎም ዝግባእን እኳ እንተኾኑ፡ ንሎሚ ግን ኣነ ሓደ ካብኣቶም ዝኾነ፡ ብዛዕባ’ቲ ናብ ልዕሊ ብሃይማኖታዊ መልክዕ ዝተወደቡ ሃገራውያን ተቓወምቲ ዘቕንዕ ዘሎ ዘይቅኑዕ፡ ተኣፋፍን ጸቢብን ፖለቲካዊ ርእይቶ ዘለኒ ብዓቕመይ ገለ ክብል እድሊ። እዚ ዝቀላቐል ዘሎ ግጉይ ፖለቲካዊ ርእይቶ’ዚ ሓሳቡ ንምስላጥን ተቐባልነት ንምርካብን ክብል ንሃይማኖታዊ መልክዕ ውደባ እዩ ብዝያዳ ከም ተኣፋፊ ፖለቲካዊ ተርእዮ ገቢሩ ከም መበገሲ ክጥቀመሉ ዝፍትን ዘሎ።

ኣብዚ ኣብ ግምት ክኣቱ ዘለዎ ሓፈሻዊ ነገር እንተሃለወ፡ ዝኾነ መልክዕ ውደባ፡ ሃይማኖታዊ ይኹን ካልእ መልክዕ ውደባ፡ መሳርሒ ናይ ክረጋገጽ ዝተደልየ ዕላማ’ምበር ንገዛእ ርእሱ ዕላማ ከም ዘይኮነ ምርዳእ እዩ። መልክዕ ወደባ ኣብቲ ሕብረተ-ሰብ ዘሎ ወጽዓ ዝፈጠሮም መረርቲ ስምዒታት ብምጥቃም ሓይሊ ኣብ ምብርባርን ምእካብን ይጠቅም እዩ ተባሂሉ ዝምረጽ ባእታ እዩ። ንሱ ካኣ ደርባዊ፡ ሕብረ-ብሄራዊ ብሄራዊ፡ ሃይማኖታዊ ሞያዊ ወዘተ ክኸውን ይኽእል እዩ። ሓደ ካብዞም ዝተጠቕሱ መልክዓት ናይ ውደባ ብምጥቃም ተወዲቡ ዝቃለስ ሓይሊ ሓቀኛ ባህርያቱ ይኹን ናይ ቀረባን ርሑቕን ዕላማታቱ ክፍለጥ ዝካኣል ድማ፡ ከምቲ ዝኾነ መጽሓፍ ብትሕዝትኡ’ምበር ብሽፋኑ ክፍረድ ዘይካኣልን ዘይግባእን፡ ዝኾነ ውድብ /ሰልፊ/ ድማ ክፍረድ ዘለዎ ብመሰረቱ ብዝጥቀመሉ ዘሎ መልክዕ ውደባ ዘይኮነስ፡ በቲ ጨቢጡዎ ዘሎ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ዕላማታቱን ባህርያቱን ግብራዊ ፖለቲካዊ ንጥፈታቱን እዩ።

ካብዚ ወጻኢ ናይ ሓደ ውድብ መልክዕ ውደባ ከም ተኣፋፊ ነገር ጥራሕ ገቢርካ ብምቕራብ /ብምርዳእ/፡ ከም መጥቀሚ ግዝያውን ክዉልን ዕላማኻን ጠቕምኻን ክትጥቀመሉ ምምራጽ፡ ንኣሎ እትብሎ ጌጋን ስግኣትን ንምእራም ዘይኮነስ፡ ብኣንጻሩ ናይ ህዝቢ ለዋህ ተረደኦን መንፈስን ብምምዝማዝ በቲ ክትፈጥሮ እትኽእል ግዝያዊ ፖለቲካዊ መንፈሳ፡ት ንግዚኡ ካብ ምጥቃም ሓሊፉ ዘላቒ ፖለቲካዊ ረብሓን ስልጣንን ዘረጋግጽ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ፡ ንሕቡእን ግጉይን ባህርያትካን ዕላማኻን ኣቃሊዑ ንፍሽለት ዘሳጥሕ እዩ። መልክዕ ውደባ መገልገሊ ናይ ዕላማ ከም ዝኾነ ዘረጋግጽ ካብ ሕሉፍ ታሪኽ ተሞክሮ ቃልሲ ህዝብና ሓደ ኣብነት ምጥቃስ ሓጋዚ ስለዝኾነ ክጠቅስ፣

* ኣብጽባሕካልኣይኲናትዓለምህዝብታትናንሃገርናንነጻንላዕላውነቶምዘረጋገጹህዝብንሃገርንንምግባሮምኣብዝተኻየደኣዝዩመሪርመስርሕ ህዝባዊቃልሲ፡እቲኣብሞንጎመሳፍንቲ /ደግለላት/ውጹዓትህዝቢ ትግረን ዝነበረመሪርዝምድናዝፈጠሮ፡ናይውጹዓት ህዝቢ ትግረሓፈሻዊምንቅስቓስ፡ ነቲ ኣብቲ መድረኽ እቲ ዝካየድ ዝነበረ ሃገራዊ ናይ ናጽነት ቃልሲ ብዝበቅዕ ኣገባብ፡ ብስም “ኣል-ራቢጣ እስላምያ” /እስላማዊ ምትእስሳር/ ዝብል ውዳበ ብምውናን ዝተኻየደ ቃልሲ ዕላምኡ ነጻነትን ላዕላውነትን ኤርትራን ህዝባን ማእከል ዝገበረ’ምበር ኣብ ኤርትራ እስላማዊ ስርዓት ንምትካል ከም ዘይነበረ ታሪኽ ዘረጋገጾ ሓቂ እዩ።

እዚ ብሃይማኖታዊ መልክዕ ውደባ ዝተወደበ ሃገራዊ ሓይሊ’ዚ ምስቶም ሃገራዊ ነጻነት ንምርግጋጽ ዝቃለሱ ዝነበሩ ዝተፈላለዩ ሃገራዊ ወድባት /ሰልፍታት/ ተላፊኑ ታሪኽ ዝሰንዶ ኣወንታዊ ሃገራዊ ግቡኡ ዝተጻወተ ሓይሊ እዩ። እዚ ተራ’ዚ ዝተጻወተ ድማ ኣብ ርሁው ፖለቲካዊ ኩነታት ኮይኑ ዘይኮነስ፡ ንህልውንኡ፡ ሓድነቱን ቀጻልነቱን ዝፈታተኑ ክልተ ዓበይቲ ብድሆታት እናበደሀ እዩ።

ንሳቶም ካኣ፣ ብሓደ ገጽ ኣብቲ ግዜ’ቲ መግዛእታዊ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ምእንቲ ምስፋሕ ግዝኣቱ ክብል፡ ምዕራባዊ ቆላ ኤርትራ ናብ ሱዳን ክጽንበር ኣለዎ ዝብል ፈላላዪ ሜላ ተኸቲሉ ኣብ ዝጉስጉሰሉ ዝነበረ ተኣፋፊ ግዜ ”ከም እስላም ምስ ኣሕዋትኩም ሱዳናውያን ኣስላም ይሕሸኩም ዝብል” ዘጋጥሞ ዝነበረ ፖለቲካዊ ብደሆ ክኸውን ከሎ፣ በቲ ካልእ ገጽ ድማ፡ መስፍነ-ንጉሳዊ ስርዓት ሃይለስላሰ ብዝተፈላለየ ጉቦን ጉነዖን መፈንጠራታትን ብምጥቃም ውሽጣዊ ሓድነቱ ክዝረግን ክፈናጨልን ብምግባር፡ ሓደ ፍንጫል ካብ ኣካሉ ዝኾነ፡ ብስም “ኣል-ራቢጣ እስላምያ ኣልቀርብ” /እስላማዊ ምትእስሳር ምዕራብ/ ዝተባህለ ንሓድነት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምርግጋጽ ዝነጥፍ ውደባ ብምፍጣር ዘጋጥሞ ዝነበረ ብደሆታት ብምምካት እዩ።

እዚ ብሃይማኖታዊ መልክዕ ውደባ ዝተወደበ ሃገራዊ ሓይሊ’ዚ ዕላምኡን እምነቱን ሃይማኖታዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ምትካል ስለ ዘይነበረ እዩ ድማ፡ ኤርትራ ቆራሪስካ ፍርቃ ናብ ሱዳን ንምጽንባር፡ ፍርቃ ድማ ምስ ኢትዮጵያ ንምሕዋስ ዝነጣጠፍ ዝነበረ ፖለቲካዊ ተንኰላት /ሸርሒታት/ ኣብ ምምካት፡ ምስ ካለኦት ሃገራውያን መቓልስቱ ብምትሕግጋዝ ኣብ ዝተኻየደ ሃገር ኣድሒንካ ላዕላውነት ናይ ምርግጋጽ ቃልሲ፡ ዋላ እኳ ንግዚኡ ብወድዓውን ታሪኻውን ምኽንያታት ክዕወት እንተዘይከኣለ፡ ከም ሃገራዊ ሓይሊ ካብኡ ዝጥለብ ታሪኻዊ ግቡኡ ዝወፈየ ሓይሊ እዩ። መድረኽ ሰላማዊ ፖለቲካዊ /ዘይሕጋዊ/ ቃልሲ ኣብ ዘብቃዓሉ ግዜ ካኣ፡ እቶም ኣባላት ናይ ኣራቢጣ እስላምያ /ምትእስሳር እስላም/ ዝነበሩ ይኹኑ ዘይነበሩ ሃገራውያን ብዝተፈላለየ ሕብረ-ብሄራዊ /ሃገራዊ/ መልክዕ ውደባታት ተጠቒሞም፡ ዕጥቃዊ ቃልስና ኣብ ምጅማር ይኹን ኣብ ምቕጻሉ ተረኦም ዝተጻወቱ ሃገራውያን እዮም።

ሃይማኖታዊ ዕላማ እንተዝነብሮም ነይሩ፡ ብመሰረት’ቲ መንግስቲ እንግሊዝ ኣብቲ ግዜ’ቲ ወጢኑዎ ዝነበረ ኤርትራ ናይ ምቁርራስ መደብ መብዛሕተኦም ኣመንቲ ሃይማኖት እስልምና ዝኾኑ ክፋል ሕብረ-ሰብና ዝነብሩሉ ምዕራባዊ ክፋል ሃገርና ናብ ሱዳን ናይ ምጽንባር መደብ ምተጠቕምሉ ነይሮም። ይኹን’ምበር ዕላመኦም ንኩሉህዝብ ታትን ባህልታትን እምነታትን ዝሓቖፈት ነጻን ልዕላዊትን ኤርትራ ንምርግጋጽ ስለ ዝነበረ ግን ኣይመረጽዎን፡ ብግዝያዊ ጠቕምን ስምዒትን’ውን ኣይተደናገሩን ኣይተንበርከኹን።

ስለዚ እዞም “ብሃይማንታዊ መልክዕ ውደባ ዝተወደቡ ኣካላት ኣብ መጻኢት ኤርትራ ሃይማኖታዊ ስርዓት ስለ ዝተኽሉ፡ ነቲ ካብ ሃይማኖታዊ እምነቶም ወጻኢ ዘሎ ኣማኒ ህዝብና ኣስጋኢ እዩ” ብምባል ብዘይምኽኑይ ስኽፍታን ካለኦት ዘይቅቡላት ፖለቲካዊ ሕሳባትን ብምብጋስ ዝነጥፉ ዘለዉ ኣካላት፡ ካብዚ ፍቱን ናይ ታሪኽና ተሞክሮን፡ ናይ ካለኦት ዝተፈላለዩ ኣካላት ተሞክሮን፡ ዝኾነ ብሃይማኖታዊ መልክዕ ዝተወደበ ሓይሊ /ውድብ/ ግድን ሃይማኖታዊ ስርዓት ከም ዘይተክል ዘረድኡ ብዙሓት ተሞክሮኣዊ ኣብነታት ስለ ዘለዉ ካብኣቶም ክማሃሩ እንተዝፍቱ’ውን ምተሓገዙ ነይሮም በሃላይ እየ። ናይዞም ኣካላት እዚኣቶም ተረደኦን ጥብቅናን ግን፡ ኣብ መጻኢት ኤርትራ ንፍሉይ ሃይማኖታዊ እምነቶም ዘውሕስ፡ ንናይ ካለኦት ሃይማኖታዊ እምነት ድማ ዝጻባእን ዝዕብልልን ስርዓት ንምትካል ዝቓለሱ ንመጻኢ ብጭቡጥ ዘስግኡ ውድባት ስለ ዘለዉ ኣይመስለን ንሃይማኖታዊ መልክዕ ውደባ ዘመሳምሱ ዘለዉ።

ምኽንያቱ እዞም ብሃይማኖታዊ መልክዕ ዝተወደቡ ሃገራውያን ውድባት እዚኣቶም፡ ኣብቲ ቅድሚ ከባቢ 29 ዓመታት ኣቢሉ ዝተወደብሉን ኣብ ጽብሑን ሓሓሊፉ ዘርእይዎ ዝነበሩ ዘይቅኑዕን ኣሰካፍን ኣበሃህላን ገለጻን፡ ብህዝብናን ካለኦት ሓገዝቲ ኣካላትን ካብ ዘጋጠሞም ተቓውሞን፡ ዘዋህለልዎ ናይ ገዛእ ርእሶም ተመኩሮን እናተማህሩ ብዝምድናዊ ኣገላልጻ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናኣማሓየሽዎ ዝመጹ እዮም ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ናብቲ ስሙር ሃገራዊ ግንባራትና ከእትዎም ዝኽእል እምነታትን ረቛሒታትን ስለ ዘማልኡ፡ ካብ 1999 ዓ/ም ጀሚሮም ብኣባልነት ኣብቲ ግንባራት እናተዋስኡ ዝመጹን ዝዋስኡ ዘለዉን እዮም።

እዞም ሎሚ ንሃይማኖታዊ መልክዕ ውደባ ከም ተሃዋሲ ገይሮም ዝቃወሙ ዘለው ኣካላት‘ውን እንተዀኑ፡ ብወግዒ ዝፈልጥዎን ሓቢሮም ከም ሰቦም ምሰኦም እናተቓለሱ ዝመጹን ዘለዉን ስለ ዝኾኑ (ዋላ ኣብዚ ግዜ’ዚ ዝተፈለየ ፖለቲካዊ ምርጫ ንምውሳድ ኣብ ምድንዳን ይሃለዉ/፡ ብጥንቁቕ ሕጋውን ውድባውን ዓይኒ ካብቲ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር መሊኦም ገና ስለ ዘይተባተኹን፣ ብሃይማኖታዊ መልክዕ ተወዲብካ ምቅላስ ሕድሽ ፖለቲካዊ ስግኣት ዝፈጥር ዘሎ ኣይመስለንን።

ኣነ ብወገነይ ዝመስለኒ መበገሲ ናይቲ ጸገም ምኽንያት ክኸውን ዝኽእል፡ ነቲ ሃይማኖታዊ መልክዕ ውደባ ተሃዋሲ ኣምሲልካ ብምምዝማዝ፡ ምስ ኣብ ዓለምናን ከባቢናን ዝረኣዩ ዘለዉ ናይ ዝተፈላለዩ ግብረ-ሽበራውያን ምንቅስቓሳት፡ ኣህላቕን ኣዕናውን ተግባራትን ብምዝማድ፡ ኣብ ህዝብታትና ብሓፈሻ፡ ኣብቲ ካብ ሃይማኖት እስልምና ውጻኢ ዝኣምን ክፋል ህዝብና “ክርስትያን” ድማ ብምላይ፡ ብሓደ ገጽ ከም መፈራርሒ ፖለቲካዊ መንፈስ ብምጥቃም፣ በቲ ካልእ ገጽ ድማ፡ ሓላይን ተጣባቒ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላትን ፍትሕን ናይ ህዝብታትና ተመሲልካ ብምቕራብ፡ ኣብ ህዝብታትና ናይ ፖለቲካዊ መንፈስ ስኽፍታ ብምፍጣር፡ ደጋፊ ፖለቲካዊ ዓቕሚ ብምርካብ፡ ኣብዚ ፖለቲካውን ውድባውን ጸገማት ዘይተፈለዮ ዝዓለለሉ ጽጉም ደምበ ተቓውሞና፡ ምርኡይ ተወዳዳርን ዓብላልን ሓይሊ ክትከውን ንምብቃዕ ዝዓለመ ናይ ጽበትን ተነጽሎን ሕሱማት ፖለቲካዊ መንፈሳትን እናተበራረዩ ዝደፍኡዎ ዘለዉ ግጉይ ባህጋዊ ርእይቶ ኣብዞም ኣካላት እዚኣቶም ቦትኡ የስፍሕ ብምህላዉ ዝንጸባረቕ ዘሎ ተርእዮ እዩ በሃላይ እየ።

ስለ ዝኾነእዩ ድማ፡ እዞም ኣካላት እዚኣቶም ነዚ ግጉይ እምነቶም ምኽኑይ ንምግባር ክብሉ፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ ክሳብ “ብሃይማኖታዊ መልክዕ ዝተወደቡ ውድባት ዘይሳተፍዎ፡ ሕብረ-ብሄራዊ /ሴኲላር/ ሰፊሕ ግንባር ክንምስርት ኣለና” ዝብል ሓሳብ ከቀላቕሉ ምርኣዮም ናይዚ ግጉይ ፖለቲካዊ እምነቶም’ዚ መረጋገጺ እዩ። ምኽንያቱ መትከላት ናይ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር፡ መልክዕ ውደቦኦም ይኹን ናይ ርሑቕ /መሰረታዊ/ ዕላመኦም ብዘየድስ፡ ኣብ ህልዊ መድረኻዊ ሕቶታት ናይ ቃልሲ፡ ናይ ሓባር ነጠበ-ስምምዕ /ዕላማን ዕማምን/ ዘለዎም ፖለቲካዊ ውድባት /ሰልፍታት/ ዝኣትውዎን፡ ብምድግጋፍን ምውህሃድን ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ዝቃለስሉ መዋስኢ መድረኽ /ባይታ/ እዩ። ኣብ ሞንጎ’ቶም ተላፈንቲ ውድባት ዝህሉ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ዕላማ ፍልልይ ኣተሓሕዛ ዝምልከት ድማ፡ ብሰላማውን ደሞክራስያውን ኣገባብ እናማሓደሩ፡ ነፍስ-ወከፎም ሓደ ነቲ ካልእ ኣብ እምነቱ ይኹን ተሳትፍኡን ምንቅስቓሱን ዘየዕንቅፍ ኣገባብ ብምኽታል፡ ንፍሉይ እምነቶም ዝገልጽሉን ዝጉስጉስሉን ሰላማዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ዝዝውተረሉ መድረኽ እዩ። ስለ ዝኾነ ኣብ ስሙር ሃገራዊ ግንባራት፡ እቲ ቅኑዕኣቀላልሳ በዚ ዝጥቀስ ዘሎ ኣገባብ ምቅላስ ዳኣ’ምበር ንተቓወምቲ ኣካላት ብመልክዕ ውደበኦም እናፈረድካ ምንእኣስምን ምንጻሎምን ወይ ካብኣቶም ተነጺልካ ሓድሽ ፖለቲካዊ ቀጽሪ /ጃንዳዊ ግንባር/ ንምጥያሽ ንቕሎ ምግባር ኣይኮነ።

እዞም ሓድሽ መትከላት ናይ ስሙር ግንባር ክፈጥሩ ንኮንቱ ዝጽዕሩ ዘለዉ ኣካላት እምበኣር፡ ነዚ ስነ ፍልጠታዊ ባህርን መትከላትን ናይ ስሙር ሃገራዊ ግንባር ብምድውዋስ፡ ኣብ ባዕላዊ ባህግን ዘይምኽኑይ ምስምስን ዝተሰረተ ፖሮፖጋንዳዊ ኣንፈት ክኽተሉ ዝመርጹ/ዝግደዱ/ ዘለዉ፡ ካለኦት ሓይልታት (ይዕብሉሉና ኣለዉ ዝብሉዎም) ዘዳኽም ኩነታት ተፈጢሩ፡ ንሕና ዝሓሸ ዓቕምን ዕድልን ደኾን ንረክብ ካብ ዝብል ፖለቲካዊ ብህጊ ዝብገስ ዘሎ ፖለቲካዊ ንቕሎ ስለዝኾነ፡ ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ እንተተፈቲኑ /ምስ ዝፍተን/ ከይወዓለ-ከይሓደረ ተዓንጺሉ ዝተርፍ መኻን ፖለቲካዊ መማረጺ እዩ ዝኸውን። ምኽንያቱ ኣብ ሕሉፍን ህልውን ተሞክሮ ቃልስና ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ግጉያት ፖለቲካዊ ባህጋዊ ተበግሶታት ኣብ ደምበ ተቓውሞና ዋላ ዝነኣሰ ቁም-ነገር’ውን ይኹን ከይተሰርሓሎም ተደጋጊሞም ክፈሽሉ ዝተራእዩ ፈተነታት ስለዝኾኑ።

ንኣብነት ካብ ብዙሓት ዝፈሸሉ ተሞክሮታትና ንምጥቃስ ዝኣክል፣ እቲ ካብ 2003-2008 ኣብ ዝነበረ ዓመታት ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለየ ዕላማታትን መልክዕ ውደባታትን ዝነበረን ፖለቲካዊ ውድባት “ብ4ተ1” ዝፍለጥ ፍሉይ ምትእኽኻብ ብምንጥጣፍ፡ ገለ ካብዞም ሕጂ ሓድሽ ግን ካኣ ዘይቅኑዕ ፖለቲካዊ ተበግሶ ዘንጸባርቑ ዘለዉ ኣካላት ብኣባልነት ዝተሳተፍዎ፣ ካብቶም ካለኦት ተቓወምቲ ሓይልታት ዝያዳ ሓይልካ ልዕልነትካ ንምርግጋጽ ዝተፈተነ ስምዒታውን ጸቢብን ተበግሶ፡ ውጽኢቱ ብዙሕ ከሰርሐ ካብ ምብርዓን ሓሊፉ፡ ነተን ኣብቲ ግዜ’ቲ ተላፈንቲ ዝነበራ ኣባላት ውድባት ምፍንጫላት ፈጢሩለንን ፖለቲካዊ ሰለሎ ብምእታው ኣዳኺሙወንን፣ ኣብ ህዝብታትና ንፖለቲካዊ ትዕዝብቲ ከም ዘሳጠሐን ናይ ቀረባ ተዘክሮ ግንባራትና እዩ።

ካልእ ተወሳኺ ኣብነት ክኾነና ዝኽእል ካብ ሕሉፍ ተሞክሮና ንምጥቃስ ዝኣክል፣ ኣብ ጽባሕ ፍሽልት ተበግሶ ምትእኽኻብ 4+1 ካልእ ካብ ዘይወድዓዊ ፖለቲካዊ ተረደኦ ተበጊሱ፡ ንባዕላዊ ጥሙሓቱ /ባህጉ/ ንምርዋይ ክብል ንብሄራዊ መልክዕ ውደባ ከም ብሕታዊ ፍቱን መሳርሒ ዓወት ገቢሩ ብምውሳድ፡ ንሕብረ-ብሄራውን ካለኦት መልክዓት ናይ ውደባታትን፡ ከም ግዚኦም ዘሕለፉን ዝኣረጉን፡ ኣብ ህልዊ መድረኽ ቃልሲ ዘየዐውቱን ኣምሲሉ፡ ፕሮፖጋንዳዊ ናይ ምንእኣስ ስራሕ ብምክያድ፡ ብብሄራዊ መልክዕ ውደባ ጥራሕ ዝተወደባ ብሄራውያን ውድባት ዝሳተፈኦ “ግንባር ብሄራት” ብእዉጅ ብምምስራት ዝተነጣጠፈ ፖለቲካዊ ተሞክሮ፡ ፈተነ ጥራሕ ኮይኑ ፈሺሉ ዝተረፈ ተበግሶ’ውን ከም መምሃሪ ኮይኑ ከገልግል ስለዝኽእል ምጥቃሱ ጽቡቕ እዩ ዝመስለኒ።

ኩላትና ኣብ ደምበ ተቓውሞ እንዋሳእ ዘለና ከም ተቓለስቲ መጠን፡ ኣብ ዓውደ-ፖለቲካ ክንነጥፍ እንከዘለና፡ ካብ ሕሉፍን ህልውን ጌጋናን ተሞክሮታትናን፡ ናይ ካልኦት ተሞክሮን ክንማሃርን፡ ካብ ንዳግማይ ጌጋታት ምስጣሕ ክንድሕን ክንጽዕርን፡ ናይ መጻኢና ብሩህን ንጹርን መርሖ ናይ ቃልሲ ጨቢጥና ክንቃለስ ከም ዝግባእን ዘለናን፡ ሓደ ካብቲ ካልእ ምዕዶን ምኽርን ክጽበ ዘለዎ ኣይመስለንን።

ስለ ዝኾነ፡ ካብ ጭቡጥ መግለጽን መረጋገጽን ዘይንረኽበሎም ባዕላዊ ውልቀ-መንፈሳትን ተረደኦታትን እናተበገስና፡ ገሌና ንሃይማኖታዊ መልክዕ ውዳባ ከም ተሃዋሲ፡ ዘየገልግልን በተታንን ገቢርና ብምውሳድ፡ ገሌና ድማ፡ ብዘይ ውዱብን ዘይእዉጅን ኣገባብ ተጠቒምና፡ ተጣበቕቲ ናይ ሓደ ሃይማኖታዊ እምነት ብምምሳል፡ ብውልቀን ውልቀታትን ብምዃን ተመስጢርና፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መርበባት ብምጥቃም ዝካየዱ፡ ካብ ድሕረትን ጸቢብነትን ዘይተናገፉ መንፈሳት ምንጥጣፍ፡ ንህዝባዊ ደሞክራስያዊ ቃልስና ካብ ምዕንቃፍን ምድንጓይን ሓሊፎም፡ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ፋይዳ /ቁም-ነገር/ ስለ ዘይብሎም፡ ብፖለቲካዊ ንቕሓትን ትኹረትን ሕላፍነትን ክንርእዮምን ንምውጋዶም ክንቃለሶምን ዘለና፡ ዘይሓገዝቲ ፖለቲካዊ ተርእዮታት እዮም በሃላይ እየ።

ነዚ ክንበቅዕ ክንክእል ድማ፡ መጀመርያ፡ ንባህርያትን ብዙሕነታውን ህዝባዊ ቃልስናን ተቓለስቲ ኣካላቱን፡ ብወድዕነትን ክውንነትን ሓላፍነትን ምንባብን ምግንዛብን የድልየና። ስዒቡ ንመትከላት ናይ ስሙር ግንባራት ካብ ምፍላጥን ምርዳእን ሓሊፍና፡ ንሕጊታቶምን መምርሒኦምን ብነፍሰ-ምትእምማንን ዕግበትን፡ ምእዙዛት ብምዃን ክንግልገለሎም ብንቕሓትን ሓላፍነትን ክንቃለስ ይግባኣና። ካብዚ ወጻኢ፡ ካብ ጥርጣራታትን ጸበብቲ /ዘይሓቖፍቲ/ ፖለቲካዊ ግንዛቤታትን ዊታታትን እናተበስና፡ እንወስዶም ዘይተጸንዑን መሰረት ዘይብሎም መማረጽታት ብምሓዝ፡ እንገብሮም ዝተነጸሉ ኣገባብ ቃልሲታት ግን፡ ክሳብ ዘይተረዳእና ዘሎ ግዜ ግዝያዊ መንፈሳዊ ረስኒ ምሃብ ሓሊፎም፣ ናብ ድልዳለን ውህደትን ዝጭበጥ ዓወትን ክብጽሑና ዝኽእሉ መማረጺ ኣይኮኑን። እንታይ’ዳኣ፡ ነዚ ግጉይ እምነትን ተበግሶን እዚ ክወስዱ ዝደናደኑ ዘለዉ ኣካላት ካብ ምኽሳርን ምድኻምን ሓሊፉ፡ ንህልዊ ድኹምን ዘይውሁድን ደምበ ተቓውሞና፡ ብተዘዋዋሪ መንገዲ /ብወድዕነቱ/ ብመጠኑ’ውን ይኹን ዘይሓጋዚ ኣስተዋጽኦ ዘበርክት’ውን እዩ ዝኸውን።

ስለ ዝኾነ እምነትን ዕላማን ናይ ነፍስ-ውከፍ ተቓዋማይ ውድብ /ኣካል/፡ ህዝብናን ሃገርናን ካብ ዘንጸላልዎም ዘሎ ናይ ውድቀትን ምብትታንን ሓደጋ ብምድሓን፣ ኣብ ሃገርናን ህዝብታትናን መሰረታዊ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ንቃለስ ክሳዕ ዝኾና፡ ከምቲ “ሕልሚ ፈሪሕካ ከይደወስካ ኣይሕደርን እዩ” ዝበሃል ምስላ ኣቦው፡ ካብ ናይ ውልቀን ወልቀታትን ባህግን ወቓሕታን፡ ዘይጭበጥ፡ ስንኩፍን ተሃዋስን ተረደኦን መንፈስን ብምብጋስ ካብ ናይ ሸተኽ-በተኽ /ሎቶሪ፡ ጠላዕ፡ ቁማር/ ዕድል ምዃን ዘይድሕን መማረጺ ሒዝና ክንቃለስ ንውልቅና ይኹን ንህዝባዊ ቃልስና ስለ ዘይጠቅም፡ ኣብ ነብስናን ካለኦት መቓልስትናን ኣራምን ሓጋዝን ኣገባብ ቃልሲ እናኣዘውተርና፡ ንጸረ-ህዝብን ጸረ-ደሞክራስን ደመኛ ጸላኢና /ህግደፍ/ ብሕቡር ቀላጽምና ብምውጋድ ህዝብታትናን ሃገርናን ካብ ውድቀትን ምብትታንን ብምድሓን፡ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ፡ እሂን-ምሂን እናተበሃሃልና ሃየ ተደጋጊፍናን ተኣማሚናን ክንቃለስ ንዳሎን ንበገስን።

ልቦና፡ ኣላዝቦን ምትእምማንን ንተቓወምቲ ውድባትና!!

ተወልደ ኣብራሃም፡

ካርቱም ሱዳን፡05-01-2018

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox